ትንሣኤ ጐይታ
ንዓለም
ኵሉ ፍስሓን ሓጐስን ዝኸውን ትንሣኤ ጐይታ፡ ነቢያተ እግዚአብሔር ኣቐዲሞም ትንቢት ዝተነበዪሉ፡ ምሳሌ መሲሎም ዝተዛረቡሉ እዩ።
ብኣፍ ነቢያት ንዘዛረቦን ንዘመሰሎን ከኣ ባዕሉ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ
ጊዜኡ ፈጸሞ። (መዝ ፸፯፥፷፮/78፥66 ሆሴ ፮፥፪/6፥2 ማቴ ፲፪፥፵/12፥40) ኣማን ብኣማን! ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ከምቲ ቃሉ ንሞትና ብሞቱ ደምሲሱ ካብ ምውታን ተፈልዩ በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ብሥልጣኑ ተንሢኡ እዩ። ትንሣኤ፡ ወልደ እግዚአብሔር
ፍጹም ሥጋና ተዋሒዱ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ካብ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ሓደ ብምዃኑ፡ ካብቶም ዓበይቲን ቀንድን በዓላት ቤተ
ክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዝሥራዕን ከምኡውን ሕመረት መሠረታዊ ትምህርትን ስብከት ክርስትናን እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭/15)
ምኽንያቱ ሞት ክርስቶስ ንዓለም ሕይወት፤ ሕማሙ (ስቓዩ) ከኣ ንዓለም ሰላም ምዃኑ ዝተረጋገጸ ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ስለዝኾነ እዩ።
ትንሣኤ እንተዘይህሉ ነይሩ እምነትና’ውን ከንቱ ምኾነ! ደቂ ሰባት ሞይቶም በስቢሶም ከምዘይተርፉ በቶም ምሳሌኡ ዝገበሮምን፡ ኣቐዲሞም
ንሱ ብዝሃቦም ጸጋን ኃይልን ብብዓል ሄኖክን ኤልያስን ዝኣመስሉ ቅዱሳን ዝተራእየ እኳ እንተነበረ፤ ፍጻሜኡን ዳግም ሞት ዘይብሉን
ትንሣኤ ግና ብጐይታ ዝተገብረ እዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ ሰባት ድኅሪ እቲ ቀዳማይ ሞት (ዕረፍቲ)፡ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘብስርን
ኣርጊጹ ዘፍልጥን ስለዝኾነ ክብሩ ክብ ዝብለ እዩ። ሓዋርያት’ውን ብዘይጥርጥር ብትብዓት ካብ ጐይታ ንዝተመሃርዎ ናብ ዓለም ከባጽሑ
ዝኸኣሉ ትንሣኤኡ ስለዝረጋገጹ እዩ። (ሉቃ ፳፬፥፴፮/24፥36 ዮሐ ፳፥፲፱/20፥19)



