Friday, July 27, 2012

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” (ነህ ፲፥፴፱/10፥39)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን: ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም: ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ: ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ዝኾኖም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) ምኽንያቱ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝተግህን ኣብኣ ንክነብር ዝብህግን ኃይሊ ረኺቡ ንጸላእቱ ከምዝስዕር ብግህዶ ስለዝተዓዘቡ እዩ። ግዳማዊ ጸላእቲ ዘይኮኑስ ካብ ውሽጦም ዝነዝዑ ተፃረርቲ ብዙኅ ተፃቢኦሞም ነይሮም እዮም። ካብ መንጎኦም ብምንባሮም ከቢድ ፈተነ ነበረ። “እቲ ዝጸርፈኒ ዘሎ ጸላእየይ እንተ ዝኸውን ምተዓገስክዎ: እቲ ዚዕበየለይ ዘሎ ጸላእየይ እንተዚኸውን ካብኡ ምተሓባእኩ ሕጂ ግና እዚ እትገብር ዘሎኻ ንስኻ መሰታይ ዓርከይ: ፈታውየይ ዝነበርካ ሰብኣይ ኢኻ። ኣነን ንስኻን መማኸርቲ ነበርና: ኣብ ቤት ኣምላኽ’ውን ብሓደ ዄንና ነምልኽ ነበርና። (መዝ ፶፬፥፲፪-፲፬/55፥12-14)

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ግና ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም: “ኣምላኽ ሰማይ ኬቅንዓልና እዩ እሞ ንሕና ባሮት ተንሢእና ክንዓዪ ኢና: ንስኻትኩም ግና ኣብ ዛንታ ኢየሩሳሌም ክፍልን መሰልን የብልኩምን” (ነህ ፪፥፳/2፥20) ብምባል ዕዮኦም ኣስለጡን ንተፃረርቶም ኣኅፈሩን።

ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኅብሮ: ንቤተ ክርስቲያን ዘሳቐይዋን ዘድመይዋን ዘንብዕዋን ዝያዳ ዓመፅቲ ነገሥታትን ዓለማውያንን እቶም ኣብ ሕቍፋ ዝተሓፅኑ ናታ ሓሊብ ሕይወት ተመጊቦም ዝዓበዩ እሞ ደኃር ተፃረርቲ ዝኾኑ መናፍቃን እዮም። ነቲ ቅኑዕ ትምህርቲ እምነትን ሥርዓተ ኣምልኾን ኃዲጎም ብኣንጻሩ ትምህርቲ ክሕደትን ጥርጥርን ዝሰበኹ እዮም። በብጊዜኡ ዝተለዓሉ መናፍቃን ብዙኃን እዮም። ንኣብነት፦ ቅድም ካህን ዝነበረ ኣርዮስ: ቅድም ኤጴስ ቆጶስ ዝነበረ መቅደንዮስ: ቅድም ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ዝነበረ ንስጥሮስ: ኣበምኔት ገዳም ቍስጥንጥንያ ዝነበረ ኣውጣኪ …። ሎሚ’ውን ብእምነትን ግብርን ተፃረርቲ ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ ሕዝቢ ክርስቲያንን ክህልዎ ስለዝኽእሉ። “ንስኻትኩም ግና ካብ ገነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ክፍልን ምስልን የብልኩምን” እናበልና ዝያዳ ኣብ እምነትና ጽኑዓት: ብሥነ ምግባርና ትጉሃትን ኣብ ጸሎትና ንቑሓትን ክንኸውን ከምዝግባኣና እንመሃሮ ካብ እስራኤላውያን እዩ።

እስራኤላውያን ዕዮኦም ወዲኦም ንተፃረርቶም ድኅሪ ምኅፋሮም: ብዝጠለብዎ መሠረት መጽሓፍ ሕጊ እግዚአብሔር ምስተነበሎምን ምስ ተማህሩን: ብኃጢኣቶም እናተኣመኑን እናተኣዘዙን በኸዩ። (ነህ ፰፥፱/8፥9) ከም ሓደ ልቢ መኻሪ: ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም: ሕልናኦም ሰቒሎም ልቦናኦም ጠርኒፎም ድማ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ሓዲስ ኪዳን “ቤት ኣምላኽና” ዝተባህለት እግዚአብሔር ዝምስገነላ: ምእመናን ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙላ: ምሕረትን በረኸትን ዝዕደለላ ቤት እያ። ርእሳን መርዓዊኣን ኣምላኽና ብደሙ ዘጥረያ: ፈልፋሊ ሕያው ማየ ሕይወት ዝውሕዘላ: ቅዱስ ሥጋኡን ኣጽናፋዊትን ሓዋርያዊትን ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ።

ነዛ ቤት እዚኣ ንከይንኃድግ ቃል ኣቲና’ዶ
“ካብ ሽሕ መዓልትሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣፀድካ ትሓይሽ እያ’ሞ ኣብ ድንኳን ረሲዓን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላአይ ሓላው ደገ ምዃን ይሕሸኒ” (መዝ ፹፫፥፲/84፥10) ዝበለ ዘማሪ ዳዊት ምስ ከተማ እግዚአብሔር ኢየሩሳሌም ዝኣተዎ ቃል ነይርዎ፦ “ኢየሩሳሌመይ እንተረሲዐክስ  የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ: እንተዘይዘኪረኪ ንኢየሩሳሌም ከኣ ኃለፋ ኵሉ ሓጐሰይ እንተዘይገይረያስ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ” (መዝ ፻፴፮፥፭-፯/137፥5-7)። ኢየሩሳሌም፦ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና እያ። ብናቱ ኣምላኽነት ዘእመነትና: ሃብተ ወልድ ስመ ክርስትና ዘውሃበትና: ቃሉ እናመሃረት ብጸሎት ተራኽበና: ንቅዱስ ሥጋኡ በሊዕና ክቡር ደሙ ሰቲና ምሳኡ እንተወሓሕደና ኢየሩሳሌም ቤት ኣምላኽና ንኸይንርስዕ ከም ዘማራይ ዳዊት ቃል ኣቲና ዶ?
ብጽኑዕ እምነትን ሠናይ ተግባርን ዝተሓንፀ ሰብነት ክርስቲያን’ውን “ቤት ኣምላኽ” ይስመ እዩ። “ሰብነትኩም ቤተ መቕደስ ናይ’ቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልክምዎ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾነ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” (ቀዳማይ ቆሮ ፮፥፲፱/6፥19) ከምዝብል ንሰብነትና ካብ ግብሪ ሥጋን ፍትወት ዓለምን ኣንጺሕና መኅደሪኡ ምግባር ንቤት ኣምላኽ ከቶ ዘይምኅዳግ እዩ።

ነቶም ቤት ኣምላኽ ዝኾነ ሰብነቶም ኃዲጎም መርከብ ሕይወቶም ኣንፈታ ስሒታ ናብ ገምገም ጥፍኣት ትግፋዕ ዝነበረት እስራኤላውያን ብኣፍ ነቢይ ኢሳይያስ ከምዚ ክብል ወቐሶም፦ “ሕዝበይ ክልተ ክፉእ ገበሩ: ንዓይ ንፈልፋሊ ሕያው ማይ ኃዲጎምኒ: ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት ማይ ዘየዕቍር ነቃዕ ሓጽብታት ኵዒቶም እዮም እሞ ኣቱም ሰማያት በዚ ተገረሙ: ሰንበዱ ኣዚኹም’ውን ራዕራዕ በሉ ይብል እግዚአብሔር” (ኢሳ ፪፥፲፫/2፥13) “ሓጽብታት” ዝተባህለ ኣምልኾ ባዕድ: ፍትወት ዓለም: ትምኒት ሰብነትን ግብረ ሥጋን ኮይኑ ሥጋዊ: ምድራውን ኃላፍን ምዃኑ እዩ። ስለዚ ነቲ ፈልፋሊ ሕያው ማይ (ቤት ኣምላኽና) ክንኃድግ ዘይኮነስ ነዚ ነቃዕ ሓጽብታት (ኃጣውእ) ኃዲግና ናብኡ ክንመጽእ ዘዘካኽር እዩ።

ኵሉ ጊዜ ቤት ኣምላኽ ዘይኃድግ ክብርን ጣዕሚን መንግሥተ ሰማያትን: ምረትን ስቃይን ገሃነመ እሳትን : ኣብ ሕይወቱ እናሠዓለ እዩ ዝነብር። ቅዱሳን ኣቦታትና ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ክብሉ ጸብኢ ኣጋንንቲ ተዓጊሶም ደሞ ዘፍሰሱ ክብራ ስለዝረኣዩ እዮም። “ሥቃይ’ዚ ዘመን’ዚ ነታ ኣባና ክግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ክብሪ ከመዘይመዓራረይ እኣምን እየ።” (ሮሜ ፰፥፲፰/8፥18) ከምዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ።

ሎሚ ግና! ብፈተና ሰይጣን: ዓለምን ሥጋን ተሓኒቕና: ቀጻልነት ኣብ ቤተ ኣምላኽና ዝተቋረጸ ካብ ጐይታ ዘንቅፍ ዝተረኽበልና ውሑዳት ኣይኮንናን። ጐይታ ግና ይብል ኣሎ፦ “ግናኸ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ኃዲግካያ ኢኻ’ሞ ረኺበልካ ኣለኹ። እምበኣርሲ ካበይ ከምዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ። ነቲ ቀዳማይ ግብሪ’ውን ግበሮ። … “ (ራእ ፪፥፬/2፥4)

ከም እስራኤላውያን ካብ ጌጋና ተመሊስና: ካብ ዝወደቕናዮ ተንሢእና ኣብ እግሪ ኣቦታትና ካህናት ኃጢኣትና እናተኣመንና እናተናዘዝና ንብከ። (ነህ ፰፥፱/8፥9) “ቀዳመይቲ ፍቕረይ ኣይኃድግን” ንበል። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘኅደጎ ከምዘየለ ዝተናገሮ: ንሕና’ኸ ሎሚ ነዚ ቃል እዚ ንደግሞ’ዶ ኣሎና።

ሕዝበ ክርስቲያን! “መኑ ያኀድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ …/ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? ….መከራ’ዶ? ጸበባ’ዶ? ስደት’ዶ? ጥሜት’ዶ? ዕርቃን’ዶ? ድንገት’ዶ? ወይስ ሞት: … 

ሞት ኮነ ሕይወት: መላእክት ኮኑ ገዛእቲ: ዘሎ ኮነ ታሕታዋይ ካልእ ፍጥረት’ውን እንተኾነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኪፈልየና ዚኽእል ከምዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ” (ሮሜ ፰፥፴፭-፴፱/8፥35-39) ብምባል ካብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን: ካብ እምነትና ሠናይ ተግባርን ኪፈልየና ዝኽእል ከምዘየልቦ ብተግባር ነረጋግጽ። ቃል ኪዳንና ነሕድስ!

ነዚ ንምፍጻም ጸጋኡ ኣይፈለየና!

(ፓምፍሌት ቤ/ት/ሰ/መ/ገ/ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መበል ፲፯ ዓመት ዓመታዊ በዓል ዝተዘርገሐ)

No comments:

Post a Comment