Tuesday, July 31, 2012

ናይ ዘመንና “ቢጽ ሓሳውያን”ን - ፍሽለቶምን ኣብ ግብጺ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቢጽ ሓሳውያን ዘመንናን - እዋናዊ መደባቶምን
ብክቡር ደም ክርስቶስ ዝተመሥረት ሓዋርያዊትን ጥንታዊትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤ ኣብ በበይኑ ዘመናትን ሃገራትን ብዘይ ምቍራጽ ምስ ዝተፈላለዩ ኣንጻራ ዝተዓጥቑ ልኡኻት ጸልማት፤ ረዚንን ክቡርን ተጋድሎ ኣካይዳ እያ። ዓወት ዝማእከሉ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣምሊኡን ኣስፊሑን ዝምስክሮ ሓቂ ከኣ ንሱ እዩ። እንተ ብዛዕባ ዕላማታት ተጻባእታ ግና ሓደ ይኹን እምበር መልክዑን መንገዱንሲ ወትሩ መመስ ኵነታቱ እናተቀያየረ እዩ ዝነብር። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም እንርድኦ፤ ሓደ ካብቶም ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፤ ሓዋርያት መሲሎም ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ካብ ዘዕንቅፉ፤ ብጐይታ “ጸራዊ/ጸላኢ” ዝተሰምዩ፤ ብሓዋርያት ኣገላልጻ ድማ “ቢጽ ሓሳውያን/ሓሰውቲ ኣኅዋት” ከምኡውን ብናይ ሊቃውንቲ ትምህርቲ “መናፍቃን” ዝብሃሉ ከምዝነበሩን ከምዘለዉን እዩ። (ማቴ ፲፫፥፳፰/13፥28 ገላ ፪፥፬/ 2፥4 ካልኣይ ቆሮ ፲፩፥፲፫/11፥13) እዚኣቶም ከኣ ነቲ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንገሊኡ ተቐቢሎም፤ ንገለ ክፋሉ ዝነጽግዎ ወይውን ባዕላዊ ትርጉም ዝፈጥሩሉ እዮም። ዘይከም ግዳማውያን ተጻባእቲ፤ ቢጽ ሓሳውያን፤ ኣብ ውሽጢ ምእመናንን ኣገልገልትን ተሰግሲጎም፤ ኣመንቲ መሲሎም፤ ንርእሶም’ውን ሓዋርያት ክርስቶስን መምህራንን ኣምሲሎም ስለዝዓዩ፤ ንብዙኃን ከደናግሩ ዝርከቡሉ ጊዜ እምብዛ ብዙኅ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታ፤ ነቶም ኣብቲ ግራት ጽሩይ ስርናይ፤ ስርናይ መሲሎም ንዝበቝሉ ክርዳዳት፤ ክዘርኡ ንዝወፈሩ “ጸላእቲ” ክብል ዝሰመዮም። ግደ ሓቂ ካብቶም ናይ ደገ ተጻባእቲ ኸኣ እቶም ናይ ውሽጢ መምሰልቲ ጸላእቲ ዝጥቐሙሉ ሜላን ኣገባብን ኣደናጋሪ እዩ። ልዕሊ እቲ ሓቀኛ፤ ሓቀኛታት መሲሎም፤ ሓቂ ከምስሉን፤ ንሓቂ ክኽውሉን ስለዝፍትኑ መመስ ኵነታት ስለዝቀያየሩን ብርግጽ መጋገይቲ እዮም። 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ’ውን ብቀዳምነት ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ካብቶም ዝተፈታተንዋ እቶም ሓደ፤ በዞም ኣብ ሞንጎ ማኅበረ ምእመናን ኣትዮም፤ ንጽሩይ ትምህርቲ ሓዋርያት ክብሉሉ ዝፈተኑ ኣይሁድ ዝመበቖሎም “ኣመንቲ” ዝተካየደ ኣዕናዊ ተግባር እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ማዕበል ፈተና ከህድኡ፤ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክዕቅቡ ካብ በብዘለዉዎ ኣብ መፋርቅ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጋብኡ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት ከኣ፤ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምኽፍፋልን ዘርግን ንምእታው ንዝፈተኑ ቢጽ ሓሳውያን ሥሙር መልሲ ንምሃብ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ካብ በብወገኑ ንዝመጾ ዝነበረ መከራ ዘጽንዑሉን፤ ንዝምህሮ ዝነበረ ጽሩይ ትምህርቲ ክብልሉ ዝፈትኑ ዝነበሩ እዞም ቢጽ ሓሳውያን እዮም።  (ግብ ሓዋ ፲፭/15 ካልኣይ ቆሮ ፲፩፥፳፮/11፥26)። ነዞም ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተጠቕሱ ውሑዳት ኣብነታት ጠቐስና ደኣ እምበር፤ ኣብ ሰፊሕ መዋዕል ታሪኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተራእዩ ብዙኃን “ሓሰውቲ ኣኅዋት”፤ ዝጥቐሙሉ ምኽንያትን መመሳመስን ብዘየገድስ፤ ዝሽፈኑሉ ስምን ማስኬራን ዝጸበቐ እንተጸበቐ፤ እቲ ቀንዲ ዕላምኦም ጽሩይ ትምህርት ቤተ ክርስቲያን ብምብላል፤ ሓድነታ ብምዝራግ፤ ኣብ ሞንጎ ምእመናን ድማ ምፍልላይ ብምፍጣር ቤተ ክርስቲያን እትዳኸመሉ መገዲ ሃሰው ምባል እዩ። በዞም ሎሚ ዝተለዓሉ ቢጽ ሓሳውያን ከይንግረምን፤ ብህላዌኦም’ውን ከይንጠራጠር ዝገብረና ከኣ ካብ ዘመን ሓዋርያት ጀሚሮም ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ከምዝነበሩን ብሕጂ’ውን ከምዝህልዉን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዝግባእ ስለዝረድኡና እዩ። 

እምበኣር ናይ ሎሚ ምኽንያት ጽሑፍና ብዛዕባ ታሪኽን መንነትን ቢጽ ሓሳውያን ንምግላጽ ዘይኮነስ፤ ኣብ ዘመንና መልክዑ ከም ነፋሒቶ እናቐያየረ፤ ዕላምኡ ንምትግባር ቀትርን ለይትን ዝጓየይ ዘሎ ጉጅለ መናፍቃን ኣብታ ከውልና ዝብልዋ ግብጺ ዝፈተኖ ፈተነን፤ ፍሽለቱን ንካልኦት’ውን መለበሚ ንክኸውን፤ ብሓጺሩ ምቕራብ እዩ። ኣብ ግብጺ ካብ ዝርከቡ ግዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንዝበጽሓና ሓበሬታ፤ ምስቲ ዘሎና መጽናዕቲ ኣወሃሂድና ከነቕርበልኩም ከሎና፤ ስለቲ ተገዳስነቶምን ተጋድሎኦምን ኣምላከ ቅዱሳን ዓስቦም ክህቦም ብምምኅጻን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ንኵልና ምዕዶ ንዝኸውን ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጠቕስ። “ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ።” (ቀዳማይ ቆሮ ፲፮፥፲፫/16፥13)     

ከምዝፍለጥ ኣብ ኣትላንታ ዝማእከሉ ጉጅለ መናፍቓን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፤ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝባን ንምኽፍፋልን፤ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንከሎ ዝፈሸሎ ድጉል ዕላማ መናፍቕነት ዳግማይ ብኻልእ መገዲ ንምትግባሩ ዘይፈንቕሎ እምኒ፤ ዘየፍስሶ መዋዕለ ንዋይ፤ ንጊዜኡ ይስለጦ ደኣ እምበር ዘይሕስዎ ሓሶት ከምዘየልቦ ደጊጋምና ኣብ ዝሓለፉ ጽሑፋትና ጠቒስና ነይርና። ባዕሎም’ውን ኣግሂዶም ይዛረቡሉ ከምዘለዉ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ብመጋብርቶም ኣቢሎም፤ ምሉእ ንምሉእ ክቖጻጸሩዎን ከማእዝንዎን ብዘይምኽኣሎም፤ ርእሱ ዝኸኣለ “ሲኖዶስ”፤ ከቝሙ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። መመሳመሲ ምኽንያቶም ከኣ ጒዳይ ሣልሳይ ፓትርያክ ኤርትራ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ምዃኑ ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ከም ኣካል ናይቲ መደብ’ውን ኤርትራውያን ብብዝኂ ኣብ ዝርከቡሉ ዝተፈላለዩ ሃገራት፤ ብመሪሕነት እቶም ሥልጣነ ክህነቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ምዃኑ ብዝንገረሎም አቡን መቃርዮስ እናተኣልዩ ዝሰርሑ “ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ” ብብዝኂ የቑሙ ከምዘለዉ ኵሉ ዝዕዘቦ ሓቂ እዩ። ነቲ ዕማም ዝሕግዝዎም፤ ገሊኦም ብምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ውልቃዊ ኵራ ንዘለዎም፤ ገሊኦም ብመናፍቃዊ ትምህርቶምን ድኅረ ባይትኦምን ንዝፍለጡን፤ ንክህነት ዘይብቑዓት ምዃኖም’ውን መርትዖ ክቐርበሎም ንዝኽእሉ “ክህነት” ብብዝኂ ይዕድሉ ከምዘለዉ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝተኸወለ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፤ ሓደው ዕላማታቶም ዝድግፉ መነኮሳት ጠባቢርካን፤ ብ “ሽመት” ኣታሊልካን ጵጵስና ንምሻም፤ ሓደው ከኣ “ገዳማት” ንምቛምን፤ “መነኮሳት” ንምጭጫሕን ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ብመራሒኦም ገብረሚካኤል ዝጸዓረሉ ዘሎ ዕማም ኮይኑ ኣሎ። ካብ እስራኤል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ውን ነዚ ዝምስክር እዩ። እምበኣር እዚ ኵሉ ተደማሚሩ ንሓንቲ ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ፤ ኣብ “ክልተ” ብምግማዕ፤ ንዝደልዪዎ ዕላማ ርሒብ ባይታ ምጥጣሕ እዩ። 

ተሓበበርቲ እዚ ውዲት
ንኸምዚን ካልእን ምኽፍፋል ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝዕላምኡ ውዲት፤ ዝተሓጋገዝዎም ከኣ ብዘይካ እቶም ዓለማውያን ውዱባት፤ ካልእ ድርብ ዕላማ ዝሰነቑ ውሑዳት ጳጳሳት ግብጺ ምዃኖም ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። እዞም ውሑዳት ጳጳሳት ከኣ ኣንጻር ኤርትራ ሃገርና ምስ ዝኾኑ ሃገራትን መሳርሕቶምን ዝኾኑ ኣካላት ጥቡቕን ፍሉይን ዝምድና ከምዘለዎም ዘሎና ኣፈናዊ ሓበሬታታት የመልክት። እዚ ጉጅለ’ዚ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ኣብቲ ዕላማ ፓለቲካ’ውን ብምእታው፤ ኣንጻር መንግሥቲ ኤርትራ ምስ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘካይዶ ዘሎ ምሥጢራዊን ቅሉዕን ርክባት ዝያዳ ነዚ ኣበሃህላ መርትዖ ኮይኑ ክቐርብ ዝከኣል እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ኣብዘን ሃገራት፤ ኣንጻር እዚ ጉጅለ መናፍቓን ብዕቱብ ንዝንቀሳቐሱ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ብዝተፈላለየ መገዲ ንምድኻም ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ካብ ዝኾነ ናጻን ግዱስን ኣካል ዝተኸወለ ኣይኮነን። 

እዞም ፫-፬ ዝኾኑ ጳጳሳት ግብጺ፤ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሼኑዳ ከይተረፈ ኣብ ጒዳይ ኤርትራ ጊጕይ ሓበሬታ ከምዝሰንቑን፤ ዳኅራይ እኳ ኣብ ኣጋ ዕረፍቶም ዝተጣዕስሉ ይኹን ደኣ እምበር ዘይተደልየ ውሳነ ክውስኑ ዘኽኣልዎምን፤ ሕጂ’ውን ኣንጻር ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንዝግበር ዘሎ ጐስጓስ ባይታ ዘጣጥሑ ዘለዉን እዮም። እምበኣር ጉጅለ ኣትላንታ ምስዞም ውሑዳት ጳጳሳት ዝግበሮ ዘሎ ርክብ፤ ብዝተፈላለየ ኣካላት እናተመወለ ደገፍትን ተሓበበርትን ንምብዛኅ ዝገበሮ ዘሎ ገዚፍ ወጻኢታት፤ ካልኦት ጳጳሳት ግብጺ ንኽፈልጥዎን ንኽኣምኑሉን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምምስሳል ፈተነታት፤ ምእመናን ንምግጋይ ዘካይዶ ሓሶት ዝመልኦ ጐስጓስ መርኣያ ናይቲ ከንቱ ዕላማታት እዩ።   

ፈተነ ግብጺን ፍሽለቱን         
ካብ ግብጺ ዝበጸሓና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፤ እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን፤ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምስፍሕፋሕ ሥርሓት፤ ብዙኅ ናይ ሓሶት መለከት ብምንፋሕ፤ ምስቲ አቡን መቃርዮስ ኣብ ግብጺ ዘለዎም ጽልዋ ተጠቒሙ፤ ኣብ ግብጺ ንዘለዉ ምእመናንን ኣገልገልትን ኣደናጊርካ ኣብ ትሕቲኡ ንምእታውን፤ ኤርትራውያን ንዝግልገሉላ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ንምቍጽጻር ዝገበሮ ፈተነ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኮነ መንነቱ ዝያዳ ዘቃልዕ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። 

እቶም በብዝኸድዎ ኣንጻር ኤርትራን፤ ጳጳሳት ሃገርናን ጽርፈት ብዝመልኦ ኣገባብ ጸለመ ዘካይዱ ዘለዉ አቡን መቃርዮስን፤ ኣብ ትሕቲኦም ተኸዊሉ ዘሎ ጉጅለን፤ ኣብ ልዕሊ ዲያቆናትን መንእሰያትን ብሓፈሻ ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምእመናን ብዝተዋደደ መልክዕ ሰፊሕ ናይ “ፕሮፖጋንዳ” ንጥፈታት ብቴሌፎንን ብኣካልን ከካይዱ እዮም ቀንዮም። ሓደ ካብቲ ዝተጠቕሙሉ ሜላ ከኣ እቶም ምእመናን፤ እምነት ንዘሕድሩሎም ኣብ ግብጺ ንዝምቕማጦም (ኤርትራውያን) ገዳማውያን መነኮሳትን መነኮሳይያትን ስም ብምጥቓስ፤ “ምስ ኣባ ክስቶ ወዲእና ኢና” “ምስ እማሆይ ክስቶ ጽቡቕ ርክብ ኣሎና” “ምስ ግብጻውያን ጳጳሳት ተዛራሪብናሉ ኢና” “ግብጻውያን ጳጳሳት ብዙኅ እዮም ዝድግፉና” ብዝኣመሰሉ ናይ ሓሶትን ጥበራን ቃላት ነቲ ብእምነቱ ጽኑዕ ዝኾነ ሕዝቢ ከደናግርዎ ዝፍተኑሉ ኣገባብ እዩ ነይሩ። ዘይሩ ዘይሩ ከኣ እቲ ዕላማ፤ ንአቡን መቃርዮስ ብቀረባ ንዝፈልጦምን፤ ዕላማታት እዚ ጉጅለን ንዘይቕበል ዘሎ ሕዝቢ ንምድንጋርን በቲ ዝዕብሎኽ ዝነበረ ዶሮና ሓሶት ኣንፈቱ ስሒቱ ኣብ ትሕቲኦም ንምእታው ዝዓለመ እዩ ነይሩ። 

ገለ ኣዝዮም ውሑዳት በዚ ወፍሪ’ዚ እኳ እንተተደናገሩ፤ ዳርጋ ኵሎም ምእመናንን ኣገልገልትን ግና ዝያዳ ንኽሓቱ ተደሪኾምን፤ ሓሶት ናይዞም ጉጅለ ካብቲ ሓቂ ኣነጺሮም ንኽፈልጡ ኣኺእልዎምን ኣሎ። ሓደ ካብቶም ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክከታተል ዝጸንሐ ተሳታፊ’ውን ብዝለኣኸልና ሓበሬታ፤ “እዞም ጉጅለ እዚኦም፤ ዕላማታቶም ይውቃዕ እምበር፦ ሓሶት ዘየሕፍሮም፤ ጉቦን ብላዕን ንምሃብ ድኅር ዘይብሉ፤ ካብ ዓለም ተፈልዮም፤ ንዓለም ሞይቶም ኣብ በረኻ ንዝሰፈሩ ፈለስቲ ከይተረፈ ብገንዘብ ይኹን፤ ብቀንጠ መንጢ ንብረት፤ ብሽመት ዓለምን ካልእን ንምድላሎም ዘየሕንኾም፤ ንዕንወት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዝተዓጥቑ ልኡኻት ጸልማት እዮም” ክብል እዩ ገሊጽዎም። 
     
ምስ ግብጻውያን ጳጳሳት ኣብ ዝተግብረ ርኽባት’ውን እቲ ዝካየድ ዘሎ ንቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝሃሲ ተግባራት፤ ዝያዳ እናተነጸረሎም ከምዝመጸ፤ ኣሰር ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሼኑዳ ብምኽታል፤ ኣብ ኤርትራን ጽኑዕ እምነት ሕዝባን ብዘለዎም ኣኽብሮት፤ ነቲ ጕዳይ  ብዕቱብ ይኸታተልዎ ከምዘለዉ ክገልጹ ተሰሚዖም እዮም። ነዞም ብብዙኅ መገዲ “ጥቡቕ ርክብ ምስ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሎና” እናበሉ ሕዝቢ ብዛዕባ ዘደናግሩ ጉጅለ’ውን ዘለዎም ኣፍልጦ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑን፤ ኣብ ኤርትራ ምስ ዘለዎ ኣቦታት ግና ክላዘቡን ክማኸሩን፤ ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና’ውን ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝደልዩ ሓቢሮም ኣለዉ። ገለ ሊቃነ ጳጳሳት’ውን ነዚ ዝብሃል ዘሎ ጉጅለ ፈጺሙ ከምዘይፈልጥዎ እዮም ጠቒሶም። ብኣፍ እቶም ዓበይቲ ሊቃነ ጳጳሳት ግብጺ ክዝረብ ከምዝተሰምዐ’ውን፤ ናይ ኤርትራ ኣቦታት ኣብ ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሼኑዳ ብኽብሪ ምስታፍ፤ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ግብጺ ዘለዋ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ዘለዋ ተበግሶ ብጭቡጥ ዘመላኽት ብምዃኑ፤ ንሕና’ውን ከም መጠን መንፈሳውያን ኣቦታት፤ ብወገንና ኣብቲ ክግበረሉ ዝኽእል ጉዳያት ሕድገታት ብምግባር፤ ክንዘራረብ ክንክእል ኣሎና ዝብል መርገጺኦም ኣነጺሮም ኣለዉ። ሕጂ’ውን ኣብ መስርሕ ምርጫ መበል ፻፲፰/118 ፓትርያርክ ግብጺ፤ ብመሠረት እቲ ኣብ እዋን ሲመት ቀዳማይ ፓትርያርክ ኤርትራ (ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ፊልጶስ) ብዝተኸተመ ውዕል፤ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ኤርትራውያን ጳጳሳትን ኣበ ምኔታት ገዳማት ኤርትራን ካልኦት ዝምልከቶምን ክሳተፉ ዘለዎም ድሌት ልዑል ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ካይሮ ኣብ እትርከብ ኤርትራውያን ንዝግለገሉላ ቤተ ክርስቲያን’ውን ብዘይካ እቶም ዝተመደቡ ብሃይማኖቶም ጽኑዕ ዝኾኑ ኤርትራዊ መነኮስ፤ ካልእ ዝኾነ ዘይተፈቕደሉ ኣካል ይኹን ውልቀሰብ ኢዱ ከየእቱ ምኽልካሎም፤ መርኣያ ሰናይ ድሌቶም ኮይኑ ክግለጽ ዝኽእል ዓቢ ስጉምቲ ንቅድሚት ምዃኑ ዝበጸሓና ሓበሬታ የመልክት። ነቲ ሕዝቢ ካብ መንፈሳውያን መራሕቱ ክፈልዩ ዝደልዩ ዘለዉ ጕጅለታት’ውን በዚ ውሳኔ’ዚ ርእሶም ኣድኒኖም ከምዘለዉ ዘይከሓድ ነገር እዩ። ድሮ’ኳ ብዙኃን መሲልዎም፤ መገዶም ስሒቶም ዝነበሩ፤ ተነሲሖም ናብታ ክብርቲ ሃይማኖቶም ይምለሱ ኣለዉ።

መጠቓለሊን ለበዋን
ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ጠቒስናዮ ዝነበርና፤ መናፍቓዊ ጉጅለ ኣትላንታ፤ ክብረትን ልዕልናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን፤ ልዑላዊትን ናጻ ሃገርን ብዝግህስ ዘይሕጋዊ ኣገባብ አቡን መቃርዮስ ኣብ ጎኑ ብምስላፉ ጥራይ ምስ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሎኒ ዝብሎ “ጥብቕ” ዝምድና፤ ካብ ሃልኪ መራኸቢ ብዙኃን ዘይሓልፍ ኮይኑ፤ እቲ ክውንነትሲ እዚ ጉጅለ’ዚ ብስሞም ይሽቕጥ ከምዘሎ እዩ ዘሎና ሓበሬታ ዘመልክት። ብምዃኑ ድማ እዚ ጉጅለ’ዚ፤ ነቲ ስዉርን ቅሉዕን ዕላማታቱ ንምትግባር፤ ብሓሶት ዝተመልአ ጐስጓሳት ብሰፊሑ እንተቐጸለ’ውን፤ እቲ ሓቂ ውዒሉ ሓዲሩ ምውጽኡ ዘይተርፍ ምዃኑ እዚ ናይ ግብጺ ተሞክሮ ትምህርቲ ክኾነና ይኽእል። እቲ ንሱ ዝዘርኦ ዘሎ ምፍልላይ፤ ፍሬኡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ጸሊም ነጥቢ ምግዳፉን፤ ንገሊኦም’ውን ምድንጋሩ ዘይተርፍ እኳ እንተኾነ፤ ኣብ መወዳእታስ ኵሉ ከም ቀትሪ ፀሓይ ከምዝንጽር ከኣ ክንስሕቶ የብልናን። 

ኮይኑ ድማ ንሕና ኣብ ምሉእ ዓለም ብዝርወት እንነብር ደቂ ኤርትራ፤ ዘሎና ኣመላኽኽታን መርገጺታትን ኣብ ዓለማዊ ጕዳያት ብዘየገድስ፤ መንፈሳዊት ቤትና ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ኮይንና፤ ዝተፈላለየ እኩይ ዕላማ ተሓንጊጡ፤ ቤተ ክርስቲያንና ክኸፋፍልን፤ ኑፋቄያዊ ትምህርቱ ክዘርእን ንዝፍትን ጉጅለ ኣትሪርናን ነቒሕናን ክንቃወሞ ክንክእል ኣሎና። እዚ ዘሎናዮ ክፉእ ዘመን’ዚ፤ ወረ እምበር ሰናይ ግብሪ ዘይርከቦ ስለዝኾነ፤ በዚ ጉጅለ’ዚ ብዝናፈስ ማዕበል ሓሶት ከይተደሃልና፤ ባሕሪ ምትላሉ’ውን ከይስጠመና፤ ኣብ ጥንታዊት ሃይማኖት ኣቦታትና ጸኒዕና፤ ብጸሎት ብጾም ብስግደት ብሰናይ ግብሪ ክንጋደል ይግባእና።

ሲመትን ሥልጣንን ካብ እግዚአብሔር እዩ እሞ፤ ኣብቲ ክቡር መንበር ዘሎኹም ኣቦታትና ከኣ፤ ደቕኹም ይውሓድ ይብዛኅ ስለታ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ርትዕቲ ሃይማኖትን ቅድስት ሥርዓታን ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ይጋደሉ ኣለዉ እሞ ንሳኻትኩም’ውን ዝግባእኩም ክትገብሩን፤ ዝለዓለ እጃምኩም ድማ ከተልዕሉ ይምኅፀኑኹም ኣለዉ። ክቡራን ኣቦታትና፤ ሎሚ ኣሎኹም፤ ጽባሕ ግና ብርግጽ የሎኹምን። ብቀደምኩ’ውን ንፍቓድን ትምኒትን ዓለም ዝሞትኩምን ዝተገነዝኩም’ውን እኳ እንተኾንኩም፤ ድሮ’ኳ ብሥጋ’ውን እቲ ጻውዒት ኣምላኽ ከምዘቐረበ ፈሊጥኩም፤ ገሌኹም ኣብ ገገዳምኩም መቃብርኩም ድሉዊ ዝገበርኹም ኢኹም። ጽባሕ ብርግጽ ኣይትሃልዉ ደኣ እምበር፤ ታሪኽኩም ግና ንዘለዓለም እናተነግረ ክነብር እዩ እሞ ዘመስግነኩም፤ ብሰናይ ዘዘክረኩም ታሪኽ ሠሪሕኩም ክትሓልፉ ለበዋ ደቕኹም እዩ። 

ኣእምሮን ብቕዓትን ከምዘይብልኩም፤ ብዙኅ ዘይትኣምኑሉ ነገር ብ“ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን” ጥራይ እናተወሰነ ከምዝፍጸም ዝጠፍኦ ሰብ የልቦን። ኣብ ጊዜኡ እቲ ዘይተርፍ እምኒ ቅድሚ ምጽቓጡ፤ ጸቕጢኩም ንዘሎ “ምምሕዳር” ተቢዕኩም ክትኣልይዎን፤ ስለ ጸገማትን ዕብየትን ቤተ ክርስቲያንና እሂን ምሂን ኢልኩም ክትዛተዩን፤ ኣንፈታ ስኢና ንዘላ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ግቡእ መገዳ ክትመልስዋ ሓደራ ይብሉኹም። መቓብር ከይኣተኹም፤ ክቐበርኩም ንዝጋደል ዘሎ ኣካል ምምሕዳር፤ ናብቲ ዝለኣኾ ክተመልስዎን፤ ከተቃልዕዎን ደቕኹም ይልምንኹም ኣለዉ። ኣይምልከተናን እናበልኩም ሎሚ ዕሽሽ ንዝበልኩሞ ሽግር ቤተ ክርስቲያን፤ ጽባሕ ኣብ ቅድሜኹም “አይቴ ነበርከ፤ ምንተ ገበርከ” ዝብል ዘፍርህ ኣምላኻዊ ቃል ከምዝጽበየኩም ልዕሌና ስለእትፈልጥዎ፤ ብትብዓት ስለ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ገለ ክትገብሩ ዘኽብሩኹምን ዝፈትዉኹምን ደቕኹም የዛካኽሩኹም ኣለዉ። እቲ ዘሎኩም ጽቡቕ ነገር ይኹን ድኽመት ብዘይገደስ፤ ኣቦታትና ኢኹም እሞ ከምቶም ገሊኦም ኣኅሊፎም ዝህብኹም፤ ንርእስና ምእንቲ ክጥዕመና ኣኅሊፍና ክንህበኩም ፍቓደኛታት ኣይኮናን። 

ብወግዒ ኣይኣውጅዎ እምበር፤ ነቲ ግብጻውያን ኣንቂዶሞ ዘለዉ ሰናይ ተበግሶ ብምሥማር፤ ንስኻትኩም’ውን ናትኩም ተበግሶ ብምውሳድ፤ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሊም ታሪኽ ዘይተገድፉሉ ሥራሕ ክትሠርሑ ሓደራና ጽኑዕ እዩ። ሓደ ካብኡ ኸኣ ከም ግቡእኩም ክትሓስብዎ ዘሎኹም ጕዳይ ኣብዚ ዝቀራረብ ዘሎ ምርጫ ምስታፍን ምዝርራብን እዩ። ነዚ ምስተገብሩ ከኣ ነቶም ንዓኹም ኣልዮም፤ ሰማያዊ ሥልጣንኩም ክብረትኩምን ኣዋሪዶም፤ ንሶም ዝሾምዎምን ደገፍቶምን ኣብ ክንዳኹም ንምሳታፍ ሰባት ዘቃብጥሩ ንዘለዉ መናፍቃን ዓቢ ጽፍዒት ክኸውን እዩ። ነቲ ዝፈትወኩምን ዘኽብረኩምን ሕዝቢ ከኣ ዓቢ መጸናንዒ ክኾነሉ እዩ እሞ ነዚኣ ንምግባርሲ ኣይትትሃከዩ።  

እምበኣር ዝኃለፉ ሰሙናት’ዚ ግብጺ ቅዱስ ጳውሎስ “ሓዋርያት ሓሶት” ኢሉ ንዝጸውዖም ናይ ዘመንና ጉጅለ ዘቃልዓትሉ እዋናት ነይሩ እዩ እሞ፤ ንኵልና ንትምህርቲ ክኾነና ብለበዋ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ወዱ መልእኽትና ክንዛዝም።

“ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሓቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሓልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን። ቀዳማይ ጢሞ ፮፥፳፩/ 6:21

4 comments:

  1. ወልደ ተዋሕዶAugust 6, 2012 at 4:49 AM

    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፥

    ኛይ ብሓቂ ባህ ዘብል ሓሳብን ለበዋን እዩ። ኣሕዋትና እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚ ቅዱስ ሓሳባት እዚ ክፍጽመልናን ከጸብቐልናን ኣብዚ ጾመ ፍልሰታ እዚ ብጾምን ጸሎትን ኣብዚሕና ክንተግህ ይግብኣና።

    ReplyDelete
  2. ኦርቶዶክሳዊ ወዲ ተዋሕዶAugust 6, 2012 at 5:07 AM

    ዝኸብርኩም ማዕዶታውያን እግዚአብሔር የሓግዝኩም።

    እስከ ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንሕሰብ። ጉዳይ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ፧ እዚ ኩሉ ምክፍፋል ካበይ እዩ ምንጩ፧ ካብ ሰይጣን እዩ፥፡ ኣሳሰይቱ ድማ ኣትላንታውያን። ግን ገብረሚካኤል መን እዩ፧ እንጦንዮስ ከ መን እዩ፧ ዲዮስቆሮስ ከ መን እዩ፧ ኩላቶም እዚኣቶም ንቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ ተባሂሉ ዝተሸሙ እዮም። ስለዚ ንሳቶም ክሓልፉ እዮም። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ግና ንዘለዓለም ክትነብር እያ። ስለዚ እንጦንዮስ እንተዘይተፈትሐ ኢልካ መናፍቕ ምኻን እንታይ እዩ ቕንቕኛኡ፧ ገብረ ሚካኤል ዝወጻሉ መናፍቕ ምኻኑ ካብ ስብከታቱ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣገልግሎቱ ንመናፍቕነትን ንገንዘብን ደኣ እምበር ንሃይማኖት ንቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን። ካብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ፖለቲካ ዝቐረበን ዝተጸምበረን እዩ። ስለዚ ንሳቶም ሰባት እዮም፥፡ ንሕና ኣብ ቤተ ክርስቲያና ንጽናዕ። ሃይማኖትና ነጽንዕ። ብኦርቶዶክሳዊ ስነ ምግባርና ድማ ጸኒዕና ንንበር። እግዚአብሔር ድማ ንቤቱ ዝሓሸ ኪፈጥረላ እዩ።
    ስብሐት ለእግዚአብሔር
    ወለወላዲቱ ድንግል
    ወለመስቀሉ ክቡር።

    ReplyDelete
  3. በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፥ zegerim tarik nisigawi rebha kitbil eminetka miliwat . mot kidan eyu ni simet , genzeb . tefelatinet kitibil eminetika miqiyar gin nay mot mot eyu kabzi neger ezi Amlak yisewirena nab libom temelisom dagim nata Qdisti betom n eminetomin yimlesom.
    ስብሐት ለእግዚአብሔር
    ወለወላዲቱ ድንግል
    ወለመስቀሉ ክቡር።

    ReplyDelete