Tuesday, January 8, 2013

“እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ” ሉቃ ፲፩፥፴፭/1፪35


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤ ምስ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ጸብጺባ ካብ እተኽብሮም እቲ ሓደ በዓል፤ ትንቢት ነቢያት እተፈጸመሉ፤ ትጽቢት ኣዳምን ደቁን ክውን ዝኾነሉ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ልደት ጐይታ ከም ታራ ልደት ደቂ ሰባት ዘይኮነስ፤ ብልሳን ሰባት ተዘርዚሮምን ተተንቲኖምን ዘይውድኡ ዕፁብ ዝኾኑ ምሥጢራት ዝተመሥጠሩሉ፤ ቅድሚኡ ዘይተራእየ ድኅሪኡ ዘይድገም ዘደንቕ ድንግልናዊ ልደት ዝተፈጸመሉ፤ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ቤዛ ክኸውን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንዓለም ዝተጋህደሉ ብምዃኑ ወትሩ “አማን በአማን መንክር ስብሐተ ልደቱ” እናበለት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስ ደቃ ክትውድሶን ከተስተንክሮን ትነብር ኣላ።

ኣቦና ኣዳም ፯ተ ዓመት ኣብ ገነት ብተድላን ብፍስሓን ድኅሪ ምንባር፤ ብክፉእ ምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊሉ ትእዛዝ እግዚአብሔር ብምፍራሱ፤ ባዕሉ ብዘመጽኦ ውድቀት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተነግሮ ኣብ ልዕሊኡ ሞት ተዓወጀ። ኣምላኹ መሲሉ፤ ብርሃን ለቢሱ ክነብር ዝተፈጥረ ኣዳም ብሰንኪ ዝፈጸሞ በደል፤ ጸጋኡ ተገፊፉ ጸልማት ወሓጦ። ነዛ ምድሪ ድማ ብዘይወግሕ “ጸልማት” ንኽትጽልምት፤ “እሾኽን ተዀርባን” ንኽተበቝል ምኽንያት ኮነ።

ኣምላኽ መሓሪ እዩ እሞ ምስቲ ናይ ሞት ፍርዱ፤ ከምቲ ግብሪን በደልን ኣዳም ከይከደ ተስፋ ምሕረት፤ ተስፋ ድኅነት ሃቦ። (ዘፍ ፫፥፲፭/3፥15) ገነት እትመስል ስፍራ፤ ፈጣሪ ዝኾነ ጐይታ ብምስኣኑ ኣብ ጣዕሳ ኣትዩ፤ ኣብ ሓዘን ወዲቑ ንዝነበረ ኣዳም መሊሱ ድኅሪ ፭ተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓሉ ተወሊዱ ከምዘድኅኖ ቃል ኣተወሉ። (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ)። ነዚ ሕያው ተስፋ ድማ በብዘመኑ ንዝተንሥኡ ነቶም ዝቐደሙ ኣበውን ነቢያትን እናገለጸ፤ ብዝተፈላለየ ኅብረ ትንቢትን ምሳሌን ክንበዩን ክምስሉን ይገብር ነበረ። ሕዝቡ ድማ ነቲ እግዚአብሔር ሓንሳብ ንኣዳም ዝኣተዎ ተስፋ ብነቢያት ኣቢሉ በብዘመኑ ይሕደሰሎምን፤ የጸንዓሎምን ብምንባሩ ነቲ ተስፋ ድኅነት የማዕድዉዎን፤ ነታ መዓልቲ ጐይታ ኣዕዚዞም ይምነይዋን ነበሩ። (ዕብ ፩፥፩/1፥1 ማቴ ፲፫፥፲፮-፲፯/13፥16-17) ብምሳሌን ኅብረ ትንቢትን ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዘመን ኣቕሪቡን፤ ነቲ ትንቢት ድማ ኣግሂዱን ከም ወንጌል ቃል ብቃል ብዛዕባ እዚ ነገር ካብ እተዛረቡ ነቢያት ልዑሉ ቃል ነቢዪ ኢሳይያስ ብቀዳምነት ይጥቀስ። ንሱ “እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም እዩ፤ እንሆ ድንግል ክትጠንስ፤ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፤ ስሙ’ውን አማኑኤል ክትሰምዮ እያ” ኢሉ ብምዝራብን “ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ’ውን ተዋሂቡልና…” ብምባልን ድንቂ ልደት ጐይታ ኣቐዲሙ ነገረና። (ኢሳ ፯፥፲፬/7፥14 ፱፥፮/9፥6)

ነቲ ዘይገብሮ ዘይዛረብ፤ ነቲ ዝተዛረቦ ድማ ዘይተርፍ ኣምላኽ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ፤ ብመሠረት ዘዛረቦ ትንቢት፤ ዘቝጸሮ ሱባኤ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ሓዋርያት ድማ ብኣእዛኖም ስለዝሰምዕዎ፤ ብኣዕይንቶም ስለዝረኣዩ፤ ብኣእዳዎም ስለዝረምሰስዎ “እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ …” እናበሉ ዝሰብኩ ኮኑ። (ማቴ ፪፥፩/2፥1 ሉቃ ፬፥፯/4፥7 ቀዳማይ ዮሓ ፩፥፩ ማቴ ፩፥፳፪/1፥22) ዓመት መጸ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንትንቢት ነቢያትን፤ ንስብከት ሓዋርያትን እናሰማምዐት ልደት ጐይታ ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ምሥጢር ዝሓዘለ ምዃኑን፤ ንደቂ ሰባት ኸኣ ዘለዎ ሕያው ትርጉምን መልእኽትን ብምግላጽ ብዓቢይን መንፈሳዊ ሥርዓትን ክትውድሶን፤ ክትቅድሶን፤ ክትሰብከሉን ትሓድርን ትውዕልን። ነቲ ክትዝምሮን ከተንብቦን፤ ክትሰብኮን እትሓድርን እትውዕልን ቃል ድማ ምስማዕን ጽን ምባልን፤ ኣብቲ ዝንገር ቃል ምጽናዕን ድማ ናትና ናይ ኵልና ናይ ደቂ ሰባት ግደ እዩ። ምስማዕ ጥራይ ዘይኮነስ ምፍጻም፤ ምፍጻም ጥራይ ዘይኮነ ድማ ነቶም ዘይሰምዑ ምስማዕ’ውን ሕጂ’ውን ናትና ግደ እዩ።

እምበኣር ልደት ጐይታ ነቲ ዝጸልመተ ዓለም ድሙቕ ብርሃን እዩ። ነቢያት’ውን ትንቢቶም ኣብቲ ጸልማት ዓለም ክበርቕ ብዛዕባ ዝነበሮ ኣማናዊ ብርሃን እዩ ነይሩ። “እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም።” ብምባል ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ጸልማት ዓለም ዝበረቐን፤ ንጸልማትን ድነ ሞትን ዝቐንጠጠ ፀሐየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ገሊጾም እዮም። (ኢሳ ፱፥፪/9፥2 ሚል ፬፥፪/4፥2) ሓዋርያት’ውን ስብከቶም ንሱ እዩ ነይሩ (ቀዳማይ ዮሓ ፩፥፲፭/1፥15)። ብርሃንና ኣብ ቅድሚ ሰብ ክበርህ፤ ብርሃናት ዓለም ኮይንና ክንርከብ ዝኣዘዘ ባዕሉ ፈጣሬ ዓለማት ኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ነጊሩና እዩ። “አነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም” (ኣነ ብርሃን ዓለም እየ) (ዮሓ ፰፥፲፪/8፥12)

ኣብ ዓለምና ብርሃን እትፍንወልና ሓንቲ ፀሓይ ከም ዘላ፤ ብርሃን ዝዕድል፤ ምንጪ ብርሃን ዝኾነ ሓደ ኣማናዊ ፀሓየ ጽድቅ ድማ ኣሎና። ንሱ ድማ ሓደ ጐይታ እዩ። ደቂ ሰባት ብዘይ ብርሃን ፀሓይ ኣብዚ ዓለም ክነብሩ ከምዘይክእሉ፤ ብዘይ እቲ ኣማናዊ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ፈጺሞም ብሕይወት ክነብሩ ኣይከኣሎምን እዩ። ብርሃን ዝኾነ ጐይታ ነቲ ኣብዚ ዓለም ነጊሡ ዝነበረ ጸልማት ከምዘርሓቖ፤ ንሕና ከኣ ወትሩ ኣብ ውሽጢ’ዚ ብርሃን ክንመላለስ፤ ብብርሃኑ ክንነብር፤ ግብሪ ብርሃን ክህልወና፤ ብስም ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ደቂ ብርሃን ተባሂልና ክንጽዋዕ፤ ብዛዕባ’ዚ ብርሃን ክንምስክር፤ ኣጽዋር ብርሃን ክንለብስ፤ ቅዱስ ቃሉ ይዛረበና ኣሎ።

እቲ ዘይጠፍእ ኣማናዊ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንሳብ ንዓለም እኳ እንተበርሀ፤ ደቂ ጸልማት ግና ካብ ጸልማት’ዚ ዓለም ርሒቖም ናብዚ ብርሃን ክመጹን፤ ብርሃኑ ከበርሃሎምን ኣይርከቡን ኣለዉ። እቶም ኣብ ቅድስት ቤቱ ዘሎና’ውን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፤ ብድኻም ሥጋ ይኹን ብሸለልትነትና፤ ብለይቲ እናኸደና ብጸልማት ክንዕንቀፍ ንረኣየሉ እዋን ይበዝኅ ኣሎ። እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብቲ ቤተ ብርሃን ዝኾነ ቅድስት ቤቱ ዝተፈለና’ውን ኣብ መገዲ ጸልማት ጸኒዕና፤ እኩይ ግብርና ናብ ብርሃን ከይቐርብ እሞ ከይቅላዕ ካብ ብርሃን ርሒቕና ንነብር ዘሎና ውሑዳት ኣይኮናን። ስለዚ ብዝሓለፈ ሥርየት ብዝመጽእ ድማ ዕቀበት ረኺብና ናብዚ ብርሃን ክንወጽእ ብንስሓ ክንምለስ ይግባእ።

እምበኣር ብርሃነ ልደቱ ከነኽብር ከሎና፤ ስለቲ ዓመት መጸ ነቲ በዓል እንጽንበለሉ ሥጋዊ ኣበዓዕላን መድረኻቱን ዘይኮነስ፤ ስለቲ ብርሃን ዝኾነ ጐይታ ክንሓስብ ሓቀኛን ብርሃናዊን ትርጉም ናይዚ በዓል ብምስትንታን ክኸውን ይግባእ። እዚ ብርሃን እዚ ኣብ ነፍስ ወከፍና የብርህ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንርእስና ምፍታሽ ግድን ከግድሰና ይግባእ። ብሓቂ እዚ ብርሃን’ዚ ኣብ ውሽጥና እንተሎ፤ ተስፋና ድሙቕ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግና ኣባና ንዝመላለስ ዘሎ ጸልማት ከነርሕቖ ይግባእ። ካብ ዘይምለስ ናይ ‘ጽባሕ’ ጣዕሳ፤  ደቂ ኣዳም ዘብልና ነቲ መርዓዊ ንምቕባል ‘ሎሚ’ ብእዋኑ ዘይትና ክንመልእ ቀንዴልና ከነብርህ ይግባእ። ቀንዴልና ከይጽልምት’ውን ተጠንቂቕና ክንሕልዎ ግድነት ይኸውን።

ብርሃነ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንብል ከሎና’ውን፤ እቲ ሓንሳብ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተፈጸመ ድንቂ ልደት ጐይታ ጥራይ ዝምልከት ገይርና ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ምሥጢርን ዝተገልጸ ድንቂ ሥራሕ ኣምላኽን፤ ወትሩ ኣብ ልቦና ደቂ ሰባት ኣብሪሁ ምእንቲ ክነብር እዩ። እዚ ብርሃን’ዚ ሕይወት እዩ። እዚ ብርሃን’ዚ ጸጋ እዩ። እዚ ብርሃን’ዚ ወንጌል እዩ። ከም ምዃኑ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ጸልማት ዘለዎ ከብርህ ይግባእ። ኣብቲ ብቀቢጸ ተስፋ ዝተሸመመ ሕይወት፤ ኣብቲ ብሓጢኣት ዝተመልአ ሕይወት፤ ኣብቲ ብክፉእ ግብርታት ዝሥልጠነ ሕይወት፤ ኣብቲ ርኽሰትን ተንኮልን ዝመልኦ ሕይወት፤ … እዚ ብርሃን’ዚ ክበርህ ይግብኦ እዩ።  ሎሚ እዚ ብርሃን’ዚ ኣብ ነፍስ ወከፍና ደሚቑ ክብርህ ይግብኦ። ንሱ እዩ ድማ ትርጉም ብርሃነ ልደት።


No comments:

Post a Comment