Saturday, June 16, 2012

ጉዳም ዜና “ውሳነ ምርጫ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
መእተዊ

እዚ ዘሎናዮ እዋን፤ ቅዱስ ማርቆስ ዝመንበራ ቅብጣዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መበል ፻፲፰ (118) ፖፕ ዘእስክንድርያ ንምምራጽ ኣብ ሰፊሕ ምድላዋት ትርከበሉ ኣገዳሲን ታሪኻዊን እዋን እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና’ውን፤ ከም መጠን ሓደ ስድራን ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎአን ንዘሎ ህልዊ ኵነታት ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታውን እዚ ምርጫ’ዚ ብቀጥታ ዝምልከታን ዘገድሳን እዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ስድራ ዝኾኑ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ብሓደ ሓሳብን ምኽርን ተደጋጊፎም ክጓዓዙ ንቡርን ዝግባእን እኳ እንተኾነ፤ “ዘራጊ ኣብ ዘለወሉ፤ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ከምዝብሃል ሳሕቲ ከኣ ኣብ ሞንጎአን ዘየሰማምዕ ነገር ክኽሰት ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ከም መጠን ሓደ ስድራ ግና ነቲ ዝዓበየ ሓድነት ሕዝቦምን ዕላማ ወንጌልን ክብሉ ድማ ነቲ ዝተፈጥረ ሽግር ይዕበ ይንኣስ እሂን ምሂን ኢሎም ክፈትሑን፤ ካብቲ ዝቐስምዎ ተሞክሮ ከኣ እናተመሃሩ ብሓንሳብ ክዓብዩን፤ ነቲ ሓቀኛ መንፈሳዊ ገድሊ ክጋደሉን ትጽቢትን ድሌትን ኵሉ ኣማኒ ሕዝቢ ተዋሕዶ እዩ። ወልድ ዋሕድ ኣብ ዝብል ጽኑዕን ርቱዕን ሃይማኖት ዝተሠረተ ሓድነትን ኅውነትን እዘን ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ከም መርዓት ዓይኒ ምሕላውን፤ ምክንኻንን ብቀዳምነት ናይቶም ክጓስዩ ብኣምላኽ ሕድሪ ዝተቐበሉ ብፁዓን ኣቦታት ይኹን ደኣ እምበር ሓላፍነት ኵሉ ኣማኒ ምዃኑ ዚስሓት’ውን ኣይኮነን። ስለምንታይ እንተተባህለ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵሉ ስለዝኾነት። ብኻልእ’ውን ወንጌል ተሰኪሞም፤ ብስም “ኦርቶዶክስ” እናተመላለሱ ኣንጻር ዕላማ ወንጌልን፤ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝተዓጥቁን፤ ንፍልልይን ዝርገትን ዝሰርሑ ስለዘለዉ፤ ኣቦታት ጥራይ ዘይኮኑስ፤ ኵሉ በብዓቕሙ ኣብ ዘዘለዎ ብቃል ይኹን ብግብሪ፤ ብጸሎት ይኹን ብምኽሪ ሃናጺ ኣበርክቶ ክህልዎ ይግባእ።   

እምበኣር ኣብዚ ቅንያት’ዚ እቶም ዝሾሞም ዘይብሎም ንርእሶም ዝሾሙ፤ ይትረፍ ሎሚ መመሳመሲ ጕዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ረኺቦም፤ ብድሮ’ውን ንላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገርና ቅድሚ ጒዳይ አቡነ እንጦንዮስ ምምጽኡ’ውን እንተኾነ ምምእዛዝ ኣብዮም ፋሉል ክኸዱ ዝጸንሑ ጉጅለ ኣትላንታ፤ ኣብ መርበብ ሓበሬትኦም ከጋውሕዎ ዝቐነዩ፤ ከም ዓቢ ዓወት’ውን እምቢልታ ክነፍሕሉ ዝወዓሉ ዜና ሰሚዕናዮ ከም ንኸውን ተስፋ ንገብር።
እዚ ኸኣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምርጫ መበል ፻፲፰ ፖፕ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን፤ ንሃገረ ኤርትራ ወኪሎም ንኽሳተፉ ብቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ከምዝተወሰነሎም፤ "ሕጋዊነቶም’ውን" ዳግማይ ከምዝተመስከረሎም፤ ሕጋዊነት ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ከምዝተነጽገ … ዝእውጅ እዩ ነይሩ። ብኣቐራርባ ኮነ ብሕጋዊ ትሕዝቶኡን መልእኽቱን ኣዝዩ ዘሕንኽ እዚ ዜና’ዚ “ንታሪኽ’ውን እናተዘከረ ዝነብር ውሳነ” ምዃኑ ድኅሪ ምግላጾም አቡን መቃርዮስ ብዚገበርዎ “ጻዕርን ድኻምን ዚተረኽበ ዓወት” እምበር ብቀሊሉ ዘይተረኽበ ምዃኑ ውሽጦም ቀሊዖም ነጊሮምና ኣለዉ። ሳላ’ዚ ውሳነ’ውን ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ማዕረ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ምዃና ከም ዝተረጋገጸን፤ እዚ’ውን ናይ ምእመናን ጸሎት ምዃኑ ሓድሽ ምግላጽን ርኽበትን ኣዘንትዮምልና ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ’ውን ደድኅሪ ስም ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ጸሎት “አቡን መቃርዮስ ጳጳስ ዘኣህጉረ ስብከታት” ብዘማሕጽን ኣገባብ ዘስደምም ቃል ኣስሚዖሙና ኣለዉ።

ክቡራት ኣንበብቲ ብዛዕባ’ዚ ወጺኡ ዘሎ ዜናን ተዛመድቲ ጉዳያትን ቀጥታዊ መልሲ ንምሃብ ዘይኮነስ፤ እዞም ሃይማኖትና ንምድኻም ብጉልባብ አቡነ እንጦንዮስ ንቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን እናደናገሩ፤ ተዅላዊ ዝኾነ ሕቡእን ጸኒሕን ኣጀንዳታቶም ዘሳውሩ ንዘለዉ መሳሕትያን: ኵሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ካብቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ነገራት ክሓቶን ከስተውዕሎን ብዛዕባ ዝግብኦ ነገራት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ሓዲሽ ዝፈጥርዎ ዘለዉ “ሲኖዶስ” ምዝክኻር ሰናይ ኮይኑ ስለዝተሰምዓና ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክንጽሕፍ ድሪኽት ፈጠረልና። እንሆ ከኣ፦

“ሓድሽ ሲኖዶስ” ብዘይ ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን

እዞም ካብ ቀደሙ’ውን ዘይኦርቶዶክሳዊ እኳ ደኣ መናፍቃዊ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከተኣታትዉ ዝጸዓሩ ሓራጥቃውያን፤ እቲ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ብኵሉ ውዳቤታቶምን ዓቕሞምን ዝፈተንዎ ፈተነ፤ ብኃይሊ ኣምላኽ ብረድኤት ቅዱሳነ እግዚአብሔር ምስ እምኒ ተራጺሙ ከንቱ ምስ ተረፈን፤ እቲ ሓቀኛ መንነቶም ኸኣ ብሊቃውንትን ብኣማኒ ሕዝብን ተቓሊዑ ግሁድ ምስ ኮነን፤ “ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ …” ከምዝብሃል ነቲ ተረፍ ዕላማታቶም ካብ ኣሜርካ ኮይኖም ዳግማይ ከበራብሩን፤ ናብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ተዘርጊሖም ከኣ ብዝተፈላለዩ “ግዳማዊ ኣካላት” እናተመወሉ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ክዘርጉ ይጽዕቱ ከምዘለዉን ካብ ዝኾነ ኣማኒ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ንዝኾነ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ ከይሓፈሩን ከይፈርሁን መልሓሶም እናዓጸፉ ንረብሓታቶም ክቕይሩ ዝፍትኑ እዞም ጉጅለ እዚኦም፤ ሓደ ካብቲ ከተግብርዎ ንነዊሕ እዋን ይሓልምዎ ካብ ዝነበሩ ጉዳያት ከኣ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጲያ ካብ ዘሎ ጸገም፤ ክፉእ ተሞክሮ ብምቕሳም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዘየለ ጽውጽዋይ ታሪኽ ንምድራስ ብምውጣን ባዕሎም “ሕጋዊ” ዘጠመቕዎ “ሓዲሽ ሲኖዶስ” ምፍጣር እዩ። በዚ ኸኣ ነቲ ኣማኒ ሕዝቢ ብምድንጋር፤ ውሽጣዊ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ምስ ፓለቲካዊ ጒዳያት ብምትሕሓዝ ካልእን ዓቢይን ኣጀንዳ ምኽፋት እዩ።

ብርግጽ ብሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፤ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ። ኣብ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝዓቢ ካልእ ምድራዊ ኣካል ፈጺሙ የልቦን፤ ክህሉ’ውን ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ሲኖዶስ ከኣ ብፓትርያርክ ዝምራሕ ጉባኤ ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐ ሓጋጌ ሕግ ዝኾነ በይናዊ ኣካል ከኣ ንሱ እዩ። ኣብ ሞንጎ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገርናን ፓትርያርክን ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእን ተዛመድቲ ጒዳያትን ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ዝተወስደ ውሳኔ ካብ ኵልና ዝተሰወረ ነገር ድማ ኣይኮነን። ኣብ ሞንጎ ኣቦታትና ፍቕርን ስኒትን ሰፊኑ፤ ሓድነት ተፈጢሩ፤ ናይ ሰላምን ምዕባለን ዜናታት ወትሩ እንደልዮን እንብህጎን ይኹን ደኣ እምበር፤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀራንዮ ዝተመሥረተት ፈተና ዘይፍለያ ስለዝኾነት ዘይተጸበናዮን ዘይሓሰብናዮን ነገራት’ውን ከጋጥም ንቡር ነገር እዩ። እቲ ኣብ እዋኑ መጺኡ፤ ኣምላኽ ኣብ ዝፈቐደሉ ከኣ ዝሓልፍ ፈተናን ሽግርን ንምንታይ ተኸሥተ ዘይኮነሲ፤ ልዕሊ ኵሉ ነፍስ ወከፍ ኣገልጋሊን ኣማኒን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝረአ ፈተና ብኸመይ መገዲ ሃይማኖቱ ኣጽኒዑ ክሓልፎን፤ ኣብ ትሕቲ ኣቦታቱ ኮይኑ ብኸመይ ክሰግሮን ከምዝግባእ ምፍላጡ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ኣብ መርከብ ዝጓዕዝ ሰብ ንምንታይ ማዕበልን ነፋስን መጸ ኢሉ ክጕሂ ዘይኮነስ፤ ብኸመይ መገዲ ክጻወሮን፤ እንታይ ክገብር ከምዘለዎን መምርሒ ኣለይቲ መርከብ ንዝነግርዎ ከይተጨነቐ ምስምዑን ምግባሩን እዩ እቲ ቀንዲ ድኅነት ዝኾኖ። እንተዘይኮይኑ ከምቲ ዘሎናዮ ኵነታት ኣብ ገሊኡ ዝረአ ዘሎ፤ ሰብ በብዝመስሎ ኣብ ዘይሥልጣኑን ደረት መዝነቱን ኣትዩ፤ ነናቱ ስጉምቲ ክወስድ ወይውን ሕጊ እናጠወየ ተርጒሙ በብዝመሰሎ ክፍንጨልን፤ ሕግን ሥርዓትን ኦርቶዶክሳዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተኸተለ ኣገባብ ጥራይ ዘይኮነሲ ነቲ ዝውዕሎ’ውን ፈጺሙ ዝጥቕሞ ኣይኮነን። ካብ ሡሩን ጒንዱን ዝተሰለዐ ጨንፈር ፈጺሙ ፍረ ከፍሪ ኣይከኣሎን እዩ።  እምበኣር እቲ ቅኑዕ’ሲ ኣብ ሞንጎ ኣቦታትና ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ናብ ሰላምን ፍቕርን ክምለስ፤ እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝኣቱ ዘሎ ሰይጣን ክርሕቕ በብዘሎናዮን ብጸሎትን ብጾምን ንኣምላኽ እናለመንናን፤ ምእመናን ብሓድነትን ብሓደ ልቢን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቖሙን ክምሕጸኑን ምምኻርን ምጽንናዕን እዩ ነይሩ እምበር ፍልልይ ዘጋድድ ኵነታት ምንብድባድ ንሰይጣን እምበር ንቤተ ክርስቲያን ዘርብሓ ኣይኮነን። ኣይኮነን እቲ ዝተነግረ ትንቢት ኣብ ልዕሌና ይፍጸም ከምዘሎ ክንኽሕዶ ዘይከኣል እዩ። እቲ ፍቁር ሓዋርያ ንዝበሎ’ውን ምስትውዓል ሰናይ እዩ “ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሢኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኲላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀዱ እዮም ዝወጹ።” (ቀዳማይ ዮሐ ፪፥፲፰-፲፱/2፥18-19)

ይኹን ደኣ እምበኣር እዚ ጉጅለ’ዚ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቲ ዝነበረ ሽግር ካብ ምፍጣሩ (ጠንቂ ካብ ምዃን) ክሳብ ነቲ ዝተፈጥረ ነቓዕ ኣብ ምግፍሑን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ነዳዲ ብምውሳኽ የጋድዶ ከምዝነበረ ሓቀኛ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ብሰነዳት’ውን ዝተሰነየ ጭብጢ ዘለዎ ነገር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጸኒሕ ዕላማታቱ ከተግብር ምእንቲ፤ ህላዌ ሰላም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ጉጅለ’ዚ ዘርብሖ ኣይኮነን። ስለዚ “ዕግርግር ዕዳጋ …” ኣጸቢቑ ስለዘርብሖ ህውከትን ዘይምስማማዕን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣንጊሡ፤ ክትግበሩን ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ከምጽኡ ንዝኽእሉ መደባትን ውጥናትን ብልኡኻቱ ኣቢሉ እናኾለፈ፤ ዕግርግር ዘምጽእን ዘየሰማማዕን መደባት ከምዝትግበር እናተባበዐ፤ መጋበርያታቱ እናዋፈረ ረብሓታቱ ከስፍሕ ዕድሉ ብምርሓብ፤ ጐድኒ ጐድኒ ኸኣ ካልእ ስዉር ዕላማታቱ ከሳውር ጥጡሕ ባይታ ምርካብ ሓደ ካብቲ ውጥናቱ እዩ።

በዚ መሠረት ከኣ ብስም “ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ” ዝምራሕ እየ እናበለ ንነዊሕ እዋን ክሽቕጠሉ ዝጸንሐ ሓደ ካብቲ ኣጀንዳታቱ ንኽሰልጦ ምስ ገለ ውሑዳት ጳጳሳት ግብጺ ብምስምማዕን (እዚ’ውን ሰፊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ፤ እቲ ውዲት’ውን ዓመታት ዘቝጸረን ቅድሚ ምሻም ኣቡነ እንጦንዮስ ዝጀመረ ጐድናዊ ምትእትታው ዘለዎ እዩ)፤ ንብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ አቡነ ሼኑዳ ሣልሳይ ብመቕርብቶም ኣቢሎም ከምዝቕበልዎን፤ ጊጉይ ሓበሬታ ብምሃብን ደድኅሪ ጳጳሳት ግብጺ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን “ክጓስይዎም” ብስም ኤርትራዊ ጳጳስ ንአቡን መቃርዮስ ከምዝሽየሙሎም ገይሮም። እዚ ኵሉ ተንኮል ሓደ ኣካል ናይቲ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል “ስደተኛ ሲኖዶስ” ንምቋም ኣቐዲሙ ናይ ዝተዓልመ ውዲት እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለዉ ጳጳሳት (መሪጌታ ሠመረአብ ወልደ ገብርኤል ብዝኣመሰሉ ልኡኻቶም ኣቢሎም) ጐስጓስ እናተገብረሎም ልቦም ከምዝሽፍትን እምቢታ ከርእዩን፤ ካልእ ናይ “ተጸንበሩና” ዕላማታት ከሳውሩ ምጽንሖምን፤ ናይዚ ሕጂ ዘሎ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊነትን ተቐባልነትን ክዳኸም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክህነት ይኹን ሕዝቢ ሰፊሕ ጐስጓስ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ብገብረሚካኤልን ሰዓብቱን ንዝመሓላለፍ “ትምህርትን” መልእኽትን ብደቂ መዛሙርቲ መሪጌታ ሠመረኣብ ኣቢሎም ከኣ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ መንእሰያት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ውሽጢ ሃገር ክዝርግሑ ገሊኦም ብጭብጢ ከምዝተተሓዙ ዝዝከር እዩ። ካብኡ ናብኡ’ውን ብፍሉይ ኣብ ውሉደ ክህነት ብምትኳር ብዙኃን ውሉደ ክህነት ብአንብሮተ እድ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ዝተሾሙ ጳጳሳት እምበር ናብ ካልኦት ጳጳሳት ከይዶም (“ውጉዛት ስለዝኾኑ” እናበሉ) ከይቅብኡ ሰፊሕ ምድንጋር ኣካይዶም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት ወኪላት ብምቛም ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ዕላማታቶም ክጽንበሩ ንዝኽእሉ ከናድዩን፤ ንጊዜያዊ ጸገማት ስደት መዝሚዞም ብረብሓታት ከታልሉን ጸኒሖም እዮም። ብፍላይ ከኣ ንመነኮሳት ክሳብ “መንበር” ነቕውም ስለዘሎና “ጵጵስና” ከነሹመኩም ኢና ብምባል ብመቕርቦም ኣቢሎም ክንደይ ጠባሪ ጐስጓስ የካይዱ ምንባሮም ዝተፈልጠ እዩ። ንዝኣበይዎም ከኣ ኣብ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዕቝባ ከይረኽቡን፤ ኣብዚ ጉጅለ ዘይጽንበር ዘበለ ክሰጕዎ ምዃኖም ብካልኣይ ኢድ ናይ ምፍርራሕ ተግባራት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ከይሓፈሩን ከይሓነኹን ነቶም ዘይደገፍዎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስምኩም ኣኅሊፍና ንመንግሥታት ኣውሮጳ ክንህብን ከነጠርዘኩም ኢና ዝብል ምልክታት ኣብ መርበብ “ሃይማኖተ አቦው” ብዝኣመሰሉ መሰል መርበብ ሓበሬታ መናፍቃዊ ጉጅለታት የፋራርሑ ምንባሮም'ውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘለዉ ገዳማት’ውን ገለ መነኮሳት ገዳማቶም ገዲፎም ክወጹን ናብ ስደት ከምርሑን ንሳቶም ከኣ ዘድሊ ሓለፋታት ከምዝገብሩሎምን ካልእ ሹመት’ውን ከምዝጽበዮም ዝከኣሎም ጐስጒሶም እዮም።

እዚ ኵሉ እምበኣር ነቲ ከቝምዎ ዝደልዩ “ሲኖዶስ” ክውን ንምግባር ካብ ዘለዎም መሰሪ ዝኾነ ጥሙሕ ዝብገስ እዩ። አቡን መቃርዮስ ከኣ ምስቲ ዘሎዎም “ዘይንጹህ” ድኅረ ባይታን፤ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን መራሕትን ዘሎዎም ንዕቀት ብዝመንቀሊኡ፤ መንፈስ ቅድስና ዘይኮነስ መንፈስ ጽርፈት ዝተመልኡ ብምዃኖም፤ መምስ ድሌታቶም ነዚ ጉጅለ ጽቡቕ ባይታ ኮይኖሞ ይርከቡ። ብመሠረቱ’ውን ብዝኾነ ሕጋዊ ባይታ ንቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን እምበር ንኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ክዛረቡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ንኤርትራ ብወግዒን ክብርን ዘረከበታ መንበር ዳግማይ “ክትቖጻጸሮ” ግዲ ደልያ፤ ንኣቡን መቃርዮስ ዝኣመስሉ ኣባላታ ሰዲዳ “ንእሾኽ ብእሾኽ” ብዝዓይነቱ ሜላ ንሕድሕድካ ብምንቋት ክትጥቐምን ትፍትን ከይትህሉ እምበር፤ ኣብ ውሽጣዊ ጒዳይ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ነገር ከተካውስን ኢዳ ክትመልስን ዘኽእላ ሕጋዊ መሠረት የብላን። ንቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን መራሕታን ዘሎና ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፤ ብፍላይ ብገለ ውሑዳት ጳጳሳቶም ብዝድገፍ ኣካይዳ፤ ኣብ ዘይመንጠቢቶም ኢዶም ክመልሱን፤ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዉ ተግባራት ክፍጽሙልናን ግና ፈጺምና ከነፍቕደሎም ዝግባእ ኣይኮነን።

ብዝኾነ ኮይኑ እዚ ኣትላንታዊ ጉጅለ’ዚ እቲ ኵሉ ክፈትኖ ዝጸንሐ ምርካብ ወይውን ምሻም ኤርትራውያን “ጳጳሳት” ኣይሰለጦን ግዲ፤ ኣባል ቅብጣዊት ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝኾኑ ብባርኾት ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ብኣቡን መቃርዮስ ኣቢሉ “ሕጋዊ ሲኖዶስ” ከምዘቖመ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እግረ መገዱ የዘካኽረና ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ሕጥበ ጽሑፍ ወግዓዊ ዜናኦም ከምዚ ይብል “ናይ እስክንድርያ ዘመንበረ ማርቆስ ሓዋርያ፤ ብ30 ግንቦት 2012 ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፤ እቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ዚምራሕ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ሕጋዊ ኣካል ምዃኑ ብምርግጋጽ”።

እምበኣር ክቡራንን ክቡራትን ሕዝቢ ኤርትራ፤ ገለ ውሑዳት ሕቶታት ከነስተውዕለሎም ክንላበወኩም ንፈቱ፦

እዚ እስክንድርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣረጋጊጻቶ ዝብሃል ዘሎ ሓድሽ “ሲኖዶስ” ብየናይ ሕጋዊ ባይታ እዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኽቐውም ዝኸኣለ? ብየናይ መምዘኒ ከኣ ኣብ ልዕሊ ናጻ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ከምዚ ዓይነት ምፍራስ ሕግን ክሕደት ልዑላዊነትን ክስግደድ ዝፍተን ዘሎ? ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንዝተፈጸመ ውዕልሲ ካብ መሠረቱ ኣየፍርሶን ዶ? እቶም ብስሞም ዝንገድ ዘሎ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ’ከ ካልእ “ሓድሽ ሲኖዶስ” ብስሞም ክቐውም “ባሪኾም” ፍቓዶም ምዃኑ ኣፍሊጦም ድዮም? ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን’ከ ሲኖዶስ ካብ’ቲ ዝጽውዓሉ ሃገር ወጻኢ ክቐውም ተራእዩን ተሰሚዑን ይፈልጥ ድዩ? ሕጋዊን ታሪኻዊን መሠረት ኣለዎ ድዩ’ኸ? ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣየናይ ሕግን ውዕልን እዩ ኣብ ውሽጣዊ ጒዳይ ካልእ ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ሕዝብን ክንዲ’ዚ ዝኣክል ዶቡ ዝጠሓሰ ውሳነታት ከተሕልፍ መሰል ዝሃባ? በየናይ መምዘኒን ሕግን እዩ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ከም ዘይሕጋዊ ክውሰድን ክግምገምን ዘኽእሎ? መን’ከ እዩ ሓንሳብ ንዝለበሶ ሕጋዊነት ክምንጥሎ መሰል ዘለዎ? ወቦ ዘተርፈ… ዝብሉ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል።

ካልእ ጥንታውያን ሕግታት ቤተ ክርስቲያን ንጊዜኡ ኣጽኒሕና፤ ብ1998 ዓ.ም. ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተፈረመ  ፲፭/15 ዓንቀጻት ዘለዎ ውዕል ርግእ ኢልና እስቲ ነንብቦ። ምስቲ ሕጂ ንብሎ ዘሎና ልዑላዊነትን ሥልጣንን ኣመልኪትና ንገለ ምዕራፋት ክንጥቐስ።

ዓንቀጽ ፩ (1)፦

The Church of Alexandria recognizes the autocephally (independence) of the EOC.

ዓንቀጽ ፭(5)፦

Each Church has her own Holy Synod to care for her affairs. The resolutions of the two Synods should be exchanged regularly.

እምበኣር ጕዳይ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስን ካልእ ተዛማድቲ ጕዳያት ቤተ ክርስቲያንን፤ ንኵሉ ሃይማኖቱ ዘፍቅርን፤ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያኑ ዝግደስን ኣካል ዘየጒህዮ ኣይኮነን። እዚ ማለት ድማ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ተዓቂቡ፤ ብመንጽር ልኡላዊነት ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ሲኖዶስን ክረአን ክምርመርን ዝግብኦ ጒዳይ እምበር፤ ዘዝደለየ ስለበበይኑ ዕላማታት መሸቀጢ ክገብረሉ ዝግባእ ኣጀንዳ ኣይኮነን። ንቤተ ክርስቲያናን ኣቦታትናን ጥራይ ክግደፍ ዘለዎ እዩ። ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን’ውን ከም መንበረ ማርቆስ፤ ነቲ ዝኣተወቶ ውዕል ከተኽብርን፤ ልኡላዊነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተቐቢላ፤ ስለቲ ዝተፈጥረ ሽግር ከም ማዕረ ክልተ ኣኃት ኣካላት ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገርና ክትላዘብን ክትማኽርን፤ እወታዊ እጃማ ከተበርክትን እምበር፤ ብደገ ደገ ምስቶም ሕማቕ ታሪኽ መናፍቕነትን ድርብ ዕላማታትን ንዘለዎም ኣካላት ሕጋዊ ኣፍልጦ ክትህቦምን ዘምህረላ ዘይኮነስ ተሓባባሪ እኩይ ዕላማታቶም ዝገብራ እያ እሞ ክትልብመሉ ነተሓሳስብ። ወይስ ከምቲ ኣብዚ ዝናወጽ ዘሎ ዓለም ዝግበር ብዘሎ ቅዲ ፖለቲካ፤ ኣብዚ ደገ “መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ (ሲኖዶስ)” ተቕውም እንተላ ድማ ብወግዒ ከተፍልጠና ክንሓታ ኢና። ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ዝበጽሐ ነገር ካብ ልቢ ዝስምዓና ብምዃኑ፤ እቲ ዘይምስምማዕ’ውን ናብ ሰላምን ስምምዕን ክምለስ ንኣምላኽና ንልምኖ እኳ እንተኾነ’ውን፤ ብመንጽር ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስ ጥሒስና ክንከይድ ግና ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ የብልናን። ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን’ውን ብቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያንና ንዝውሰድ ውሳነ፤ ክሳብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝተኸተለ ክትቕበሎ እምበር ክትነጽጎ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ዝፈረመቶ ውዕል’ውን ዘነጽሮ ንሱ እዩ። (ኣንቀጽ 11)

“Both Churches are committed not to depose and replace a Patriarch or a Bishop of her own in his life time, unless his deposition is decided by the Holy Synod of his Church, through a canonical procedure”

ብዝተረፈ እምበኣር እዚ ዝተፈነወ ዜና’ዚ “ሓድሽ ሲኖዶስ” እንበለ ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ከምዝመሥረተ ይነገረና ኣሎ እሞ፤ ትምኒቶም እዩ እሞ እንታይ ክንብል ኢና። ምናልባሽ ንዘይግብኦም እናሓዋወሱ “ክህነት” ንዝዕድልዎም “ጳጳሳት” ዝብልዎም እንተኾይኑ ግና ኣይንፈልጥን ኢና። እቶም “ክህነት” ዝህቡ አቡን መቃርዮስ’ከ እታ ብናይ ኣባ ተስፋልደት ኣድኃኖም ትምራሕ ዝነበረት ኮሚቴ ምጽራይ “ንጽህና”፤ ጭቡጥ ውጽኢት መርመራኣ “ክህነት” ንምሃብ ተብቕዖም’ዶ ትኸውን ኢልና ክንሓትት ክንግደድ ኢና። ንቤተ ክርስቲያን ዝደፈረ፤ ክድፈር ዘይተርፈሉ እዩ እሞ፤ ክቡር አቡን መቃርዮስ ነቲ ኣብ ኤርትራን ኣቦታታን ዘሎኩም ቅርሕንቲን ንዕቀትን፤ ንቤተ ክርስቲያን ሓድነታ ብምዝራግ ሕነ ትፈድዩ እንተሎኹም ግና ኣምላኽ ክፈድየኩም ምዃኑ ከነዘካኽረኩም ንፈቱ።    
ይቕጽል።
--------------------------------------------------------------------------------------

6 comments:

  1. this very confusing

    ReplyDelete
  2. Guday nay Bitsue WeQdus Abune Entonios MeElebi keyrekebe nay bietekrstiyan'na Hadineta KitseniE kebid eu. Amlak Selam MedhanieAlem Selamn Hadinetin Yehabena.

    ReplyDelete
  3. I'm very confused who to believe

    ReplyDelete
  4. kubur xehafi ane hanti neger kehateka ydeli neza htoy kea ktkbeleni tesfa ygebr ezi kbl keleku n maedot maletey eye guday abune enthonyos mesar mthas hgi aykonen diyu hgi entetetahse ke ageb mbal ayfkedn diyu bzterefe slexhufka yemesgneka hzbi kea axebiku kestewl metan

    ReplyDelete
    Replies
    1. Zkeberka wehabi r'eyto bmejemerta sle tegedasnetka emesgneka. Bwegeney ezi hasabka xbuq eka entekone anewn nhtoka bhto kmlselka bah mbeleni.

      Bza'eba Abune Antonios nska tfelto neger alo do? Maletey Abune Antonyos bmengsti zeykonus bkidus Sinodos eyom kab sltanom weridom. slezis bkidus sinodos nztewesde sgumti dea entay ageb mbal adlywo!!!

      Delete
  5. zkeberkum adalewuti maedot bztekurubula zelekum azina hugusat ena.nzyada gin dhri bayta nay abune mokoryos nay atlanta bsefihu entetkrubulna des mblena neru . ezabher nhaymanotnan hagernan mhretn selamn yhabena

    ReplyDelete