ርክበ ካህናት ኣብ ሃገርና
ሓፈሻዊ ታሪኽን ጽልዋን
ሃገርና ኤርትራ
ብዓል ብዙኅ ፀጋ እትውንን፤ ድብቱርን ዘይድብቱርን ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ፤ ብኪደተ ኣእላፍ ቅዱሳን ዝተረግጸትን ዝተባረኸትን እያ።
ሕዝባ’ውን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነበረን፤ ብሕግን ብሥርዓት ምንባርን ምንብባርን ክፋል ሕይወቱ
ገይሩ ክጥቐመሉ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ኸኣ ይትረፍ ብዋናታቱ በቶም ባዕዳውያን እኳ ዝተመስከረሉ እዩ። ገዛኢ ጥልያን እኳ ከም
ኣካል መግዛእታዊ ሜላታቱ: ብሊቃውንቱ ኣቢሉ ነዚ ካብቲ ዝነኣሰ ባእታ ማኅበረ ሰብ ማለት ሓደ ሓንቲ ህድሞ (ስድራ) ጀሚሩ
በብዓዱን በብኣውራጅኡን .. ንዘሎ ቅውም ምሕደራ ኣጽኒዑን መርሚሩን ምስ ኣብቕዐ: ብምስትንካር “ኣማን ብኣማን እዞም
ሕዝቢ’ዞም ኣዝዮም ሥልጡን ሕግን ጥንታውን ኣገባብ ምሕደራን ኣነባብራን ኣለዎም። ክንምህሮም ይትረፍሲ ንሕና ካብኦም እንመሃሮ
ብዙኅ ነገር ኣሎ…” ኢሉ ከምዝመስከረ ብቃልን ብመጽሓፍን ታሪኽ ዘዘትንወሉ እዩ። ነዚ ኵሉ ዘድንቕ ተሞክሮን ቅዱስ ባህልን ግና
ዋናኡን ኣለይቱን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን: ኣገልገልታ ካህናትን ምዃኖም ክንዝንግዖ የብልናን። ዓለም ክትገልጾ ዘይትደሊ
እንተኾነ’ውን: እቲ ሓቂ ግና ንሱ እዩ። ስለዚ ተላዚብካን ተማኺርካን ምውሳን፤ ብሓባር ምዕያይ፤ ተሓጋጊዝካን ተደጋጊፍካን
ብስኒት ምንባር፤ … ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነዊሕን ዱልዱልን ሡር ዘለዎ እዩ። ካብ ክልል ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን (ዓድታት) ጀሚሩ
በብደረጅኡ ዝርከብ ጉባኤ ካህናት ከኣ ማእከል እዚ ጥንታዊ ሠረት እዩ። ንርእሱ ተማእኪሉ ነቲ ዝጓስዮ ሕዝብን ዓድታትን የማእክል
ስለዝነበረ። ሕመረት ማኅበራዊ ሕይወትን መንብሮን እቲ ኣማኒ ኅብረተሰብ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዘይከሓድ
ግሁድ ነገር እዩ። ከምዚ ሎሚ ከይተባሕጐጐ ከሎ ካህናት ዘይኣትውዎን ዘይኣልይዎን ሕይወት ኅብረተሰብ ነይሩ ኪብሃል ኣይከኣልን
እዩ። እምበኣር ነዚ ኵሉ ሕጊ እግዚአብሔር ዝሠረቱ ኣካይዳ: መሠረቱ ናይ ካህናት ጉባኤን ሓድነትን
ምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ።