Friday, April 13, 2012

ትንሣኤ ብመልእኽቲ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

መጽሓፍ ከምዚ እናበለ ብተስፋ ትንሣኤ የጸናንዓና። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ እኳ ኸይሞተ ኣይበቝልን እዩ። እቲ ንስኻ እትዘርኦ ነቲ ዝበቘለ ጉንዲ ኣይኮነን። ንእሽቶይ ዘርኢ እምበር። ዘርኢ ስርናይ ኮነ፡ ዘርኢ ካልእ ዓይነት፡ እግዚአብሔር ከም ዝፈተወ ሕይወት ይህቦ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፴፯-፴፰/15፥37-38)

ብሩሃን ኮይኖም ንዝነብሩ ሰባት ነዚ ክብሪ’ዚ ተዛረበ። ብርሃን ለቢሳ ንእትትንሥእ እታ ዝኸበረት ሥጋ ከምዝኾነት ምእንቲ ከረድእ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ተዛረበ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፵፪-፵፬/15፥42-44)

ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ጐይታ ነገረ ትንሥኤኡ ተዛሪቡ ኣሎ። ዘርኢ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። (ዮሐ ፲፪፥፳፬/12፥24)

እቲ ሓዋርያ’ውን ብዛዕባ እዛ ዘርኢ እዚኣ ተዛሪቡላ እዩ። መድኃኒና’ውን ዘርኢ ዝተባህለት ሥጋኡ ጥራይ ከምዝኾነት ኣረዲኡ ገሊጹልና እዩ። እንታይ ክትብሉ ኢኹም? እታ ዝተዘርአት ዘርኢ ሥጋኡ ኣይኮነትን ዶ

ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ መቓብር ዝተንሥአ ካልእ ዶ እዩ? መልአክሲ ንሱስ ተንሢኡ እዩ ኣብዚ የልቦን ከምዝበለ። (ማቴ ፳፰፥፭-፯/28፥5-7)

ንሱ ክርስቶስ ንመግደላዊት ማርያም ኣይትተንክይኒ፤ ገና ናብ ኣቦይ ኣይዓረግኩን ከምዝበላ፤ ንቶማስ’ውን ዝተሸንከረ ኢዱን እግሩን ዝተወግአ ጐኑ ኣርእዩ እመን እምበር ኣይትጠራጠር፤ ሃይማኖትን ከም ዘይብሉ ኣይትኹን ከምዝበሎ። (ዮሐ ፳፥፲፮-፳፰/20፥16-28)

ሃይማኖት ዘይብሎም ሰባት ንሱ ፈጺሙ ከምዘይተንሠአ ተናጊሮም። እዞም ከሓድቲ ሃይማኖት እዚኦም ጐይታ ከምዝሞተ፡ ዝተንሠአ’ውን ንሱ ከምዘይኮነ ይዛረቡ። ምእመናን ግና ብሥጋ ዝንተሠአ ንሱ ከምዝኾነ ይዛረቡ። በቲ ዘተንሥአ ብሓደ ሥጋኡ እሙን ተስፋ ኮነና።

ምእንቲ’ዚውን ምልክት ቅንዋቱ (ሽንካሩ) ኣትረፈ። ኣየጥፍኦምን። ብኵናት ንዝተወግኦ’ውን ኣየጥፍኦን። ብዕፁው ማዕጾ ኣተወ። ሥጋኡ ሕያው ኮይኑ ተንሥአ። እቲ ዝተንሠአ’ውን ካልእ ኣይኮነን። ምስ መለኮት ሓደ ዝኾነ ንሱ እዩ እምበር።
ብዕፁው ማዕጾ ኣተወ። ግብሩ ከረድእ ምእንቲ ነቲ ግዙፍ ሥጋ ረቂቕ ገይርዎ እዩ። (ዮሐ ፳፥፳፮/20፥26)

መድኃኒና ክርስቶስ ነቶም ትንሣኤኡ ዘይኣምኑ ከሕፍሮም ምእንቲ፡ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ኣብ ዝፈለየሉን ትንሣኤኡ ብሥልጣኑ ኣብ ዝገበረሉን እቲ ዝመውት ዘይመውት ኮነ፤ እቲ ዝልወጥ ዘይልወጥ ኮነ። (ሮሜ ፩፥፬/1፥4 ፯፥፰-፲፩/7፥8-11 ዮሐ ፪፥፲፱-፳፫/2፥19-23 ፲፥፲፰/10፥18)

ብሽንካር ንዝተሸንከሮ፤ ብኵናት ንዝተወግኦ ቅንዋቱ ኣየጥፍኦን። ንሱ ብመለኮቱ ሕማም ዘይብሉ ከምዝኾነ ከረድኣና ኣብ ዕፀ መስቀል ሓመመ።

ዝተቐበረት ሥጋኡ ሙስና መቃብር ከይረኸባ ተንሥአት። ካብ ኣካሉ ተኸፊሉ ተንሥአ ከይብሉሲ ምሉእ ኣካሉ ሙስና መቃብር ኣይረኸቦን።

እንሆ ተንሢኡ እዩ እሞ ኣብ ኣብዚ የልቦን በለ። ብሓቂ ተንሥአ። መጻሕፍት’ውን ጌጋ የብሎምን፤ ሕይወትና እዮም እምበር። (ዮሐ ፳፥፴፩/20፥31 ሮሜ ፲፭፥፬/15፥4)

ትንሣኤኡ ዝኸሓዱ ምኽንያት ከይገብሩ ንቶማስ ተራእዮ። ንሱ’ውን ረኣየ ሥጋን ዓጽሚን ረምሰሰ። ንደቂ መዛሙርቱ’ውን ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን በሎም።

ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ናይ መድኃኒና ሥጋ መንፈስ ከምዝኾነ ብድንቁርና ዝዛረብ ሰብ እንተሎ ዝተወግዘ ዝተረግመ ይኹን።

ኣዳም ብዘይ ዘርኢ ካብ ምድሪ ከም ዝተረኽበ ኣይተፈልጡን ዶ? ኮይኑ ግና ፍጡር ምስ ፈጣሪ ከነዛምዶ ኣይግባእን። ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ንዝኾነ ልደቱ ምትሓት ከምዝኾነ ንዝዛረቡ ሰባት ክንብል ተዛረብና እምበር።

ነገር ብምብዛኅ ናቱ ሥጋ ጥራይ ምሉእ ኣካሉ ካብ ሙታን ተፈልዩ ተንሢኡ፤ ናትና ሥጋ ግና ኣይትንሥእን፤ ንሱ ካብ ባህርይና ፍሉይ እዩ ዝብል እንተሎ፤ ጐይታ ከምዝተንሠአ ምስ ሥጋኡ ከኣ ሓደ ከምዝኾነ ሞይቶም ንዝተንሥኡ ሰባት ቀዳሚኦም ከምዝኾነ ብኸመይ ይንገር? ክርስቶስ ሞይቱ ንዝትንሥእ ብኸመይ በዅሪ ኮነ? ዝብል ሰብ እንተሎ ነዚ ይፍለጥ። ናብ ካልእ ክሕደት ኣይመለስ።

መጻሕፍቲ ሓሰት ዝዛረቡ ከይመስሎም ቅድሚኡ ንኣልዓዛር ኣተንሥኦ፤ ወዲ እታ መበለት’ውን ኣብ ናይን ኣተንሥኦ። ኤልያስ’ውን ሓደ ምዉት ኣተንሢኡ እዩ። ኤልሳዕ’ውን ክልተ ምዉታን ኣተንሢኡ እዩ። እቲ ሓደ ብሕይወት እንከሎ እቲ ካልእ ኸኣ ድኅሪ ሞቱ። (ዮሐ ፲፩፥፰-፵፭/11፥8-45 ሉቃ ፯፥፲፪-፲፯/7፥12-17 ካልኣይ ነገ ፬፥፴፪-፴፰/4፥32-38 ፲፫፥፳-፳፪/13፥20-22)
እዚኣቶም ድኅሪ ምትንሥኦም ብዙኅ ዘመን ነይሮም እዮም። ድኅሪ’ዚ ካልኣይ ሞቱ። ሎሚ’ውን ትንሣኤ ዘጉባኤ ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ።

ክርስቶስ ግና ካልኣይ ዘይመውት ስለዝኾነ ሞይቱ ንዝትንሥእ በዅሪ ኮይኑ። ካብዚ ንብሕጂ’ውን ሞት የብሉን። ከምቲ እተጻሕፈ ብዛዕባና ሓንሳብ ሓመመ፤ ሓንሳብ ሞተ። እቲ ሞት’ውን ሓንሳብ ኣብ መስቀል ዝኾነ እዩ። (ሮሜ ፮፥፲/6፥10 ፊልጲ ፪፥፰/2፥8 ቀዳማይ ጴጥ ፫፥፲፰/3፥18) ….

ጐይታ ተሰቕለ። ንሕና’ውን ነቲ ዝተሰቕለ ዝሞተ ዝተቐብረ ኣብ ሣልስቲ’ውን ካብ ሙታን ተፈልዩ ንዝተንሠአ፡ ናብ ሰማይ ንዝዓረገ ንሰግድ። (ፊል ፪፥፮-፲፩/2፥6-11)

እቲ ዘይምርመር ፍልጠትን ጥበብን እግዚአብሔር ክንደይ ይዓሙቕ? (ሮሜ ፲፩፥፴፫/11፥33)

ንሕና ውሑድ ንፈልጥ። ነቲ ብዙኅሲ መርሚርና ምፍላጥ ኣይከኣለናን። ከምቲ ዝተጻሕፈ ካብቲ ሰፊሕ ባሕሪ ንጣብ ማይ ከምዝሰትይ ሰብ ንሕና’ውን ብዛዕባ ምፍላጥ እግዚአብሔር ውሑድ ንዛረብ። ትንሣኤኡን ናይ ትንሣኤናን ተስፋ ምሥጢር ንዛረብ ኣሎና።

ብፍቓድ አብ ብፍቓድ ወልድ ብፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ብእተፈጸመ ናይ ጐይታ ትንሣኤ ናትና ትንሣኤ መጻሕፍቲ ገሊጾም የረድኡ (መዝ ፲፪፥፭/12፥5 ሮሜ ፬፥፳፭/4፥25)

ብናይ ቃል ኣስተርእዮተ ኣካሉ ብፍጻሜ ሕጉ እምነትና ነጽንዕ። ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ (ዘዳግ ፲፰፥፲፰ መዝ ፻፲፰፥፳፯/118፥27 ኢሳ ፷፫፥፱/63፥9 ሮሜ ፲፥፬/10፥4)  
 (ሃይማኖተ አበው ዘኤጲፋንዮስ ም ፶፰፥፳፫-፶፱/58፥23-59)

No comments:

Post a Comment