Wednesday, June 20, 2012

ጉዳም ዜና "ውሳነ ምርጫ" (፪ይ ክፋል)


ዛንታ ፲ተ መናብርት

ልዕሊ ኵሉ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዝያ ወሳኒ መድረኽ ታሪኽ ትርከብ ኣላ። ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘንጸላሉ ዘሎ ሕብረ ብዙኅ ደበናታት ፈተና፤ ነዚ ፈታኒ ዘመን’ዚ ዝብድህ፤ ሓቀኛን እሙንን ኣቦ፤ ትጉህ ጓሳ፤ ጥበብን ጸጋን ዝመልኦ ፓትርያርክ ከምዘድልያ ዝስሕቶ ሰብ የልቦን። እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ከምቶም ዝቐደሙ ብሃይማኖት ጽኑዓት፤ ሰብ ገድሊ ዝኾኑ ኣቦታት ክህቦም ከኣ ናይ ኵልና ጸሎትን ምንዮትን እዩ። ኣብዚ ዘየመክሕ ምርጫ እምበኣር፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣቦ ክመርጸሎም ትስፉዋት ኢና። እቲ ናቶም ዓወት ከኣ ናትና’ውን እዩ። እቲ ናቶም መከራ፤ መከራና እዩ። እቲ ናቶም ምጽንናዕ ናትና’ውን እዩ። ኣዝዮም ውሑዳት ዝገብርዎ ጠንቀምቀም ገዲፍና፤ ብዘይ ቀለዓለም ብሃይማኖትን ብታሪኽን ሓደ ስድራ ኢና።

እምበኣር እዞም ሰብ “ብስራት” ዝኾኑ ጉጅለ፤ ንዓታቶም ኣብቲ ምርጫ ንኤርትራ ወኪሎም ክሳተፉ ፲ተ መናብርት ከምዝተዋህቦምን ነዚ ንምትግባር ከኣ ኣብ ምውዳድ ከምዝርከቡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢሎም ነጊሮምና ኣለዉ። “እዚ ውሳኔ’ዚ ድማ ታሪኻዊ ስለዝኾነ ብምሉኡ ሕዝቢ ተዋሕዶ፤ ከም ሓደ ዓቢይ ሃይማኖታዊ ዓወት ገይሩ ኪርእዮን ነቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ ጸሎተ ምስጋና ከቕርብን ግዴታ ኣለዎ” ብምባል መልእኽቶም ነየናይ “ሕዝቢ ተዋሕዶ” ዝቀንዐ ምዃኑ እንተዘይተረደኣና’ውን “ግዴታ” ምዃኑ ግና ኣትሪሮም ኣጠንቂቖምና ኣለዉ።

ብመሠረቱ ጒዳይ ውክልና ፲ተ መንበር ኣብ እዋን መስርሕ ምርጫ፤ ብቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚኦም ጕጅለ’ዚኦም ከም ገጸ በረኸት ዝተዋህበ ህያብ ኣይኮነን። ብመሠረት ዓንቀጽ ፯/7 ውዕል (1998) እዘን ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፤ እታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሓዲሽ ፓትርያርክ ኣብ እትሽመሉ እዋን፤ እታ ካልኣይቲ ብ፲ ልኡኻት ኣቢላ ክትውከል ከም ዝፍቀደላ ዝተነጸረ እዩ። እኳ ደኣ ከምቲ ንሶም ሕጂ ዝቕይርዎ ወይውን ከም ዝጥዕሞም ዝገማጥልዎ ዘለዉ ዘይኮነስ፤ እቶም ዝውከልዉን ብዓል መን ክኾኑ ከምዝግባእ እቲ ውዕል ብንጹር የቐምጦ እዩ። ክልተ ናይ ሃገረ ስብከት ጳጳሳት፤ ክልተ ናይ ገዳም ኣበምኔታት፤ ሽዱሽተ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ክኾኑ ከምዝግባእ ይእዝዝ። እቲ ምሉእ ዓንቀጽ ከኣ ከምዚ ይብል። (ዓንቀጽ 7)

“Each Church has the liberty to chose its own Patriarch. But in order to manifest the tight relations between the two Churches; the other Church will send a delegation of ten members of the church: two diocesan Bishops, two abbots of monasteries, and six other persons representing other categories of church members in order to attend the election process as guests.”

እምበኣር፤ በዚ ጉጅለ’ዚ “ዝዋደድ” ዘሎ መሳለጥያታት ዝርዝሩ እንተዘይፈለጥናዮ’ውን፤ መቸስ ነዚ ሕጊ ክመልእ ክብል ካብቲ ርእሱ ብርእሱ ካብ ሾሞም “ኣህጉረ ስብከቱ” "ጳጳሳትን" "ኣበምኔታትን" ጠፍጢፉ ከምዘይሾመልና ተስፋ ኣሎና። ብዝኾነ ግና እቲ ከም “ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት” ዝተነግረሉ ዜና፤ እቲ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኤርትራ ዝነበረ ውዕል ተሰሪዙ፤ ንዓዓቶም ብምውሃቡ እንተደኣ ኮይኑ፤ እዞም ጉጅለ’ዚኦም “ቤተ ክርስቲያኖም” እኳ ክንብል ዘይግብኦም ብምዃኑ፤ ብርግጽ ግና ኣብ ልዕሊ ሕዝቦምን ሃገሮምን የሽካዕልሉ ምህላዎም ግና ክዝንግዑ የብሎምን። ከምቲ ዝብልዎውን “ዓቢይ ታሪኻዊ ዓወት” ዘይኮነሲ “ዓቢ ታሪኻዊ ጌጋ” ምዃኑ ኣግሂድና ነቶም ነዚ ዘዋደዱ ኣካላት ክንነግሮም ንደሊ። ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ርትዕቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ከምዚ ጉባኤ ተኣጊዳ፤ ኣብ ከምዚ ጉባኤ ተነጺጋ ክብሉና ዓመታት ኣቝጺርና ኣሎና። እምበኣር ኣብ ዝተፈላለየ ጉባኤታት እናተራኸብኩምን፤ ምስቶም ጉባኤኛታት ብሰታሪት እናተጻሓሕፍኩምን እትጽዕርዎ ቀንዲ ዕዮኹምን፤ እትጽበይዎ ዓቢይ “ዓወት” እውን ንሱ እንተደኣ ኮይኑ፤ ጌና ካብ ዕሸላዊ ኣተሓሳስባ ዘይረሓቕኩም፤ ብምጽላም ሃገርኩምን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን እትፍሥሑን እትንየቱን ሰብ ጸልማት ምዃንኩም ባዕልኹም ንመንነትኩም ተግህድዋ ከምዘሎኹም ከተስተውዕልዎ ይግባእ። ምሉእ ጥዕና ዘለዎ ኣካል ከምዚ ዓይነት ዜና ከም ሓደ ዓቢ መንፈሳዊ ዜናን ብስራትን ነቲ ይሓልየሉ ንዝብሎ ኣማኒ ሕዝቢ ብምንጋሩ ክሕጐስ ይትረፍ፤ ንሕፈረቱ እኳ መጠን ክስእነሉ ምተገብኦ። ንዘይትውክልዎን ንዘይተሾምኩምሉን “ሕዝቢ ተዋሕዶ” ብስሙ ጸዊዕኩም “ዓቢይ ሃይማኖታዊ ዓወት” ተረኺቡ ኣሎ እሞ፤ ንዓ ፍሥሐ ወሐሴት ንግበር ማለት ናይ ጥዕና ኣይመስለናን።

እቲ ሓንሳብ “ብጻዕርን ድኻምን አቡን መቃርዮስ” ዝተረኽበ ንእኦም’ውን ከምእተመስግኑ ኣቐዲምኩም ከምዘይነገርኩምና፤ ጸኒሕኩም ድማ ተኣምር ኣምላኽ ምዃኑ ክትነግሩና ትፍትኑ ኣሎኹም። ነዚ ኸኣ ምስጋና ከነቕርብ “ግዴታ” ከምዘለና ኣዚዝኩምና። ዝኾነ ሕዝበ ክርስቲያናሲ ብፍቕርን ብስኒትን ብዝመጽእን፤ ብሓድነትን መንፈሳዊ ተግባርን ብዝርከብ በረኸትን ክሕጐስ ይግባእ እምበር፤ ከምቲ ንስኹም እትሰብኩልና፦ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ብዝእወጀልና ዘሎ ፍልልይ ንዝመጽእ ምብትታንን ሓዘንን “ዓቢይ ሃይማኖታዊ ዓወት” ኢልና ክሳብ ምሕጓስ ኣእምሮና ኣይሰሓትናን። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን “እንሆ ኣኃዋት ብሓንሳብ ክነብሩ ክንደይ ሰናይ እዩ” ዝበለ እምበር ኣብ ሓደ ስድራ ብፍልልይ ብዝመጽእ ነገር ተሓጐሱ ዝብል ኣይሰማዕናን። እዚስ ካባና የርሕቖ እምበር፤ ኣብ ሞንጎ ሕዝበ ተዋሕዶ ፍልልይ ዝተክልሲ ካብ ርኹስ መንፈስ እምበር ካብቲ ዝተቐድሰስ ኣይኮነን።

አቡን መቃርዮስ’ውን ነቲ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን፤ ንኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ከነጽግ እሞ ንኣኻትኩም ኣብ ክንዲኣ ክትውከሉ ንምእማን ክሳብ “ድኻምን ጻዕርን” ዝሓትት ስራሕ ከምዝሰርሑ ነጊርኩምና። እንታይ ተቓውሞ ረኺቦም ዲዮም ጻዕርን ድኻምን ዝሓተቶም?! ንሕና ደኣ ከምቲ ብቀጻሊ እትብሉና፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ዝፈልጠኩም፤ ከም ሕጋዊ’ውን ዝወከለኩም፤ ኵሉ ከምቲ እትደልይዎ ዘሳስየልኩም ኮይኑ እንድዩ ዝስምዓና ነይሩ። እምበኣር እቲ ሓቂ ባዕልኹም ብጭቕ ካብ በልኩምልና፤ ገና ክትእመኑ’ውን ኣብ ጠልጠልን ምጥርጣርን ከምዘሎኹም፤ ድኻምን ጻዕርን ትገብሩ ከምዘሎኹም ዘረባ ይከደኩም ኣሎ። ከም ብዓል አቡን መቃርዮስ ናይ ዝኣመሰሉ ኣባላት ሲኖዶስ ቅብጢ ደገፍን ክትዕን ብርግጽ ከምዘድልየኩም ዘሎ ባዕልኹም ትለፋለፉ ጀሚርኩም ኣሎኹም። አቡን መቃርዮስ እንተዘይህልዉ ነይሮም፤ ጕዳይኩም’ውን ዝርእዮን ዝዝክረኩም’ውን ከምዘየለ እምበኣር ቀስ እናበልኩም ትነግሩና ኣሎኹም። እዚ ኵሉ ዓመታት ንቅብጣውያን “ክትምስጡን ከተሐጐሱን” ዝገበርኩሞ ወፍሪ ደኣ ኣበይ ኣተወ?! ውሽጣዊ ሓበሬታና’ውን ከምዘመልክቶ ብዓል አቡን መቃርዮስ ነቲ ጉባኤ ከምቲ ዝበልኩሞ “ብጻዕርን ብድኻምን” እንተዘይጠውይዎ ነይሮም፤ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ  ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ክዛተይን ክማኸርን፤ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንዝተፈጥረ ሽግር’ውን መፍትሒ ከናድይ ተበግሶ ክውሰድ ጽኑዕ ድሌት ነይርዎ እዩ። እምበኣር እቲ ናትኩም ሓቀኛ መንነትን ሕቡእ ዕላማታትን ትኩራት ብዝኾኑ ገለ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ድሮ ክፍለጥ ጀሚሩ ከምዘሎ ነስተውዕሎ ዘሎና ጕዳይ እዩ። ስለዚ ክትስከፉ ግድነት ይኾነኩም ኣሎ ማለት እዩ። መዓልቱ ክሳዕ ዘግህዶን ገንፊሉ ዝወጽን ንጽበ ኣሎና ደኣ እምበር፤ ኣብ ሞንጎኹምን እቶም ኣቦና እናበልኩም ከይፈተኹም ተጸጊዕኹሞም ዘሎኹም አቡን መቃርዮስ ዝነበረን ዘሎን ምፍሕፋሕ ከኣ ካባና ስዉር ከምዘይኮነ ክንነግረኩም ትደሊ ዶ?!

መጠቓለሊ

እምበኣር መወዳእታ መልእኽትና ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገርና ዝቀንዐ እዩ። ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንና ብቀረባ ይኹን ብርሑቕ ዝእለም ውዲት ፍቕዲ የብሉን፤ ዘይተሰምዐ እምበር ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ክግበር ዘይፍተን የልቦን። ስለዚ ኸኣ ብፁዓን ኣቦታትና ይንኣስ ይዕበ ብካልኦት ኣካላት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዝውሰንን ዝመሓላለፍን ነገራት ኣፍልጦ ክህልወኩም ይግባእ። ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነሲ ግቡእ መልሲ ክትህቡ’ውን ይግባእ። ካልኦት ነዚ ጋግ ሓበሬታ ተጠቒሞም፤ እቲ ድሌቶም ንምትግባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ከኣ ንርእዮ ዘሎና ጕዳይ እዩ። ብፍላይ ከኣ ምስ ቅባጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎና ዝምድና ዝመሓየሸሉ መገዲ ክትሠርሑሉ ይግባእ። ካልእ ዘይምስምማዓት ብዘየገድስ፤ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ አቡነ ሼኑዳ ሣልሳይ ተረኺብኩም፤ ልቢ ምእመናን ዘረስረስኩም፤ ንግብጻውያን’ውን በቲ ኣብ ዕፁው ማዕጾ ዛጊት ብዝገበርዎ ከምዝጠዓሱ ዝገበርኩም፤ ሕጂ’ውን ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ደገ ብማዕበል ክፉእ ወረ መናፍቓን ንዝደናገር ዘሎ ሕዝብኹም ክትብሉ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክትስጉሙን ናብ ልዝብን ምምኽኻርን ክትመጹ ንልምነኩም ኣሎና። እንተኺልኩም ቅድሚ ምውዳእ ምርጫ ፓትርያርክ፤ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብ በዓለ ሲመት ሓድሽ ፓትርያርክ ተረኺብኩም መልእኽቲ ሰላምኩምን ሓድነትኩምን ከተስምዑ ንምኅፀነኩም።

ጉጅለ ኣትላንታ፦ ነዛ ከም ዜና ዘቕረባ መግለጺኡ ብትብዓት ዘይኮነስ፤ ካብ አቡን መቃርስ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ተመርኲሱ ከምዝፈነዋ ብዙኅ ጥርጥር የብልናን። ብዕሊ ዝተዋህቦም ሰነድ’ውን ኣሎዎም ኢልና ተስፋ ኣይንገብረሎምን ኢና። ከምኡ እንተዘይከውን ነቲ ብትግርኛ ዝወጸ “ዓቢይ ዓወት” ዝሃበ መግለጺኦም ብቋንቋ እንግሊዝ’ውን ከምቲ ካልእ ጊዜ ተርጒሞም መቕረብዎ ነይሮም። ስለዚ ግብሮም ኣብ ምድንጋር ዘድሃበ ከምዝመስል ጥርጣረ ኣሎና። ብምዃኑ ድማ እቲ ጕጅለ ዝብሎ ብዘየገድስ (ንሳኻትኩም’ውን መዛርብቶም’ውን ስለዘይኮንኩም) ምስቶም መዛናኹም ቅብጣዊ ቅዱስ ሲኖዶስ፤ ማዕረነትኩም ዘመስክር፤ ክብሪ ቤተ ክርስቲያናን ክብሪ ሃገርናን ዝዕቅብ መግለጺ ከተውጽኡ ዝግባእኩም እዩ።

ከምቲ ብቀጻሊ እንብሎ’ውን፤ ሎሚ ኣብ ቦታ መንበር ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ተኾይጡ ዘሎ ኣካል’ውን፤ መንነቱን ኣካይድኡን ብዘየገድስ፤ ክብርን ልዕልናን ቤተ ክርስቲያንን ሃገርና ንዘቃለለ ጉዳም ዜና ጕጅለ ኣትላንታ ብግብሪ ይኹን ብቃል ዝግባእ መልሲ ክህበሉ ንጽውዕ። ኣይኮነን ግና ከምቲ ብቀጻሊ ዝመረጽ ዘሎ ስቕታ እንተኾይኑ፤ እቲ ምምሕዳር ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቲ ኣብ ምዕናውን ምድንጋርን ሕዝቢ ተዋፊሩ ንዘሎ ጕጅለ ዕላማታቱ ኣብ ምስላጥ ይሠምሮን የሳልጥን ከምዘሎ ጥረጣረታትና ዝያዳ ከነበርኽ ዘግድደና እዩ።

ብዝተረፈ ውክልና ረኺብና ኢሎም ጉዳም ዜና ካብ ዝነግሩና ጉዳማት፤ ብዝያዳ ንኵሉ ኣማኒ’ን ዘገድሶ እቲ ኣምላኽ ዝኃረዮ፤ ንቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ኣቦ ምርካብ እዩ እሞ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣዴና እናበልና ንእንምክሓላ እስክንድርያዊት መንበረ ማርቆስ፤ ከም ቅዱስ አትናቴዎስ፤ ቅዱስ ቄሮሎስ፤ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዝኣመሰሉ ኣቦታት ክህባን፤ ክህበናን ጸሎትና ናብ ሰማይ ነዕርግ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ሃገርናን ማኅደርናን ይባርኽ።

2 comments:

  1. This comment has been removed by a blog administrator.

    ReplyDelete
  2. ወልደ ተዋሕዶJune 20, 2012 at 11:19 PM

    እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝሓልኩም ኣሕዋት።
    ብሓቂ እዚ ብቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ትገይሩ ዝብሃለሉ ዘሎ ወረ ተፈጺሙ እንተኾይኑ፡ ዓቢይ ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ ንልዑላውነት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ከም ሃገርውን ዝኽሕድን ዝነጽግን ክሳዕ ዝኾነ፡ ብቐሊሉ ዝጥመት ኣይኮነን። እዚ ድማ አቡን መቃርዮስ በቲ ኣብ ልዕሊ መንፈሳውያንን መንግስታውያንን መራሕቲ ኤርትራ ዘለዎም ዝቐደመ ቅርሕንቲ ተደሪኾም ዝገብርዎ ዘለዉ ከንቱ ሰይጣናዊ ዕብድብድ እዩ። ብሓፈሻኡ እቲ ጉዳይ ንኹሉ ሰብ ዝትንክፍ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ኣነውን ብወገነይ ክብሎ ዝደሊ ነገር ንመንፈሳውያንን መንግስታውያንን መራሕቲ ኤርትራ እዩ።
    1. ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣሎኩም ድዩ?
    2. ኣሎኩም እንተኾይኑ ድማ ንምንታይ ስቕ መሪጽኩም?
    3. ከምዚ ዝኣመሰለ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ማሕበር ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኪሓክኽ ዝፈታተን ውሳኔታት ክሳዕ ዝሓልፍ ኣበይ ነይርኩም?
    4. እቶም ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኣሎና ኣሎና ዝብልዎም ገበርትን ሓደግትን ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ከ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓራጥቃውያን ክትዝመት ከላ ንምንታይ ዓይኖም ክዕምቱ መሪጾም?
    5. ሕጂውን ክግበር ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ክግበር እንተተደልዩ ድማ ይከኣል እዩ።
    ማዕዶታውያን ግና እግዚአብሔር ብሓቂ ጸጋኡ የብዝሓልኩምን የርብሕኩምን የብዝሕኩምን እብል።
    ድኹም ሓውኹም ካብ ኤርትራ

    ReplyDelete