“ጥንተ አብሶ”፡ ግእዛዊ ቃል ኮይኑ ናይ ጥንቲ ወይ ናይ መጀመርታ በደል ማለት እዩ። ናይ መጀመርታ በደል ዝተባህለ፡ ብናይ መጀመርታ ሰባት ብኣዳምን ሔዋንን ዝተፈጸመ ናይ መጀመርታ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ እዩ።ብምኽንያት ጥንተ አብሶ ንዅሎም ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ዝተባህለ ዲያብሎስ ካብ ማሕፀን ጀሚሩ ቆሪኑ፡ ንሞተ ሥጋ ንሞተ ነፍሲ ኣቃሊዑ ይገዝኦም ነበረ። እዚ ድማ ባርነት መግዛእቲ ይበሃል። (ዮሓ. ፰፥፴፬–፴፭/8፥34-35)
ካብ ዘመነ አዳም ጀሚሩ ክሳዕ እቲ እግዚአብሔር ወልድ ሥጋና ተወሓሒዱ፡ ሰብ ኮይኑ ንዓለም ዘድኃነሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ደቂ ሰባት ምግባር ትሩፋት ዋላ እኳ እንተሰርሑ ብምኽንያት ጥንተ አብሶ ናብ ሲኦል ካብ ምእታው ክተርፉ ኣይከኣሉን። ኵሉ ሰብ ናብ ሲኦል ይኣቱ ነበረ። መቕጻዕትን መርገምን ናይ አዳምን ሔዋንን ናብ ደቂ ደቆም ኃለፈ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከረድኣና ከሎ፦ “ሞት ግና ካብ አዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ኣብቶም ከምቲ ናይ አዳም ትእዛዝ ብምኽንያት ኃጢኣት ዝገበሩን፡ ዘይነበሩን ነጊሡ ነበረ'' ብምባል ገሊጽዎ አሎ። (ሮሜ ፭፥፲፬/5፥14) ኃጢኣት ዝገበሩን ዝበደሉን ዝበሎም እቶም ድኅሪ ኣዳም ዝመጽኡ ደቁ፡ ብኃልዮ (ብሓሳብ) ብነቢብ (ብዘረባ ቃል) ብገቢር (ብግብሪ) ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝገበርዎ ኃጢኣት እዩ። እዚ ድማ ኵሉ ዘርኢ ሰብ፡ ንኣዳም መሲሉ ብዝሠርሖ ኃጢኣት ዕዳ ነበሮ። እዚ ዅሉ ዝሠርሖ ኃጢኣት ድማ ምልአተ ኃጢኣት ይበሃል። ዘይበደሉን ዘይኃጥኡን ዝበሎም ከም በዓል ኤርምያስ፡ ሄኖክ፡ ዮሐንስ መጥምቅ ካብ ማሕፀን ኣዲኦም ጀሚሮም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓለዉ፡ ረድኤቱ ዘይተፈለዮም፡ ንፍሉይ አገልግሎት ዝተኃረዩ፡ ቅዱሳን ንጹሓንን ሕፃናት ንኣብነት፦ ሄሮድስ ዝቐተሎም 144,000 ሕጻናት ዝኣመሰሉ እዮም። ይበድሉ ኣይበድሉ፡ ናይ ኣቦ ዕዳ ናብ ዉሉድ ስለዝኃልፍ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ጥንተ አብሶ ንደቆም'ውን ተሓተትቲ ገበሮም።



