Wednesday, August 8, 2012

አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ


 መእተዊ
“በመኑ ንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ”
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጸምዎ ብርቱዕ ገድሊ፤ ዝመሥረትዎ ገዳም ብዘለዎ ኣገዳስን ተጠማትን ታሪኻዊን መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣን ኣብ ሃገርናን ጐረባብትናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝግደሱ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም’ውን ከይተርፈ ብፍሉይ ዝጥቐሱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ኣብ ኵሉ ሕዝብና ብፍላይ ከኣ ንሶም ብሓዋርያዊ ተጋድሎ ኣብ ዝዖዱሉ ደቡባዊን ማእከላዊን ምብራቓዊን ክፋል ሃገርናን፤ ሎሚ’ውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም ውሑጅ ብዝውሕዝ ንእሽቶይ ይኹን ዓቢይ “ፊልቆስ ኣቦይ” እናተባህሉ “ዝመሓለሎም” ልቢ ሕዝቢ ዝሰፈሮም ንኡድን ክቡርን ኣቦ እዮም፦ አቡነ ፊልጶስ አንዳዴ ባሕር!

ኣብ መጀመርታ ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝተንሥኡ እዞም ሕያውነትን ትዕግሥትን፤ ጽሞናን  ንጽሕናን፤ ፍቕርን ጥብዓትን፤ ገድልን ጽንዓትን ዝመለለዪኦም ኣቦ፤ ኣብ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ ሃገርና ብዙኅ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ሥራሓት ዝፈጸሙን፤ ኣሰር ቅዱሳን ዝዀልዑን፤ ንካልኦት ብዙኃን ቅዱሳን መገዲ ዝጸረጉ ብርሃን ኤርትራ እዮም። ንሕገ ሃይማኖትን ንቃለ እግዚአብሔር ዘይኮነስ፤ ፍቓድ ነገሥታት ጥራይ እናመልኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ጳጳሳት ግብጺ (ኣብ ኢትዮጲያ) ዓበይቲ ተኣምራት ብምፍጻም፤ ቅኑዕ ንዘይኮነ ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘግሃዱ፤ ብትምህርቶምን ብተኣምራቶምን ነቶም ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ዘኅፈሩን፤ ነታ ርትዕት ሃይማኖት ኣቦታት ብተጋድሎኦም ዘጽንዑን ኣቦ እዮም ነይሮም። ልዕልና ሥልጣንን ኃይሊ ዓለምን ብዘየገድስ፤ ሎሚ ዓለም ንዝተሸገረትሉ ኣብ ሞንጎ ክርስቲያናትን ኣመንቲ ምስልምናን ተኸባቢርካን ተሳኒኻን ናይ ምንባር ክህሎት፤ ኣብነታዊ ኪዳን ዝፈጸሙ፤ ምድርን ባሕርን ኣሰማሚዖም፤ ሕውነት ዘደልደሉ፤ በቲ ዝፈጸምዎ ተጋድሎን ዝነበሮም ግርማ ሞገስን ከኣ ሓወልቲ ስምዕ ኣብ ሃገርና ዘንበሩ እዮም። ኣብ ዝመሥረትዎ ገዳም ዝፈረዩ ደቆም’ውን ካብ ሃገርና ኃሊፎም ኣብ ጐራባብትና ጨናፍሮም ዝተዘርገሐን፤ ፍሬኦምን ሓዋርያዊ ተልእኾምን ብዝግባእ ዝፍለጥ ጕንዲ ምንኩስና እዮም።

Monday, August 6, 2012

መልእኽቲ ጥንተ ኣብሶ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራን ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት፦

ከምቲ ብተደጋጋሚ ክንገልጾ ዝጸናሕና፤ ኣብ ታሪኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓድሽ ትምህርቲ ብምትእትታው፤ ኣብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዘርጊ ንምርጋእን፤ ዘየድሊ ክትዓት ኣብ ሞንጎ ኣመንትን ኣገልገልትን ብምፍጣር ከኣ ንድኽመት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ባይታ ከጣጥሑ ዝፍትኑ መደብሮም ኣብዚ ወጻኢ ብዝኾኑ ባእታታት ዝዝወሩ ወኪላቶም ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ ክንጠቕስን ከነቃልዕን ጸኒሕና ኢና። ገሊኦም ነቲ ዝተጻወደሎም መፈንጠራ ከየስተውዓሉ፤ ጠኒኖም ኣብ ዘይምልከቶም ሓዊ ክሕደት ተጠቢሶም ተሪፎም ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ንትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ልቦም ከይህቡ ኣብ መገዲ ኑፋቄ ጥሒሎም ይርከቡ። ብሰንኪ እዚ ጉጅለ’ውን ገሊኦም ፓለቲካን ሃይማኖትን ሓዋዊሶም ክርእይዎን ንካልእ ኣብ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ዘየድሊ ዓለማዊ ዛዕባ ከልዕሉ ዝተቐሰቡሉ ኩነት’ውን ከምዘሎ ይስትውዓል እዩ። በዚ ይኹን በቲ ጐስጐስትን መወልትን ናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ዘይርቱዕ ድርብ ዕላማታት፤ ሓቀኛ መንነቶም እናተፈልጠ፤ ቀስ ብቀስ ኣካይዶኦም እናነጸረ፤ ኅብረቶም ከኣ ምስ መን ምዃኑ እናተጋሃደን ይመጽእ ኣሎ። ብኣንጻሩ ድማ ብዙኃን መንእሰያት፤ ተንኮል ናይ ከምዚኦም መሠርያን ብኣግኡ ተረዲኦም፤ ክጥንቀቑን ትምህርቲ ኣቦታቶም ብዝግባእ ከጽንዑን ክፈልጡን ጽቡቕ መለበሚ ምኽንያት ኮይንዎም ኣሎ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝዓበየ ሽግር ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ግና፤ ብደረጃ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ላዕለዋይ ኣካል፤ ንኸምዚ ዚኣመሰለ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ዝኾነ ተርእዮ ዘለዎ ትሑት ኣፍልጦን ኣሉታዊ ምትሕብባሩን ይቕጽል ምህላዉ እዩ።

Friday, August 3, 2012

ፍልሰታ ለማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 
ወበዛቲ ጾም ኮነ ተጋብኦተ ሐዋርያት በእንተ ፍልሰተ ሥጋሃ ለእግዝትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ጸሎታ ወበረከታ ወበረከቶሙ ለሐዋርያት ይሃሉ ምስሌነ ለዓለም ዓለም ኣሜን:: 



ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ኪያነኒ ይምሐረነ በትንብልናሃ ለእግዝትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎታ ውኩፍ ወሀብተ ረዲኤታ ትሩፍ ይሃሉ ምስለ ኩሉነ ሕዝበ ክርስትያን ለዓለም ዓለም ኣሜን::
 

Tuesday, July 31, 2012

ናይ ዘመንና “ቢጽ ሓሳውያን”ን - ፍሽለቶምን ኣብ ግብጺ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቢጽ ሓሳውያን ዘመንናን - እዋናዊ መደባቶምን
ብክቡር ደም ክርስቶስ ዝተመሥረት ሓዋርያዊትን ጥንታዊትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤ ኣብ በበይኑ ዘመናትን ሃገራትን ብዘይ ምቍራጽ ምስ ዝተፈላለዩ ኣንጻራ ዝተዓጥቑ ልኡኻት ጸልማት፤ ረዚንን ክቡርን ተጋድሎ ኣካይዳ እያ። ዓወት ዝማእከሉ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣምሊኡን ኣስፊሑን ዝምስክሮ ሓቂ ከኣ ንሱ እዩ። እንተ ብዛዕባ ዕላማታት ተጻባእታ ግና ሓደ ይኹን እምበር መልክዑን መንገዱንሲ ወትሩ መመስ ኵነታቱ እናተቀያየረ እዩ ዝነብር። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም እንርድኦ፤ ሓደ ካብቶም ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፤ ሓዋርያት መሲሎም ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ካብ ዘዕንቅፉ፤ ብጐይታ “ጸራዊ/ጸላኢ” ዝተሰምዩ፤ ብሓዋርያት ኣገላልጻ ድማ “ቢጽ ሓሳውያን/ሓሰውቲ ኣኅዋት” ከምኡውን ብናይ ሊቃውንቲ ትምህርቲ “መናፍቃን” ዝብሃሉ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን እዩ። (ማቴ ፲፫፥፳፰/13፥28 ገላ ፪፥፬/ 2፥4 ካልኣይ ቆሮ ፲፩፥፲፫/11፥13) እዚኣቶም ከኣ ነቲ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንገሊኡ ተቐቢሎም፤ ንገለ ክፋሉ ዝነጽግዎ ወይውን ባዕላዊ ትርጉም ዝፈጥሩሉ እዮም። ዘይከም ግዳማውያን ተጻባእቲ፤ ቢጽ ሓሳውያን፤ ኣብ ውሽጢ ምእመናንን ኣገልገልትን ተሰግሲጎም፤ ኣመንቲ መሲሎም፤ ንርእሶም’ውን ሓዋርያት ክርስቶስን መምህራንን ኣምሲሎም ስለዝዓዩ፤ ንብዙኃን ከደናግሩ ዝርከቡሉ ጊዜ እምብዛ ብዙኅ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታ፤ ነቶም ኣብቲ ግራት ጽሩይ ስርናይ፤ ስርናይ መሲሎም ንዝበቝሉ ክርዳዳት፤ ክዘርኡ ንዝወፈሩ “ጸላእቲ” ክብል ዝሰመዮም። ግደ ሓቂ ካብቶም ናይ ደገ ተጻባእቲ ኸኣ እቶም ናይ ውሽጢ መምሰልቲ ጸላእቲ ዝጥቐሙሉ ሜላን ኣገባብን ኣደናጋሪ እዩ። ልዕሊ እቲ ሓቀኛ፤ ሓቀኛታት መሲሎም፤ ሓቂ ከምስሉን፤ ንሓቂ ክኽውሉን ስለዝፍትኑ መመስ ኵነታት ስለዝቀያየሩን ብርግጽ መጋገይቲ እዮም። 

Monday, July 30, 2012

አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

  ኩቡራት ተኽታተልቲ ጦማረ ማዕዶት፥ ታሪኽ ቅዱስ ኣቦና አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቅድሚ ሕጂ ወጺኡ ዝነበረ ደጊምና ነውጽኣልኩም ኣሎና፥ ሰናይ ምክትታል፥ በረኸት ናይ ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩላትና ደቀ ቤተክርስትያን ይኹን ኣሜን።



Friday, July 27, 2012

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” (ነህ ፲፥፴፱/10፥39)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን: ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም: ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ: ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ዝኾኖም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) ምኽንያቱ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝተግህን ኣብኣ ንክነብር ዝብህግን ኃይሊ ረኺቡ ንጸላእቱ ከምዝስዕር ብግህዶ ስለዝተዓዘቡ እዩ። ግዳማዊ ጸላእቲ ዘይኮኑስ ካብ ውሽጦም ዝነዝዑ ተፃረርቲ ብዙኅ ተፃቢኦሞም ነይሮም እዮም። ካብ መንጎኦም ብምንባሮም ከቢድ ፈተነ ነበረ። “እቲ ዝጸርፈኒ ዘሎ ጸላእየይ እንተ ዝኸውን ምተዓገስክዎ: እቲ ዚዕበየለይ ዘሎ ጸላእየይ እንተዚኸውን ካብኡ ምተሓባእኩ ሕጂ ግና እዚ እትገብር ዘሎኻ ንስኻ መሰታይ ዓርከይ: ፈታውየይ ዝነበርካ ሰብኣይ ኢኻ። ኣነን ንስኻን መማኸርቲ ነበርና: ኣብ ቤት ኣምላኽ’ውን ብሓደ ዄንና ነምልኽ ነበርና። (መዝ ፶፬፥፲፪-፲፬/55፥12-14)

Tuesday, July 24, 2012

ንጽሕና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅድሚ ዓለም ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብማዕረ ዝምስገን ብሓድነት ንዓለም ዝፈጠረን ዝገዝእን ቃል፤ እግዚአብሔር ወልድ እዩ። ድኅሪ ዓለም ነቲ ዝጠፈአ በጊዕ (ኣዳም) ንኽደሊ ንገዛእ ርእሱ ትሕት ኣቢሉ፤ ብናይ ሰብ ባህርይ ምግላጹን ፍጹም ኣምላኽ ክንሱ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ኣብ እነስተንክረሉ እዋን ወትሩ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ምፍጻም ንዝኾኖ፤ ጐይታ ዝተዋሓደ ሥጋ ምርሳዕ ፈጺሙ ኣይክኣልን።

በዚ መሠረት እቲ ብባህርይኡ ንጹሕን ቅዱስን ዝኾነ ጐይታ፤ ንሱ ዝተዋሕዶ ሰብነት ንጹሕ ኪኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ናብ እግዚአብሔር ዝቐርብ መተዓረቒ መሥዋእቲ ተቐባልነት መታን ክህልዎ፤ ንጹሕን ቅዱስን ኪኸውን ኣለዎ። ብዘመነ ኦሪት ዝነበረ መሥዋዕቲ እንስሳ ጉድለት ዘለዎ ፍጹም ድኅነት ከምጽእ ዘይክእል፤ እቲ መሥዋዕቲ ዘቕርብ ሊቀ ካህናት ንገዛእ ርእሱ ካብ ኣዳማዊ ኃጢኣት ናጻ ብዘይ ምዃኑ ካልእ ሊቀ ካህናት ክትንሥእ ኣድለየ (ዕብ ፲፥፪/10፥2)። ንሱ ድማ “ንስኻ ከም መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ዝተመስከረሉ ሱባኤ ዝተቘጽረሉ ኣማናዊ ሥልጣነ ክህነት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝሠርዐ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ዕብ ፯፥፲፮/7፥16)።