Monday, April 23, 2012

ሰብ ትንሣኤ ንኹን!



ትንሣኤ ጐይታ

ንዓለም ኵሉ ፍስሓን ሓጐስን ዝኸውን ትንሣኤ ጐይታ፡ ነቢያተ እግዚአብሔር ኣቐዲሞም ትንቢት ዝተነበዪሉ፡ ምሳሌ መሲሎም ዝተዛረቡሉ እዩ። ብኣፍ ነቢያት ንዘዛረቦን ንዘመሰሎን ከኣ ባዕሉ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ጊዜኡ ፈጸሞ። (መዝ ፸፯፥፷፮/78፥66 ሆሴ ፮፥፪/6፥2 ማቴ ፲፪፥፵/12፥40) ኣማን ብኣማን! ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ቃሉ ንሞትና ብሞቱ ደምሲሱ ካብ ምውታን ተፈልዩ በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ብሥልጣኑ ተንሢኡ እዩ። ትንሣኤ፡ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሥጋና ተዋሒዱ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ካብ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ሓደ ብምዃኑ፡ ካብቶም ዓበይቲን ቀንድን በዓላት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዝሥራዕን ከምኡውን ሕመረት መሠረታዊ ትምህርትን ስብከት ክርስትናን እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭/15) ምኽንያቱ ሞት ክርስቶስ ንዓለም ሕይወት፤ ሕማሙ (ስቓዩ) ከኣ ንዓለም ሰላም ምዃኑ ዝተረጋገጸ ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ስለዝኾነ እዩ። ትንሣኤ እንተዘይህሉ ነይሩ እምነትና’ውን ከንቱ ምኾነ! ደቂ ሰባት ሞይቶም በስቢሶም ከምዘይተርፉ በቶም ምሳሌኡ ዝገበሮምን፡ ኣቐዲሞም ንሱ ብዝሃቦም ጸጋን ኃይልን ብብዓል ሄኖክን ኤልያስን ዝኣመስሉ ቅዱሳን ዝተራእየ እኳ እንተነበረ፤ ፍጻሜኡን ዳግም ሞት ዘይብሉን ትንሣኤ ግና ብጐይታ ዝተገብረ እዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ ሰባት ድኅሪ እቲ ቀዳማይ ሞት (ዕረፍቲ)፡ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘብስርን ኣርጊጹ ዘፍልጥን ስለዝኾነ ክብሩ ክብ ዝብለ እዩ። ሓዋርያት’ውን ብዘይጥርጥር ብትብዓት ካብ ጐይታ ንዝተመሃርዎ ናብ ዓለም ከባጽሑ ዝኸኣሉ ትንሣኤኡ ስለዝረጋገጹ እዩ። (ሉቃ ፳፬፥፴፮/24፥36 ዮሐ ፳፥፲፱/20፥19)
ትንሣኤ ዝብል ቃል ተንሥአ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ እዩ። ብሊቃውንቲ ኣተርጓግማ ብዙኅ ትርጉሙ ዝወሃቦ ይኹን ደኣ እምበር ብሓፈሻዊ ኣገላልጻን ትርጉሙን ከኣ ናይ ምውታን ምትንሣእ፤ ብሞት ተፈላልዮም ዝነበሩ ነፍስን ሥጋን ዳግም ምውሕሓድን ንፍርዲ ምትንሣእን ከምኡውን ናይ ጐይታ ምትንሣእን የመልክት። ትንሣኤ ዝብል ቃል ትንሣኤ ኅሊና (ተዝክሮተ እግዚአብሔር) ካብ ዝብል ቃል ክሳዕ ትንሣኤ ዘጉባኤ (ዳግማይ ምጽኣት ጐይታን ፍርድን) ንዘለዎ ስያመታት ትንሣኤ የጠቓልል። ብፍሉይ ግና ትንሣኤ ጐይታ ሞት ዝተሣዕረሉ፤ ናጽነት ደቂ ሰባት ዝተኣወጀሉ እዩ። በኵሪ ትንሣኤ ኮይኑ ንሞት ብኃይሉ ሥዒሩ ንዝኣምንዎ ዘበሉ ነዚ ሥልጣን ዝሃበ ከኣ ባዕሉ ሥግው ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፳/15፥20 ዮሐ ፲፥፲፰/10፥18)

በዚ ኸኣ ብሰንኪ በደሉ ካብቲ ዝወረዶ መርገመ ሞት ክናገፍ ዘይከኣለን እሱር ዲያብሎስ ኮይኑ ክነብር ዝጸንሐ ኣዳም (ኵሎም ደቂ ሰባት) ነቲ ዝተዋህቦ ተስፋ ድኅነት በዚ ዕለት እዚ ክረክብ ክኢሉ እዩ። ትንሣኤ ጐይታ ተስፋ ኣዳምን ትንቢት ነቢያትን ዝተፈጸመሉን፤ ፍቕርን ኃይልን ኣምላኽ ዝተራእየሉ ድንቂ ስራሕ እዩ። ብትንሣኤ ኸኣ ኣዳም ናብ ዝቐደመ ክብሩ ምምላሱ ርጉጽ ኮይኑ እዩ። ብሰንኪ ኃጢኣት ኣዳም ዝተፈላለዩን ኣጽራር ዝኾኑን ብስቅለትን ትንሣኤን ጐይታ ሓደ ኮይኖም እዮም። ኣዳም’ውን ዳግማይ ናብ ሕቝፊ ኣምላኹ ተመሊሱ እዩ። ኣዳምን ደቁን ኵሎም እቶም ንጐይታ ዝተጸበይዎ ነቲ ክብሪ ረኺቦም እዮም። ንሕና ሎሚ ኣብ ዘመነ ሓዲስ እንነብር ኵልና ናብቲ ጐይታ ዘተስፈወና ርስቲ ትንሣኤ ክንኣቱ እንተደኣ ኮይንና እንታይ ክንፍጽምን እንታይ ዓይነት ትንሣኤ ምሳናን ኣብ ቕድሜናን ከምዘሎ ምሕታት ዝግባእ እዩ።

ትንሣኤ ልቦና

እምበኣርከስ ደቂ ሰባት ደጊም ኣብ ሕይወቶም ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ክብሪ ክጽንበሩ፤ ነቲ ንሱ ዘዳለወሎም ክብሪ ክወርሱ ኮይኖም ከኣ ክልተ ዓይነት ትንሣኤ ይጽብዮም እዩ። እቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ልቦና ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ትንሣኤ ዘጉባኤ እዩ። ትንሣኤ ልቦና ዝብሃል ካብ ኃጢኣት ብንስሓ ብምምላስ ብቅድስናን ብንጽሕናን ምንባር ማለት እዩ። እዚ ትንሣኤ ልቦና እዚ ኸኣ ነቲ ዝመጽእ ትንሣኤ ዘጉባኤ እቲ ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ (ኣብ ዳግም ምጽኣት ጐይታ) ኃጥኣን ኮኑ ጻድቃን ብሓድነት ዝትንሥኡ እኳ እንተኾኑ፡ እቶም “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” (ናይ ኣቦይ ብሩኻን ንዑ ናባይ) ተባሂሎም ዝጽውዑን፡ ኣብ የማኑ ክቖሙ ዝፍቐደሎምን፡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝወሃቦምን እቶም ኣብ ኣጸደ ሥጋ (ኣብዚ ምድሪ) ከለዉ ትንሣኤ ልቦና ዝተንሥኡ እዮም።

ሰብ ካብ እግዚአብሔር ሓድነት እንተደኣ ተፈልዩ ሞይቱ ይብሃል። ቅዱስ ቃሉ’ውን “ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና፡” ይብል (ኤፌ ፪፥፭/2፥5)። መጽሓፈ መነኮሳት’ውን ናይ ነፍስ ሞትሲ ካብ እግዚአብሔር ምርሓቕ እዩ ይብል (ፊልክ ፶፯/57)። እቲ ብምሳሌ ዝቐረበ ናይቲ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ’ውን ነዚ ጽቡቕ ኣብነት እዩ። እቲ ኮብላሊ ወዲ ናብ ኣቡኡ ምስ ተመልሰ ኣቡኡ “ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ” ብምባል እዩ መስኪሩሉ (ሉቃ ፲፭፥፴፪/15፥32)። ንሕና’ውን ካብ ፍቓድ ኣቦና እግዚአብሔር እንተደኣ ተፈሊና ምውታን ኢና። ብንስሓ ከኣ ካብቲ ዝጠፍኣናሉ እንተደኣ ተመሊስና ካብ ሞት ንትንሥእ። ሕያዋን ከኣ ንኸውን። “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሣኤ ዕድል ዘለዎ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። … እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብኡ ስልጣን የብሉን።” (ራእ ፳፥፮/20፥6)። እቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ካብ ድቃስ ኃጢኣት እንንቕሓሉ፤ ርእስና ብንስሓ እነንጽሃሉ ከምዝኾነ’ውን ማእቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ጠቒሱ ከረድእ ከሎ “ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንሥእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሀልካ እዩ” ይብል (ኤፌ ፭፥፲፬/5፥14) ደጊሙ’ውን ኣብ ሃይማኖት ንዝነበሩ ሰብ ሮሜ ከዘካኽሮም ከሎ  “ምድኃን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ።” ይብሎም። (ሮሜ ፲፫፥፲፩/13፥11) ኣብ ሓዋርያዊት ዝኾነት ርቱዕ ሃይማኖት ዘለዉ ክርስቲያናት ብንስሓ ተመሊሶም፡ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ተቐቢሎም፡ ብሕገ እግዚአብሔር ተመሪሖም፡ ሰናይ ግብሪ እናፈጸሙ ዝነብሩ ኮይኖም ትንሣኤ ልቦና ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ ብንስሓ ዝረኽብዎ ትንሣኤ ልቦና ከኣ ናብቲ ዳግም ሞት ዘይብሉ ካልኣይ ትንሣኤ የብቕዖም።

ትንሣኤ ዘጉባኤ

እቲ ካልኣይ ትንሣኤ፦ ትንሣኤ ዘጉባኤ ኮይኑ፤ ምውታን ሥግኦም ካብ መቃብር ዝትንሥኣሉን ነፍስን ሥጋን ዝወሓደሉን ዳግም ዝራኸበሉን እዩ። ፍጻሜ ዝረክብ ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ብኽብሪ፤ ብምስጋና ቅዱሳን፡ ብሥጋ ማርያም፡ ብክበበ ትስብእት ዳግም ኣብ ዝመጸሉ እዋን እዩ። ሽዑ ንጻድቃን ኣብ የማኑ ንኃጥኣን ከኣ ብጸጋሙ የቝሞም። እቶም ጻድቃን ካልኣይ ሞት የብሎምን ስለዘይብሎም ይሕጐሱ፤ ኃጥኣት ግና ካልኣይ ሞት ይረኽቦም። እዚ ሞት ከኣ ትንሣኤ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሞት እዩ።

ትንሣኤን ንሕናን

ስለዚ ትንሣኤ ጐይታ ከነኽብር ከሎና እዚ በዓል’ዚ ናይ ሕያዋን በዓል፤ ናይቶም ፍቕርን ለውሃትን፤ ፍቓድን ትእዛዝን ጐይታ ፈሊጦምን ኣስተውዒሎምን ብንስሓን መገዲ ጽድቅን ናይ ዝመላለሱ ሰባት በዓል ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ንሕና ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብንስሓ ከይተመለስና፤ እግዚአብሔር ኣብ ዝጽየፎ ናይ ኃጢኣት ባሕሪ እናሓምበስና፤ ስለ ምኽባር በዓል ጥራይ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲንና፤ ቤትና ሲሳይ መሊኡ፤ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ምስ ዝርከቡ ቤተ ሰብናን ፈተውትናን “እንቛዕ ኣብጽሓና” ስለዝተባሃህልናን ጥራይ ሓቀኛ በዓለ ትንሣኤ ኣኽቢርና ክንብል ዝከኣል ኣይኮነን። ብሥጋ ዝኣክል ንተሓጐስ፤ ነፍስና ግና ነቲ ሓቀኛ ትርጉም ትንሣኤ ጐይታ ፈሊጣ፤ በቲ ስሌኣ ዝተገብረ ዓቢይ ውዕለት ክትነብር እንተዘይከኣለት፡ እቲ ሓጐስ ፍጹም ክኸውን ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነስ ትርጉም ኣልቦ’ውን እዩ። ምኽንያቱ መልክዕ እምበር ሕይወት ዘይብሉ ስለዝኾነ። በቲ ዝግባእና፡ ድምፂ ቤተ ክርስቲያን እናሰማዕና፡ ብሕግን ትእዛዝን ጐይታ እናተመላለስና፤ መርኣያ ናይቲ ብነፍሲ ዝረኽብናዮ ሓጐስ ከኣ በዓልና ብዝተፈላለየ መገዲ ብመጠን ከነኽብሮ ከሎና እዩ ፍጽምና ከውህቦ ዝኽእል።

ስለዚ ኵልና ኣብቲ ዳኅራይ እንትስፈዎን ዘለዓለማዊ ዝኾነን ትንሣኤ፡ ብኽብሪ ሕያዋን ኮይንና ክንርከብ ሎሚ ኣብዚ ምድሪ እቲ ቀዳማይ ትንሣኤ (ትንሣኤ ልቦና) ክህልወና ይግባእ። ካብዛ ፍኖተ ጽድቅ ዝኾነት ቅድስት ተዋሕዶ ሃይማኖት ብዝተፈላለየ መገዲ ርሒቕና ዘሎና ናብዛ መካነ ሕይወት ዝኾነት ቅድስት ቤቱ ንመለስ። “ጽቡቕ” ኣሎና እንብል’ውን ደው ኢልናሉ ዘሎና ባይታ ኣስተውዒልና ንርገጾ። ብሃይማኖት ኣሎና እንብል’ውን ከይንወድቕ ምጥንቃቕ ከድልየና እዩ። ማዕበል ሓሶት ኣብ ዘናውጻ ዘሎ ዓለም እዚኣ እንነብር ኵልና፤ ዕረፍቲ እተውህብ ጥንታዊ መገዲ ኣቦታትና ቅዱሳን ኣየነይቲ ምዃና ነለሊ። ካብ ፈለጥናን ኣስተውዓልናን ከኣ ከምቲ ንሶም ብቅዱስ ቃሉ ተመሪሖም፤ ነዚ ሓላፊ ዓለም’ዚ ንዒቖም ብመገዲ ጽድቂ ጸኒዖም ዝተጋደሉን ዘይሓልፍ ክብሪ ዝወረሱን፤ ንሕና’ውን ኣስኣሰሮም ንስዓብ። ንሶም ኣብዚ ምድሪ ከለዉ ትንሣኤ ልቦና ስለዝነበሮም፤ ዘለዓለማዊ ሕይወት ረኺቦም። እምበኣር ንሕና’ውን ካብ ዝደቀስናሉ ንበራበር፤ ካብ ዝሞትናሉ ንተንሥእ፤ ካብ ዝጠፋእናዮ ንመለስ። ንክብሪን ትርጉምን ትንሣኤ ጐይታ ብሓቂ ዝፈልጥ ሰብ፤ እቲ ኣብ ትንሣኤ ልቦና ዝነብር ሰብ እዩ እሞ ኵልና ካብ ጸልማት ርሒቕና ኣብዚ ብርሃን’ዚ ንመላለስ። ሎሚ እንጐየላን፤ ላዕልን ታሕትን እናበልና ገንዘብን ወርቅን እንእክበላ ዓለም ጽባሕ የላን። ንሕና’ውን ክንቕድማ ኢና። ብዙኃት ቅድሜና ነይሮም፤ ብድኅሪና’ውን ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ብዙኃት ክህልዉ እዮም። እዚኣ ዓለም ነቶም ዝቐደሙ እሞ መገዳ ዘየስትውዓልዋ ከምዘይጠቐመቶም፤ ንኣና ክትጠቕመና ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ሎሚ ዝኣከብናዮ ኵሉ ንመን ከምእነጽንሓሉ’ውን ኣይንፈልጦን ኢና። የግዳስ ከምቲ ንሥጋና ተጊህና ብዘይ ዕረፍቲ እንዓየላ፤ ናይ ነፍስና ነገር ቅድሚ ኵሉ ከተሓሳስበናን ክንዓየሉን ምተገብአ። ስለዚ ስለ ነፍስና ቍሩብ ንሕሰብ። ኣይኮነን ግና ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ውዕለትን ኣብ ሕይወትና ከንቱ ንገብሮ ኣሎና ማለት እዩ። ዳኅራይ ጣዕሳ ኣብ ዘይጠቕመሉ፤ ብኽያትን ሓዘንን ፍረ ኣብ ዘይህበሉ ጊዜ ቅድሚ ምብጻሕና ሎሚ ናብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተመሊስና ሰብ ትንሣኤ ንኹን። ምስ ሰብ ትንሣኤ ተጸንቢርና ከኣ “አማን በአማን ተንሥአ እምነ ሙታን” እናበልና ንዝገበረልና ዓቢ ግብሪ እናስተውዓልና ነመስግኖ። እምበኣር ነገረ ትንሣኤ ዓመት መጸ ካብ ዝተሰብከ፡ ንሕና’ውን ሰብ ትንሣኤ ንኹን። እምበኣር ንነፍስና እንታይ ሒዝናላ ኣሎና?! ኢልና ርእስና ንሕተት።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።


No comments:

Post a Comment