Thursday, April 5, 2012

“ወኢያረምም በእንተ ጽዮን” - ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን እየ (ኢሳ ፷፪፥፩/62፥1)



ኣብ ልዕሊ ጽዮን ብዛዕባ ዝመጽእን ዝኸውንን ነገር ርእዩ፡ ስለ ጽዮን ትም ምባል ምርጭኡ ከምዘይኮነ ዝተዛረበ ነቢየ እግዚአብሔር  እዩ። እዚ ክቡር ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ፡ ብዛዕባ እሥራኤል ዘሥጋ ይኹን እሥራኤል ዘነፍስ ዘድንቑ ትንቢታትን ምሳሌታትን ዝተገልጸሉ፤ ሰማያዊን ምድራዊን ራእያት ዝረኣየ፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብግልጺ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ካብ ቅድስት ድንግል ምዃኑ ዝተዛረበ፤ ናይ ክርስቶስ አምላኽነትን ወልደ ኣምላኽነትን ከምኡውን ብዛዕባ ካልእ ትንቢታት ኣስፊሑ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ፯፻ ዓመት ኣቐዲሙ ዝነገረን፡ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ሓደ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ እዩ።

ከም ኣካል ትንቢቱ ድማ ስለ ጽዮን ሕልፊ ካልኦት ደጋጊሙ ዝተነበየን ዝጸሓፈን ነቢየ እግዚአብሔር እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ድማ ልዕሊ ፵ ጊዜ ስም ጽዮን ዘልዓለ ብዘይክኡ ካልእ ነቢይ የልቦን። ቅዱስ ዳዊት ድማ ስም ጽዮን ብምልዓል ካልኣዩ እዩ። ዳርጋ ኣብ ፍርቂ  ጠቕላላ ምዕራፋት ናይቲ ብስሙ ዝጽዋዕ መጽሓፈ ትንቢቱ ስም ጽዮን ተላዒሉ ንረኽቦ።

ጽዮን ዝብል ቃል እምባ መጽግዒ ዝብል ትርጉም ከምዘለዎ፡ ምስ ታቦተ ጽዮን ብምዝማድ ኣብ ካልእ ጽሑፋትና ብመጠኑ ጠቒስና ነይርና። ብጽዮን ተመሲሉ ዝንገር ትንቢት’ውን ብሓደ ወገን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ መንግሥተ ሰማያት በቲ ካልእ ድማ ኣብ ዘመነ ብሉይ ንእሥራኤል ዘሥጋ - (ደቂ ኢየሩሳሌም ምድራዊት) ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ንእሥራኤል ዘነፍስ (ደቂ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት) ዝኾኑ ምእመናን ከምቲ ዓውደ ትንቢት ተመሥጢሩን ተተርጒሙን ንረኽቦ ኢና።

እምበኣርከስ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ኣጋ ምውዳእ ትንቢቱ ብዛዕባ ጽዮን ካብቶም ዝተዛረቦም ቃላቱ ጭንቅን መከራን ጽዮን ዘዘካኽርን ዘተሓሳስብን እዩ ነይሩ። ሃገረ እግዚአብሔር ናይ ዝኾነት ጽዮን ነገር ስቕ ከምዘየብሎ ዝተዛረበ ነቢይ ኢሳይያስ እተን ቅዱሳት ከተማታት ኢየሩሳሌም በረኻ ከምዝኾናን፡ ጽዮን’ውን በቲ ኣብ ልዕሊኣ ኣንጠጢዩ ዝነበረ መከራ በረኻ ካብ ምዃን ከምዘይተምልጥን፡ ኢየሩሳሌም’ውን ዓንያ ከምእትተርፍን ቅልውላውን ከምዘይፍለያ ብምስቁርቋርን ብምቝዛምን ዚንበ ዚነበረ።
ስለዚ እዩ ድማ ኣብታ ናይ እግዚአብሔር ቅድስቲ ከተማ ብጸላእታ ዝወርድ መከራን ውርደትን፡ መግዛእትን ጽርፈትን፡ ምብዳምን ስደትን ኣስተንቲኑ ስለ ክብሪ እግዚአብሔር ክብል ብስሙ ንእትጽዋዕ ቅድስት ከተማ ፈጺሙ ከይረሰዐ መከራኣ ክሳዕ ዝሓልፍ፡ ጽድቃ ከም ድሙቕ ብርሃን ክሳዕ ዝበርቕ፡ ብርሃንነታ ክሳዕ ዝገሃድ፡ መድኃኒት ሕዝባ ምዃና ክሳዕ ዝፍለጥ፡ ጸላእታ ክሳዕ ዝኃፍሩን ዝደኑን ኃያል እግዚአብሔር ብምሕረቱ ጊዜኡ ኣኺሉ ድንቂ ሥርሑ ክሳዕ ዝሠርሕ “ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡ ስለ ኢየሩሳሌም ድማ ኣይክዐርፍን” ዝበለ።
እምበኣርከስ እዚ ረቂቕ ትንቢት’ዚ ብገጸ ንባቡ ስለታ ብሰንኪ በደል ሕዝባ ኣብ ልዕሊኣ መከራ ንዝመጻን፡ ግፍእን መግዛእትን ባቢሎናውያን ንዝወርዳ ጽዮን (ኢየሩሳሌም) ዝተነግረ ይኹን እምበር፡ በቲ ካልእ ትርጉሙን ፍጻሜኡን ግና ስለታ ኣማናዊት ጽዮን ወኢየሩሳሌም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተተንበየ ትንቢት እዩ ነይሩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ቅድስት ከተማ እግዚአብሔር ዝኾነት ጽዮን - ኢየሩሳሌም ዝተነበየላ ትንቢት’ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ዓቢይ መልእኽቲ ዝሓዘለ ከኣ እዩ።

“ኣብ ጥቓ ርባታት ተቐመጥና፡ ንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና። መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና። እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፡ እቶም ሰቀይትናውን፡ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፡ እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና። ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚአብሔር ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር፧ ኢየሩሳሌመየ፡ እንተ ረሲዔክስ፡ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ። እንተ ዘይዘኪረኪ፡ ንኢየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዅሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፡ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ። ኦ እግዚአብሔር፡ ነቶም ኣፍርሱ፡ ክሳዕ መሠረታ ኣፍርስዋ ዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ ኢየሩሳሌም ዘክሮም። ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፡ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ። ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ።” መዝ ፻፴፮(137)

ቤተ ክርስቲያን ጽዮን እያ። እታ ናይ ብሉይ ደብረ ጽዮን መሥዋዕተ ኦሪት ይሥውዓላ ነበረ። ደብረ ጽዮን ዘሓዲስ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ምሳሌ ዘይኮነ ኣማናዊ መሥዋዕተ ሓዲስ ኢየሱስ ክርስቶስ ይሥዋዕ። ኣብታ ዝቐደመት ጽዮን “ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኣዋጅ ንገሩ” (ኢዩ ፪፥፩ /2፥1) ከምዝተባህለ ኣብታ ሓዳስ ጽዮን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ሓዲሽ ሕገ ወንጌል ይእወጀላ። “ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ” (ኢዩ ፪፥፲፭/2፥15) ተባሂሉ ነታ ዝቐደመት ጽዮን ከምዝተነግረላ ኣብቲ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ጽዮን ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ይእወጀላ። ጸሎተ ምሕላ ይግበረላ። ኵሉ ድማ ተኣኪቡ ቅዳሴ፡ ማኅሌት ሰዓታት ይሳተፈላ። ወቦ ዘተርፈ።

እምበኣርከስ እታ ወትሩ ክንነብረላን፡ ኣብ ልቦናና ተወቂራ ክትጸሓፍ ዘለዋን፤ ፈጺምና ኣብ ምድቃስናን ምትንሣእናን ክንርስዓ ዘይግባኣና፡ መዓልቲ ይኹን ለይቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክንጽግዓን ክንዕቖበላን ተምሣል ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣብ ምድሪ መዕረፊት ገይሩ ዝሃበና፡ ብሕጋን ሥርዓታን ተመላሊስና ብምሥጢራታ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ከነጽንዕን ክንፍጽምን፡ ብሰናይ ግብሪ ሰማያዊ ስንቂ ክንቋጽረላን፡ ዘለዓለማዊት ሕይወት ክንረኽበላን ዝሃበና ጽዮን ሓዳስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ጽዮን ቤተ ክርስቲያን ኣዴና እያ። ቅዱስ ዳዊት እምበኣር ኣብዚኣ ቤት ንዘለዓለም ክነብርን በረኸታ ክሳተፍን፡ ሕግን ሥርዓታን ክሕሉን ከገልግልን እዩ ንእግዚአብሔር ዝልምኖ ዝነበረ። “ንእግዚአብሔር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፤ ንእኣውን እደሊ ኣሎኹ። ምሉእ መዋእለይ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክነብር” መዝ ፳፮፥፭/27፥5 ንሳ ድማ መሠረታን ርእሳን ጐይታናን ኣምላኽን መድኅን ዓለም ክርስቶስ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ሓለፋ ኵሉ ነገር መዓልታዊ ጒዳይ ቤተ ክርስቲያን የተሓሳስቦ ምንባሩ ዝገልጽ ዝነበረ። ምኽንያቱ ሕይወት ኣብኣ ስለዘሎ።

እምበኣርከስ ስለዛ ቅድስት ቤት እግዚአብሔር ካብ ልቢ ምቅናእ ይግባእ። ‘ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ’ መዝ ፷፰፥፰/69፥8 ዮሐ ፪፥፲፯/2፥17 ዝብል ትንቢታዊ ቃል፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ባዕሉ ሥጋ ለቢሱ፤ ነቶም ኣብ ቤቱ ዘይግባእ ነገር ንዝፍጽሙ ዝነበሩ ኣይሁድ ብምግሣጽ ፍጻሜኡ ከምዘርኣየና፡ ንሕና’ውን ደቂ ሥላሴ ዘበልና ስለዛ ብመንፈስ ዝተወለድናላ ቅድስት ቤት ቅንኣት ክህልወና ይግባእ። ‘ቤት ኣቦና’ ኢልና ክንጽውዓ ምሂሩና እዩ። ኣብ ሓጐሳን ዕብየታን ሓሴት ክንገብር፤ ኣብ ጸገማን ድኻማን ድማ ክንሓዝንን ክንበክይን የድሊ። ኣደነታን ሕይወትነታን ክስቖረናን ከነስተውዕሎን ይግባእ። ኣዲኡ ክትጕዳእ ከላ ዘይስምዖ ይህሉ ዶ ይኸውን፧ ውሉድ ተባሂሉ ክጽዋዕሲ ይከኣል ዶ ይኸውን፧ “ግናኸ፡ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩ’ዶ ጊዜኹም እዩ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ እሥራኤል ዘሥጋ ከምዝመጾም ኣብ ልዕሌና’ውን ይደሃይ ከምዘሎ ነስትውዕሎ ዶ ንህሉ። (ሓጌ ፩፥፫/1፥3)

ሎሚ ዝያዳ ካልእ ጊዜ፡ ኣዴና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሕማማን ቃንዝኣን ዝበርትዓሉ፡ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተነበየላ ጽዮን መከራኣን ዝወግኡዋን ዝበዝኁሉ እዋን ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ የልቦን። ስቓያ ዘብዝኁን ጥርጥር ብምእታው ደቃ ዝኸፋፍሉን፡ ገሊኦም ‘ከርሶም ዝኣምላኾም’ ዝበሎም ንንዋይን ንስሞምን ዝሓድሩ፡ ጡብ ኣዴኦም ዝነኽሱ ክኾኑ ከለዉ ገሊኦም ድማ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ካልእ ስውር ዕላማ ዝጸንሖም እዮም። ኮይኑ ድማ ነቢያት ከምዝበልዎ እቲ ክፉእ ነገር ኣብቲ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ምስ ተረኽበ፡ ኑፋቄን ዓለማዊ ክፍኣትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክነግሥ ለይትን መዓልትን ክጸዓር ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ቅድስትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ናይ ጥፍኣት ነጋሪት ክውቓዕ፡ ናይ ሓሶት መለከት ክንፋሕ፡ ናይ ምክፍፋል ኣዋጅ ክእወጅ ከሎ፡ ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ብጸልማት ንክጕልበብ ክፍተን ከሎ፡ ደቂ ባቢሎን ከም ትምኒቶም ክቖርንዋን ክገዝእዋን፡ ጽርፈትን ላግጽን ክዘንባን፡ ደቃ’ውን ብዘይ ትጉህ ጓሳ ተረኺቦም ተዃሉ ክመናጠልዎም ከለዉ ስቕ ምባል ዝግባእ ኣይኮነን። ‘እንታይ ይምልከተኒ’ ኢልካ ጐሲኻዮ’ውን ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነቢይ ኢሳይያስ’ውን ‘ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን’ ክብል ከሎ ንሕና’ውን ስለታ ኣማናዊት ጽዮን ስቕ ምእንቲ ከይንብል እዩ።

ሎሚ ግና ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘሎና ደቂ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክንሠምርን፡ ብሓድነት ስለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንዓዪይ ስለዘይንረአን፡ ስለዛ ጽዮን ኣዴና ተቢዕና ክንዛረብ ስለዘይንስማዕን መፍቶት ‘መምሰልቲ ኦርቶዶክሳውያን’ ዝኾኑ መናፍቃን ኮይንና ንዝመት ኣሎና። ብስውርን መሰሪን ዕላማ ናይዚኦም ብስም ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝሽቕጡ ዘለዉ ‘ሃይማኖታውያን ነጋዶ’ ብቀንዱ ግዳይን መሳርሒን ዝኾኑ ዘለዉ ድማ መበቆል እዞም መናፍቃንን፡ ድኅረ ባይትኦምን ጸኒሕ ምንቅስቓሶምን ብዙኅ ኣፍልጦ ዘይጸንሖም ውላድን ወለዶን እዛ ኣማናዊት ጽዮን እዚኣ እዮም። ነቲ ሓቂን ክውንነትን ቤተ ክርስቲያን ክገልጹን ከረድኡን ዝግብኦም፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉን ዝምልከቶምን ኣካላት ቤተ ክርስቲያን እኳ እንተነበሩ፤ ንሶም’ውን ኣብዚ ኵሉ ሽግር ቤተ ክርስቲያን ብኸፊል ኢድ ዘለዎም ብምዃኖምን፡ ኣፎምን ልቦምን በበይኑ ኮይኑ ብዘለዎም ‘ፍሉይ’ ርክብን ግና ኣፎም ሓቲሞም ይርከቡ። ነቲ ኣብ በብዘለናዮ ከባቢን ሃገራትን ሽግራትና ዘጋድዱ ዘለዉ’ውን፡ ምስቶም መናፍቃንን ካልእ ስውር ዕላማታት ምስ ዘለዎም ጉጅለታት ተመሻጢሮም ዝሰርሑ ገለ ውሑዳት ኣባላት ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምዃኖም ካብ ምእመናን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ዋና ጊዜ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣብ እዋኑ ክቐልዖም እዩ። ናይ ጊዜ ጒዳይ እዩ እምበር ዘይቅላዕ ክዱን ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን።  

እምበኣርከስ ኣብ ልዕሊ ጽዮን መከራ እናተዓወጀ ስቕ ምባል ስለዘይመረጽና ኢና ንዛረብ ዘሎና። ብሕጂ’ውን ሓገዝቲ እንተረኸብና ጽቡቕ፤ ኣይኮነን ግና እግዚአብሔር ብዝፈቕዶ በቲ ውሱን ዓቕምና ንመለበሚን መንቅሕን ምእንቲ ክኸውን ብዛዕባ እዞም ሎሚ ከም ሓቀኛ ኦርቶዶክሳውያን ክረኣዩን፡ ተጠባቒ ሕግን መሰልን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ንርእሶም ዘቕርቡ ዘለዉ መምሰልቲ፡ ንዕላማታቶምን ኣካይድኦምን ካብ ምዝራብን ምቅላዕን ዓዲ ኣይንውዕልን ኢና። እቶም ብዙኅ ይፈልጡ እዮም ኢልና ተስፋ ዝገበርናሎምን፡ ክዛረቡ እንጽበዮምን ስለቲ ንሶም ዝፈልጥዎ ምኽንያት ዛጊት ኣፎም ምኽፋት ካብ ኣበዩ፤ ንሕና ኵልና ስለታ ኣዴና ጽዮን ክንብል እንፈልጦ ክንዛረብ ይግብኣና ኢልና ንኣምን። ብዙኃት’ውን ነዚ ክፉት ባይታ ተጠቒሞም በብሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንዝጥጃእ ዘሎ ውዲትን ክውል ኣካይዳታትን ከቃልዑ ትጽቢት ንገብር። ሕጂ’ውን መልእኽትና ስለ ጽዮን ስቕ ኣይንበል ዝብል እዩ።

ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት፡ እዞም ኣብ ውሽጢ ሃገር እንከለዉ ብምሉእ ዓቕሞም ኣንጻር ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምስዝተለዓሉ ትካላት ሓደሽቲ እምነታትን “ገበርቲ ሰናይ”ን ምሕዝነት ብምፍጣርን ኪዳን ብምምሥራትን፡ ንቀጽርታት ቤተ ክርስቲያን ከም ጥጡሕ መድረኽ ንመጭወዪ ምእመናን እናተጠቕሙን (ብፍላይ ድማ መንእሰያትን ዝተማህረ ወለዶን)፡ ንዓውደ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ከም መሰጋገሪ ድልድል እናተጠቕሙን ንነዊሕ ዓመታት ንመንእሰያት ናብ ካልኦት ትካላት እምነታት ከስግሩ ዝጸንሑ እዞም መናፍቃዊ ጉጅለታት ሎሚ’ውን ካብ ናይ ትማሊ ጥፍኣቶምን ጌጋኦምን ዝተማህሩ ኣይኮኑን። ኣብቲ ዝሓለፈ ወለዶ ትምህርቲ መናፍቃን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣስሊኾም ብምእታው ዝፈጸምዎ ዕንወት፡ ኣብዚ ዳኅረዋይ ጒዕዞን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ጸሊም ነጥቢ ከምዝሓደገ ገና ኣይተራእዮምን። ሎሚ ሓድሽ ዝመስል ጊዜያዊ መጐስጐሲ ኣጀንዳ ኣልዒሎም እንተተዛረቡ፡ ትማሊ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሎና ኣጸቢቕና ንፈልጦም ኢና እሞ ኣይገርመናን እዩ። ትማሊ ትማሊ ብዝተፈላለየ ሜላን፡ ‘ፓለቲካዊ’ ብዝመስል ውዳበን ምስ ዝተፈላለዩ ጽልዋ ዘለዎም ሰብ ጸጋን ሓለፍቲ መንግሥትን ብምስምማዕ፡ መናፍቃዊ ትምህርቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ክዝርግሑን፡ ንኵሉ መሓውራት ቤተ ክርስቲያን ክቖጻጸሩን፡ ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖታን ሥርዓታን ትውፊታን ክብራን ታሪኻን ኣብ ምብራዝን ምዕናውን ክጽዕቱን፡ ኣካይዶኦምን ትምህርቶምን ንዝተቓወመ ቤተ ክህነት ይኹን ምእመን ከእስሩን ከፋራርሑን ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር በተን ንሳቶም “መንደድቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዝብልወን ኣዴታት ሓደጋ ምስ ወደቖም፡ እዞም መሳሕትያን ንዓመታት ዝሓነጽዎ ዕርድታቶም ከም ኳና ክፈርስ ምስ ጀመረን፡ ከምቲ ሓደ ኣቦ ዝበልዎ “መርከቦም ምስ ጠሓለት”ን፡ ትምህርቶም ብጉባኤ ሊቃውንቲ ኤርትራ ጊጉይ ትምህርቲ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸን፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ሲኖዶስን ገዳማት ኤርትራን ካልኦት ኣካላትን ቀሪቦም “ክንጐይይ ክንብል ተዓንቂፍና….ምሕረት ግበሩልና” ኢሎም ድኅሪ ምልማኖምን፡ ንቕሓትን ትብዓትን ቤተ ክህነትን ምእመናንን ምስ ወሰኸን ዕድላቶም እናጸበበ ኣብ ዝኸዱሉ ድማ ካልእ ዘይተማእዛዝነቶምን ስዉር ዕላማታቶምን ብኵሉ ኣካላት እናተኸሸሐ ምስ መጸን፡ ውሑስን ድልዱልን ንዝበልዎ ጨንፈር ኣትላንታ ቀንዲ መዋፈሪ መደብሮም ከምዝገብርዎ ዝፍለጥ እዩ። ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ንዝነበሮም ዘይምስምማዕን ዝሰዓበ ውሳነን ከም ጽቡቕ ዕድል ብምርኣይን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ጒዳያትን ኣፈታትሑኡን ንዝተፈጥረ ድኽመት ከም ነዃል መዝሚዞምን ተጠቒሞምን “ያኢ ዝብእሲ ኣብ ዘይፈልጥዎ…” ከም ዝብሃል ኣብ ኵሉ ዓለም ተዘርጊሖም ብስም ኦርቶዶክስ መሳፍሒ ክረኽቡን ቤተ ክርስቲያንና ክመቃቕሉን ክጽዕቱን ንብዙኃት ከደናግሩ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ብቐደሙ’ውን ንዝገጥሞም ዝነበረ ሃይማኖታዊ መልስታት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ብምዅላልን፡ ስም ብምጽላምን ብምፍርራሕን እንተዘይኮይኑ ቅዱስ መጽሓፋዊ ምላሽ ንምሃብ ትብዓት ዘይነበሮም እዮም። ምኽንያቱ እቲ ኵሉ ዝምህርዎ ዝነበሩ ትምህርትን፤ ዝገብርዎ ስራሕን ኣብ ዘይቤቶም ተረኺቦም ዝፍጽምዎ ዝምታ ስለዝነበረ ከም ሰራቒ ቍልሕ ምሊሕ ክብሉ ዝነበሩ እዮም። ሎሚ’ውን ምስ ዝተፈላለዩ መምስ ነናቶም ዕላማታት ክድግፍዎም ዝደልዩ ኣካላት ተጸጋጊኦምን ተደናጊጾምን ዝገብርዎ ምዅላልን ጸለመን ቦታን ኣብያተ ጽሕፈትን ቐይሩ እምበር ዕላምኡስ ካብቲ ናይቲ ትማሊ ዝፍለ ኣይኮነን። መኣስ ኾን ይኸውን ርእሶም ናብ ኣምላኽ ኣማዕቚቦም፡ ትውክልቶም ከምቲ ኣፎም ኣብ ኣምላኽ ገይሮም፡ ኣካይድኦም ድማ ኣብ ሓቀኛ መገዲ ሃይማኖት ዝገብሩ፧

ነንዝረኽብዎ ኣጋጣሚታት ሓቂ ብዝመስል ሓሶትን ዓለማዊ ቃናን ተጐልቢቦም፡ ምፍልላይን ምድኻምን የመጽእ ብዝብልዎ ኵሉ እንተላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለዉዎም ብክልተ ማንካ ብዝበልዑን መሲሎም ብዝነብሩን ኣባላቶም ብምስዋር፡ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣቦታት ክሰብኹ ውዒሎም ከምዝሓድሩ፡ ንንኣሽቱ ጌጋታት ብምግናንን፡ ድኽመት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሕልላፍ ሓበሬታ ብምምዝማዝን ነቲ ቀጥታዊ ሓበሬታ ክረክብ ንዘይኽእል ካብ ሃገሩ ርሒቑ ንዘሎ እንተላይ ንግብጻውያን ኣቦታት ብምድንጋር ዕላማታቶም የስፍሑ ምህላዎም ክውል ነገር ኣይኮነን። ቈርበት በጊዕ ተኸዲኖም ጌጋ ኣካይዳን ምፍልላይን ንዝምህሩ መሳሕትያን፡ ትምህርቶም ምቅላዕ ዝግባእ እዩ እምበር ትም ምባል ዝጠቕም ኣይኮነን። ብርግጽ ስለታ ጽዮን ስቕ ምባል ኣይጠቕመናንን ኢዩ። 

ርግጽ እዩ ኣብ ኣተሓሕዛን ምሕደራን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ድኽመትን ምእራም ዘድልዮን ጒዳያት ከም ዘሎ መስካሪ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። እዚ ግና ናይ ሎሚ ሽግር ዘይኮነሲ ወለዶታት ዘቝጸረን ርእሱ ዝኸኣለ ክውነነታዊ ድኅረ ባይታ ዘለዎን እዩ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብፍላይ ነዚ ጸገማት እዚ ንምእላዩ ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ተወሃሂዶም ክሰርሑሉን ክመያየጡሉን ዝግባእ እኳ እንተነበረ፡ ከምኡ ዓይነት ትስፉው ሃዋህው ዝረኣየሉ ኵነታት ስለዘየሎና ካብ ኣሰካፊ ንላዕሊ ዘሻቕል ኵነት ፈጢሩ ኣሎ። ብርግጽ ቤተ ክርስቲያንና ከምቲ ዝግባእ ሓዋርያዊ ተልእኾኣ ከተሰላስል ነዚ ዘመንን ወለዶን ክትመርሖን ክትጓስዮን ኣይከኣለትን። እዚ ስለዝኾነ ግና ንዝተቐደሰት ሃይማኖት ኣቦታትናን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘእቱ መገዲ ኣብ ልብና ስንፍናን ምጥርጣርን ከነተናዕግደሉ ዝግባእ ኣይኮነን። ዝያዳ እኳ እቶም ደቃ ዝኾንና ካህናት ዲያቆናት መንእሰያት ምእመናን ኵልና ስለ ቤተ ክርስቲያን ዕብየት በብዘለናዮ ሓቢርናን ሠሚርናን ተላዚብናን ብፍቕሪ ክርስቶስ ተገዚእናን ክንዓዪይ ዝግብኣሉ እዩ። በብዘመኑ ኣቦታትና ስለ ቤተ ክርስቲያንን ሓቀኛ ሃይምኖትን ብዙኅ ፈተናን ሽግርን ኣኅሊፎም እዮም፤ እዚ ናይ ሎሚ ሽግር’ውን ንሕና ኣብ ዘመንና ስለዝተፈጸመን ብኣካል ስለእንርእዮን ደኣ እምበር ካብቲ ዝቐደመ ዝፍለ ኣይኮነን። እምበኣር እዚ ናይ ሎሚ ፈተና’ውን ከምቲ ዝቐደመ ጊዜኡ ምስ በጸሐ ምሕላፉ ዘይተርፎ እዩ። ይኹን እምበር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ቀራንዮ ክሳዕ ዝተሠረተት ፈተናን ተጻብኦን መልክዑ ይፈላለይ እምበር ፈጺሙ ከምዘይፍለያ ክንዝንግእ ኣይግባእን። ንሕና ደቃ ግና ከምቶም ዝቐደሙ አበው ጸኒዕና እንተደኣ ተረኺብና ግና ፈተና ኵሉ ንዓስቢ ምዃኑ ድማ ምስትውዓል ይግባእ። ብሓቂ ናይ እግዚአብሔር ምዃንና ዝፍለጥ’ውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ብሃይማኖት ጸኒዕና ብጸሎት ተጊህና ምስ እንርከብ እዩ። ስለዚ ድማ በዞም መምሰልቲ ልብና ኣይሸበር። ኣቦታትና ብብዙኅ ነገር ድኻም እኳ ዝርከቦም እንተኾነ ብኣኣታቶም ተስፋ ከይቖረጽና፡ ንዕንወት ቤተ ክርስቲያን ንዝተዓጥቁ ዕድል ክንህቦም ኣይግባእን። እዃ ደኣ ብሃይማኖት ነቒሕና ከነቃልሖምን፡ ነኅዋትናን ኣኃትናን ከኣ ከነነቕሕን ይግባእ።

ቤተ ክርስቲያን ብምኽፍፋልን፡ ምእመናን ብምጥርጣር ኣናዊጽካ ካብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ብምፍላይ መን እዩ ተጠቓሚ ክኸውን?! ሰማያዊ ዝዕላምኡ ቅዱስ ሃይማኖት ምስ ምድራዊ ፓለቲካ ብምትሕውዋስ ንሰባት ምድንጋር ቍንቍኝኡ እንታይ እዩ?! እዚ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ካብ ዲያብሎስ እምበር ካብ እግዚአብሔር ኣይኮነን። እቶም ሎሚ ከደናግሩና ዝፍትኑ፡ ድኽመት ቤተ ክርስቲያንን መራሕታን መዝሚዞም ተበለጽቲ ጊዜን እዋኑን ክኾኑ ዝደልዩ ደኣ እምበር ካብ ቀደሞም ምስቶም መናፍቓን ኅብረት መሥሪቶም ዝነበሩ እዮም እሞ ልቢ ንበሎ።

ስለዚ ከምቲ ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ዝበሎ ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተጊህና ስለታ ጽዮን - ኣዴና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንዛረብ ይግባእና እዩ። ስቕ ክንብል ዝግባእ ኣይኮነን። ነቶም መሲሎም ክኣትዉን ኣንጻር ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝተዓጥቑን ከነቃልዖምን፡ ብዘይምስትውዓል ክስዕብዎም ንዝፍትኑ ድማ ብትሕትና ምምዓድን ምምላስን ይግባእ። ካብኡ ንላዕሊ ግና ንሕና ኵልና በብዘለናዮ ሃገር ኮይንና ስለታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያናን ሃይማኖት ኣቦታትናን ንእግዚአብሔር ክንልምኖ ይግባእ። ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና ጕዕዞ በብዝጓነፈና ፈተና ከይተዓንቀፍና ክንቕጽሎ ይግባእ። ብዘይ ቀቢጸ ተስፋ ድማ ዝልምንዎ ንዘይርስእ እግዚአብሔር ኣምላኽ ደጋጊምና ብጸሎት ከነዘካኽሮ ይግባእ። “ኣቱም ንእግዚአብሔር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ። ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡ ኣብ ምድሪውን መመስገኒ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ።” ይብል። ኢሳ ፷፪፥፮/62፥6

ስለዚ ደቂ እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ተዋሕዶ ሃይማኖት ዝኾንና ብሓደ ልቢ ንምከር፤ ስለታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሃይማኖት ኣቦታትናን ስቕ ኣይንበል። እቶም በብወገንና ንጽዕር ዘሎና’ውን ኣይንድከም። እቲ ዝግባእና እናገበርና ጸሎትና ናብ ልዑል ኣምላኽ ነቕርብ። ብዙኃት ጥፍኣት ቤተ ክርስቲያን እኳ እንተኣወጁ፤ ቃል ኪዳና ጽኑዕ እዩ እሞ ኣይከኣሎምን እዩ። ንሕና ግና ከም ባሮክን አቤሜሌክን “ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም” እናበለና ስለ ርእስና ጸሎትና ነብጽሕ። ስለዚ እዚ እንርእዮ ጸልማት ፈተና ተቀንጢጡ፡ ብርሃን ፀሓይ ቤተ ክርስቲያንና ክሳዕ ደሚቑ ዝበርህ ስቕ ኣይንበል። 

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ማኅደርናን ሃገርናን ይዓቅበልና። በረኸትን ረድኤት ጽዮን ይኽፈለና።

5 comments:

  1. kale hiwet yesmealna,

    ReplyDelete
  2. it is good but we still need more clarification we know about atlanta but clarifay more and more .thank you

    ReplyDelete
    Replies
    1. May God give u his blessing and power to continue such kind of responce for those anti-orthodox tewahdo

      Delete
  3. ልብኹም አብ መንገዲ እግዛብሔር ይኹን
    ብዙሕ ዘሪእኩም ሒደት ሓፊስኩም
    በሊዕኩም ግን አይጸገብኩምን
    ሰቲኹም ግን አይረወኹምን
    ለቢስኩም ግን አይማሞቅኩምን
    ደሞዙ ዝተቀበለ ሰብ ፡ ደሞዙ አብ ቀዳድ ከረጺት ከምዘእትዎ ፡ ደሞዙ ከምዝተቀበለ ይሕሰበሉ
    ንአዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ወላዲተ አምላክ፡ ብድፍረት ዘናአእሱ፡ ዝኽሕዱ፡ ካብ መዓት እግዛብሔር ነፍሶም ከድሕኑ አይክእሉን ኢዮም፡፡ እቲምንታይ ዘመታኦም አብታ ሓቀኛ ዝኾነት ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖትና ደምሲስካ፡ ናይ ለአኺኦም ሰይጣን ስራሕ ምክንዋን ኢዩ፡፡ ስለዚ ኩላትና ተዋህዶ ክንግዘቦ ዘለና ሓቂ ኢዩ :፡
    እግዛብሔር ኩሉ ግዜ ይመስገን ንዘልኣለም፡ አሜን፡፡
    ኦእማኣምላክ ቅድስት ድንግል ማሪያም፡ ሓጢኣትና : ካብቲ ምእንታና ደሙን ስጋኡን ዝከፈለልና፡ ርህሩህ፡ ቅዱስ ወድኺ: ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብጸሎትኪ፡ ደምስስልና፡ ኣሜን፡፡

    ReplyDelete