Sunday, June 24, 2012

ርክበ ካህናት (፮ይ ክፋል)


ርክበ ካህናት ኣብ ሃገርና

ሓፈሻዊ ታሪኽን ጽልዋን

ሃገርና ኤርትራ ብዓል ብዙኅ ፀጋ እትውንን፤ ድብቱርን ዘይድብቱርን ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ፤ ብኪደተ ኣእላፍ ቅዱሳን ዝተረግጸትን ዝተባረኸትን እያ። ሕዝባ’ውን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነበረን፤ ብሕግን ብሥርዓት ምንባርን ምንብባርን ክፋል ሕይወቱ ገይሩ ክጥቐመሉ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ኸኣ ይትረፍ ብዋናታቱ በቶም ባዕዳውያን እኳ ዝተመስከረሉ እዩ። ገዛኢ ጥልያን እኳ ከም ኣካል መግዛእታዊ ሜላታቱ: ብሊቃውንቱ ኣቢሉ ነዚ ካብቲ ዝነኣሰ ባእታ ማኅበረ ሰብ ማለት ሓደ ሓንቲ ህድሞ (ስድራ) ጀሚሩ በብዓዱን በብኣውራጅኡን .. ንዘሎ ቅውም ምሕደራ ኣጽኒዑን መርሚሩን ምስ ኣብቕዐ: ብምስትንካር “ኣማን ብኣማን እዞም ሕዝቢ’ዞም ኣዝዮም ሥልጡን ሕግን ጥንታውን ኣገባብ ምሕደራን ኣነባብራን ኣለዎም። ክንምህሮም ይትረፍሲ ንሕና ካብኦም እንመሃሮ ብዙኅ ነገር ኣሎ…” ኢሉ ከምዝመስከረ ብቃልን ብመጽሓፍን ታሪኽ ዘዘትንወሉ እዩ። ነዚ ኵሉ ዘድንቕ ተሞክሮን ቅዱስ ባህልን ግና ዋናኡን ኣለይቱን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን: ኣገልገልታ ካህናትን ምዃኖም ክንዝንግዖ የብልናን። ዓለም ክትገልጾ ዘይትደሊ እንተኾነ’ውን: እቲ ሓቂ ግና ንሱ እዩ። ስለዚ ተላዚብካን ተማኺርካን ምውሳን፤ ብሓባር ምዕያይ፤ ተሓጋጊዝካን ተደጋጊፍካን ብስኒት ምንባር፤ … ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነዊሕን ዱልዱልን ሡር ዘለዎ እዩ። ካብ ክልል ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን (ዓድታት) ጀሚሩ በብደረጅኡ ዝርከብ ጉባኤ ካህናት ከኣ ማእከል እዚ ጥንታዊ ሠረት እዩ። ንርእሱ ተማእኪሉ ነቲ ዝጓስዮ ሕዝብን ዓድታትን የማእክል ስለዝነበረ። ሕመረት ማኅበራዊ ሕይወትን መንብሮን እቲ ኣማኒ ኅብረተሰብ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዘይከሓድ ግሁድ ነገር እዩ። ከምዚ ሎሚ ከይተባሕጐጐ ከሎ ካህናት ዘይኣትውዎን ዘይኣልይዎን ሕይወት ኅብረተሰብ ነይሩ ኪብሃል ኣይከኣልን እዩ። እምበኣር ነዚ ኵሉ ሕጊ እግዚአብሔር ዝሠረቱ ኣካይዳ: መሠረቱ ናይ ካህናት ጉባኤን ሓድነትን ምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ።


እዚ ተሞክሮ’ኳ ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኃሊፉ: ኣብ ሕዝቢ’ውን ዝሰረጸ ብምንባሩ፤ ሕዝቢ ብባይቶን ብሕጊ እንዳ’ባን: ሥልጡንን ፍትሓዊን ብዝኾነ ኣገባብ ይናበር ምንባሩ ንቡር ሓቂ እዩ። መርመርቲ ታሪኽን ሕግን ከምዝብልዎ’ውን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከቡ ሃገራት ኣፍሪቃ: ኣዝዩ ጥንታዊ ዝኾነ ጽሑፋዊን ድብቱርን ዝተፈላለዩ ሕግታት እንዳባ እትውንን እንኮ ሃገር ምዃና ይጠቕሱ እዮም። ሕጊ እንዳ’ባውን ንናይ ሕዝብና ልምዲ: ባህሊ: ያታ: ሃይማኖታዊ ኣካይዳ: እምነት: ወግዕን ሥርዓትን ወቦ ዘተርፈ በብመልክዑ ዘቕምጥን ዝገልጽን: ምስምማዕ ኣብ ዘይፍጠረሉ ከኣ ዝዳንይን ዝሽምግልን እዩ። ነዚ ሕግታት ቤተ ክርስቲያን ተማእክሎ ከምዝነበረት ከኣ ዝተፈልጠ እዩ። ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና ኸኣ እቶም ሕግታት ዝጥቐሙሎም ኣገባባት ብሉያዊን ሓዲሳዊን መጻሕፍቲ ዝመሠረቶም፤ ፍትሓ ነገሥት ሥጋዊ ወመንፈሳዊ ዝዓንዶም ምዃኖም ምርግጋጹ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ቀንዲ ቅዳሓት እቶም ሕግ’ታትውን ንርእሶም ከከም ከባቢኡ ኣብ ገዳማት ብኽብሪ ይቕመጡ ምንባሮም እዩ። ንኣብነት ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ ዝቕመጠሉ ዝነበረ እሞ ጠፊኡ ዝብሃል ቀንዲ ቅዳሕ እቲ ሕጊ ኣብ ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ ይቕመጥ ምንባሩ ይፍለጥ። እቶም ነዞም ሕግታት ክጽሕፉን ክሕድሱን ዝስየሙ ዓበይቲን ለባማትን ከኣ መጠን ሰሙን ክልተ ቅነ ዝኣክል ንቁጽ እንጀራ እናተመገቡ: ጥራይ ማይ ካብ ሩባ እናሰተዩ ኣብ ጽላል መሞናን ዓበይቲ ዳዕሮታትን እናጽለሉ እግዚአብሔር ግለጸልና ኢሎም ብሱባኤ እናለመኑ ምንባሮም ታሪኽ ዝመዝገቦ እዩ። እምበኣር ነዚ ሃብታም ታሪኽና ጨሊፍና ምጥቓስና ንካልእ ዘይኮነሲ፤ ሕላገት ርክበ ካህናትን ሃብታም ተሞክሮኡን ካብ ቤተ ክርስቲያን ሓሊፉ ኣብ ሕዝብና’ውን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ብኸመይ ኣገባብ ሰሪጹ ይትግበር ምንባሩ ብቝሩብ ንምግላጽ እዩ። ካልእ ምእመን ዘይኮነ ክፋል ሕዝብና'ውን ነናቱ ዝኾነ ክቡር ኣገባብ ምሕደራ'ውን ከምዘሎዎ'ውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ነሕድሕዱ ኸኣ እምነት ብዘየገደስ ኣብ ማኅበራዊ ሕይወቱ ተኸባቢሩን ተሳንዩን፤ ብሓድነት ናብርኡ ዝመርሓሉ ሥልጡን ባህሊ ዝጸንሓሉ ከምዝነበሮን ከምዘለዎውን ከይተጠቕሰ ዘይኅለፍ መለለዪ ታሪኽ ሃገርና እዩ።

ጥንታዊት ግና ሓዳስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና፤ ልምድን ተሞክሮን ርክበ ካህናት ዘጥረየት: ብኸምኡ ከኣ ንነዊሕ ዘመናት ዝሠረተ ውህሉል ሃብቲ ዘለዋ: ብሉያትን ሓዲሳትን ኣሰማሚዓ፤ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሠረት ብምግባት እትጓዓዝ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። እቲ ኣብ ቤተ ክህነትና ዝጸንሐ ልማድን ውሕሉል ተሞክሮን ክሳብ ቅድሚ ናጽነት ብዘይስሩዕ (ሓሓንሳብ’ውን ብስሩዕ) በብመልክዑ ክካየድ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ጒዳያት ቤተ ክርስቲያን’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ምኽሪን ምልዛብን ክገብርን: ዝተፈላለየ ውሳነታት ከኣ ከሕልፍን ጸኒሑ እዩ። ብምዃኑ’ውን እቶም ዝቐደሙ ካህናት ኣቦታትና ኣብ ኵሉ ሕይወቶምን ናብርኦምን ምስጉናትን ኣብነታውያንን፤ ግሩማንን ሰብ ጸጋን፤ ተዛሪቦም ዘስምዑ፤ ብኡሳት ዝዓርቑ፤ ብኣገልግሎቶም ውፉያትን እሙናትን፤ ኣኽበርትን ተፈራህትን… ብሓፈሻ ተምሳል ዝቐደሙ ሓዋርያት ዝነበሩን: ባዕሎምን ከም ዝምርቕዎ “ዝዛረብዎ ቀለም፤ ዝረገጽዎ ለምለም” ብምንባሮም ኣብ ዝኾነ መንፈሳዊ ይኹን መንግሥታዊ (ዓለማዊ) ኣካል ዓቢ ጽልዋን ኽብርን ዝነበሮም እዮም። ክሳዕ መግዛእታ ጥልያን ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮምን ጒዳያቶም ብምኽርን ብጉባኤን ይምርምርዎ ከምዝነበሩን ዝተፈልጠ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ እናሓጸጸ ይኺድ ደኣ እምበር ክሳዕ ዘመነ ኃይለ ሥላሴ (ምስቲ ሥርዓት ዝነበሮ ኣተሓሕዛ’ውን) ብኸፊል ይቕጽል ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። እዚ ኪብሃል ከሎ ግና ከምቲ ዝድለን ዝግባእን ከምኡውን እቲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ጥራይ ይካይድ ነይሩ ማለት ግና ኣይኮነን። ምስቲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሃገራዊ ቃልሲ’ውን፤ ገለ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን’ውን ቅዱስ መበገሲ ንዘለዎ እዚ ጽልዋ’ዚ መሳርሒ ፓለቲካን ኣተሓሳስባን ገይሮም ክጥቐሙሉ ከምዝተራእየ ዘይንርስኦን: ኣብ ሕዝቢ ዝነበሮ ተኣማንነት ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ሓድሽ ወለዶ እናቖልቆለ ንኽመጽእ ባብ ከም ዘርኃወ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ነዚ ጽልዋ እዚን: ነቲ ዝነበረ ኵነታትን መዝሚዞም ብዙኅ እወታዊ ሥራሕን ዘይበረስ ታሪኽን ዝሰርሑ ከምዘለዉዉን እሙን ነገር እዩ።

ካብ እዋን መግዛእታዊ ደርጊ ኣትሒዙ ከኣ ብፍላይ: ኵነታት ሃገርና ኣጸቢቕና ከምእንርድኦ እዚ ጽልዋን ኣካይዳን ብኵሉ መዐቐኒታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታት ኣዝዩ ከምዝጐደለ ምስትውዓል ዝከኣል እዩ። ምስኡ ኸኣ ሕይወት ቤተ ክህነትን ጉባኤያቱን ብብዙኅ ነገር ከምዝተጸልወን፤ ዝነበሮ መሰል’ውን እናንቖልቆለ ከምዝኸደ ይዝከር። እቲ ዝዓበየ ውሳነታት’ውን ኣብ ኢድ እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ተሰይሞም ዝመጹ ጳጳሳት ስለ ዝነበረ፤ ናይ ካህናት ጉባኤያት ኣብ ድሩት ዛዕባታት ጥራይ ዝተሓጽሩን፤ ኣብ ዘይተደልየ ኣንፈትን ዘምርሑሉ ኵነት’ውን ዝተፈጥረሉ እዩ። መግዛእታዊ ኵነትን ዝነበረ ኲናትን’ውን ዝገደፎ በሰላ ቀሊል ኣይኮነን። ምስ ምትእትታው ምሕደራ ሰበኻ ጉባኤታትን፤ ምድራት ጽልዋ ገዳማት ኣብ ዓድታትን ሰበኻታትን ከኣ ዝያዳ ሃገርና ኣማዕቢላቶ ዝነበረት ባዕላዊ ዝኾነ መንፈሳዊ ምሕደራ ብዝበዘኀ ክዳኸም ክኢሉ እዩ። ከምኡ ክበሃል ከሎ’ውን ንውሽጣዊን መበቖላዊን ድኽመት ቤተ ክህነት’ውን ሸፊንና: ንኵሉ ዕንቅፋታት ንመግዛእታዊ ሥርዓት ጥራይ ኣልጊብናን ኣመኺንናን ምዝራብ’ውን ቅቡል ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይከውን ድማ ድኅሪ ናጽነት ብቀሊሉ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ኣይመኣገሞን። 


ኣብ መወዳእታ መዋዕል መግዛእትን ወጋሕታ ናጽነትናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታትና ካብቶም ዝፈረዩ ውሉደ ክህነት ገሊኣቶም፤ ፍጹም ናይ ኣቦታቶም ኣሰረ ፍኖት ዘጥፍኡ: ብብዙኅ ዝዓይነቱ መምዝኒታት ክምዝኑ ከለዉ ካብቲ ዓለማዊ ንምፍላዮም ዘጸገሙ: ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ዘይውክሉን ኣርኣያ ክህነት ዘይብሎምን: ኣብ ሥጋዊ ረብሓን ካልእ ጥቕማ ጥቕምን እንተዘይኮይኑ ሓላፍነቶም ዝረስዑ: ኣባታዊ ኅሊና ዘይብሎም፤ ስም እምበር ግብሪ ዘየሰንዮም፤ ክሱሳት ዝዓርቑ ደም ዘደቅሱ ዘይኮኑስ ንርእሶም ክሱሳት ኮይኖም ዝርከቡሉ፤ ብገሊኣቶም’ውን ምስ መናፍቓን ዝተማሃዘዉን ኪዳን ዝመሥረቱን: ኣገልገልቱ ክነሶም ብ"እንታይ ገደሰና" ዝተዋጠዩ፤ ብላዕ ዝለመዱ፤ ዳርጋ መፈጸምታ ትንቢት ኮይኖም ዝተረኽቡ ምባል ምግናን ኣይኮነን። እዚኣቶም ገሊኣቶም በእንተ ከርሶም ክኾኑ ከለዉ ገሊኣቶም ድማ ብክልተ ማንካ ዝብልዑ እዮም።  ድኅሪ ናጽነት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ብደረጃ ሓላፍነት ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዘገልገሉ ካህናት’ውን መርኣያ ናይዚ ክበሃል ዝጸንሑ እዮም (ገሊኦም ሎሚ ኣብዚ ወጻኢ ይርከቡ እዮም)። ብኣንጻሩ ኣብ ሞንጎ እሾኽ ዝበቖሉ ኮይኖም ክረኣዩ ዘይተኻእሉ: ኣሰር ኣቦታቶም ዘጽንዑ ክንደይ ለባማት ሊቃውንቲ ካህናት ከምዝነበሩን ከምዘለዉን ዝሰሓት እኳ እንተዘይኮነ፤ በቶም ኣእሻዅ ግና እቶም ቅኑዓትን ዕብየት ቤተ ክርስቲያንን ክሕነቕ ከምዝጸንሐ ዝተኣምነ ነገር እዩ። መንበረ ትምህርት ተባሂሎም ካብ ዝጽውዑ ክፍለ ሃገራት ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተማሂሮም ካብ ዝመጹ “ምሁራት’ውን”፤ ገለ ውሑዳት ቀለም ጥራይ ዘይኮነስ ባዕድ ኣምልኾ ተሓንጊጦም ዝመጹ ከምዝነበሩ’ውን ከይተጠቕሰ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ናቶም በሰላን ጽዩፍ ኣምልኮታዊ ኣካይዳ’ውን ኣብ እምነት ምእመናን ዘኅደሮን ዘኅድርዎ ዘለዉ ኣሉታዊ ሳዕቤን’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ብሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ርሑስ ከምዝብሃል፤ ብሰንኪ ክፉእ ግብሪ እዞም ቍንጣሮ ዘይመልኡ "ኣገልገልቲ": ልዕሊ 99.99 ሚኢታዊት ዝኾኑ እሞ ኣብቲ ክፉእ ግብሪ ዘየለዉ ካህናት ኣቦታትና ብዘይውዓልዎ ክንቐፉን ክሕመዩን፤ ተኸላካሊ ስኢኖም ካብ ሕዝቦምን ዝጓስይዎምን ክንጸሉን ረቂቕ ስራሕ ዲያብሎስ ብቀርኑ ክፈታተኖም ርኢና ኢና። እዚ’ውን ናቱ ጽልዋ ኣብ ምድኻም እቲ ንብሎ ዝጸናሕና ጒዳይ ከምዘሎ ኣይሰሓትን። ወቦ ዘተርፈ…

ድኅሪ ናጽነት ሃገርና’ውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ርእሳ ክኢላ፤ ነቲ ስኢናቶ ዝነበረት ልዕልናን ዳግማይ ከተበራብር ኣብ ዝጀመረትሉ ጉባኤ ካህናትን ርክባቱን ዝለዓለ ኢድ ክህልዎ ትጽቢት ኵሉ ፈታዊ ሃገሩን ሃይማኖቱን ዝኾነ ሕዝቢ ነበረ። ግና ኣይ ከም ትጽቢቱን!  ክብርቲ ናጽነትና ረኺብና ኸኣ ብሃይማኖትን ስብከተ ወንጌልን ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንስጉም፤ ከም ገመል ሽንቲ ንድኅሪት ክንጕተት ንርከብ ኣሎና። እዚ ኣርእስቲ እምበኣር ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይን ሰፊሕን ታሪኽ ስለዘለዎ ብካልእ ኣርእስቲ ብካልእ ጊዜ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ክንምለሰሉ ኢና።

No comments:

Post a Comment