Thursday, January 10, 2013

ኣቦታትና ተሓጒስናልኩም ኣሎና!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ብመሠረት ኣቐዲምኩም ጸብጺብልኩምና ዝነበረ ሓበሬታ፤ ፍረ እቲ እተኻየደ ጉባኤ ድሮ ክረአ ብምጅማሩ ዝተሰመዓና ሓጐስ ብመንገድኹም ክንገልጽ ንፈቱ። እቲ ሓዲሽ ወጺኡ ዝነበረ ኣፈጻጽማ ቃል ኪዳን መርዓ ከምዝተረፈን፤ ብምኽርን ጕስነትን ኣበ ነፍስን “ድሌት” ናይቶም ቃል ኪዳን ዝኣስሩ መጻመድትን ምሥጢረ ተኽሊል ክፍጸም ዝእዝዝ መመርሒ ናብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣህጉረ ስብከትን ከምዝተሰደደን፤ ኣብ ገሊኡ’ውን ንሕዝቢ ከምዝተነበ ድሮ ፈሊጥና ኣሎና።

እቲ ተኣሪሙ ዝወጸ መምርሒ፤ ብመሠረት ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፤ ተኽሊል ብቅዱስ ቍርባን ክፍጸም ግቡእ እኳ እንተኾነ፤ ከምቲ ዝግብኦ ግና ክኸይድ ከምዘይጸንሐ ብምጥቃስ፤ ሕጂ’ውን እቲ ግቡእ ኣካይዳ ንሱ እኳ እንተኾነ፤ ክፍጸም ዝግብኦ ግና ብድሌትን፤ ብንስሓ ተዳሊኻን ተጠንቂቕካን ምዃኑ የነጽር። ቅድሚ ሕጂ ወጺኡ ዝነበረ “ሓዲሽ መመርሒ” ግና ግዱድ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። እቲ “ሓዲሽ” ተባሂሉ ዝተጸወዐን፤ ልዕሊ ዓመት ክትግበር ዝፍትን ዝነበረ መምርሒ ግና ብዙኅ ኣዛራቢ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን፤ ቤተ ክርስቲያንን መንእሰያትን ኣብ ምፍልላይ፤ ኣበ ነፍስታትን ደቆምን ኣብ ምንቛር፤ ብግብሪ’ውን ከረአ ጀሚሩ ከምዝነበረ ንምእመናን ግዳይ ካልኦት እምነታት ንክኾኑ ነውጺ ዝፈጠረን፤ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክልተ ሥርዓት ክሳዕ ዝረአ ሓድነታ ዝተፈታተነ ምንባሩን ዝዝከር እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ድማ ኣብ ክልተ መጋርያ ተቐርቂሩ ክሳቐ ዝጸንሐ ድማ እቲ ቤተ ክህነትና እዩ። እቲ ወጺኡ ዝነበረ “ሓዲሽ መመርሒ” ግቡእ ምኽሪ ዘይተገብረሉ፤ ብዝግባእ ዘይተሓስበሉ፤ ቅንዕና ኣቦታት መዝሚዞም ብድኅሪኦም ገለ መሠሪ ዕላማታት ብዝተጐዝጐዙ ኣካላት “ምምሕዳርን”፤ ከም ሠመረአብ ብዝኣመሰሉ ኣማኸርቶምን ተጠጂኡ ዝነበረ ምዃኑ እዮም ብዙኃት ኣባላት ቤተ ክህነት ክዛረቡ ጸኒሖም።
ብወገን ሊቃውንትን ገዳማት’ውን እቲ ወጺኡ ዝነበረ “ሓዲሽ” መመርሒ፤ ሕጊ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘይተኸተለ፤ ክብሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምሥጢራታን ዝዳፈር ምዃኑ ብምጥቓስ ተቓውሞ ክገጥሞ እዩ ጸኒሑ። ይኹን እምበር ብወገን “ምምሕዳር” መንበረ ፓትርያርክ ነንዝተቓወመ እናጸዋዕኻ ብምፍርራህን፤ ነቲ መምርሒ ንዘየፈጽም ካህን ድማ “መንቀሳቐሲኡ” ከምዝምንጠል፤ ደሞዙ’ውን ከምዝእገድ፤ ካብ ማኅድሮ’ውን ክእለይ ከምዝግበር ብምህዳድ፤ ተቓውሞታት ክዕበስ እዩ ጸኒሑ። እዚ ዘሎ “ምምሕዳር’ዚ” ኣብዚ በጺሑሲ፤ ብዛዕባ ምሥጢረ ተኽሊል “ምግዳሱን” ክሳዕ ክንዲ’ዚ ከፈጽሞ ምግዳዱን ምህንዳዱን፤ ንብዙኃት ኣባላት ቤተ ክህነት ኣስደሚሙ እዩ ነይሩ። ንዝበዘኀ ክፋል ቤተ ክህነት ድማ ኣብ “ሃይማኖት” ናይቲ ኣብ ምምሕዳር ዘሎ ኣካል፤ ክጠራጠር ዝጀመረሉ ኵነት ከምዝነበረ ይፍለጥ። መብዛኅትኦም ንዓቕመ ኣዳምን ሔዋንን ዝበጽሑ መንእሰያት ሃገርና ኣብ ምንታይ ህልዊ ኵነታት ከምዘለዉ እናተፈልጠን፤ ብዝግባእ ስብከተ ወንጌልን፤ ሕግን ሥርዓተ ሃይማኖትን ከይተመሃሩን ከይፈለጡን ንዘይተዳለዉሉን፤ ነቲ መንፈሳዊ ሕይወት ክቕጽልዎ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ኣብ ዝኾነሉ ህሞት እናስገደድካ ቝረቡ ምባል ዘየገርምን ዘየደንፁን ከኣ ኣይነበረን። ብሰንኪ እዚ ምግዳድ’ውን፤ ክብሪ ቅዱስ ቍርባን ተጋሂሱ፤ መርዓወቲ ቅድመ ይኹን ድኅረ አረ ኣብ ገሊኡስ ኣብ እዋን እቲ ተኽሊል ዝፍጽምዎ ዝነበረ ዘሰንብድ ተግባር ንክብሪ ሃይማኖትና ዝፈታተን ነገር ከምዝነበረ ዘይርሳዕ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ።

እዚ ጕዳይ’ዚ ሓቀኛ ቅንኢ ሃይማኖትን መንፈሳዊ ሕይወት ናይዞም መንእሰያት ዘገደሶን ዘበገሶን ሓሳብ እንተዝኸውን ነይሩ፤ ቅድሚኡ ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ብቀዋምነት ዝካየድ ምስፋሕ ስበከተ ወንጌልን፤ መንፈሳዊ ትምህርትን ክሕሰበሉ ክትግበርን ምረኣና ነይርና። እዚ ዘሎ “ምምሕዳራዊ” ኣካል፤ ንጉባኤያት ትምህርቲ ሰንበት እኳ ብግቡእ ከጠናኸር ዘይደሊ፤ ቀንዲ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ንዝኾነ ስብከተ ወንጌል ዝሰፍሓሉ መድረኽ ከተኣታቱ ዘይፈትን፤ ነታ ሓንቲ ዘቖማ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን እትርከብ ጉባኤ’ውን ርእሲ መናፍቅ ንዝኾነ ሠመረአብ ኣኅሊፍካ ብምሃብ፤ ቤተ ክህነትን መንእሰያትን ብጊጉይ ትምህርተ ሃይማኖት ንኽብከሉ፤ ንሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን መከፋፈሊን መዳኸምን ባይታ ገይሩ ይሰርሓሉ ከምዝነበረ ዝተፈልጠ እዩ።
ብዝኾነ እቲ ወጺኡ ዝነበረ “ሓድሽ መምርሒ”፤ ኣብ ታሪኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ቀሊል ዘይኮነ ጸሊም በሰላ ከምዝገደፈ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ቅዱሳን ኣቦታትና ብመንፈስ ተመሪሖም፤ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሠረት ንዘቖምዎ ሕገ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓስ ክፍጸም ዝጸንሐ ተግባር ንክብሪ ቅዱስ ቍርባን ዝዳፈር ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ዝፈታተን፤ ንክብሪ ቅዱስ ሲኖዶስን ሥልጣነ ክህነትን ዝጻረር ተግባር ምዃኑ ርዱእ ነገር ብምንባሩ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ ክፍጸም ከምዝጸንሐ ዘይቅዱስ ተግባር’ውን ከነስተውዕሎ ጸኒሕና ኢና። ይትረፍ ካብ ኣሥመራ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘለዉ ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ኣብ ውሽጢ ኣሥመራ ንርእሱ እኳ ነቲ “መመርሒ” ዘየተግብርዎ ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዝነበሩ ይፍለጥ። 

እቲ ዘገርም ድማ ካብ ቅዱስ ፓትርያርክ ጀሚርካ ዘለዎ ኣቦታት ኣብ ዝሳተፍዎ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያን፤ ካልእ ከብካባትን እቲ ብኣስገዳድ ዝወጸ መምርሒ ከይተፈጸመ ክተርፍ ዝተራእየሉ ኵነት ክንዕዘብ ከሎና፤ ነዚ ሓዲሽ መምርሒ ካብ ምርቃቕ ጀሚርካ፤ ኣብ ምትግባሩ ዝያዳ “ተገዳሲ” ኮይኑ ዝጸንሐ ኣካል፤ እቶም ኣቦታትና ዘይኮኑስ ስውር ዕላማ ዘለዎ ካልእ ኣካል ምንባሩ ይገሃድ ከምዝነበረ ዘይክወል ሓቂ እዩ። ንመንእሰያትና ንቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖት ወለዶምን ከይተረድኦም ዕሽሽ ክብልዋን፤ ንወረቐት ምስክርን ንፎቶግራፍን ጥራይ ኢሎም ክሳዕ ዝደልይዋ  ዝገብር ኣስገዳድ መመርሒ፤ ካልእ መናፍቃዊ ዕላማ ተሓዊስዎ ከምዝነበረ ክንኸታተሎ ዝጸናሕና ጕዳይ እዩ። ስለምንታይ ግና ነቲ ዝዓበየ ክብርን ቅድስና ዘለዎ ኣማናዊ ዝኾነ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ብኸምዚ መገዲ ንምንኣኣስን ንምድፋርን ተደልየ? ሓንሳብ ብ፵ን ፹ን መዓልቲ ምስ ተጠምቁላ፤ ብዝግባእ እኳ እግሮም ኣብ ዘይንበሩላ ቤተ ክርስቲያን ክመርዓዉ ምስ መጹ፤ ብኣስገዳድ ተቐበሉ ምባል ስለምንታይ ኣድለየ? ሕይወቶም ዘገድሰና እንተኾይኑ ቃለ እግዚአብሔርን ሕገ ቤተ ክርስቲያንን ዝመሃሩሉ ዓውዲ ኣቐዲምና ዘይነስፍሕ? ነታ ሓንቲ መዓልቲ ቃል ኪዳኖም ጥራይ ዘይኮነስ ብቀጻሊ ሕይወቶም ምስቲ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝኾነሉ ‘ብቑዕ’ ሕይወት ክህልዎም እንታይ ዓይነት መደባት ዝተዳለወ ነይሩ? ቤተ ክህነትና ንደቁ ብዝግባእ ክጓስይ ስለምንታይ ናብርኡን ኣካይድኡን ብዝያዳ ዝርኅወሉን ዝመሓየሸሉን መገዲ ኣቐዲምና ዘይነተኣታትው? ስለምንታይ ቀዲሞም ክስርሑ ዝግብኦም …. ዘይንሰርሕ? ስለምንታይ ከኣ ሎሚ ሃንደበት እዚ ሕጊ ክትግበር ኣድላዪ ኮይኑ ተረኽበ? እቲ ክሕተት ዝኽእል ብዙኅ እዩ፤ እቲ ዝወሃብ መልሲ ግና ዘይተማልአን ብጥርጣረ ዝተመልአን እዩ።        

በዚ ይኹን በቲ ግና፤ እቲ ብኸምዚ መገዲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ረጊጹ ክኸይድ ዝፈተነን፤ ብኣንጻርነት ጥንታዊ ሕጊ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሊቃውንትን ገዳማትን ከይመኸረ ናቱ ባዕላዊ ሕጊ ከተኣታቱ ዝፈተነን “ምምሕዳራዊ” ኣካል መንነቱ ዝያዳ ዝተቃልዓሉ ጥራይ ዘይኮነስ፤ እዚ ዘሎ “ምምሕዳር’ዚ” ንቤተ ክርስቲያንና ፈጺሙ ናብ ካልእ ኣንፈት ክወስድ፤ ወገንነቱ ብዘይገድስ ግዳይ ዕላማ መናፍቓን ክገብረና ዝፍተን ዘይእሙን ኣካል ከምዝኾነ ግና ብዝያዳ ነጺሩልና ኣሎ። ብስም ተሓድሶ ይኹን ብስም ካልእ ጥጁእ ዕላማታት ቤተ ክርስቲያንና ካብ ዝጻብእዋ ዘሎ ኣካላት ዝፍለየሉ ዝኾነ መገዲ የልቦን፤ እኳ ደኣ ንኣኣቶም ዘሳስዪ፤ ውሽጣዊ ዝምድና ዘለዎ ኮይኑ ይነጥፍ ከምዘሎ ናይ ኵልና ጥርጣረ እዩ። ናይ ሠመረኣብን መሰልቱን ጕዳይ እኳ ከም ጽቡቕ ኣብነት ክውሰድ ይከኣል።

ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ፤ ብወገን ገዳማት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ብመሠረት ጥርዓን ተባዓት ኣቦታት ደብረ ቢዘን፤ እቲ ጕዳይ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ቀሪቡ ክምከረሉን ክመሓየሽን፤ ሕዝበ ክርስቲያንን ቤተ ክህነትን ድማ ዝሕጐሰሉ መአረምታ ክግበር ምኽኣሉ ባህ ዘብል እዋናዊ ተግባር እዩ። እቲ ጕዳይ ታሪኻዊ እጃሞም ብዝፈጸሙ ገዳማውያን ኣቦታት ይበገስ እምበር፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ ጕዳይ መርሚሩን መሠረቱን ባሕሩን ምስ ዝኾኑ ገዳማት ኤርትራ መኺሩን ቅልጡፍ መአረምታ ምግባሩ ዘመስግን ሥራሕ ከምዝፈጸመ ዘይከሓድ እዩ። እምበኣር ከምዚ ዓይነት ሠሚርካን መኺርካን እተገብሮ ጉባኤ ክሳዕ ክንደይ ንቤተ ክርስቲያንን ደቃን ኣገዳሲን ኣርባሒን ምዃኑ ክንጸር ይግብኦ እዩ። እቲ ከምዚ ዓይነት ዘተን ምኽርን ድማ ኣብ ከምዚ ፍሉያት ጕዳያት ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብቀጻሊን ብቀዋምነትን እንተዝግበር፤ ንቤተ ክርስቲያንና ከይተዓቢ ሓንቒዋ ንዘሎ እሾኽ ብቀሊሉ ንምልላይን ንምምንቋሱን፤ ብቀጻሊ ክግበሩ ንዝኽእሉ ውጥናትን መንፈሳዊ መደባትን ከኣ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ካብ ዝኾነ ኣካል ዝተሰወረ ኣይኮነን።

በዚ ይኹን በቲ ግና ገዳማት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ዝወሰድዎ ተበግሶ ንኵሉ ውሉድ እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ኣዝዩ ዘሐጐሰን ዘሐበንን ተግባር እዩ። ንሳቶም ግቡኦም እንተፈጸሙ’ውን፤ ኣቦታትና ብቅንኢ ሃይማኖት ተበጊሶም ከምዚ ተግባር ክፍጽሙ ከለዉ፤ ንዓና ኣብዚ ወለዶ’ዚ ንእነብር ውሉደ ክህነትን፤ ብሓፈሻ ንቤተ ክርስቲያንና ተስፋ ዝህብ ኮይኑ እዩ ረኺብናዮ። ኮይኑ ግና ሓደ ክንላበዎ እንደሊ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፤ ነንዝንስነስ እሾኽ ካብ ምእላይ፤ ነንዝበቖለ እሾኽ ካብ ምምንቋስ፤ ነቲ ነስናስን ተኻሊ እሾኽን ክንነቕሓሉን ዝግባእ ምዃኑ እዩ። ኣይኮነን ግና 'ምስ እሾኽ ተጸገዐ ቆልቋል …' ብዝዓይነቱ ናብራ ክንሳቐ ክንነብር ኢና።  


አሐዱ እምዲያቆናት (አሥመራ)

No comments:

Post a Comment