Tuesday, July 24, 2012

ንጽሕና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅድሚ ዓለም ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብማዕረ ዝምስገን ብሓድነት ንዓለም ዝፈጠረን ዝገዝእን ቃል፤ እግዚአብሔር ወልድ እዩ። ድኅሪ ዓለም ነቲ ዝጠፈአ በጊዕ (ኣዳም) ንኽደሊ ንገዛእ ርእሱ ትሕት ኣቢሉ፤ ብናይ ሰብ ባህርይ ምግላጹን ፍጹም ኣምላኽ ክንሱ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ኣብ እነስተንክረሉ እዋን ወትሩ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ምፍጻም ንዝኾኖ፤ ጐይታ ዝተዋሓደ ሥጋ ምርሳዕ ፈጺሙ ኣይክኣልን።

በዚ መሠረት እቲ ብባህርይኡ ንጹሕን ቅዱስን ዝኾነ ጐይታ፤ ንሱ ዝተዋሕዶ ሰብነት ንጹሕ ኪኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ናብ እግዚአብሔር ዝቐርብ መተዓረቒ መሥዋእቲ ተቐባልነት መታን ክህልዎ፤ ንጹሕን ቅዱስን ኪኸውን ኣለዎ። ብዘመነ ኦሪት ዝነበረ መሥዋዕቲ እንስሳ ጉድለት ዘለዎ ፍጹም ድኅነት ከምጽእ ዘይክእል፤ እቲ መሥዋዕቲ ዘቕርብ ሊቀ ካህናት ንገዛእ ርእሱ ካብ ኣዳማዊ ኃጢኣት ናጻ ብዘይ ምዃኑ ካልእ ሊቀ ካህናት ክትንሥእ ኣድለየ (ዕብ ፲፥፪/10፥2)። ንሱ ድማ “ንስኻ ከም መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ዝተመስከረሉ ሱባኤ ዝተቘጽረሉ ኣማናዊ ሥልጣነ ክህነት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝሠርዐ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ዕብ ፯፥፲፮/7፥16)።

ስለዚ ኸኣ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ክርስቶስ ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ ከምዚ፦ መሥዋዕት መባእ ኣይደሌኻን እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ” (ዕብ ፲፥፭-፯/10፥5-7) ኢሉ ከም ዝጸሓፎ ኣካላዊ ቃል (ወልድ) ዝወሓዶ ንጹሕ ሰብነት ካበየናይ ብኸመይ ከምዝረክብ ባዕሉ ብዝፈልጦ ቅዱስ ሰብነት ኣዳለወ። እዚ ቅዱስ ሰብነት ዝተባህለ ካብ ጥንቲ (ቅድሚ ዓለም) ምፍጣሩ ጀሚሩ ኣብ ሕሊናኡ ተሓሲቡ ነበረ። “እግዝእትነ ማርያም ነበረት፤ እምቅድመ ዓለም በሕሊና አምላክ” ከም ዝበለ ቅዱስ ደቅስዮስ (ኣብ መቅድመ ተኣምር)። ጐይታ በቲ ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ጥበቡ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣዳማዊ ኃጢኣት ከሊሉ፤ ምኽንያት ድኅነት ክትከውን ዝተዓቀበት “ንጽሕቲ ዘርኢ” ተባሂላ ብነቢያት ዝተገልጸት (ኢሳ ፩፥፱/1፥9 ሮሜ ፱፥፳፰/9፥28) ካብ ሕጊ ተፈጥሮን ኣእምሮ ደቂ ሰብን ንላዕሊ ዝኾነ ምሥጢር ኂዛ፤ ማለት ኣደ ከላ ድንግል፤ ድንግል ከላ ኣደ፤ ነዚ ክልቲኡ ኣጣሚራ ዝተረኽበት፤ ኣዴና ቅዱስት ድንግል ማርያም እያ።

እዚ ስለዝኾነ እግዚአብሔር “ነታ ዘፍቅራ እምባ ጽዮን ግና ኃረያ ኣብኡ ንቤት መቕደስ ከም’ቲ ናይ ሰማይ ቤት ገይሩ ሠርሓ፤ ከምታ ንሓዋሩ ዘይትናወጽ ምድሪ ገይሩ ኸኣ ኣጽኒዑ ሓነፃ” ብምባል ኣቐዲሙ ኣብቲ ቅዱስ ነቢይ ሓዲሩ ኣዛረበ (መዝ ፸፰፥፷፰/79፥68) ስለዚ ከምቲ ሰማያዊ ዝፋን እግዚአብሔር ኣዝዩ ንጹሕን ዘፍርህን በቶም ነበልባላዊ እሳት ዝኾኑ መላእኽቲ ዝሕሎ፤ እታ ዳግማዊት ሰማይ ዝኾነት እመ ብርሃን ፀዋሪት መለኮት ዝያዳ ንጽሕትን ቅድስትን ገይርዋ እዩ። (ውዳሴ ማርያም ናይ ቀዳም ተመልከት)

ጥንተ ኣብሶ
ጥንተ ኣብሶ ማለት ኣዳማዊ ኃጢኣት ኣብ ውሽጥና ብዘርኢ (ብሩካቤ) ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ውርሻ ኃጢኣትን መርገምን ዘመልክት እዩ። “ብኃጢኣት ተፀነስኩ ኣደይ ብዓመፃ ወለደትኒ” (መዝ ፶፥፭/51፥5) ከም ዝብል በዚ ምኽንያት ብሰንኪ ሓደ ሰብ ማለት ቀዳማይ ኣዳም ኃጢኣትን ሞትን ናብ ዓለም መጽአ። (ሮሜ ፭፥፲፪-፲፬/5፥12-14)

ብዛዕባ እዚ ቅዱስ አቡለዲስ ዘሮም ከምዚ ክብል ይገልጾ “ብመጀመርታ ዝበደለ ኣዳም እዩ። በደል ምስ ፈጸመ ንእኡ ዝመስሉ ሽዑ ወለደ” (ሃይ. አበ. ገጽ 145)። በዚ መሠረት ጥንተ ኣብሶ (ኣዳማዊ ኃጢኣት) ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመኃላለፍ ምሥጢር ዘለዎ ምዃኑ ብንጹር የረድኣና። ብሰንኪ ቀዳማይ ኣዳም ዝፈጸሞ በደልን ኃጢኣትን ውድቀት ኣስዓበ። ውፅኢቱ ድማ ኣዝዩ ዝኸፈአ ኮነ። ነቲ ዝነበሮ ጥበብን ፍልጠትን ብሩህ ኣእምሮ ካብኡ ርኃቐ፤ ብጸልማት ድንቑርና ተወቕዐ። ሰላምን ናጽነቱን ተገፈ፤ ናይ ምውሳን ኃይሉ ደኸመ። ጽቡቕን ምቁርን ሕይወት ሰኣነ። ብውሽጣዊ ፍርሃትን ራዕድን ክነብር ተገደደ። ፍቓድ ሥጋ ኣብ ልዕሊ ፍቓድ ነፍሲ ዓብለለ፤ እቲ ዝኸፈአ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ኣስዓበ ኣብ ልዕሊኡውን ነገሠ።

እንተኾነ ግና ብሰንኪ ቀዳማይ ዝመጽአ ኃጢኣትንን ሞትን፤ በቲ ዳግማይ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ ድኅነት፤ ሰላም፤ ሕይወት ኮነ (ሮሜ ፭፥፲፪-፲፭/5፥12-15)። እዚ ድኅነት’ዚ ካብ’ታ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣዳማዊ ኃጢኣት ንጽሕቲ ዘርኢ ዝኾነት ብዝወሰዶ ሥጋ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ መስቀል ተፈጸመ።

ካብዚ ብምቕጻል ኣዳማዊ ኃጢኣት ከም ዘለዋ ገሊኦም ከም መርትዖ ንዝጥቀሙሉ ነጥብታት ብንጹር ንመልከት።

ሀ. ኣዳማዊ ኃጢኣት ብዘርኢ ስለ ዝመኃላለፍ ንዚብልዎ መልሲ
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሩካቤ ካብ ኣቦኣ ኢያቄም ካብ ኣዴኣ ሓና ስለ ዝተወልደት በዚ ምኽንያት እዚ ኣዳማዊ ኃጢኣት ኣለዋ ይብሉ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምንም’ኳ ካብዞም ቅዱሳን ስድራ እንተተወልደት፤ እግዚአብሔር ግና በቲ ኃያል ጥበቡ ካብ ዝኾነ ነገር ዓቀባ። ንኣብነት፦ ይትረፍ ክትዛረበሉ ንኽትሰምዖ እኳ ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ፍጻሜ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ እስራኤል ንመልከት። ብዘይበደልዎ ናብ እቶነ እሳት እንተተደርበዩ ፈጣሪኦም ግና ንእኦም ዚሕሉ መልኣኽ ብምስዳድ፤ ይትረፍ ብሓቂ ክቓጸሉ ፍጹም ክትንከፉ’ውን ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ እቶም ኣብ ግዳም ዝነበሩ ሓለውቲ ብሓዊ ተለቝመጹ። በዚ መሠረት ልዑል ፈጣሪ ኣቐዲሙ ብሕሊናኡ ዘዳለዋ፤ ብጥበቡ ዚዓቀባ፤ ብቅዱሳን መላእኽቱ ሓለዋ። ስለዚ ድማ እዩ ቅዱስ ኣቦና ቴዎዳስጦስ ከምዚ ኢሉ ዝመስከረ “ካብ ጥንቲ ተፈጥሮኣ ድንግልናኣ ኣይተለወጠን ኣይረስሐትን” ከምኡውን ቅዱስ ኣቦና ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ኣነጺርዎ ኣሎ። “ኦ ድንግል አኮ ብፍትወተ ደነስ ዘተፀነስኪ ኣላ በሩካቤ ዘበሕግ አምሐና ወኢያቄም ተወለድኪ” ስለዚ እቲ ኃያል ዝኾነ ተኣምራት ኣብ ልዕሊ ሠለስቱ ደቂቅ ዝተፈጸመ ኣብ ልዕሊ እመ ብርሃን  ዘይፍጸመሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? ምኽንያቱ ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ዝብል ቃል ንዘክር።

ለ. ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኣበሠራ እያ ነጺሓ ንዚብልዎ መልሲ
ብመጀመርታ ቅዱስ ገብርኤል ከበሥራ ከሎ ብፍሉይ ትሕትናን ብዓቢይ ምስጋናን ንኽተሰምዖ ዘብህግ ክብርን ልዕልናኣን እናገለጸ እዩ ዝመጽአ። ብምቕጻል ከምዚ በለ “ሰላም ንኣኺ ኦ! ምልእተ ጸጋ መንቅብ ዘይብልኪ ኣዳማዊ ኃጢኣት ዘይኃለፈኪ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘይብልኪ ብተልእኮ መላእኽቲ፤ ብትንቢት ነቢያት ፍስሕት ዝኾንኪ ሰማያዊ ጸጋ ዝመልኣኪ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ። ካብ ሥጋኺ ሥጋ ካብ ነፍስኪ ነፍስ ኪለብስ እዩ እሞ ተሓጐሲ ከምተን ኣዋልድ ዕብራውያን ክሳደን ዘግዝፋን ብወርቅን ስልማትን ብፍትወት ሥጋ ሰብኣይ ዝምሥጣ ከምአን ኣይኮንክን። ንስኺ ግና ብውሽጣዊ ንጽሕና ዝወቀብኪ ብቅድስናን ንጽሕናን ዝተሰልምኪ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ፍልይቲ ኢኺ። ፍሬ ከርሥኺ ብሩኽ እዩ፤ ብዘይ ዘርኢ (ሰብኣይ) ዝወለድኪ ፍሬ ከርሥኺ ድኀነት ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ካባኺ ተረኽበ፤ ብምባል ወደሳ። (መዝ ፵፬/45 ሉቃ ፩፥፳፰/1፥28 ትርጓሜ ወንጌል)
ስለዚ ብንጹር ዘመልክቶ ድንግል ማርያም ኣዝያ ፍልይቲ ምዃና ዝገልጽ ነቲ ኣቐዲሙ ኦ! ምእልተ ጸጋ ተባሂላ ብቅዱስ ገብርኤል ምስ ተወደሰት እያ ነጺሓ እንተበልና፤ ቅድሜኣውን ብቅዱስ ገብርኤል ዝተበሠሩ ነይሮም እዮም። ንኣብነት ኣብ መሳ ፲፪/12 ብዛዕባ ሶምሶን ምውላድ ኣበሠሮም፤ ከምኡውን ንቅድስት ኤልሣቤጥ ሉቃ ፩፥፲፫/1፥13 ንመልከት። እንተኾነ እዚኣቶም ካብ ኣዳማዊ ኃጢኣት ናጻ ኣይነበሩን።

ቅዱስ ገብርኤል መንፈስ ቅዱስ ኬጽልለኪ እዩ ዚብለሉ ምኽንያት ነቲ ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዚ ነገር ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢላ ንዝተሓተተቶ ንምርግጋጽ ዝበሎ ቃል ደኣ እምበር ኣዳማዊ ኃጢኣት ንምንጻሕ ኣይኮነን። ንምዃኑ ኣቐዲሙ “እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ” ዝበሎ ቃል ንዘክር “እግዚአብሔር ድማ መንፈስ እዩ” (ዮሐ ፬፥፳፬/4፥24) መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብኣ ኣይተፈልየን። በዚ መሠረት እዩ ቅዱስ ኣቦና ሕርያቆስ ደጊሙ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ከምዚ ዝበለ “ኦ ድንግል አኮ ዘተአምሪ ርስሐተ ከመ አንስት እለ እምቅድሜኪ ወእምድኅሬኪ አላ በቅድስና ወበንጽሕ ሥርጉት አንቲ” ነዚ ንምርግጋጽ ካብ’ቶም ዓበይቲ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያንና ዝኾነ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ድንግል ማርያም ኣዳማዊ ኃጢኣት ከምዘይብላ ኣትሪሩ ገሊጽዎ ንረኽቦ። (ሃይ ኣበ ገጽ 64 ንመልከት)።

ብምቕጻል ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ እዮም ንዝበለቶ ቃል፤ መሠረት ገይሮም ሽዑ ስለ ዝነጽሐት እያ ነዚ ቃል እዚ ተዛሪባ ይብሉ ይኾኑ። እዚ ግና ድንግል ማርያም ነቲ ኣብ ልዕሊ ማንም ፍጥረት ዘይተፈጸመ ኣዝዩ ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ተግባር ዕዮ እግዚአብሔር ኣብኣ ክፍጽሞ ብምኅራዩን ንዕኡ ብዅሉ ነገራታ ብቕዕቲ ኮይና ብምርካባን ኣደ ኣምላኽ ክትከውን ዘኽኣላ። በዚ መሠረት ቅዱሳን ኣዴታት ነቢያት ሓዋርያት ብምውላደን ከምዝኸብራ፤ ንሳ ግና ነቲ ልዑል ዝኾነ መለኮት፤ መላእክት’ኳ ክፆርዎ ይትረፍ ክርእይዎ ዘይደፈሩ (ኢሳ ፮፥፬/6፥4) ዝፆረት ብምዃና ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት “ነፍሰይ ብእግዚአብሔር ባህ ይብላ፤ ውርደት ባርያኡ ማለት መከራ ሔዋን ጠሚቱ፤ ዝኽትምናይ ርእዩ እቲ ቅዱስ ስሙ ዓቢይ ነገር ገይሩለይ እዩ ማለት ካብ ኣዳማዊ ኃጢኣት ዓቂቡ ብዘይ ዘርኢ ሩካቤ ክወልድ ብምኽኣለይ ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ እዮም በለት። (ትርጓሜ ወንጌል ተመልከት ሉቃ ፩፥፵፱/1፥49) ምኽንያቱ ካብ ሰማይ ብቅዱስ ገብርኤል፤ ካብ ምድሪ ከኣ ብቅድስት ኤልሣቤጥ ጥራይ ተመስጊና ከምዘይትተርፍን ትንቢት ኣቐዲሙ ስለዘረጋገጸላ እያ፤ ነዚ ቃል ዝተዛረበት። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባኣ ኣቕዲሙ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ” ኢሉ ተንቢዩ ነበረ (መዝ ፹፮፥፭/87፥5)።

ቅዱስ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ’ቲ መጽሓፈ ምሥጢር ዝተባህለ መጽሓፍ ከም’ዚ ብምባል ይገልጾ። ሔዋን ብምኽሪ ሰይጣን መርገም ፀነሰት ሞት ድማ ወለደት። ዳግማዊት ሔዋን ዝኾነት ድንግል ማርያም ግና ብብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ሕይወት ፀነሰት፤ ትንሣኤ ድማ ወለደት። እግዚአብሔር ካብ ጸጋማይ ጐኒ ኣዳም ዓፅሚ ብምውሳድ ሔዋን ተፈጥረት። እንተኾነ ግና ሰብነት ኣዳም ምሉእ ነበረ። ስለዝኾነ ጐይታውን ካብ ድንግል ማርያም ምንም’ኳ ሥጋን ነፍስን እንተወሰደ ድንግልናኣ ኣይተለወጠን፤ ብኵሉ ነገራታ ምልእቲ ነበረት። (ቀሌ ፪፥፪/2፥2)

ንሔዋን ካብ ጸጋማይ ጐኒ ኣዳም ዓፅሚ ወሲዱ ክፈጥራ ከሎ፤ ኣዳም ቃንዛ ኣይተሰምዖን ደም’ውን ኣይፈሰሶን። በዚ መንጽር ድንግል ንጐይታ ቅድሚ ምውላዳ ኮነ ድኅሪ ምውላዳ ልማድ ኣዴታት ከምኡ’ውን ኣብ ሕርሲ ዝረአ ደም ምፍሳስ ይኹን ቃንዛ ሥጋ ኣይነበራን። ብተወሳኺ ልበ ኣምላኽ ዳዊት “ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ፤ ሓቂ ኣብ ምድሪ በቝላ ተረኽበት” (መዝ ፹፬፥፲/85፥10) ሓቂ ዝተባህለ ጐይታ እዩ። “መገዲ ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ” (ዮሓ ፲፬፥፲/14፥10) ከምቲ ናይ መጀመርታ መሬት ኣዳም ዝተፈጥረላ ብዘይ ሓገዝ ማይ፤ ፀሓይ፤ መግቢ ሥጋ፤ ኣዳልያ ዝተረኽበት ከምኡውን ብኣቦታትና ናይ መጀመርታ ምድሪ ተባሂላ ዝተመሰለት ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ እቲ ሓቂ ዝኾነ መግቢ ነፍሲ መግቢ ጐይታ ፈርያ ተረኽበት።

ሐ. አንጺሖ ሥጋሃ ቀዲሶ ኪያሃ
እዚ በቲ ዓቢይ ሊቅ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ ዝተነግረ ቃል እዩ። ይኹን እምበር ቀዲሶ ኪያሃ ብምባል ዝተናገሮ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ጐይታ ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ፈልዩ ብንጽሕና ኣኽበራ ንምባል ደኣ እምበር ካልእ ኣይኮነን (መዝ ፹፯፥፵፬/88፥44)። ኣቐዲሙ ዝተዛረቦ ቃል ቅዱስ ያሬድ ኣሎ ንሱ ድማ “እግዝእትነ ማርያም ኣቕዲማ ኣብ ከርሢ ኣዳም ከም ዕንቍ ትበርህ ነበረት” ዝበሎ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እግዝእትነ ማርያም ብጥበቡ ካብ ዝኾነ ይኹን ነገራት ዓቀባ፤ ንፈጣሪኣ ብቕዕቲ ኮይና ዝተረኽበት ካብ ዝኾነ ይኹን ኣዳማዊ ኃጢኣት ናጻ ዝኾነት ፍልይቲ ብጸጋ ዝመልአት እያ።

እግዝእትነ ማርያም ምንም’ኳ ሰብ ብምዃን ብሥጋ እንተ ሞተት፤ ናታ ሞት ግና ፍሉይ እዩ። “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዐፅብ ለኵሉ” ይብል። ሊቅ ቅዱስ ያሬድ። ስለዚ ከም’ቲ ቅዱሳን ኣቦታት ዝብልዎ ብቓል ምስጋና ንዓጽዎ።

“ናዓብየኪ ኵልነ ኦ! እግዝእትነ ወላዲተ አምላክ እስመ ሣህልኪ ይኩን ላዕለ ኵልነ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ ዘበእንቲአሃ ተሥዕረ ዘቀዳሚ መርገመ እንተ ኀደረት ዲበ ዘመድነ በዕልወት ዘገብረት ብእሲት በልዐት እም ዕፅ በእንተ ሔዋን ተዐፅወ ኆኅተ ገነት ወበእንተ ማርያም ድንግል ተርኅወ ለነ ዳግመ ከፈለነ ንብላዕ እም ዕፀ ሕይወት ዘውእቱ ሥጋሁ ለክርስቶስ ወደሙ ክቡር” (ውዳሴ ማርያም)


ምንጪ፦ መጽሔት እምነ ጽዮን፤ ት/ሰ/ደ/ጽ/ቅድስት ማርያም ኣሥመራ ቀዳማይ ኅታም ታኅሣሥ ፳፻ወ፫ ዓ.ም./ 2010

1 comment: