Friday, January 4, 2013

ኣገደስቲ ውሳነታት ዘኅለፈ ሥሙር ጉባኤ!


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ብዕለት ፳፭ ታኅሣሥ ፳፻ወ፭ ዓ.ም. (03/01/2013) ኣሥመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፤ ኃባራዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስን ገዳማት ኤርትራን ከምዝተኻየደ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። እቲ ብኃያል መንፈሳዊ ቅንዓት ተመሊኡ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣዝዩ ርሱንን፤ ብዘይ ዕረፍቲ ንነዊሕ ሰዓታት (ልዕሊ ፯/7 ሰዓታት) ዝቐጸለ ምንባሩን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ኣገዳሲ ጉባኤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ካብ ዝካየድ፤ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ፲ ዓመታት ንመጀመርታ ጊዜ ምዃኑ’ውን ምንጪታትና ወሲኾም ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ።

እዚ ጉባኤ’ዚ ድኅሪ ውግዘት ሠመረኣብ፤ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ንኽመያየጡ ዕድል ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ዝተኻየደ ኮይኑ፤ ብቀንዱ ገዳማት ኤርትራ ብዛዕባ ኣልዒሎሞ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ሕቶታት ንምምላስን ንምርድዳእን ዝዓለመ ምንባሩ  ተፈሊጡ ኣሎ።

በዚ መሠረት ከኣ ፤ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ሰፊሕ ናይ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኖም ዝቐረቡ ሠለስተ ኣርእስቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም ነይሮም።
1.      
          1. ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ዝተኣወጀ እሞ ኣካታዒ ርእሲ ኮይኑ ዝጸንሐ፤ ግዱድ ምቕባል ቅዱስ ቍርባን ኣብ እዋን ምእሳር ቃል ኪዳን

     2 ምእጋድ ኅትመት ቅዱሳትን መንፈሳዊያን መጻሕፍቲ
3
    3. ጉዳይ ምትእትታው ምስሉያት መናፍቓን ኣብ ቤተ ክርስቲያን (ውሽጥን ደገን)

    ብዛዕባ እዞም ኣገደስቲ ዛዕባታት፤ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝርከብዎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ዳርጋ ካብ ዝበዝኁ ገዳማት ኤርትራ ዝተወከሉ ገዳማውያን ኣቦታት ርሱን ዝኾነ ምምይያጥን ልዝብን ብምክያድ፤ ንሎሚ ይኹን ንመጻኢ ኣገደስቲ ዝኾኑ ውሳነታት ብምሕላፍ ኣኼባኦም ከምዝዛዘሙ ብመገድና ካብ እሙናት ምንጪታትና ከነረጋግጽ ክኢልና ኣሎና።

 ዛጊት በጺሑና ብዘሎ ሓበሬታ፤


1.     እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዘይ ምኽርን ምድላዋትን ወጺኡ ዝነበረ ሓድሽ መምርሒ ግዱድ ምቕባል ቅዱስ ቍርባን ተሪፉ፤ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ዝቕጽለሉን፤ ኮይኑ ግና መምህራነ ንስሓ (ኣበ ነፍስ) ግዴትኦም ከልዕሉን ብዝግባእ ክጓስዩን፤ ነቶም ተቐሪቦምን ተዳልዮምን፤ ተነሲሖም ተጠንቒቖም ዝመጹ ሕጹይት ብቅዱስ ቍርባን ተኽሊል ክኣስሩሎም፤ ነቶም ዘይተቐረቡ ድማ ድኅሪ ቃል ኪዳን ምፍጻሞም፤ ምሂሮምን ምዒዶምን ኣነሲሖምን ከምቲ ሕገ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንቅዱስ ቍርባን ከብቕዕዎም ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ኣሎ።

2.     እቲ ቅዱሳትን መንፈሳዊያን መጻሕፍቲ ከይኅተም ብዛዕባ ተኣጊዱ ምጽንሑ ግና፤ ንኵሉ ዘገረመ ርእሲ ኮይኑ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘይፈልጦን ብዘይወዓለሉን “ምምሕዳራዊ” ኣካል ብርእሱ ነዚ ውሳነ’ዚ ከተግብር ምጽንሑ ተኸሺሑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ጠቒስናዮ ከምዝጸናሕና፤ እዚ ኣንጻር ሃይማኖትና ዝተዓለመ ውዲት፤ ብገዳማውያን ኣቦታት ኣብዚ ጉባኤ ከም ዝበርዓነ ምንጪታትና ሓቢሮምና ኣለዉ። ብንጹር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝቕጽል መደብ እንተዘይፈለጥና’ውን፤ እቲ ቅድሚ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ግና ውሽጢ ውሽጢ ሃይማኖትና ከምቲ ዝግብኦ ከየሳጕም ዕንቅፋት ኮይኖም ብዘለዉ ኣካላት ተጠጂኡ ከምዝጸንሐ ግና ኣየጠራጥርን። ይውዓል ይሕደር ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከይኅተም ዝእግድ ሕጊ ከምዝለዓል ምንጪታትና ሓቢሮምና ኣለዉ። ብርግጽ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ፈጺሙ ኣብ ከምዚ ዘሕፍር ተግባራት ኢዱ ከምዘይጸንሖ ተገሊጹ ኣሎ።  ይኹን እምበር ቅዱስ ሲኖዶስ ኣዊጅዎ እዩ እናተባህለ ብስሙ ይሥራሕ ከምዝነበረ ግና ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

3.     ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ እዋን ኣዝዩ ኣሰካፍን ኣዘራርብን ኮይኑ ዘሎ ጕዳይ መናፍቓን’ውን፤ እዚ ጉባኤ’ዚ ብመርትዖን ብምስክርን ናይ ዝተፈጸመን፤ ውግዘት ጥሒሱን ኣቃሊሉን ብዛዕባ ዝኸደን፤ ብቀደሙ’ውን “ኣማኒ” ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ ዘየድፍር ሠመረኣብ ዝለዓለሉ ጊዜ ከምዘበቕዐ ብምጥቓስ፤ የግዳስ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገራት፤ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተሰግሲጎምን ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ መናፍቅነት ተሓንጊጦምን ብዛዕባ ዝዓዩ ዘለዉ ካልኦት “ሠመረአብ” ግና ዝዝረበሉን ዝምርመረሉን እዋን ከምዝበጸሐ ብኣንክሮ ከምዝተመኽረሉ ምንጪታትና ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ።

በዚ መሠረት ከኣ እዚ ሥሙር ጉባኤ’ዚ፤ ኦርቶዶክሳዊያን ደቂ ሃይማኖት መሲሎም፤ መናፍቓዊ ትምህርትን ካልእ ዕላማታትን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን የተኣታኣትዉ ንዘለዉ መሠርያን ንምልላዮምን ንምክትታሎምን፤ ብዛዕባ’ዚ ዝመኽሩ ካብ ምሉእ ሃገር ካብ ኵሉ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝውከሉሉ ጉባኤ (ማለት ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ፤ ገዳማት ኤርትራ፤ ሊቃውንተ ኤርትራ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን)  ኣብ ቀረባ ጊዜ ክካየድ ወሲኑ ኣሎ።  በዚ መሠረት ከኣ እቲ ዝመጽእ ኣኼባ ፲፬ ጥሪ ፳፻ወ፭ (22/01/2013) ዓ.ም. ክግበር ብሓደ ቃል እዚ ሥሙር ጉባኤ ተሰማሚዑ ኣሎ።

ርእይቶና

አማን በአማን ነዚ ክንሰምዕ ዘብቕዓና እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። ኣቦታትና ብኸምዚ መገዲ ስለ ሃይማኖት ምትንሥኦም መደብ ፈጣሬ ኵሉ ዓለማት እግዚአብሔር እዩ ኢልና ንኣምን። ስለ ሃይማኖት እህህ… ዝብል ተሳኢኑ፤ ኵሉ ከከም መገዱ ክኸይድ ኣብ ዝደለየሉን ኣብ ዝፈናጨለሉን እዋን፤  ብፍላይ ካብ ዓዲ ርሒቕና ንእንርከብ፤ ከምዚ ዓይነት ዜና ክንሰምዕ ከሎና ክንደይ ባህ ዘብል እዩ።፤ እዚ ብኣቦታትና ቅዱስ ሲኖዶስ ይኹን ብገዳማውያን ኣቦታት ዝውሰድ ዘሎ ውሳነታት ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ መገዲ ካብቲ ክትጸድፈሉ ዝጸንሐት መገዲ ናብቲ ቅኑዕ ማእዝን ከምዝመልሳ ተስፋና ዓቢይ እዩ። እዚ ንሰምዖ ዘሎና ተበግሶታት፤ ኣብ በብዘለናዮ ከባቢ ኣየረኻኽቡልናን እዮም ብዝዓይነቱ ሥጋዊ “ናጽነት” ተደሪኾም፤ ሃይማኖታውያን መሲሎም፤ ሃይማኖትናን ሥርዓትናን ንዝጽይቑልና ዘሰንብድ፤ ነቲ ሃይማኖት ኣቦታተይን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያነይን ኢሉ ንዝጣበቕ ውሉደ ሃይማኖት ድማ ልዑል ተስፋ ዝዘርእ እዩ።

ስለዚ ኣቦታትና ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ፤ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲ ኮይንኩም ብዛዕባ ሕማምን ጭንቅን ቤተ ክርስቲያን ክትዛረቡ፤ ነቲ መበገሲ ኵሉ መንሽሮ ኮይንዎ ዘሎ “ምምሕዳራዊ” ኣካል ድማ በቲ ተኣምራታዊ ጸሎትኩምን ቃልኩምን “ክትፍውስዎ” ሓደራ ንብል። ድሮ እኳ ካብቲ ዝገብርኩሞ ጉባኤታት፤ ክንደይ ጉድ ትቐልዑ ከምዘሎኹም፤ ካብ ዝበጻሕና ሓበሬታ ንርዳእ ኣሎና እሞ፤ “ጭራ ነብሪ ዘይምሓዝ፤ እንተሒዝካ ድማ ዘይምግዳፍ” እዩ እሞ፤ ክትቕጽልዎ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ሃይማኖቱን ሃገሩን ዝፈቱ ሕዝበ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን ድማ ምሳኹም ከምዘሎ ከምዘይትስሕትዎ ንኣምን ኢና። 

ልዕሊ ኵሉ ድማ ብሓደ ልቢ ኮይንኩም ክተመኽሩን፤ ክትውስኑን ከሎኹም፤ ብዛዕባ እታ እንጽበያ ሓቀኛ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ዘሎና ተስፋ ዝያዳ ብሩህ ይኸውን። ኣብ ሞንጎኹም ክኻፋፍልኹም ካብ ዝብገሱ ድማ ነፋስ ከይኣትወኩም ምጥንቃቑ ዝጠፋእኩም ኣይመስለናን። ብኸምዚ ሓደ ልቢ ኮይንኩም እንተደኣ ክትመኽሩ ጀሚርኩም፤ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ዝዘርገልና ዘሎ ሕዱር ይኹን ሓድሽ ሕማም፤ ይኽበድ ይቕለል ብኃይሊ ኣምላኽ ከምእትፍውስዎ ጥርጥር የብልናን እሞ ሓድነትኩም ዓቂብኩም ብቀጻሊ ክትመኽሩ ንላቦ። 

አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ሃይማኖትናን ኣቦታትናን ይዓቅበልና።

7 comments:

  1. ወልደ ተዋሕዶJanuary 4, 2013 at 10:35 PM

    ዕልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልል .......!!! ብሓቂ ድዩ እቲ ንዓመታት ንሕናን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ናፊቕናዮ ዝነበርና ኅብረታውን ሓድነታውን ጉባኤ ክካየድ ጀሚሩ፧

    እንታይ እሞ ክብል እየ፧ ተመስገን ልዑል እግዚአብሔር።

    ዝቕጽል ሊቃውንትን መንእሰያትን ዝሕወስዎ ጉባኤ ድማ ዓቢይ ውፅኢት ክህልዎ ተስፋና እዩ። በጃኹም በጃኹም፣ ኣቦታትና ካህናትን ሊቃውንትን ኣፍኩም ክፈቱ እሞ ናይ ውሽጥኹም ሓቂ ጉስዑ።

    መንእሰያት ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት'ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸንሓኩም ኣኣብ ማኅበርኩም ናይ ምሥራሕ ሓሳባትን ግብርን ሃገራዊ ነገር ሓሲብኩም ብሓድነት ክትሠርሑን በብወገንኩም ብዛዕባ ሠመረኣብን ኮራኹሩን ዘለኩም መትከላት ገሊጽኩም፣ መርትዖታትኩም ኣቕርቡ።

    ብሓቂ ልደት ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና'ውን ዓቢይ ነጥበ መቐይሮ ወሊዱ ኣሎ።

    ስለዚ ነዚ ንምሥማር ኵልና ብጸሎትን ሱባኤን፣ ብቓልን ብሓቅን፣ ብሓሳብን ተግባርን ብሓድነት ንዕየ።

    ReplyDelete
  2. aman baman edmen tenann n kudsan abotatna EGZIZBHER AMELAK NAKUM MAEADOTAWYAN ADLGLTKUM YBARKELKUM AMEN.

    ReplyDelete
  3. GOD BLESS YOU MAEADOTAWEYAN SLATIY ETGABRWO ZALAKUM SENAY NEGER

    ReplyDelete
  4. እዚ ኣዝዩ ዝሐጉስን ባህ ዘብል ጉባኤ ኣቦታት መሰረት ኩሉ እዩ እሞ ናትና ተራን ግደን ብጸሎት ምንቃሕ፡ ብፍቕሪ ምጽናዕ፡ ብሓድነት ምንባርን ንመንፈሳዊ ሕይወት ዘለና ሓቀኛ ህጥዩነት ብምሕዳር ምስራሕ ኣለና። እዚ ሻራ፡ ተንኮል፡ ቅንኢ ርእሰ ፍትወት ዝብሃል ኣጽዋር ዓለም ኣርሕቅና ክንርከብ እዩ ዚግባእ። ንኣቦታት መንፈስ ቅዱስ ሠናይ ሓሳብ ከሕስቦምን ሓድነት ክሕድረሎምን ናትና ተራ ብጸሎት ምሕጋዝ እዩ እሞ ኣሕዋት ኣዳለውቲ ማዕዶት ብዛዕባ መንፈሳዊ ለውጢ ዘምጽኡ ጽሑፋት እንተተእንግዱ ኣዝዩ ጽቡቅ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ካብ ዘይመንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ካብ ምጽሓፍ ምጥንቃቅ የድሊ መስለኒ። ምኽንያቱ ፍልልይ ፈጢሩ ስለዝፈላልየና። ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ኣቦታትናን ምስ ቤተክርስቲያንናን ይኹን። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን ብጸሎቶም፡ ምላእክት ብሓለዋኦም ኣይፈለዩና።

    ReplyDelete
  5. egziabihier ztemesgene ykun ab ldet tewesaki abi bsrat eyu

    ReplyDelete
  6. በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን ፡፡ ኣማን ብኣማን ተመስገን ኣምላኽ ደጊመ ደጋጊመ ተመስገን ኣምላኽ፡ ኦ ኣምላኽ ህዝብናን ሃገርናን ባርኽ

    ReplyDelete
  7. Temesghn Fetarileka kulu ma altu ms akele enho enqoe abzi abzahakum Hiete kiristiana tegahisu emo enho mengedi hibu temesgen

    ReplyDelete