Monday, June 11, 2012

“ሃዋርያ ዶ መጋበርያ”


ወእምፍሬሆሙ ተአምርዎሙ (ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም)

ኣብዚ ናይ ሎሚ “ንቕሑ” ዓምድና: ምክንያተ ጽሑፍ ዝኾነና ጒዳይ: ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ወይውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝረኸብናዮ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ካብ ልሳን ፖሊሲ ኤርትራ ዝኾነት መጽሔት ‘ህዝብን ፖሊስን’ ኅታም ጥሪ - ለካቲት ቍ.38 2012 ዝተወስደ እዩ። ርእሲ እቲ ዝያዳ ዘገደሰና ኣብታ መጽሔት ዝሰፈረ ጽሑፍ ከኣ “ሃዋርያ ዶ መጋበርያ” ዝብል እዩ። ምናልባት ገሌና ኣብዚ ደገ ነዛ መጽሔት’ዚኣ ኣቐዲምና ናይ ምንባብ ዕድል ረኺብና ብኣግራሞት ተዋሒጥና ንኸውን፤ ዘየገርም ድማ ኣይኮነን። በቲ ብስም ‘እምነት’ ብዝግበር ኣሽካዕላልን: ኣማኒ መሲልካ ብዝፍጸም ዘሎ ምድንጋርን: ኣብ ውሽጢ ሃገር ነዛ መጽሔት ዘንበቡ ብዙኃን ሰባት: ኣዝዩ ከምዝደንጸዎም፤ ንዝተወሰነ እዋን’ውን ኣብ ከተማታት መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝቐነየ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። ኮይኑ ድማ ብኸምዚኦም ዚኣመሰሉ ተዃሉ ሓራጥቃውያን ዘይሩ ዘይሩ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ እቲ በጊዕ ምእመን እዩ'ሞ ንቤተ ክርስቲያን ብቀንዱ ዝምልከታ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ክንግደሰሉ እምበር "እዚስ ምጾት እዩ" ጥራይ ኢልና ክንሓልፍ ኣይመረጽናን።

በዚ መሠረት'ዚ ከኣ ኣብዛ ዝጠቐስናያ መጽሔት ዝሰፈረ ውጽኢት ገበናዊ መርመራ ዝኾነ ጽሑፍ ብመንጽር ሃይማኖታዊ መልእኽቱ ምስ ገለ ውሑድ ዕቃቤታትና ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተራእየናን: ምስቲ ብቀጻሊ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት: ዕላማ መናፍቓን እናጠቐስና ክነቕሕሉ ከነተሓሳስቦ ምስ ዝጸናሕና ጽሑፋትና: ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ዝሰማማዕ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮን ብቀጥታ ከምቲ ዘለዎ ናባኹም ከነቕርቦ ወሰንና።
ከምዝፍለጥ ስለነናቶም በበይኑ ዕላማታት: ብዙኃን “በጻሕቲ” “ዳህሰስቲ” “ልኡኻት እምነት (ሚስዮነሪ)” “ትካላት እምነትን ረድኤትን” ወቦዘ… ብፍላይ ድኅሪ ፲፮/16 ክፍለ ዘመን ናብ ሃገርናን ከባቢናን በብእዋኑ ብምምጻእ፤ ዝተፈላለየ ስዉር ዕላማታቶም ንምስዋር ቀዳማይ ግዳይን መጋበርያን ክገብርዋ ዝፍትኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን እዮም። ብፍላይ ድማ ብመጠን ይኹን ብዓይነት ብዝረቀቐ ሜላ ኣብዞም ዝሓለፉ ፶/50 ዓመታት: ኣብተን ኣቦታት መንእሰያት ንምምሃር ኢሎም ብቅንዕና ኣብ ዝጀመርዎን ማኅበራትን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ሃገርና ኣመንቲ መሲሎም ሰሊኾም ብምእታው ቈርበት በጊዕ ተኸዲኖም፤ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ከደናግሩን ካብ ደንበ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን፤ ሃይማኖት ኣቦታቶምን ክጨውዩን: መጋበርያ ካልእ ዕላማታቶም ክገብሩዎምን ጸኒሖም እዮም።

እዚ ኣካይዳ’ዚ ድኅሪ ናጽነት ሃገርና: ዝያዳ ብዝተወደበ መልክዕን፤ ንመሓውራት እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክሳዕ ምቍጽጻር ብዝበጸሐ ኣገባብ ይዓዩ ከምዝነበሩ ከኣ ዝርሳዕ ኣይኮነን። በብቝሩብ ዓውድታትን ቀጽርታትን ቤተ ክርስቲያንና፤ ብግልጺ ብስም ጉባኤ “ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ” ኑፍቄ ብዕሊ ዝንገረለን: ካልእ ሓድሽ “ወንጌል” ዝስበኸለን: መሰጋገሪ ድንድል ናብ ካልኦት ዘመን ዘምጽኦም “ሓደሽቲ እምነታት” ተቐይረን ምንባረን ከኣ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። እምበኣር ሕዝብና ብእምነቱ ጽኑዕ ይኹን ደኣ እምበር፤ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ ብመራሕቲ ኣቦታት ዝግበረሉ መንፈሳዊ ጕስነት ኣዝዩ ብምድካሙ፤ ሕጂ’ውን ምሉእ ብምሉእ ተሪፉ እንተዘይተባህለ’ውን: ደቅና ብዘጋጥሞም ወራር “እምነታት” ክዝመቱ: ግዳይ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ተመሳሲሎም ስዉር ዕላማታቶም ዘካይዱ “ትካላት እምነት” ክኸውን ዝተገደደሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ሕጂ’ውን እቶም ክሕልዉዎ ዝግባእ ጓሶት ከምቲ ዝግባእ ስለዘይተበራበሩ: እቲ ወራርን ምዝራእ ክርዳድን ይቕጽል ከምዘሎ እዚ ኣብዚ መጽሔት ወጺኡ ዘሎ ዛንታ ህያው ምስክር እዩ። እምበኣር ደቂ ካህናት ተባሂሎም ኣብ ኸምዚ ዚኣመሰለ መርበብ ኣትዮም ይሰርሑን የስርሑን ካብ ዝነበሩ ከኣ: እዚ ሎሚ እከይ ግብሩ ብሕዝብን ፖሊስን ተቓሊዑ ዘሎ መንግሥተአብ ወዲ ቀሺ መብራህቱ አርአያ እዩ።

ሎሚ መዓልቱ ኣኺሉ: ገበን ናይዚ ሓደን ውሑዳት ሰዓብቱን ብዕሊ ተቓሊዑ ደኣ እምበር፤ ገበናት እቶም ኵሎም ንመንግስተአብን ካልኦት ኣዕርዅቱን ዝመልመሉን: ሎሚ’ውን ብፍላይ ኣብዚ ደገ ገሊኦም ጉልባቦም ቀሊዖም “ፓስተር” እናተበሃሉ ዝጽውዑ፤ ገሊኣቶም ከኣ ጌና “ኣይተፈለጥናን” እናበሉ ብደረጃ "ክህነት" “ቀሺ” “መሪጌታ” ክስቶ እናተባህሉ ብምድንጋርን ብንግዲ “እምነት” ጁባታቶምን ባንካታቶምን ገንዘብ ዝመልኡ ዘለዉ ሰባት በብሓደ ዘርዚርካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ነዚኦም’ከ መን እዩ ከቓልዖም? መዓስ’ከ ይቓልዑ ይኾኑ? እግዚአብሔር ይፈልጥ! ዕላማ ተረፍ መረፍ ናይዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ዝተሓንገጡን፤ ሕጂ’ውን ብክልተ ማንካ ዝበልዑን (double agent): መሲሎም ዚሰርሑን ብፍላይ ከኣ ካብ ኣትላንታ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብዝምጠወሎም ገንዘብ ድሌታቶም ኣብቲ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ብደረጃ ሓላፍነት ዘተግብሩን’ከ መዓስ እዩ ሓቀኛ መንነቶም ክጋሃድ?

ነዛ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ: ብእግዚአብሔር ዝተባረኸት ምድሪ፤ ብኪደተ እግረ ቅዱሳን ዝተቐደሰት መሬት፤ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ንዝጸንዐ ሕዝቢ ሓራጥቃዊ (heretical) ወራር ምክያድ ዘየገርም ኣይኮነን። ኣብቲ ርቱዕ እምነት ኣብ ዘለዎ ሕዝቢ “እምነት” ዝመስል ኑፋቄ ክትሰብኽ ምፍታን፤ ኣብቲ ክቡርን ድንቂ ታሪኽን ኣብ ዘለዎ ሕዝቢ ሓድሽ ጽውጽዋይ ዝመልኦ “ታሪኽ” ክትደርስ ምፍታን: ወንጌል ሒዝካ “ወንጄል” ምስባኽ “ክበልዕዋ ንዝደለዩ ኣባ ጉምባሕ…” ንዝብልዎ ምሳሌ ግብራዊነቱ ዘመስክር እዩ። 

ዛንታ መንግሥተአብ ‘መለበሚ ኣይግበርካመለበሚ ከኣ ኣይኽልኣኻ” ንዝተባህለ ምሳሌ ኣቦታት ዘዘኻኽር እዩ እሞ: ንኵሉኹም ኣብዚ ከምዚ ብስም “እምነት” ካልኣዊን “ስዉር”ን ብምድርን ብሰማይን ኣብ ዘሕትት ክፉእ ሰይጣናዊ ዕላማታት ዝተዋፈርኩም: በደልኩም ካብ ልቢ ተሰቚሩኩም: ዕድመ ንንስሓ ዘመን ንፍስሓ ክህበኩም፤ ነታ ዝበድልኩማ ቤተ ክርስቲያን እትክሕስሉ መዋዕል ክፈጥረልኩም ሰናይ ድሌትና ንገልጽ። ብፍላይ ከኣ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሎኹም ዝፈሸለኩም ስዉርን ድጉልን ዕላማታት ዳግማይ ከተተግብሩ: ኣብዚ ደገ ብስም ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ እናመኽነኹምን: ድኽመት መሪሕነት ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንና እናመዝመዝኩምን (ልሙስ ኣብ ምግባሩ’ውን ኢድ ዘሎኩም)፤ ንሕዝብናን ቤተ ክርስቲያናን ክትኸፋፍሉን ሓድነትና ክትዘርጉን ላዕልን ታሕትን እትብሉ ናብ ልብኹም ክትምለሱ ጻውዒትና እዩ። ነቶም ነቲ ውሽጣዊ ሽግርን: ዓሚቕ ጒዳያት ቤተ ክርስቲያንና ካብ መሠረቱ ንዘይፈልጡ ደቂ ቤተ ክርስቲያን የዋሃት እናጋገኹምን ዘይማእዘኑ እናትሓዝኩምን: ከምኡውን ወከልቶም ኮይንኩም ኣብ ውሽጢ ሃገር መጋበርያታቶም ትኾኑ ዘሎኹምን፤ እታ ኣብ መንግሥተአብ ዝወረደት ሓፍረት ናባኹም ትመጸሉ መዓልቲ ከይቀረበት ከላ ናብታ ቅንዕቲ ዕላማን መገዲ ሃይማኖትን ኣቦታትና ክትምለሱን፤ ሎሚ ዘይኮነስ ጽባሕ ብዝገሃድ መሪር ፍረ ከይሓዘንኩም ከሎኹም ብበደልኩም ክትጥዓሱን መልእኽቲ ንስሓ ነቕርበልኩም ኣሎና። ሸለል ምስ እትብሉ ግና ዘሎኹሞ ቦታ ብዘየገድስ ኢድ እግዚአብሔር ሓጻር ከምዘይኮነት ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ።

እቶም “መተዓያዪቲ”ን መልመልትን መንግስተአብ ብዝነግርኹምን ብዘንፍስልኩምን ጥራይ እናተደፋእኩም ከም ደመና “ኀበ ዘወስድዎ” ኮይንኩም ትጓዓዙ ዘሎኹም ከኣ ርግእ ኢልኩም እቶም ዝንቕንቕኹም ዘለዉ ናበይ የብሉኹም ከምዘለዉ ኣስተውዕሉሉ። ናበይ ትዓልብ ከምዘሎኻ ከይፈልጥካ ከምዘይዝለል ትስሕትዎ’ውን ኣይመስለናን። እቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ንቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ዶ ይጠቕም ይኸውን ኢልኩም ኣጸቢቕኩም መርምሩ፤ ሳዕቤኑ’ከ እንታይ ክኸውን እዩ ኢልኩም ፈትሹ። ጸገም ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ክንዲ ብጾም ብጸሎትን ከምኡውን ብምምኽኻር ኣብ ክንዲ ንምፍታሕ ምጽዓር፤ ሓድሽ መገዲ ብምምሓዝ መጋበርያ ድጉል ዕላማ ካልኦት ባዕዳውያን ንኸውን ዘሎና ኣካይዳና ብሥጋዊ ጥበብ ዘይኮነስ ብመንፈስን ፈሪሃ እግዚአብሔርን ንመርምሮ። ሎሚ ብእንገብሮ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ፤ ይውዓል ይሕደር ጽባሕ ከም እንሕተት ኣይንዘንግዕ። ይትረፍ እግዚአብሔር ድኹም ሰብ’ኳ ቤቱ ብሰራቒ ክንቕነቕ ከሎ ኣይፈትውን እዩ። እግዚአብሔር ድማ ነቲ ቤቱ ከማስን ንዝተዓጥቐ: ብርግጽ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ እዋን ከምዘማስኖ ጽሑፍ እዩ።

እምበኣር ንሎሚ ንኵልና መለበሚ ዝኾነና ሓቀኛ ታሪኽ ካብቲ ውጽኢት መርመራ መንግሥተአብ ቀሺ መብራህቱ ዝኾነ ጽሑፍ ብምስትውዓል ከነንብብ ብትሕትና ንዕድመኩም። ከም ፍቓድ እግዚአብሔር: ኣብ ዚቕጽል እዋን ኣብቲ መጽሔት ሰፊሩ ካብ ዘሎ ጽሑፍ ብወገንና ትምህርቲ ይኸውን ዝበልናዮ ምስ ተወሳኺ ሓበሬትኡ ከነውጽእ ኢና። ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ንዝሰፈረ ቍም ነገር: ነቲ ዘየብጽሖ ክበጽሕ ምእንቲ ብወገንኩም ተትዝርግሕዋ ብምባል ንዝልኣኹልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብስም ተኸታተልቲ ጦማርና ከነመስግን ንፈቱ። ነገር መናፍቃን ክልዓል ከሎ ነቲ መሪሕ ቃል ጐይታ ደጋጊምና ምዝካሩን ምስትውዓሉን ከኣ ግድነት ክንገብሮ ዘሎና ነገር እዩ።

“ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም። ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ ይቕንጠብ? ካብ ተዀርባስ በለስ? ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” (ማቴ ፯/7)

ቅድስት ቤቱ ዘጽሪ ጐይታ ሠራዊት፤ ንደቁ ኣብ ምሕላው ዘይታኸስ ጓሳና እግዚአብሔር ስለቲ ድንቂ ግብሩ ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። ነቶም ብዘይምስትውዓል ዝጋገዩ ዘለዉ ኸኣ ምስትውዓሉ ይሃበልና።

“ሃዋርያ ዶ መጋበርያ?”

ሰናይ ንባብ።   

8 comments:

  1. Selam niakum ahiwat, page 9 delinaya yelan emo bejakum page 9 post giberulina....sele eti kulu neger Egziabher amlak zitemesgene yekun.

    ReplyDelete
  2. Page 9 godila ala ente kilkum yetuwulna
    thank you

    ReplyDelete
  3. ሎሚ መዓልቱ ኣኺሉ: ገበን ናይዚ ሓደን ውሑዳት ሰዓብቱን ብዕሊ ተቓሊዑ ደኣ እምበር፤ ገበናት እቶም ኵሎም ንመንግስተአብን ካልኦት ኣዕርዅቱን ዝመልመሉን: ሎሚ’ውን ብፍላይ ኣብዚ ደገ ገሊኦም ጉልባቦም ቀሊዖም “ፓስተር” እናተበሃሉ ዝጽውዑ፤ ገሊኣቶም ከኣ ጌና “ኣይተፈለጥናን” እናበሉ ብደረጃ "ክህነት" “ቀሺ” “መሪጌታ” ክስቶ እናተባህሉ ብምድንጋርን ብንግዲ “እምነት” ጁባታቶምን ባንካታቶምን ገንዘብ ዝመልኡ ዘለዉ ሰባት በብሓደ ዘርዚርካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ነዚኦም’ከ መን እዩ ከቓልዖም? መዓስ’ከ ይቓልዑ ይኾኑ? እግዚአብሔር ይፈልጥ! ዕላማ ተረፍ መረፍ ናይዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ዝተሓንገጡን፤ ሕጂ’ውን ብክልተ ማንካ ዝበልዑን (double agent): መሲሎም ዚሰርሑን ብፍላይ ከኣ ካብ ኣትላንታ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብዝምጠወሎም ገንዘብ ድሌታቶም ኣብቲ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ብደረጃ ሓላፍነት ዘተግብሩን’ከ መዓስ እዩ ሓቀኛ መንነቶም ክጋሃድ?
    there is a day ........... with in the short coming days. don't worry!!!

    ReplyDelete
  4. ተወልደብርሃንJune 14, 2012 at 7:00 AM

    ክቡራንን ክቡራትን ኣሕዋት ኣሓት፦

    ብስም "እምነት" መንእሰያትና ዘደናግሩ ዘለዉ ከምዚ ዓይነት ተራ መታለልቲ እዮም። ወንጌል ሒዞም ኣንጻር ወንጌል ዝዓዩ፤ ሰብ እምነት ኢና እናበሉ ኣንጻር ክቡር እምነት ዝሰርሑ፤ እዚኦም እዮም። ነዞም ኣብ ክብርትን ርትዕትን ሃይማኖትና'ውን ዝላገጹላ ዘለዉ ውሽጦም ከምዚኦም ከምዝኾነ ኣንስሕቶን ኢና። በብወገንና ግብሮም ነቓልዕ። እቲ ብገርሁ ዝታለል ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነለብሞም። ክብራት ቅዱሳትን ኣቦታት እተፍሪ ቅድስት ሃገር ነዚኦም ምብቛላስ እንታይ ይብሃል? እዛ መሬት ዘይተብቝሎ የልቦን፤ ማህጸን ኣደ'ውን ዘየትፈርዮ የብልና። ኣይ 8ሺሕ?!

    አሐዱ እምዲያቆናት (ዘአውሮጳ)

    ReplyDelete
  5. keltifkum ember neta zogedelet gex melulena,

    hawkum

    ReplyDelete
  6. በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
    ነቲ ዝጋጠመ ጌጋ ይቕሬታ ንሓትት። ገጽ 9 አውጺናያ አሎና።

    ReplyDelete
  7. xubuk gerkum, yekeneyelena! edmekum yenweh!

    ReplyDelete
  8. selam amlak misakatkum ykun azi tarik azi ab hade wilke seb tray tewesinu ziterf zeykones ab bzuhat lhimu slezelo bhilfi kea ab menber Patriaric nzelewu wlude kihnet kinftishom kemzelenawn zezekakir eu :: ab mewedeta kilabewo zideli dima hade sebaki wey bsim mergeta zisme kulu gzie kem bitsaen nsu hakegna Orthodox gerna wesidna hanti mealti gin aser nayzi tarik miskone beal kisto aqua azi zikonus elna nab dikam keynemrih miknyatu beal Lion Nistros Arios wn nzekirtom!

    ReplyDelete