Sunday, April 1, 2012

“እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ተመላለሱ” (ኢሳ ፴፥፳፩/30፥21)


“መንገዲ” ዝብል ቃል ካብ ‘ነገደ’ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ግእዛዊ ግሲ ዝተወርሰ ቃል እዩ። “መንገዲ” ዝብል ቃል ክትርጐም ከሎ ጽርጊያ፡ ጐደና፡ መኽየዲ፡ … ዝብል ትርጉም ይሕዝ (ማቴ ፳፥፴/20፥30)። “መንገዲ” ኣብ ብዙኅ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለየ ምሥጢራት ሒዙ ተጠቒሱ ይርከብ።

ነቢየ እግዚአብሔር ኤርሚያስ “እታ ጥንታዊት መገዲ ሕተቱ” ብምባል ብዛዕባ እዛ ጥንታዊት መንገዲ ይምህረና (ኤር ፮፥፲፮/6፥16)። ሊቀ ነቢያት ሙሴ’ው “ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብሕይወት ክትነብሩ፡ ምእንቲ ኪጽብቐልኩም ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኪነውሕ በታ እግዚአብሔር ኣምላክኹም ዝኣዘዘኩም ኵሉ መንገዲ ኪዱ” ብምባል ትእዛዝ እግዚአብሔር ይነግረና (ዘዳ ፭፥፴፫/5፥33)። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ’ውን “ጐደና እግዚአብሔር ጽረጉ፡ መንገዱ’ውን ኣቕንዑ” እናበለ ትምህርተ ንሥሓ ይሰብከልና። (ማቴ ፫፥፪-፫/3፥2-3)።

ልበ አምላክ ዝተባህለ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ምኽሪ ክፉኣት ሰባት ዘይሰምዕ ብመንገዲ ኃጥኣን ከኣ ዘይከይድ ኣብ ኣኼባ መላገጽቲ ድማ ዘይጽምበር፡ እኳ ደኣ ንሕጊ እግዚአብሔር ብምእዛዝ ዚሕጐስ፡ ነቲ ሕጉ’ው ለይትን መዓልትን ዘስተንትኖ ሰብ ብፁዕ እዩ። እግዚአብሔር ንመንገዲ ጻድቃ ይፈልጦ እዩ፡ መንገዲ ክፉኣት ሰባት ግና ክትጠፍእ እያ” (መዝ ፩፥፩-፪/1፥1-2) ብምባል ንመንገዲ “ፍኖተ ጻድቃን” “ፍኖተ ኃጥኣን” እናበለ ኪኸፍሎ እንከሎ ንፍኖተ ጻድቃ ጥንታዊት መንገዲ፡ መንገዲ ቅኑዓት፡ መንገዲ እግዚአብሔር፡ ዓመጸኛታት ንዚዕንቀፉላ … ፍኖተ ኃጥኣን ከኣ ብኣንጻሩ ባዕላዊ መንገዲ፡ መንገዲ ሞት ዘይቀንዕ ጽርጊያ እናበሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጠቒሶሞ ይርከቡ።

ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ጠቒስዎ ዘሎ መንገዲ ከኣ ፍልይ ዝበለ እዩ፤ ምኽንያቱ ሓቅን ሕይወትን ብዛዕባ ዝኾነ ንሱ ጐይታናን ኣምላኽናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሐ ፲፬፥፮) ገለ ገለ ወገናት ብዛዕባ እዚ መንገዲ ዘለዎም ርድኢትን ኣረኣእያን ጸቢብ እዩ። (ግብ ፲፱፥፱) ይኹን ደኣ እምበር መምርሒ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ፍሉይ መንገዲ ብስፍሓት ይገልጾ እዩ እሞ ካብኡ ንገለ ውሑዳት ንመልከት።

ሃይማኖት፦ “እታ ጥንታዊት መንገዲ”

ወዲ ሰብ ብዘይ ሃይማኖት ዝነብረሉ ዘመን ክሳዕ ሎሚ ኣይነበረን። ሃይማኖት ሰብን እግዚአብሔርን ከተራኽብ ዝጸንሐት ብምዃና ናይ ገዛእ ርእሳ ዝኾነ ታሪኽ፡ እምነትን ሥርዓትን ኣለዋ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር ንሕዝቡ “ኣብ ቀራና ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እታ ጥንታዊት መንገዲን እታ ጽቡቕ ጐደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም ብምባል ነቢየ እግዚአብሔር ኤርሚያስ ዝመስከረላ መንገዲ ሃይማኖት እያ (ኤር ፮፥፲፮/6፥16)።

መንገዲ ሃይማኖት ዕረፍተ ነፍስ ሂቡ ናብ መንግሥተ ሰማያት መሪሑ ዘብጽሓና እዩ (ማቴ ፲፩፥፳፱/11፥29)። መንገዲ ሃይማኖት ናብ ሕይወት ዘብጽሕ ሕያው መንገዲ እዩ (ዕብ ፲፥፳/10፥20)። ምኽንያቱ “ወልድ ዋሕድ” ኢልና ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፤ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮነ ኢልና እንኣምኖ ሃይማኖትና ስለዝኾነ እታ ንሱ ብጥምቀቱ፤ ብሞቱ ዝመሥረታ ሃይማኖት’ውን ናብ ጽድቂ እተብጽሕ መንገዲ እያ።

ፈቃድ፦ “መንገዲ እግዚአብሔር”

ፈቃደ ሥጋ ናይ መንገዲ ሥጋ፤ ፈቃደ ነፍስ ከኣ መንገዲ እግዚአብሔር እዩ (ሆሴ ፲፬፥፱/14፥9)። ወዲ ሰብ ፈቃደ ሥጋኡ ብፈቃደ ነፍሱ ከም ትግዛእ ብምግባር ብፍቃድ እግዚአብሔር ክጓዓዝ ይግብኦ። ፍቓድ እግዚአብሔር’ውን ‘መንገዲ’ ይብሃል። ነቢዪ ኢሳይያስ “ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም ኣይኮነን፤ መንገድታትኩም ከኣ ካብ መንገድታተይ ፍሉይ እዩ፤ ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል መንገድታተይ (ፈቃደይ) ካብ መንገድታትኩም (ፈቃድኩም)፤ ሓሳባተይ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዚበለ እዩ” ይብል እግዚአብሔር ኢሉና ኣሎ (ኢሳ ፶፭፥፱-፲/55፥9-10)። እግዚአብሔር ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ሓዲሩ ነዚ ዝተዛረበ፡ ሕዝበ እስራኤል ከም ፍቃዱ ምጉዓዝ ስለዘይተካእሎም ነበረ። ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን “ከም ፍቓደይ ንበሩ” ንኽብል “ኣነ መንገዲ እየ” ኢሉና ኣሎ (ዮሓ ፲፬፥፮/14፥6)።

ትእዛዝ፦ “ብዝኣዘዝክኹም መንገዲ ኪዱ”

ብሕጊ ኣብ ዝተሰርዑ ሥርዓታት፤ ሕግታት “ግበር” ወይ “ኣይትግበር” ኪብሉ እንከለዉ “ትእዛዝ” ተባሂሎም ይጽውዑ። ሕገ እግዚአብሔር ከም እንብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ንብል። ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ሕጋጋት ክንዛረብ እንከለና’ውን ዓሠርተ ትእዛዛት ንብል። ንደቂ ሰባት ዝተዋህበ ትእዛዝ እግዚአብሔር’ውን “መንገዲ” ይብሃል። እስራኤል ዘሥጋ ናብ ኣምልኮተ ጣዖት ኣብ ዝዘንበሉሉ ጊዜ እግዚአብሔር በቲ ኣብ ልዕሊ እምባ ደዪቡ ዝነበረ ሙሴ ገይሩ “እዞም ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮም ሕዝብኻ ኃጢኣት ገይሮም ረኺሶም እዮም ኪድ ውረድ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ (ትእዛዝ) ቐልጢፎም ኣልገሱ።” ብምባል ትእዛዝ እግዚአብሔር “መንገዲ” ከም እትብሃል የርእየና (ዘጸ ፴፪፥፰)። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ከኣ እግዚአብሔር ብመሠረት ዝነገሮ ቃል ነቶም ሕዝቢ “እምበኣር ከምቲ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ንኽትገብሩ ድልዋት ኩኑ። ካብኡ (ካብቲ መንገዲ’ውን) ንየማን ኮነ ንጸጋም ኣይትዘምብሉ። ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብሕይወት ክትነብሩ ምእንቲ ኪጽብቐልኩም፤ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኪነውሕ በቲ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ኵላ መንገዲ ኪዱ” እናበለ ይመኽሮም ነበረ (ዘዳ ፭፥፴፪-፴፫/5፥32-33)። ነቢየ እግዚአብሔር ኤርሚያስ’ውን ብዛዕባ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኪምህር እንከሎ “በቲ ኣነ ዚኣዘዝኩኹም ዘበለ ኵሉ መንገድታት ተመላለሱ” ብምባል ትእዛዝ እግዚአብሔር እናሓሎና ክንጓዓዝ ይመኽረና (ኤር ፯፥፳፫/7፥23)። እዛ መንገዲ ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ ካህን ዘካርያስን ቅድስት ኤልሳቤጥን ዝተጓዕዙላ፡ ክልቲኦም “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ትእዛዝ እግዚአብሔር፤ ሕጋጋቱ ብዘይ ምጉዳል ዚመላለሱ ጻድቃን ነበሩ።” ዝተባህሉላ ናይ ጽድቂ መንገዲ ትእዛዝ እግዚአብሔር እያ (ሉቃ ፩፥፮/1፥6)። ስለዚ ጐይታ’ውን “ኣነ መንገዲ እየ” ዝብለና ካብ ትእዛዘይ ካብ መንገደይ ኣይተልግሱ ንኽብለና እዩ እሞ ብሕጊ እግዚአብሔር ንንበር።

ምግባር፦ “መንገዲ ጻድቃን”

“ምግባር” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ብትግርኛ “ግብሪ” ማለት እዩ። ንግብርና መጽሓፍ ቅዱስ “መንገዲ” እናበለ ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ “ኦ ሕዝቢ እስራኤል ንነፍስ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ።” ንዝብል ናይ ነቢይ ቃል ወንጌላዊ ማቴዎስ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ “ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቡኡ ምስ መላእኽቱ ኪመጽእ እዩ እሞ ንነፍስ ወከፉ ከከም ግብሩ ኪፈድዮ እዩ።” (ሕዝ ፲፰፥፴/18፥30 ማቴ ፲፮፥፳፯/16፥27)። ምግባር ኣብ ጽድቂን ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወትን እተብጽሕ ስለዝኾነት “መንገዲ” ትብሃል። ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት “እግዚአብሔር ንመንገዲ ጻድቃን ይፈልጦ እዩ” ኪብል እንከሎ ነቢይ ኤርሚያስ ነቶም ምግባር ዝጐደሎም “ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከኣ ኣቕንዑ” ይብል (መዝ ፩፥፮/1፥6 ኤር ፴፭፥፲፭/35፥15)። ስለዚ “ኣነ መንገዲ እየ” ብምባል ገዛእ ርእሱ ዝገልጸልና ጐይታና ናይ ምግባራት ኵሉ ኣብነት ብምዃኑ ንሱ ሰሪሑ ንዘርኣየና ኵሉ ጽቡቕ ምግባር ሒዝና ክንርከብ ካብ እከይ ምግባርና ተመሊስና ብሃይማኖት፡ ብምግባርን ኪንነብር ይግብኣና (ሕዝ ፵፬፥፲፬/44፥14 ፴፫፥፳/33፥20)። ምግባር መንገዲ ቅኑዓት እዩ። ምግባር ኣብ ቅድሚ ዙፋን ፍርዲ እግዚአብሔር ብየማን ንምቋም እንግስግሰሉ ጽቡቕ ጐደና (መንገዲ) እዩ። እግዚአብሔር ኣብ ነቢይ ሕዝቅኤል ሓዲሩ ክዛረብ እንከሎ “ስለዚ ኦ ሕዝቢ እስራኤል ንነፍስ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ” ዝበሎ ወንጌላዊ ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ብምባል ኣራኺብዎ ኣሎ።

ወንጌል፥ “መንገዲ ሰላም”

ወንጌል ብስራት ማለት እዩ። ናይ ወንጌል ብስራት ነቲ ንዘመናት ብባርነት ዝነብር ዝነበረ ወዲ ሰብ እዩ። ወንጌል ከም ርግቢ ኖኅ ናይ ሰላም ቆጽሊ ሒዛ ሞት ተሪፉ፤ ሲዖል ተዓጽዩ፤ ገነት ተኸፊቱ እናበለት በብዘመናቱ ንዝመጽእ ወለዶ እትነግር ናይ ሓጐስ ዜና እያ። ወንጌል ትምህርተ ክርስቶስ ዝሓዘት ቅንዕቲ ሕጊ እያ። ወንጌል ካብቶም ፻፳(120) ቤተሰብ ዝኾኑ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣርድእትን ዝተጻሕፈ እዩ። ወንጌል ንዘይኣምኑ ናብ እምነት፤ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ናብ ብርሃን እተምጽእ ስለዝኾነት “መንገዲ” ትብሃል። መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ካህን ዘካርያስ ብዛዕባ ክርስቶስ ትንቢት ኪዛረብ ከሎ “ንሱ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞት ዚርከቡ ብርህ እዩ፤ ንኣእጋርና ኸኣ ናብ መንገዲ ሰላም ኪመርሕ እዩ።” ብምባል ንወንጌል “መንገዲ ሰላም” ኢልዋ ኣሎ (ሉቃ ፩፥፸፱/1፥79)። ንወንጌል ናይ ‘መንገዲ ሰላም’ ዘበላ “ምስ ሓውኻ ተዓረቕ፤ ምስ መባእስትኻ ቀልጢፍካ ተዓረቕ…፤ የማነይቲ መትልሕካ ንዚጸፍዓካ እታ ካልኣይቲ’ውን ምለሰሉ፤ ነቲ እጀ ጠባብካ ኪወስድ ኢሉ ዝኸሰካ፤ ነጸላኻ’ውን ሕደገሉ፤ ሓደ ምዕራፍ ንኺትከይድ ንዚገድደካ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኪድ … ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ ስለ እቶም ዚሰጉኹም ጸልዩ…” ስለ እትብል እዩ። ናይ ልደቱ፡ ናይ ጥምቀቱ፡ ናይ ሞቱ፡ ትንሣኤኡን ዜና እተበስር በዚኣቶም ንዝተረኽበ ሰላም’ውን እትነግር ብምዃና መንገዲ ሰላም ትብሃል። ጐይታ’ውን “ኣነ መንገዲ እየ” ዝበለና “ኣነ ዝመሃርኩኹም ወንጌል ናብ መንግሥተ ሰማያት እተብጽሓኩም መንግሥተይ እተውርሰኩም እያ ንኺብለና እዩ።

መጠቓለሊ፦

ኵሎም መንገድታት ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣየብጽሑን እዮም። መንገዲ መንግሥተ ሰማያት ኣብ መጽሓፍ ዝተነግረት ቅዱሳን ዝጓዕዙላ፡ ጥንታዊት፡ ጸባብ ከምኡውን ሓንቲ ንበይና ዝኾነት መንገዲ እያ። (ኤፌ ፬፥፭/4፥5 ማቴ ፯፥፲፬/7፥14)። ስለዚ መንገዲ ዝኾነ ጐይታና “በታ ጸባብ ኣፍደገ ንምእታው ተጋደሉ፤ ምኽንያቱ ብዙኃት ኪኣትዉ ኪደልዩ እዮም ኣይኪኽእሉን እዮም” ብምባል (ሉቃ ፲፫፥፳፫/13፥23) በዛ መንገዲ እዚኣ ተጓዒዝካ ጽድቂ ምውራስ ዚከኣል ብተጋድሎ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ካብቲ ኃይለ ቃል ከምእንርድኦ ሰባት ብዛዕባ እታ መንገዲ ካብ ዘለዎም ሕጽረት ርድኢትን ዋሕዲ ፍልጠትን ዝተላዕለ በታ ጸባብ ኣፍደገ ኪኣትዉ ኣይከኣሉን። ነቲ እቲ ነቢይ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ …” (ኢሳ ፴፥፳፩/30፥21) ኢሉ ዝነገረና “ኣነ መንገዲ እየ” ብምባል ሓቀይና ናይ ሕይወት መንገዲ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ምኽንያቱ ናብ ኣብ ዝበጻሕናሉ መንገዲ ንሱ ጥራይ ኢዩ “ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን (ዮሓ ፲፥፴/10፥30)”። (እዚ ማለት ከኣ ንእኡ ተወላዲ ወይውን ውሉዱ እንተዘይብልናዮን፤ ከምኡ ኢልና እንተዘይኣሚንናዮን ሓቀኛ ሃይማኖት ክህልወናን ንአብ’ውን ወላዲ ክንብል ዘይከኣል ብምዃኑ እዩ። ብሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ኣምላኽነት እንተዘይኣምኒና፡ ኣብ እምነት ሓድነትን ሠለስትነትን ሥላሴ ክንኣምንን ክንበጽሕን ኣይንኽእልን ማለቱ እዩ። ንሱ መጺኡ እንተዘይነግረና ኔሩ ንኣብ ኣይንፈልጦን ኢና ነይርና “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ’ኳ የልቦን፤ እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ እቲ በይኑ ውሉድ ኣምላኽ ገለጾ” (ዮሓ ፩፥፲፰/1፥18)። ብኻልእ ወገን ናይ ኣብ ኣቦነት ዝተፈልጠ ብናይ ወልድ ውሉድነት እዩ እሞ ስኢናዮ ዝነበርና ናይ እግዚአብሔር ኣቦነት ዝረኸብናዮ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃኑ ሓቀኛ ናይ ሕይወት መንገዲ ንሱ ምዃኑ ንኣምን ንምስክር። “ኣነ መንገዲ እየ” ብዝበለ ብጐይታና ምጉዓዝና ዘረድኣና፦ ንሱ ብዝመሥረታ  ጥንታዊት መንገዲ (ሃይማኖት) ጸኒዕና ክንነብር፡ ሓሳብና ከም ሓሳቡ መንገድና’ውን ከም መንገዱ ገይርና ብፍቓዱ ክንምራሕ፤ ትእዛዛቱ ፈጺምና ደስ ከነብሎ፤ እምነትን ምግባርን ናይ ሓንቲ ርግቢ ክልተ ኣኽናፍ ከም ምዃኖም ኣጣሚርና ክንሕዞም፡ መንገዲ ሰላም ብዝኾነት ወንጌል ክንጓዓዝ ከምዝግባኣናን እዩ።

በዛ መንገዲ እዚኣ ተጓዒዝና ዕረፍቲ ነፍስ ናብ ዝርከባ መንግሥቱ (መንግሥተ ሰማያት) ንኸእትወና ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሕረት፡ ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

 (ምንጪ፦ መጽሔት መርሖ ሰማያት ቤት/ት/ሰ/ቅዱስ ጊዮርጊስ መንደፈራ)

3 comments:

  1. DEAR BROTHERS AND SISTERS AND ALL BELIEVERS I WAS CONFUSED WHEN I READ THIS “ወልድ ዋሕድ” ኢልና ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፤ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮነ ኢልና እንኣምኖ ሃይማኖትና ስለዝኾነ እታ ንሱ ብጥምቀቱ፤ ብሞቱ ዝመሥረታ ሃይማኖት’ውን ናብ ጽድቂ እተብጽሕ መንገዲ እያ። SO WHICH ONE IS TRUE IN OUR BELIEVES IN TEWAHDO ORTHODOX CHURCH I WANT TO KNOW THE TRUTH. THE TOP TXT OR THE BOTTOM ብስም ኣብ ኣሚንና ኣብ ወላዲ ኢልና፣ብስም ወልድ ኣሚንና ወልድ ተወላዲ ኢልና፣ብስም መንፈስ ቅዱስ ኣሚና መንፈስ ቅዱስ ሰራፂ ኢልና፣-ህላዋት ኣካላት ንምርዳእ 3 እዃ እንተ በልና፣ብመሎኮት ካኣ 1 እዮም። ገይታ ይባርክኩም ነዚ ጀምርኩሞ ዘለኩም ኣዝዪ ማሃርን መንገዲ ቁድሳን ዘትሕዝን ዝመርሕን ሰራሕ ቀጽልዎ። እግዝኣቢሄር ውን ዓስቢ ይሃብኩም

    ReplyDelete
  2. hawna,

    kiltu eko hade eyu, felely yeblun, weld whad malet goytanan medhanina eyusus kistos malet eyu. Goyta ka kab klte bahry hade bahry, kab klete akal hade akal zkone malet eyu. slezi flely yeblun,

    hawka beththna

    ReplyDelete
  3. ቃለ ሂይወት የስማልና ማዕዶት ። ምርፋቀ በረከት !!!!!!!! ቀጽልዎ,። ብዙሓት ማናፍቃን ኣብ መንገድና ሓጹር ዝሓጽሩልና ዘለዉ ተሓድሳውያን ን ፕሮተስታንን ብእምነት ኣቦታትና መንገድና ንሓሉ የሕዋት,,,,፣

    ReplyDelete