Friday, April 6, 2012

ሆሣዕና በአርያም


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ዑደተ ሆሣዕናኡ ኣብጽሓና።
እዚ “ሆሣዕና በአርያም” ዝብል ቃል ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ካብ ከባቢ ደብረ ዘይት ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብኽብሪ ክኣቱ ከሎ ዝተባህለ እዩ። (ማቴ ፳፩፥፬-፭/21፥4-5) ዋላ’ኳ ሓደ ሓደ ፈሪሳውያን “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ ካብዚ ወጺእኻ ናብ ካልእ ስፍራ ኪድ” እንተበልዎ ነቢይ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክመውት ስለዘይግብኦ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ ሽዑ’ውን እንተኾነ ክሳብ እቲ “ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ” ዝብልሉ መዓልቲ ከምዘይርእይዎ ኣረዲእዎም ነበረ። ሉቃ ፲፫፥፴፩-፴፭/13፥31-35 ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ እቲ ኣብ ትንቢት ዘካርያስ ዝተጻሕፈ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ቅድሚኦም ኣብ ዘላ ዓዲ ከይዶም ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ካብቲ ተኣሲራትሉ ዘላ ፈቲሖም ከም ዘምጽኡሉ ገበረ። ንሳቶም’ውን ክዳውንቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ ምስ ጐዝጐዝሉ ጐይታና ኣብ ልዕሊኣ ተወጢሑ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ከሎ ብዙኅ ሕዝቢ ይኽተሎ ነበረ። ካብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ መብዛኅትኦም ክዳውንቶም ኣንጸፍሉ፤ እቶም ዝተረፉ’ውን ጨናፍር ኣእዋም እናሰልዑ ኣብ መሬት ብምንጻፍ ክብሩን ዝናኡን ንዅሎም ነቢያት ጐይታኦምን ኣምላኾምን ምዃኑ ይገልጹ ነይሮም። እቶም ኃቢሮም ምስኦም ዝጒዓዙ ዝነበሩ’ውን ደስ ስለዝበሎም ድምፆም ዓው ብምባል “ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሣዕና በአርያም” ይብሉ ነበሩ። ብፍላይ’ውን ኣልኣዛር ካብ ምውታን ምትንሥኡ ብምርኣዮም ደስ ኢልዎም ይምስክሩ ነበሩ። (ዮሐ ፲፪፥፲፯-፲፰/12፥17-18 ሉቃ ፲፱፥፴፯/19፥37።)
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ናይ ምዃኑ ቀንዲ ዕላማ ንወዲ ሰብ (ኣዳም) ናብ ቀዳማይ ክብሩ ማለት ናብ ገነት ንምምላስ እኳ እንተኾነ ወዲ ሰብ ግና ኢዱ ዘርጊሑ ኣይተቐበሎን። ምኽንያቱ ክርስቶስ ምድራዊ ንጉሥ ስለዘይኮነ እዩ። ጐይታ ግና ናይዚ ዓለም ሓሳረ መከራ ብምምራጽ ናይዚ ዓለም ጥበብን ኃይልን ሥልጣንን ኵሉ ከንቱ ምዃኑ እናገለጸ ሰማያውን፡ ናይ ሰማይ ዘበለ ኵሉን ክደልዩ ከምዘለዎም መሃረ። ነዚ ምስክር ዝኾነና ኣብ ኣድግን ገልገል ኣድግን ምውጥሑ እዩ። ኣድጊ ምርኡይ ሰብ ዘይውጥሓ ብኣና ዝተናዕቀት እንስሳ እያ። እንተኾነ ግን ንሱ (ጐይታና) ትንቢት ምእንቲ ክፍጽም ኣብ ኣድግን ገልገል ኣድግን ተወጢሑ እናተመስገነ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣተወ። ኣቐዲሙ ብብዙኃት ዝተፈላለዩ ሰባት ናይ መፈራርሂ ቃላት እኳ እንተተነግሮ ንኽስቀል ንዓለም በጃ ዝኾነሉ ቦታ ኢየሩሳሌም ጥራይ ስለዝኾነ ናብ ኢየሩሳሌም መጽአ።
እታ ኣድጊን ገልገላን ናይ ኣዳምን ሔዋንን ምስ ደቆም ምሳሌ ክኾና ከለዋ፡ ተኣሲረን ምጽንሐን ድማ ኵሎም ደቂ ሰባት ብምኽንያት ርኹሳን መናፍስቲ ካብ ኣምላኾም ምርሓቆም፡ ብማእሰረ ኃጢኣት ተኣሲሮም ኣብ ፍርዲ ከምዝነበሩ፡ ጐይታ ድማ ተፈቲሐን ክመጽኣሉ ስለዝኣዘዘ ንሓዋርያት ናይ ክህነት ስልጣን ሂቡ ካብ ናይ ኃጢኣት ማእሰርቲ ፈቲሕኩም ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ምሂርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም ብምባል ዝኣዘዞ ቃል የመልክት። (ማቴ ፳፰፥፲፱/28፥19 ማር ፲፮፥፲፭/16፥15።) ሰይጣን እንተተኸራኸረኩም “ንጐይታ የድልይዎ” እዮም ኢልኩም ብመገዲ ጽድቂ መሪሕኩም ናባይ ኣምጽእዎም ኢሉ ከምዝለኣኾም ዘረድእ እዩ። ጐይታ ነቢያት ዝኾነ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሕዝቢ ብዝለመዶ ሥርዓት ንምምሃር ናይ ነቢያት ሥርዓት ተኸቲሉ እዩ። ኣቐዲሞም ዝነበሩ ነቢያት ናይ መከራ ዘመን ከም ዝመጽእ ንምግላጽ ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ኣብ ውሽጢ ከተማ ይዞሩ ነይሮም። ናይ ምሕረት ዘመን ከምዝመጽእ ንምግላጽ ድም ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ይዞሩ ነበሩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናይ ሰላምን ሓጐስን ዘመን ምምጻኡ ክገልጽን ነቲ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ደቂ ሰባትን፤ ኣብ መንጎ ሰብን መላእኽትን፤ ኣብ መንጎ ሥጋን ነፍስን ዝነበረ ጽልኢ (ቅርሕንቲ) ከምዘብቅዐን ዕርቅን ሰላምን ምውራዱ ከረድእ ኣብ ልዕሊ ኣድጊ ተወጢሑ ንሕዝቡ ተራእዮም።
ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ናይ ባህርይኡ ስለዝኾነ ክብሩ ንምግላጽ እቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ ሕዝቢ ኣብቲ ዝኸደሉ ዝነበረ መንገዲ ከይተረፈ ክዳውንቶም ከምኡ’ውን ልምሉም ጨንፈር ስየ ከም ምንጻፍ ኣንጸፉሉ። ኣሽንኳይዶ ንሱስ እታ ንሱ ዝተወጠሓላ ኣድጊ’ውን ክብርቲ እያ እሞ መሬት ከይትረግጽ ኢሎም እዮም ካብ ዝባኖም ክዳውንቶም እናወጽኡ ዘንጸፍሉ። እዚ ዅሉ ዘረድኣናን ዝገልጸልናን ዝምህረናን እቶም ብቅንዕና ንዕኡ ዝስዕቡ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከምዘኽብርዎ፡ ከምኡውን ንዕኡ ጥራይ ዘይኮነ ንሱ ንዝመረጾምን ንዝኃረዮምን ኵሎም ድማ ብዓቢይ ትሕትና ከምዘኽብርዎም እዩ። ነዚ ከረድኣና ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ፰፥፴፫/8፥33 “ንኅሩያን ኣምላኽከ መን ክኸሶም ይኽእል” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ።
ናብቲ ቍልቍል ደብረዘይቲ ምስ ቀረቡ፡ ደቀ መዛሙርቱ ደስ እናበሎም ብዓቢይ ድምፂ “እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ ዝተባረኸ እዩ። ሆሳዕና ኣብ ኣርያም ክብሪ” እናበሉ የመስግኑ ነይሮም። ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም በዓል ፋሲካ ንምኽባር ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድ ክቡር ንጉሥ ናይ ሰላም ኣምላኽ ምዃኑ ንምምስካር ናይ ስየ ቈጽሊ ኂዞም ክቕበልዎ ወጽኡ። ስየ ናይ ዓወትን ሰላምን ምልክት እዩ። ከምቲ ናይ ኣብርሃምን ይስሐቅን ያዕቆብን ስየ ኂዞም ዘመስግንዎ ዝነበሩ ንሳቶም’ውን ከምኡ ክዳውንቶም ኣንጺፎም ስየ ኂዞም ምኽባሮምን ምስዓቦምን ሓደ ዓይነት (ተመሳሳሊ) እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ንኣምላኽነቱ ዝተጠራጠሩን (ዕሩቅ ብእሲ) ወዲ ዮሴፍ ዝመሰሎም ፈሪሳውያንን መምህራነ ሕግን ከመይ ኢሉ ብኸምዚ ምስጋና ይምስገን ብምባል ተቖጢዖምን ጕህዮምን ነይሮም። (ዮሐ ፮፥፵፪/6፥42 ማቴ ፲፫፥፶፬-፶፮/13፥54-56 ሉቃ ፲፱፥፴፱-፵/19፥39-40) ንሱ ግን ነቶም ተጠራጠርትን ትዕቢተኛታትን ንኸኅፍር ካብ ኣፍ ሕፃናት ምስጋና ኣዳለወ። (መዝ ፰፥፪/8፥2 ማቴ ፳፩፥፲፮/21፥16።)
ወዲ ሰብ ሎሚ’ውን እንተኾነ ምድራዊ ዝኾነ ክብርን ሥልጣንን ክደሊ ነቲ ሰማያዊ ርስቱ ይስእኖ ኣሎ፤ ከምኡውን ናይ ትምኒት ሥጋኡ ግዙእ ብምዃንን፤ ንናይ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትሕትና ትምህርቲ ዘንጊዑ እምቢ ኣየስተውዕልን ብምባል ብትዕቢት ናይ ባዕሉ መንገዲ እናመሃዘን፡ ብመገዲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ (ኣቦ ሓሶት) እናኸደን እናተወንጨፈን ይርከብ።
እግዚአብሔር ግና ሕዝቡ ክጠፍእ ስለዘየደሊ፡ ካብ ዝኸድዎን ካብ ዝጠፍኡሉን ቦታ ኵሉ ተመሊሶም ክመጽኡሉ እዩ ዝቅድም። (ዘካ ፩፥፲፫/1፥13) ሕጂ’ውን ናይ ሓዋርያት ናይ ክህነት ኣሰር ንዝተቀበሉን ዝሓዙን ካህናት፡ ብኃጢኣት ንዝተኣሰረ ኵሉ ፈቲሖም ከምጽኡሉ ኣዚዝዎም እዩ። ከምቶም ሓዋርያት ትእዛዙ ሓልዩ ብቅንዕና ንቅድሚት ዝጎዪ ሓዋርያ ይህሉዶ ይኸውን? ነዚ ዘይምግባር ዘኽስስን ዘቕጽዕን ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣብ ትንቢተ ሕዝቅኤል ምዕራፍ ፴፫/33 ተገሊጹ ኣሎ እሞ ነስተውዕለሉ። ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ ዝበለ ነታ ዓባይ ኣድጊ (ኣደ) ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ዒሉ’ውን እዩ። ስለዚ ካህን መምህረ ንስሓ ንወለዲ ጥራይ ዘይኮኑስ ንደቆም’ውን ምእንቲ ከይጠፍኡ መኺሩ ምዒዱ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምጽኦም ይግብኦ። ናይ ኃጢኣት ፆር ምሽካም ከይለምዱ ከለዉ ናይ ጐይታ መስቀል ምሽካምን ቤተ ክርስቲያን ምግልጋልን ከምዝለምዱ ምግባር ኣገዳሲ ዝኾነ መንፈሳዊ ዕዮ እዩ፤ ምኽንያቱ ጐይታ ስለዝደልዮም። ጐይታ ምእንቲ ክውጥሓ ዘምጽእዋ ኣድጊ ኣብ ትሕቲ ጐይቶታ ብሥነ ሥርዓት ተታኂዛ ዝነበረት እሞ ዝተሰርቀት እያ። ሎሚ’ውን ወዲ ሰብ ንጐይታ ዘድሊ ኮይኑ ምእንቲ ክርከብ ሥርዓት ኣልቦ ክኸውን የብሉን። ብእምነትን ብሃይማኖትን ሥርዓት ተሓጺሩ ክርከብ ይግብኦ። ሆሣዕና ማለት መድኃኒት ስለዝኾነ መድኃኒና ነለሊ (ንድለ)፤ ንሱ’ውን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ብሓድነት ሆሣዕና በኣርያም ኢሎም ከምዝዘመርሉ ንሕና’ውን ክርስቶሳውያን ኢና፡ ሰዓብቲ ጐይታ ኢና እንብል ኵልና ብሓድነት ዓው ብዝበለ ድምፂ መንነቱን ኣምላኻዊ ክብሩን ፈሊጥና ነመስግኖ። ካብ ሰማይ ንዝወረደልና መድኃኒት ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት ንበል። ኣብ ከባቢ መቕደስ ዝነበሩ ናይ ኢየሩሳሌም ሕጻናት ከም ዘመስገንዎን ከም ዝዘመሩሉን ንሕና’ውን ክብሩ ንግለጽ። ሓዋርያት ነታ ኣድግን ገልገል ኣድግን ምእንቲ ክውጥሐን ኢሎም ክዳውንቶም ኣብ ዝባነን ጎዝጊዞም እዮም። እቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ ሕዝቢ ክዳውንቶም ኣብ መሬት ኣንጺፎም እታ ኣድጊ ብልዕሊኡ ከምትኸይድ ጌሮም እዮም። ሕጂ’ውን ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍና ጐይታና ክድይብ (ክውጣሕ) ይደሊ ኣሎ። ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ማዕፆ ይኵሕኵሕ እዩ ዘሎ። (ራእ ፫፥፳/3፥20) ስለዚ እንታይ ኣንጺፍና ክንቅበሎ ተዳሊና ኣሎና? ድምፁኸ ሰሚዕናዮ’ዶ ንኸውን? ልብናስ ንሱ (ጐይታ) ኣትዩ ክቕመጠሉስ (ክወጥሓሉ) ጸርዩ ተነጺፉ፡ ጸቢቑ ይጽበዮዶ ኣሎ?
እግዚአብሔር ኣምላኽ ልብና ብንስሓ ተሓጺቡ ፍቕርን ጽቡቕ ግብርን ተነጺፉ ጽቢቑ ክጸንሖ ይድሊ ኣሎ። እዚ ምግባር ተሪፉ ልብና ብናይ ኃጢኣት ስራሕ፡ ብክፉእ ትምኒት፡ ብተንኮል፡ ሕማቕ ቅንኢ፡ ብቒምን በቐልን ዝኣመሰሉ ተመሊኡ ኣብ ውሽጥና ንሱ ዘይፈትዎ ስራሕ እንሸይጥን እንልውጥን እንተደኣ ኮይንና ግና ቤተ መቕደስ ሰብነትና ከም ዘባላሸና ፈሊጥና ሕጂ ባዕልና ሰብነትና ምጽራይን ምንጻሕን ንጀምር።
ከምቲ ኣብዚ ዑደት ሆሣዕና ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጽአ ቤተ መቅደስ ኣይሁድ ረሲሑ ስለዝረኸቦ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ንዅሎም እናገረፈ ከምዘውጽኦም ንዓና’ውን ካልኣይ ጊዜ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ብመቕስፍተ ጥብጣቤ (ብናይ መዓት ጭጉራፍ) ከይቀጽዓናን ካብ ቤቱ እውን ከየውጽኣናን ምጥንቃቕ የድሊ። ንጽሕና ዝፈቱ ኣምላኽ እዩሞ ናይ ክርስቲያን ሰብነት’ውን ናይ እግዚአብሔር መኅደሪ ቤተ መቅደስ እዩ። (፩/1 ቆሮ ፫፥፲፮-፲፯/3፥16-17) ስለዚ’ውን ንጠንቀቐሉ። ብናይ ጽድቂ ስራሕ ከምዝጽብቕን ከምዝምልክዕን ንግበር። መድኃኒት ዝኾነ ናይ ጐይታና ሥጋን ደምን ንምቕባል ሰብነትና ብንስሓ ነዳሉ። ምስኡ ንዘለዓለም ምእንቲ ክነብር ምስ ቅዱሳኑ ኣብ ሰማያት ንምስጋና ክንበቕዕ (ከነመስግኖ ምእንቲ ክንክእል) ሎሚ ነቒሕና ካብ ድቃስና ተበራቢርና ስንቂ ዝኾነና ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ንቐበል። ምኽንያቱ ኣዝዩ ነዊሕ ዝኾነ ጉዕዞ ይጽበየና ስለዘሎ። ንኣብነት ነቢይ ኤልያስ ኣብ ናይ እግዚአብሔር እምባ ክበጽሕ ዘኽኣሎ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦ እንጌራ ስለ ዝበልዐ እዩ። (፩/1ይ ነገ ፲፱፥፭-፱/19፥5-9።)
ንሕና’ውን ናብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ንኽንበጽሕ ዘኽእለናን ዘብቐዓናን ካብ ሰማይ ዝወረደልና ናይ ክርስቶስ እንጌራ ንብላዕ ማለት ሥጋኡን ደሙን ንቐበል። (ዮሐ ፮፥፴፪-፵/6፥32-40) ናብዚ ዓቢይ ክብሪ ምእንቲ ከብቕዓና ናይ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን መላእኽት ተራዳኢነት ናይ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ኣምላድነትን ጸሎት ኣይፈለየና።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ማኅበረ ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት ሚያዚያ ፳፻ (2008) መበል ፶፪ ኅታም 

1 comment:

  1. MAY THIS WEBSITE GROW AND BECOME KNOWN AMONG THE PEOPLE OF GOD.

    ReplyDelete