Saturday, April 14, 2012
Friday, April 13, 2012
ትንሣኤ ብመልእኽቲ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
መጽሓፍ
ከምዚ እናበለ ብተስፋ ትንሣኤ የጸናንዓና። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ እኳ ኸይሞተ ኣይበቝልን እዩ። እቲ ንስኻ እትዘርኦ ነቲ ዝበቘለ ጉንዲ ኣይኮነን። ንእሽቶይ
ዘርኢ እምበር። ዘርኢ ስርናይ ኮነ፡ ዘርኢ ካልእ ዓይነት፡ እግዚአብሔር ከም ዝፈተወ ሕይወት ይህቦ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፴፯-፴፰/15፥37-38)
ብሩሃን ኮይኖም ንዝነብሩ ሰባት ነዚ ክብሪ’ዚ ተዛረበ። ብርሃን ለቢሳ ንእትትንሥእ
እታ ዝኸበረት ሥጋ ከምዝኾነት ምእንቲ ከረድእ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ተዛረበ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፵፪-፵፬/15፥42-44)
ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ጐይታ ነገረ ትንሥኤኡ ተዛሪቡ ኣሎ። ዘርኢ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተዘይወደቐትን
ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። (ዮሐ ፲፪፥፳፬/12፥24)
እቲ ሓዋርያ’ውን ብዛዕባ እዛ ዘርኢ እዚኣ ተዛሪቡላ እዩ። መድኃኒና’ውን ዘርኢ ዝተባህለት
ሥጋኡ ጥራይ ከምዝኾነት ኣረዲኡ ገሊጹልና እዩ። እንታይ ክትብሉ ኢኹም? እታ ዝተዘርአት ዘርኢ ሥጋኡ ኣይኮነትን ዶ ፧
Thursday, April 12, 2012
፲፫ ሕማማተ መስቀል ጐይታ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
፲፫ ሕማማተ መስቀል ጐይታ ብዝምልከት ኣቐዲሙ ንዝወጸ ጽሑፍ ደጊምና ክንርእዮ ብትሕትና ዕድመና ነቕርብ።
1. ፲፫ ሕማማተ መስቀል (ቀዳማይ ክፋል) http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_9494.html
2. ፲፫ ሕማማተ መስቀል (ካልኣይ ክፋል) http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_19.html
3. ፲፫ ሕማማተ መስቀል (ሣልሳይ ክፋል) http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_5088.html
ኣብዚ ክቡርን ቅዱስን ዕለት'ዚ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላክ ዝተመስገነ ይኹን። ንብርሃነ ትንሣኤኡ ኸኣ ብሰላም የብጽሓና።
Sunday, April 8, 2012
ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት ጐይታ
እንቋዕ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና ክብል ንእተቐበሎ ሕማምን ጸዋተወ መከራን እንዝክረሉ ሰሙነ ሕማማት ብሰላም ኣብጽሓና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ ዝሠርዓልና ቅዱስ ጾም ኣጀሚሩ ኣብዚ ኣብጺሑና ኣሎ እሞ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።እዚ ሰሙን’ዚ መከራን ሕማምን ጐይታ እናዘከርና፤ ስሌና ዝፈጸሞ ድንቂ ፍቕሩ እናስተንተንና፤ ሕይወትና እንምርምረሉ፤ ኃጢኣትናን በደልናን እናሓሰብና ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ጸሎትን ስግደት እንፍጽመሉ ሰሙን ከኣ እዩ። እግዚአብሔር ነዚ ቅዱስ ሰሙን ከኣ ብሰላም ኣጀሚሩ ከፈጽመናን ኣብ ቅዱስ በዓለ ትንሣኤኡ ከብጽሓናን፤ እቲ እንቐርቦ ጾምን ጸሎትን ስግደት ከኣ ብምሕረቱ ክቕበለልናን ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።
ማዕዶት ነዚ ሰሙነ ሕማማት ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘዳለወቶ ጽሑፋት መሊስና ክንጥቀሙሉ ንኣንበብታ ብትሕትና ትዕድም።
- ናይ ሰኑይ ትምህርትን ዝምልከት http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_6784.html
- ናይ ሠሉስን ረቡዕን ዝምልከት http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_516.html
- ናይ ሓሙስ ዝምልከት http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_20.html
- ናይ ዓርቢ ስቅለት ዝምልከት http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_21.html
- ናይ ቀዳም ሥዑር ዝምልከት http://maeadot.blogspot.co.uk/2011/04/blog-post_22.html
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።
Friday, April 6, 2012
ሆሣዕና በአርያም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ዑደተ ሆሣዕናኡ ኣብጽሓና።
እዚ “ሆሣዕና በአርያም” ዝብል ቃል ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ካብ ከባቢ ደብረ ዘይት ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብኽብሪ ክኣቱ ከሎ ዝተባህለ እዩ። (ማቴ ፳፩፥፬-፭/21፥4-5) ዋላ’ኳ ሓደ ሓደ ፈሪሳውያን “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ ካብዚ ወጺእኻ ናብ ካልእ ስፍራ ኪድ” እንተበልዎ ነቢይ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክመውት ስለዘይግብኦ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ ሽዑ’ውን እንተኾነ ክሳብ እቲ “ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ” ዝብልሉ መዓልቲ ከምዘይርእይዎ ኣረዲእዎም ነበረ። ሉቃ ፲፫፥፴፩-፴፭/13፥31-35 ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ እቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ዝተጻሕፈ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቅድሚኦም ኣብ ዘላ ዓዲ ከይዶም ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ካብቲ ተኣሲራትሉ ዘላ ፈቲሖም ከም ዘምጽኡሉ ገበረ። ንሳቶም’ውን ክዳውንቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ ምስ ጐዝጐዝሉ ጐይታና ኣብ ልዕሊኣ ተወጢሑ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ከሎ ብዙኅ ሕዝቢ ይኽተሎ ነበረ። ካብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ መብዛኅትኦም ክዳውንቶም ኣንጸፍሉ፤ እቶም ዝተረፉ’ውን ጨናፍር ኣእዋም እናሰልዑ ኣብ መሬት ብምንጻፍ ክብሩን ዝናኡን ንዅሎም ነቢያት ጐይታኦምን ኣምላኾምን ምዃኑ ይገልጹ ነይሮም። እቶም ኃቢሮም ምስኦም ዝጒዓዙ ዝነበሩ’ውን ደስ ስለዝበሎም ድምፆም ዓው ብምባል “ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሣዕና በአርያም” ይብሉ ነበሩ። ብፍላይ’ውን ኣልኣዛር ካብ ምውታን ምትንሥኡ ብምርኣዮም ደስ ኢልዎም ይምስክሩ ነበሩ። (ዮሐ ፲፪፥፲፯-፲፰/12፥17-18 ሉቃ ፲፱፥፴፯/19፥37።)
Thursday, April 5, 2012
“ወኢያረምም በእንተ ጽዮን” - ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን እየ (ኢሳ ፷፪፥፩/62፥1)
ከም ኣካል ትንቢቱ ድማ ስለ ጽዮን ሕልፊ ካልኦት ደጋጊሙ ዝተነበየን ዝጸሓፈን ነቢየ እግዚአብሔር እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ድማ ልዕሊ ፵ ጊዜ ስም ጽዮን ዘልዓለ ብዘይክኡ ካልእ ነቢይ የልቦን። ቅዱስ ዳዊት ድማ ስም ጽዮን ብምልዓል ካልኣዩ እዩ። ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ጠቕላላ ምዕራፋት ናይቲ ብስሙ ዝጽዋዕ መጽሓፈ ትንቢቱ ስም ጽዮን ተላዒሉ ንረኽቦ።
Sunday, April 1, 2012
“እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ተመላለሱ” (ኢሳ ፴፥፳፩/30፥21)
“መንገዲ” ዝብል ቃል ካብ ‘ነገደ’ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ግእዛዊ ግሲ ዝተወርሰ ቃል እዩ። “መንገዲ” ዝብል ቃል ክትርጐም ከሎ ጽርጊያ፡ ጐደና፡ መኽየዲ፡ … ዝብል ትርጉም ይሕዝ (ማቴ ፳፥፴/20፥30)። “መንገዲ” ኣብ ብዙኅ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለየ ምሥጢራት ሒዙ ተጠቒሱ ይርከብ።
ነቢየ እግዚአብሔር ኤርሚያስ “እታ ጥንታዊት መገዲ ሕተቱ” ብምባል ብዛዕባ እዛ ጥንታዊት መንገዲ ይምህረና (ኤር ፮፥፲፮/6፥16)። ሊቀ ነቢያት ሙሴ’ው “ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብሕይወት ክትነብሩ፡ ምእንቲ ኪጽብቐልኩም ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኪነውሕ በታ እግዚአብሔር ኣምላክኹም ዝኣዘዘኩም ኵሉ መንገዲ ኪዱ” ብምባል ትእዛዝ እግዚአብሔር ይነግረና (ዘዳ ፭፥፴፫/5፥33)። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ’ውን “ጐደና እግዚአብሔር ጽረጉ፡ መንገዱ’ውን ኣቕንዑ” እናበለ ትምህርተ ንሥሓ ይሰብከልና። (ማቴ ፫፥፪-፫/3፥2-3)።
ልበ አምላክ ዝተባህለ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ምኽሪ ክፉኣት ሰባት ዘይሰምዕ ብመንገዲ ኃጥኣን ከኣ ዘይከይድ ኣብ ኣኼባ መላገጽቲ ድማ ዘይጽምበር፡ እኳ ደኣ ንሕጊ እግዚአብሔር ብምእዛዝ ዚሕጐስ፡ ነቲ ሕጉ’ው ለይትን መዓልትን ዘስተንትኖ ሰብ ብፁዕ እዩ። እግዚአብሔር ንመንገዲ ጻድቃ ይፈልጦ እዩ፡ መንገዲ ክፉኣት ሰባት ግና ክትጠፍእ እያ” (መዝ ፩፥፩-፪/1፥1-2) ብምባል ንመንገዲ “ፍኖተ ጻድቃን” “ፍኖተ ኃጥኣን” እናበለ ኪኸፍሎ እንከሎ ንፍኖተ ጻድቃ ጥንታዊት መንገዲ፡ መንገዲ ቅኑዓት፡ መንገዲ እግዚአብሔር፡ ዓመጸኛታት ንዚዕንቀፉላ … ፍኖተ ኃጥኣን ከኣ ብኣንጻሩ ባዕላዊ መንገዲ፡ መንገዲ ሞት ዘይቀንዕ ጽርጊያ እናበሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጠቒሶሞ ይርከቡ።
Subscribe to:
Posts (Atom)


