Thursday, June 14, 2012

አቡነ በኵረ ድንግል ዘደብረ ምዕዋን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅዱስ ኣቦና አቡነ በኵረ ድንግል ኣብ ምድረ ኤርትራ ብሕገ ምንኵስናን ተባሕትዎን ጸኒዖም: ንዓቢይ ሰማያዊ ክብሪ ካብ ዝበቕዑን ኣብ መወዳእታ ፲፭/15ተን መጀመርታ ፲፮/16ተ ክፍለ ዘመን ንኣቡነ ብፁዐ አምላክ ዘደብረ ምዕዋን (ምድሪ እገላ - ጎደይቲ) ተኪኦም ብኣበ ምኔትነት ንገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ ብትግሃት ዘገልገሉን ዝመርሑን ቅዱስ ኣቦ እዮም። እዚኦም ቅዱስ ኣቦ: ገና ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ዝተኃርዩ: ካብ ንእስትነቶም ኣትሒዞም ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ጽሙድ ዝነበሩ: ብዙኅ ዘድንቕ ተኣምራት ዘይተፈለዮምን ካብ ኣምላኽ’ውን ጽኑዕ ቃል ኪዳን ዝተቐበሉ ንጽሑን ኅሩይን ኣቦ እዮም። እምበኣር ፱/9 ሰነ ንዝኾነ ዕረፍቶምን ዝኽሪ ክብረ በዓሎምን ምኽንያት ብምግባር ካብ መጽሔት “ልሳነ ተዋሕዶ” (ትምህርቲ ሰንበት መድኅኃኔ ዓለም ደቀ መሓረ ቍ. ፭፥፩)ን ገድሊ ኣቡነ ብፁዕ ኣምላኽን ንዝረኽብናዮ ጽሑፍ ንበረኸት ክኾነና ነቕርቦ ኣሎና። በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ አቡነ በኵረ ድንግል ምስ ኵላትና ይኹን።


ትውልድን ዕብየትን

አቡነ በኵረ ድንግል ካብ ኣቡኦም ማርቆስ ካብ ኣዲኦም እግዚእክብራ ብናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ተጠኒሶም: ገና ኣብ ማህጸን ኣዲኦም ከለዉ እግዚአብሔር ስለዝኃረዮም ብዙኅ ተኣምራት ይገብሩ ነበሩ። ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ ከኣ ኣብ ኣፍ ልቦም ተሣዒላ ነበረት።
ከም ናይ ኣቦታቶም “አሐዱ አብ ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሎም ስም ሥላሴ እናጸውዑ ኣብ ዓዶም ገበዛ ኣክሱም ተወልዱ። ደቂ ዓዶም ድማ በቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ኣዝዮም ተደነቑ። ብድኅሪ’ዚ ስድርኦም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ጥምቀት ክርስትና ንኽፍጽሙ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎም። ኣብቲ ቤት ጥምቀት ድማ ብዓቢይ ክብሪ ተቐበልዎም። እቶም ኣብቲ ጊዜ ዝነበሩ ጳጳስ ኣቡነ ሰላማ ከኣ እቲ ህጻን ዓቢይ መነኮስን: ናይ ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ወዲ መዝሙርን ከም ዝኸውን ተገልጸሎም እሞ ጸሎተ ክርስትና: ዲቁና: ቅስና: ጵጵስና ኣብጽሑሎም። ቅዱስ ቅብዐ ሜሮን ክቐብእዎ ክጅምሩ ከለዉ ድማ ሥዕሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ኣብ ኣፍ ልቦም ረኣዩ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ ከኣ: ነቶም ጳጳስ “ኣይትፍራሕን ኣይትሰንብድን: ተቢዕካ እቲ ሥርዓተ ጥምቀት ፈጽመሉ። ስሙ ድማ በኵረ ድንግል ኢልካ ስመዮ: ትርጉሙ ስሙ ከኣ ናይቲ ኣብ ኣፍ ልቡ ዘሎ ሥዕሊ እዩ” በሎም። ከምቲ ዝተባህልዎ ከኣ ፈጸሙ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቅዱስት ድንግል ምስ ፍቁር ወዳ ግርማ ለቢሳ ተገልጸትሎም። ብትእምርተ መስቀል ገይራ’ውን ባረኸቶም። እቲ ትእምርተ መስቀል ድማ ከምታ ሥዕሊ ኣዴና ኣብ ሰብነቶም ተሣዕለ። እቲ ምልክት መስቀል ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ከምኡ ኢሉ ከም ዝነብር’ውን ተነግሮም። ኣብ መዓልቲ ጥምቀቶም ስድራ ኣቡነ በኵረ ድንግል ዓቢይ በዓል ገበሩ። ነዚ ኵሉ ዝገበረ እግዚአብሔር ከኣ ኣመስገንዎ። በቲ ኵሉ ዝግበር ዝነበረ ተኣምር ዝተዓፀበ ሕዝቢ ከኣ ንኣቡነ በኵረ ድንግል ብዙኅ መረቖም: ንሶም ከኣ ከም ኣተዓብባይ እቲ ዘመን ከባብን ናይ ስድርኦም ጥሪት እናጓሰዩ ከኣ ብጽቡቕ ዓበዩ።


ትምህርትን ሲመትን
ዕድሜኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ: ስድራኦም ንክመሃሩሎም ናብ ኣፈ መምህር ንቡረ እድ ዮፍታሄ ዝተባህሉ መምህር ወሰድዎም። ኣብኡ ድማ ቋንቋታት ግእዝ: ዓረብ: ዕብራይስጥ: ጽርእ: ሮማይስጥ ከምኡውን መጻሕፍቲ ብሉይን ሓዲስን ምስ ትርጉሙ: ማኅሌት ወቅኔ: ድጓ: ጾመ ድጓ: መዋሥዕት: ዝማሬ ናይ ቅዱስ ያሬድ ብዝግባእ ተማህሩ። ግብረ ዲቁና: ቅስና: ስብሐታት ቅዳሴ ዘመላእክት: ብሓፈሻ ኵሉ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ብዝግባእ ኣጽንዕዎ። ኣምላኽ ልዕሊ ኵሎም ዕጉሥ ከም ኢዮብ: ንጹሕ ከም መላእክት ገይሩ ሸሞም። ትምህርቲ ምስ ወድኡ: መምህሮም ናብቶም ሊቀ ጳጳስ ምስ ኣበጽሑዎም: እታ ኣብ ሰብነቶም ተሣዒላ ዝነበረት ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ከምዚ ክትብል ነቶም ሊቀ ጳጳስ ተዛረበቶም። “እዚ ብስመይ ዝተሰምየ ዝፈትዎ ወደይ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣፍ ልቡ ተሣዓልኩ: ስለዚ መዓርገ ዲቁና: ቅስና ኤጲስ ቆጵስና ሃቦ”። እቶም ሊቀ ጳጳስ ድማ ብዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ብምድናቕ: ካብ መንበሮም ብቕጽበት ብድድ በሉ። ቀጺሎም ድማ ጸሎተ ዲቁና: ቅስና: ኤጲስ ቆጵስና ብምብጻሕ ሠለስቲኡ መዓርጋት ቀብእዎም።

ብድኅሪ’ዚ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ንኣቡነ በኵረ ድንግል ሒዝዎም ናብ ቤት ኣቡኦም ብምኻድ “እንሆ ወድኹም መዓርገ ዲቁና: ቅስና: ኤጲስ ቆጵስና ተሸይሙ” ክብል ኣበሰሮም። ኣዲኦም ነዚ ብስራት ናይ መልኣኽ ምስ ሰምዓ ብሓጐስ ዓለላ። ነዚ ዕልልታ ዝሰምዑ ጎረባብቲ ኣብ ቤቶም ምስ ተኣከቡ: ንኣቡነ በኵረ ድንግል ብርሃን ለቢሶም ረኣይዎም: ኣዝዮም ድማ ተደነቑ። ቅዱስ ሚካኤልን መምህሮምን ግና ተሠዊሮም ብምንባሮም ክርእይዎም ኣይከኣሉን።

ምናኔ
አቡነ በኵረ ድንግል ዕድመኦም ንመርዓ ምስ ኣኸለ ኣቡኦም ንኸሕጽይዎም ከምቲ ሕግ ወሥርዓት ስልማት ሒዞም ናብ ሓደ እንዳ ክቡራት ገዛ ከዱ። ስድራ ጓል ድማ ብጽቡቕ ገጽ ተቐበልዎም። ብድኅሪ’ዚ ኣቡነ በኵረ ድንግል ከም ዝተሓጸዩ ምስ ፈለጡ “ኣነስ ድሌተይ ብድንግልና ምንባር እምበር መርዓ ኣይኮነን።” ብምባል ብለይቲ ካብ ገዝኦም ጠፊኦም ናብ ቤት እግዚአብሔር ከዱ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝተጻሕፈ ድማ “ወምንተ ይበቍዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ረብሐ ወነፍሶ ሐጕለ/ንሰብ’ከ ኵሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ” እናበሉ ክሰግዱ ጀመሩ (ማቴ ፲፮፥፳፮/16፥26)፤ ከምዚ ዚስዕብ እናበሉ ድማ ጸለዩ። “ኦ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ካብ እሳት ዘለዓለም ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሰውረኒ። ኵሉ ክፉእ ሓሳባት ኣርሒቕካ ፍቓድካ ክፍጽም ሓግዘኒ። መውስቦ ክፍጽም ሕልናይ ኣይፈቐደን: ምኽንያቱ ሥዕሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ኣብ ኣፍ ልበይ ተሣዒሉ ኣሎ። ከም መላእኽቲ ንጹሕ ክኸውን እልምነካ ኣለኹ። ንስኻ ንምስኪንን ንነዳይን ዘይትንዕቕ ምዃንካ እፈልጥ’የ።” ከምዚ ኢሎም እናጸለዩ ከለዉ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ተገሊጻ ከምዚ በለቶም “ኦ ብፅዕ ወደይ በኵረ ድንግል: ጸሎትካ ተሰሚዑ እዩ’ሞ ናብ ደብረ ዳሞ ናብ ኣቦኻ ኣረጋዊ ኪድ። ቀጺልካ’ውን ናብታ ብስም ዓደይ ዝተሰምየት ደብረ ናዝሬት ናብ ብፁዐ አምላክ ኪድ። ኣቦ ብዙኃት ከኣ ክትከውን ኢኻ” ኢላ መሪቓቶም ተሠወረት።

ብድሕሪ’ዚ ብ፱/9 መጋቢት ኣብ ቦትኦም ብጸሎት ተመሲጦም ከለዉ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ብደመና ጸይሩ ናብ ደብረ ዳሞ ምዕራፈ ቅዱሳን መነኮሳት ኣብጽሖም። ኣብዚ ገዳም ከምቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነገረቶም ንነዊሕ ዓመታት ብትሕትና ብግብሪ ማህረጽ ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ተባሪኾም ጉዕዞኦም ናብ ደብረ ሃሌ ሉያ (ደብረ ናዝሬት) ናይ ኣቡነ ብፅዐ አምላክ ቀጸሉ። ኣብ ቅድሚኦም ንዘጓነፈኦም ቅዱሳት ገዳማት እናባረኹን እናተባረኹን ድኅሪ ነዊሕ ጉዕዞ ብሓገዝ መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ብፁዕን ቅዱስን አቡነ ብፁዐ አምላክ ምስ በጽሑ: ንሶም ድማ ንኣምላኽ እናመስገኑ ብዓቢ ክብሪ ተቐበልዎም።

ኣብዚ ገዳም’ዚ ብግብሪ ማህረጽን ብምግብናን ብትሕትና ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ: ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ ሎሚ ቅዱስ ቁርባን ብኢድካ ክንቅበል ቀድስ ምስ በልዎም: ቅዳሴ ኣተዉ። ቅዳሴ ንምጅማር “አሐዱ አብ ቅዱስ …” ክብሉ ምስ ጀመሩ ካብ መሬት ፭/5 እመት ንላዕሊ ሓፍ በሉ። ነዚ ተኣምር ዝረኣዩ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ ኣዝዮም ተደነቑን ንሥራሕ እግዚአብሔር አመስገኑን። አቡነ በኵረ ድንግል ሕይወቶም ብኸምዚ ክቕጽል ድኅሪ ምጽናሕ ብ፱/9 ታኅሣሥ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ: ንዅሎም መነኮሳት እቲ ገዳም ኣኪቦም “ሎሚ መዓልቲ ንዓኹም ዝጓሲ ትሑት መምህር ሸይመልኩም ኣለኹ: ኣብ ትሕተይ ንዕኡ ስምዕዎን ተኣዘዝዎን” ክብሉ ነገርዎም። ኣቦና ብፁዐ አምላክ’ውን ጊዜ ዕረፍቶም ምስ ቀረበ ንማኅበር ገዳም ኣኪቦም ብድኅሪኦም ንዝመርሖምን ኣቦ ንዝኾኖምን ብኸምዚ ዚስዕብ ቃል ብምልባው ኣማኅፀንዎም። ወባሕቱ ተንሥኡ አክብርዎ ለወልድየ በኵረ ድንግል ወተአዘዝዎ ከመ ገብር ዘይትኤዘዝ ለእግዚኡ ወከመ ዓመት ዘትትኤዘዝ ለእግዝእታ ወአነሂ አንበርኩ እዴየ ላዕሌሁ ወይኩን ቡሩከ በበረከተ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይኅድር ላዕሌሁ። ወያዕርፍ ላዕሌሁ በረከተ እንጦንዮስ ወመቃርስ ወይረድ ዲበ ርእሱ ቡራኬ አቡየ ኤዎስጣቴዎስ ወአቡየ ፊልጶስ። ስምዑኬ ዘተአዘዞ ለበኵረ ድንግል ተአዘዞ ለመንፈስ ቅዱስ ወዘኒ አበዮ ለበኵረ ድንግል አበዮ መንፈስ ቅዱስ ( ንወደይ በኵረ ድንግል ኣኽብርዎ፤ ኣገልጋሊ ንጐይታኡ ከም ዝእዘዝ ተኣዘዝዎ፤ ኣገልጋሊት’ውን ንእመቤታ ከም ትእዘዝ ተኣዘዝዎ። ኣነውን ኢደይ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢረ ኣሎኹ ብሩኽ ይኹን። በረከት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይሕደር። ኣሜን። በረኸት እንጦንዮስ መቃርስን ኣብ ልዕሊኡ ይውረድ። ቡራኬ ኣቦይ ኤዎስጣቴዎስን ኣቦይ ፊልጶስን’ውን ኣብ ርእሱ ይውረድ። ስምዑ ንበኵረ ድንግል ዝተኣዘዞ ንመንፈስ ቅዱስ ተኣዘዞ። ንበኵረ ድንግል ዝኣበዮ ግና ንመንፈስ ቅዱስ ኣበዮ።) ብድኅሪ’ዚ ኣቡነ በኵረ ድንግል ብጾም: ብጸሎት: ብስግደት ተጸሚዶም ብቅድስናን ትሕትናን ነቲ ገዳም ኣገልገልዎ። በዚ ድማ እቶም መነኮሳት ኣዝዮም ፈተዉዎም። ከምዚ ገይሮም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣሥመርዎ: ከምቲ ኣብ መዝሙር “ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ/ምስ ኅሩያተይ ቃል ኪዳን ኣተኹ” ዝበለ መዝ ፹፰፥፫/89፥3 ንኣቡነ በኵረ ድንግል’ውን ከምዚ ክብል ቃል ኪዳን ኣተወሎም።

ቃል ኪዳን
እምበኣር ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣቦና በኵረ ድንግል ከምዚ ዚስዕብ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። “እተዝካርካ ዝገበረ ስምካ ዝጸውዐ ክምሕረልካ (ብበረኸት ክሕልዎ) እየ። ኣብ ዕለተ ዕረፍትኻ ንሕሙም ኮነ ንእሱር ዝበጽሐ ወይ ብስምካ ንጥሙይ ዘብልዐ ወይ ንጽሙእ ዘስተየ ንዕሩቕ ዘልበሰ ክምሕሮ እየ። ስም ወዱ ወይ ጓሉ ብስምካ ዘጸውዐ ክምሕሮ እየ። ኣብ ደብረ ናዝሬት ደብሪ ናይ ኣቦኻ ብፁዐ አምላክ ዝተቐብረ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቦታ ቅዱስ ቁርባን ዝቖረበ ሕሰም ኣይርእይን እዩ። ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ከእትዎ እየ። ብሔረ ሕያዋንን ብሔረ ብፁዓንን ከውርሶ እየ። ክምሕሮ እየ ዝብልን ካልእን ኪዳናት ሃቦም።

ዕረፍቲ
ድኅሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ: ኣብ ሠለስተ ዓመቶም ብ፱/9 ሰነ: ኣቡነ በኵረ ድንግል ንእሽቶ ሕማም ርእሲ ጀመረቶም እሞ ንኣርድእቶም ጸዊዖም ንከም በዓል ኣቡነ ዮሐንስ ዘደብረ ቢዘን ዝኣመሰሉ ብዙኃት ኣቦታት ክጽውዑሎም ሓበርዎም። ኵሎም ቅዱሳን ኣቦታት በብደረጅኦም ተኣከቡ። ብድኅሪ’ዚ ቅድስት ሥላሴ ተገሊጾም ኵሉ ብስምካ ተኣሚኑ ዝጸለየ: ዝመጽወተ ንሕሰም ኣይክርእያን: ስፍርኡ ድማ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ክኸውን እዩ ዝብል ዓቢ ቃል ኪዳን ሃብዎም። እቶም ኣቦታት ድማ ገኒዞም ኣብ ሓድሽ መቓብር ኣብ ደብረ ብሥራት ቅድስት (ምዕዋነ ሥላሴ: ደብረ ናዝሬት) ናይ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ ቀበርዎም። ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣቡነ በኵረ ድንግል ኣብ ገዳም ኣቡነ ብፁዐ አምላክ (ደቀ መሓረ ጎደይቲ) ይርከብ።

ድኅሪ ዕረፍቶም ኣቦና ባዕሎም እናተገልጹ ከምኡውን ብስሞምን ብጸበሎምን ከኣ በብእዋኑ ዝተገብረ ተኣምራት ተጸብጺቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ካብ ሓመድ መቓብሮም ዝለኸይዎም ብዙኃን ዝሞቱ ሰባት ከመ ቅጽበት ተንሢኦም እዮም። ኣጋንንቲ ካብ ዝሓደርዎም ሰባት ወጺኦም እዮም። ሰራቒ ቤተ ክርስቲያን ኣካላቱ ኣልሚሶም ከምዝተሓዝን ብሕማቕ ኣማውታ ከምዝመውትን ኮይኑ እዩ። ወቦ ዘተርፈ።

በረኸትን ረድኤት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። ጽላሎምን ጠሊ በረኸቶምን ካብ ሃገርናን ማኅደርናን ኣይፈለይ።

1 comment:

  1. Kale Hiwot yesmiealna. Bereket Abona Abune Bokre Dingil yibtsihana.

    ReplyDelete