Monday, August 6, 2012

መልእኽቲ ጥንተ ኣብሶ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራን ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት፦

ከምቲ ብተደጋጋሚ ክንገልጾ ዝጸናሕና፤ ኣብ ታሪኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓድሽ ትምህርቲ ብምትእትታው፤ ኣብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዘርጊ ንምርጋእን፤ ዘየድሊ ክትዓት ኣብ ሞንጎ ኣመንትን ኣገልገልትን ብምፍጣር ከኣ ንድኽመት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ባይታ ከጣጥሑ ዝፍትኑ መደብሮም ኣብዚ ወጻኢ ብዝኾኑ ባእታታት ዝዝወሩ ወኪላቶም ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ ክንጠቕስን ከነቃልዕን ጸኒሕና ኢና። ገሊኦም ነቲ ዝተጻወደሎም መፈንጠራ ከየስተውዓሉ፤ ጠኒኖም ኣብ ዘይምልከቶም ሓዊ ክሕደት ተጠቢሶም ተሪፎም ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ንትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ልቦም ከይህቡ ኣብ መገዲ ኑፋቄ ጥሒሎም ይርከቡ። ብሰንኪ እዚ ጉጅለ’ውን ገሊኦም ፓለቲካን ሃይማኖትን ሓዋዊሶም ክርእይዎን ንካልእ ኣብ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ዘየድሊ ዓለማዊ ዛዕባ ከልዕሉ ዝተቐሰቡሉ ኩነት’ውን ከምዘሎ ይስትውዓል እዩ። በዚ ይኹን በቲ ጐስጐስትን መወልትን ናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ዘይርቱዕ ድርብ ዕላማታት፤ ሓቀኛ መንነቶም እናተፈልጠ፤ ቀስ ብቀስ ኣካይዶኦም እናነጸረ፤ ኅብረቶም ከኣ ምስ መን ምዃኑ እናተጋሃደን ይመጽእ ኣሎ። ብኣንጻሩ ድማ ብዙኃን መንእሰያት፤ ተንኮል ናይ ከምዚኦም መሠርያን ብኣግኡ ተረዲኦም፤ ክጥንቀቑን ትምህርቲ ኣቦታቶም ብዝግባእ ከጽንዑን ክፈልጡን ጽቡቕ መለበሚ ምኽንያት ኮይንዎም ኣሎ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝዓበየ ሽግር ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ግና፤ ብደረጃ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ላዕለዋይ ኣካል፤ ንኸምዚ ዚኣመሰለ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ዝኾነ ተርእዮ ዘለዎ ትሑት ኣፍልጦን ኣሉታዊ ምትሕብባሩን ይቕጽል ምህላዉ እዩ።

እቶም ሰብ እከይ ዕላማ ከም ዕላማ ሒዞም ከተኣታትዉን፤ ኣብ ልቢ ምእመናን ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት፤ ብዝረቀቐ ጥበብ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊን ቅዱስን ትምህርተ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮም ክብርን እምነትን ከጕድሉን፤ ጥርጥር ከሕድሩን ንምግባር ካብ ዝተበገሱሉ ኣርእስቲ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ ንጽሕና እታ ምእመናን ካብ ልቦም ዘፍቅርዋን፤ ጽዮኖምን መምክሒቶምን ገይሮም ኣብ ዝኣምንዋን ቅድስት ድንግል ማርያም ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ሓሳብ እቲ እኩይ ዕላማ ነቲ ኣማኒ ሕዝቢ ብኣኣ እንተደኣ ልቡ ኣጠራጢርናዮ፤ እቲ ካልእ መገዲ ክሕደትን ምጥርጣርን ኣዝዩ ዝቐለለ ክኸውን እዩ ካብ ዝብል ቀመር ዝብገስ እዩ። ምእመናን ኣብ ልዕሊ ድንግል በክልኤ ኣብ ዝኾነት፤ መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፍጣሪ ኣብ ዝተሰመየት፤ ቅድስተ ቅዱሳን፤ ንጽሕተ ንጹሓን ወላዲተ ኣምላኽ፤ እመ ብርሃን፤ ኣደ ጐይታ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎ ጽኑዕ ፍቕሪ ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡ፤ ንኣኣ ዘኽብሩሉ ዘይኮነስ ዘቃልሉሉ፤ ብትምህርቲ “ጥንተ ኣብሶ” ኣመኽንዮም ክርዳድ ንምዝራእ ምፍታኖም ዘይርሳዕ እዩ። ጉልባብ ክኾኖም ዝተጠቕሙሉ ሜላ ከኣ ንሕና “ግብጻዊ” ትምህርቲ ኢና ንኽተል ዝብል ነይሩ። ነዚ ክርዳድ ትምህርትን ካልእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወኪሎም ሰመረአብ ወልደገብርኤል ኣቢሎም ምዝራእ ዝጀመሩሉ ጊዜ ቅድሚ ፲፪ ዓመት  ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነበሮም ሕዙእ ጉባኤታት፤ በብሓደ እናተሰዓረን ኣብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ ኮነ ኣብቲ ምእመን ብዛዕባኦም ዝነበረ ንቕሓት ሃይማኖት ምስ ወሰኸን እዩ ነይሩ።

ብመሠረቱ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ካብ እትምህሮን እትኽተሎን ኣገባብ፤ ኣብ ዝደልይዎ እከይ ዕላማ ክስዕብዎን መወከሲ ክገብርዎን፤ ኣብቲ ዘይደልይዎ ሓቀኛ እምነታዊ መንነቶም ከኣ ክሕሰምዎ ምርኣይ ልሙድ ጠባያት ናይዚ ጉጅለ እዩ። ካልእ ይትረፍ፤ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ንቅድስት ድንግል ማርያም እትህቦ ልዕል ዝበለ ክብርን ተማኅፅኖን፤ ብመራሕቲ እዚ ጉጅለ ክሰዓብ ይትረፍ ኣዝዩ ሳሕቲ ከይፈተዉ ከውስኡሉ ከለዉዉን ጸላእላእ እናበሎም ምዃኖም ዝተፈልጠ እዩ። ቅዱሳት መጻሕፍትን ቅዱሳን ኣበውን፤ ንዝገለጽዎ ቅድስናን ክብርን ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ዝግባእ ኣብ ጉባኤያቱ ይኹን ኣብ መርበባቱ ዘይምህርን ንሰዓብቱ ዘየፍልጥን ጉጅለ፤ “ርስሓት” ኣለዋ ኢሉ ብዛዕባ “ጥንተ ኣብሶ” ፈልዩን ተገዲሱን ክምህር ምርኣይ እንታይ ዕላማ ብድኅሪት ስለዘለዎ ኢልና ብቀሊሉ ንነፍስና ብምሕታት መንነት ናይዚ ጉጅለ ምፍላጡ ይከኣል እዩ። ከምኡ ኢሎም ይምህሩ ዝብሃሉ ናይ ሎሚ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን እኳ ተሓቲቶም ኣብ ዝምልሱሉ፤ ወይውን ኣብ ሓንቲ ቃል ናይ ጽሑፎም ደኣ እምበር፤ ብዛዕባኡ ኣልዒሎም ብቀጻሊ ኣይዛረቡን እዮም። እኳ ደኣ ክብራን ቅድስንኣን እዮም ኣብዚኆም ወትሩ ክገልጹ ዝስምዑ። 

ብዝኾነ ግና ሕጂ’ውን ከነስተውዕሎ ዘሎና፤ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ብዙኅ ካብኦም እንመሃሮ ሰናይን ኣብነታዊ ተግባራትን እኳ እንተሎ፤ ብድብድቡ ግና ብፍላይ ኣብዚ ፳፩ ክፍለዘመን ንዝተለዓሉ መራሕቲ ፍጹማን እዮም፤ ጕድለት ኣይርከቦምን ማለት ጊጉይ ኣመላኻኽታ እዩ። ኣብ ገለ መንእሰያትና’ውን ዳርጋ ርእሰ ምትሓት ብዝመስል ኅሊና፤ እቶም ኣጸቢቕና ንዘይፈለጥናዮምን ዘይተላለናዮምን ኣእላፍ ቅዱሳን ሃገርና ንዝፈጸምዎ መስተንክራትን ትምህርትን ሸለል እናበልና፤ ብድፉኑ ልዕልና ግብጺ ተሰቢሉና ይረአ እዩ። ካብኡ ዝገደደ ከኣ ገሊኦም “ናይ ግብጺ እንተዘይኮይኑ ኣይንቕበልን” ብዝብል ጠቕላላ ትምህርትን ትውፊትን ኣቦታትካ ዘቆናጽብ፤ ቅዱስ ታሪኽካ ዝድምስስ፤  ዝኾነ ሰብ ኣካይድኡ ከይስተውዕልን ከይምርምን ብዝገብር ልኹፍ ሕማም’ውን ክሳቐዩ ይረኣዩ እዮም። እዚ ደኣ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ …” ካብቲ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝፍለየውን ኣይኮነን። ንሕና ኵልና ናይ ክርስቶስ ምዃንና ኣስተውዒልና፤ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ኤርትራዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ሓደ ስድራ ምዃነን ፈሊጥና፤ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዝፍጠር ምፍልልያት ሊቃውንትና ተጋቢኦም ዝፈትሑሉ መገዲ ምንዳይ እምበር ባዕልና ሓገግትን ኣረምትን ሃይማኖት ኮይንና፤ ኣቦታትና ንዘጽንሑልና ቅዱስ ትምህርቲ ምንእኣስ መፍቶትን ግዳይን መናፍቓን ይገብረናን ኣብ መጻወድያኦምን የእተወና ከምዘሎ ክንስሕቶ የብልናን።

እቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ዝኾኑ ኣቦታቶም ዝገደፉሎም ትምህርቲ እዞም ኣብ ዘመንና ዘለዉ መራሕቲ ንገለ ውሑድ ክፋሉ ከምዝዘንግዕዎን፤ ከምዝረስዕዎን፤ ሸለል ከምዝበልዎን ምስትውዓል የድሊ። ንገለ ጥንታዊ ትምህርትን ሥርዓትን ምስ ምግዳፍ ከኣ፤ ንገለ ሓድሽ ትምህርቲ ኣምሳይኡ ምእታው ከኣ ዘይተርፎ ነገር እዩ እሞ ክጋገየሉ ዝኽእልሉ ባይታ ኣዝዩ ርሒብ እዩ። ባዕሎም’ውን ከምዝዛረቡሉ፤ ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ምስልምና ንዝነበሮም ዓብላልነት ምስ ምጥፋእን፤ ብዙኅ ጥንታዊ ቅርስን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ምስ ምስኣንን ሓሓንሳብ ተገዲዶም ሓሓንሳብ’ውን ብኣንጻሩ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ኣካይዳ ዝገደፍዎን፤ ብኸምኡ ከኣ ዘተኣታተዉዎን ሓደሽቲ ነገራት ከምዘሎ ይግለጽ እዩ። ሕጂ ምጥቓሱ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን ደኣ እምበር ኣብዚ ኣርእስቲ፤ ኣብዚ ሥርዓት’ዚ እናበልና ምዝርዛርውን ዝከኣል እዩ ነይሩ። ይትረፍ ኣባናን ኣብ ሞንጎኦምን፤ ምስ ገለ ሥርዓትን ትምህርትን ናይ ሎሚ መራሕቶም ዘይሰማምዑ መነኮሳት፤ ባሕታውያን፤ ገዳማት ኣብ ውሽጢ ግብጺ ከምዘለዉ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ድማ ንሕና ናይ ጥንቲ ኣቦታትናን ኣቦታቶምን ትምህርቲ ሒዝና ብምጽናሕናን ብምቕጻልናን፤ ዘከርኽሩ ጉዳያትን ዛዕባታትን ኣብ ዝለዓሉሉ እዋን ንሕና ኢና መወከሲ ክንከውን ዝግባእና እምበር እቶም በብእዋኑ ዝተጋመጠሉስ ኣይኮኑን።

በዚ ይኹን በቲ ናብቲ ዝተበገስናሉ ኣርእስቲ ንመለስ እሞ፤ ንሕና ማዕዶታውያን ነቲ ብቀጻሊ ከም ነጥቢ ንዝለዓል ዝነበረ ጕዳይ “ጥንተ ኣብሶ”፤ በቲ ሓደ ወገን ቤተ ክርስቲያንና ንእትህቦ ርቱዕ ምላሽ ንምኽፋል፤ በቲ ካልእ ድማ በዚ ትምህርቲ ተመኻንዩ ብድኅሪኡ ንዝተጠጀአ መሠሪ ዕላማ ጕጅለ መናፍቓን ክነቃልዕ ምጽናሕና ይፍለጥ። ነዚ ምላሽ ዝኾኑ ኸኣ ባዕልና ዘዳለናዮም ዘይኮኑ፤ ብሊቃውንቲ ኣቦታትና እናተኣረሙ ንዝወጹ መጽሔታት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ብቀጥታ ከነቕርበልኩም ጸኒሕና ኢና። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ነቶም መገድን ትምህርትን ኣቦታቶም ኣጽኒዖም፤ ንኸምዚ ጊጉይ ትምህርታት ብዝግባእ ጥንታውያን መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያንና ፈቲሾም፤ ሊቃውንቲ ኣቦታት ተወኪሶምን ኣመርሚሮምን  እዋናዊ መልስታት ንዘዳለዉ ዘለዉ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸጋኡ በረኸቱን የብዝኃልኩም፤ ኃይሉን ጥበብን ይዓድልኩም እናበለና ምስጋናና ነቕርብ ኣሎና። እዚ ናቶም ጽሑፋዊ ትግሃት ከኣ ብሓቂ ፍረ ከምዝተረኽቦን እቲ ብወከልቲ እዞም ጉጅለ ዝጐሳጐስ ዝነበረ ትምህርቲ ብኸፊል’ውን እንተኾነ  ከምዝቕሓመን እቲ ዝደናገር ዝነበረ ተምሃራይ’ውን ብዛዕብኡ ዝኣክል ፍልጠት ደሊቡ ከምዘሎ ዝበጻሕና ሓበሬታና የመልክት። 

ከም ባህርይ ናይዚ ጉጅለን ወኪሉን ግና እቲ ሓደ ክፈሽሎም ናብቲ ካልእ ብዘይ ህንከት ምግምጣል ስለዝኾነ፤ ካልእ ዛዕባ ትምህርትን ኣገባብን ይኽተሉ ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። ሓደ ካብኡ ከኣ ምስ ሓያሎ  ሰበ ሥልጣናት መንግሥቲ በብፈልጠቶምን ቤተ ሰቦምን ኣቢልካ ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራት፤ ብስም “ስብከትን ምጽንናዕን” ጸግዒ ንምርካብን፤ ጸላዊ ኮይንካ ናይ ምርኣይን ኣካይዳ ይስተውዓል ኣሎ። እዚ ኣካይዳ’ውን እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዓሪዶም ዝነበሩ መናፍቓን ኣይጠቐሞምን እምበር ይኽተልዎ ዝነበረ ሜላ ምንባሩ ኣይርሳዕን እዩ። እንተ ካልእ ዝጐዝጐዘሉ ሕቡእ ዕላማ ግና እግዚአብሔር ይፍለጦ። እዚ መበሊና ከኣ ቅድሚ ሕጂ እቲ ዝጸንሐ ጉጅለ መናፍቓን፤ ነቲ ምስ ሰብ ማዕርግን ሰብ ሥልጣናትን መሥሪትዎ ዝነበረ ጥቡቕ ዝምድና፤ ነቶም ብሃይማኖት ይቓወሙኒ እዮም ንዝበሎም ካህናት፤ ሊቃውንት፤ ዲያቆናት፤ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ወቦ ዘተርፈ ስሞም ብምጽላም ንምጥቓዕ ከምዝተጠቕመሉ ዘይርሳዕ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ። ዕላማታቶምን መናፍቓዊ ትምህርቶምን ንዝተቃወሙ ደቂ ቤተ ክርስቲያን መሕቀቒ ኢሎም ዝዅዓትዎ ጕድጓድ፤ ተገምጢሉ ንርእሶም ከምዝኾነ ሽዑ ብብዝኂ ጸለመ ጥራይ ግዳይ ማእሰርቲ ዝነበሩ ሎሚ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝምስክርዎ እዩ።
ስለዚ ነዞም እዋናዊ ሃይማኖትካን ታሪኽካን ብዝግባእ ዘፍልጥ ጽሑፋት እናዳለዉ ዝምግቡና ዘለዉ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ሃገርና፤ ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብዝተኻእለና ከነተባብዖምን ብጸሎት ክንዝክሮምን ይግባእ። ብኣንጻሩ ግና ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ወጻኢ እንርከብ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ዝግባእ፤ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝኅተሙ ኣዝዩ ብዙኅ ቍም ነገርን ትሕዝቶን ዘለዎም መጽሔታት ተገዲስና ኣብ ከባቢና ክንዝርግሖን፤ ንሕዝበ ክርስቲያን’ውን ከነካፍፋሎ ኣይንርከብን ዘሎና። ብሓቂ በብሃገረ ስብከትናን ኣብያተ ክርስቲያናትናን ዘድሊ ፍቓድ ካብቶም መራሕትና ኣቦታት ብምርካብ፤ ወግዓዊ እንዝርግሓሉ ኣገባብ ከንፍጠር ይግባእና እዩ። ንሕና’ውን ክሳብ ሽዑ ብውልቅና’ውን እንተኾነ ርክባት ብምፍጣር ነዞም መጽሔታት እንረኽበሉን፤ ተገዲስና ኣንበብትን ተጠቐምትን ናይቲ ትሕዝቶ ክንከውን ይግባእና።

ብዝተረፈ ንሕና’ውን ነቲ ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ብምቕጻል፤ ብፍላይ ከኣ ሕጂ’ውን ብቀጻሊ ንዝወጹ ዘለዉ መልስታት መናፍቓን ዝኾኑ ጽሑፋት ብቀጻሊ ከነውጽእ ምዃኑ ክንሕበረኩም ንፈቱ።      

1 comment:

  1. ....ንሕና ኵልና ናይ ክርስቶስ ምዃንና ኣስተውዒልና፤ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ኤርትራዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ሓደ ስድራ ምዃነን ፈሊጥና፤ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዝፍጠር ምፍልልያት ሊቃውንትና ተጋቢኦም ዝፈትሑሉ መገዲ ምንዳይ እምበር ባዕልና ሓገግትን ኣረምትን ሃይማኖት ኮይንና፤ ኣቦታትና ንዘጽንሑልና ቅዱስ ትምህርቲ ምንእኣስ መፍቶትን ግዳይን መናፍቓን ይገብረናን ኣብ መጻወድያኦምን የእተወና ከምዘሎ ክንስሕቶ የብልናን።....
    እግዚኣብሒር ^ነዚ ዘስተውዕል ኣእምሮ የዓድለና።

    ReplyDelete