Monday, December 5, 2011

ጥንተ አብሶ

   
 ጥን አብሶግእዛዊ ቃል ኮይኑ ናይ ጥንቲ ወይ ናይ መጀመርታ በደል ማለት እዩ። ናይ መጀመርታ በደል ዝተባህ፡ ብናይ መጀመርታ ሰባት ብኣዳምን ሔዋንን ዝተፈጸመ ናይ መጀመርታ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ  እዩ።

ብምኽንያት ጥንተ አብሶ ንዅሎም ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ዝተባህለ ዲያብሎስ ካብ ማሕፀን ጀሚሩ ቆሪኑ፡ ንሞተ ሥጋ ሞተ ነፍሲ ኣቃሊዑ ይገዝኦም ነበረ። እዚ ድማ ባርነት መግዛእቲ ይበሃል።  (ዮሓ. ፰፥፴፬–፴፭/834-35)

ካብ ዘመነ አዳም ሚሩ ክሳ እቲ እግዚአብሔር ወልድ ሥጋና ተወሓሒዱ፡ ሰብ ኮይኑ ንዓለም ዘድኃነሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ደቂ ሰባት ምግባር ትሩፋት ዋላ እኳ እንተሰር ብምኽንያት ጥንተ አብሶ ናብ ሲኦል ካብ ምእታው ክተርፉ ኣይከኣሉን። ኵሉ ሰብ ናብ ሲኦል ይኣቱ ነበረ። መቕጻዕትን መርገምን ና አዳምን ሔዋንን ናብ ደቂ ደቆም ኃለፈ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከረድኣና ከሎ፦ ሞት ግና ካብ አዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ብቶም ከምቲ ናይ አዳም ትእዛዝ ብምኽንያት ኃጢኣት ዝገበሩን፡ ዘይነበሩን ነጊሡ ነበረ'' ብምባል ገሊጽዎ አሎ። (ሮሜ ፭፥፲፬/514) ኃጢኣት ዝገበሩን ዝበደሉን ዝበሎም እቶም ድኅሪ ኣዳም ዝመጽኡ ደቁ፡ ብኃልዮ (ብሓሳብ) ብነቢብ (ብዘረባ ቃል) ብገቢር (ብግብሪ) ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝገበርዎ  ኃጢኣት እዩ። እዚ ድማ  ኵሉ ዘርኢ ሰብ፡ ንኣዳም መሲሉ ብዝሠርሖ ኃጢኣት ዕዳ ነበሮ። እዚ ዅሉ ዝሠርሖ ኃጢኣት ድማ ምልአተ ኃጢኣት ሃል። ዘይበደሉን ዘይኃጥኡን ዝሎም ከም በዓል ኤርምያስ፡ ሄኖክ፡ ዮንስ መጥምቅ ካብ ማሕፀን ኣዲኦም ጀሚሮም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓለዉ፡ ረድኤቱ ዘይተፈለዮም፡ ንፍሉይ አገልግሎት ዝተኃረዩ፡ ቅዱሳን ንጹሓንን ሕፃናት ንኣብነት፦ ሄሮድስ ዝቐተሎም 144,000 ሕጻናት ዝኣመሰሉ እዮም። ይበድሉ ኣበድሉ፡ ናይ ኣቦ ዕዳ ናብ ዉሉድ ስለዝኃልፍ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ጥንተ አብሶ ንደቆም'ውን ተሓተትቲ ገበሮም።

አብዚ ኪፍለጥ ዘለዎ፡ ጻድቃን ዝነበሩ ብሥጋ ናብ መቓብር ምውራዶም፡ ብነፍሲ ማ ናብ ሲኦል ምእታዎም ክገልጽ እዩ እምበር ጻድቃን ናይ ሲል መከራ ረኺቦም ንምባል ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ከረድኣና ዝኽእል ብዙኅ አብነታት ኣሎ። ንኣብነት፦ አብ ሉቃ.፲፮፥፲፱–፴፩/1619-31 ጐይታና ከም ዝመሃሮ፡ ኣልኣዛር ዝተባህለ ድኻን፡ ነዌ  ዝተባህለ ሃብታምን፡ ኣብ ምሪ ነይሮም ድኅሪ ሙማቶም፡ ነፍሲ ናይቲ ድኻ ናብ ሕቑፊ ብርሃም ክትከይድ ከላ፡ ብርሃም ናይ ሲል ሓዊ ከይተንከፎ ምሕረት እግዚአብሔር ተሓልዩ እዩ ዝነብር ነበረ። እቲ ሃብታም ምስ ሞተ ግና ብሓዊ ሲል እናተቓጸለ ይነብር ነበር። እዚ ዘረድኣና ናይ ሲል ሓዊ ንጻድቃን ዘየቓጽል ንኃጥኣን ግና ዘቓጽል ከም ዝነበረ እዩ። ጻድቃን ናብ ሲል እንተኣዉ እኳ ዝኾነ ኹን ጉድኣት ከይረኸቦም ምሕረት እግዚአብሔር ተኸሊሎም ነበሩ። ብተወሳኺ ሲኦል ንኃጥኣን እምበር ንጻድቃን ከምዘየቓጽሎም ኣብ ትርጓሜ መልእኽቲ ያዕቆብ ''ናይ ሰብ መልሓስ ጻድቑን ኃጥኡን ተቓጽል፡ ገሃነም እሳት ግና ንኃጥኣን እምበር ንጻቓን ኣይተቓጽልን። ብምባል ተገሊጹ ኣሎ። (ትርጓሜ ያዕ. ፫፥፮/36) ኣብ መጽሓፈ ጥበበ ሰሎሞን'ውን “ናይ ቅኑዓት ሰባት ነፍሲ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር እያ፡ ናይ ኃጥኣን መከራ ኣይረኽቦምን'' (ጥበ ሰሎ. ፫፥፩/31) ብምባል ብምሕረት እግዚአብሔር ካብ ናይ ሓዊ ሲኦል መከራ ይሕለዉ ከምዝነበሩ የረድእ።

ብቅዱስ  ኤፍሬም ዝተደርሰ ኃሙስ ዝንበብ ውዳሴ ማርያም ''ዘበእንቲኣሃ ተሥዕረ ዘቀዳሚ መርገም/ ናይ መጀመርታ መርገም ብኣኣ ተሣዕረ'' ብምባል ከምዝገለጾ፡ ጥንተ አብሶ ብምኽንያት ቅድስት ድንግል ማርያም ተሣዓረ። ብኸመይ ተዒሩ ምስ እንበል ''እግዚአብሔር  ጐይታ ሠራዊት ዘርኢ እንተዘይኃድገልናስ ከም ሰዶም ምኾንና ንገሞራ'ን ምመሰልና ኔርና።'' ብምባል ኣብ ትንቢቱ ከም ዝተዛረቦ (ኢሳ. ፩፥፱/19) እስራኤል ዘሥጋ  ወዘነፍስ ኵሉ ሰብ ካብ ኣብርሃም ዝተረኽበት ድንግል ማርያም እንተዘይትነብር ነይራ ኣብ መርገም ተዋጥና ምነበርና ነይርና ክብል ገሊጹ ኣሎ። ምኽንያቱ እዛ ዘርኢ እዚኣ ኣዳም ኣብ ልቡ ዝነበረት ናይ ተስፋ ዘርኡ እያ። ካብዚኣ እዩ፡ ንዓለም ንምድኃን ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ሰብ ኾይኑ ዝተገልጸ።

ብምኽንያት ኣዳምን ሔዋንን ዘርኢ ሰብ ደቂ ተባዕትዮ ኹኑ ደቂ ንስትዮ ኣብ ትሕቲ መርገም ወዲቖም ነበሩ። እዚ ከኣ ብጥንተ ኣብሶ ዝመጽአ  እዩ። ድንግል ማርያም ግና ካብ ማሕፀን ወላዲታ ጀሚራ፡ ዝነጽሐት ስለዝኾነት ጥንተ አብሶ መርገ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘይብላ፡ ዝተባረኸት ዘርኢ እያ። መርገም ንዘለዎ ዝተባረኸ ስለዘይበሃል፡ ቅዱስ ገብርኤል'ውን ''ንስኺ ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኺ ኢኺ'' ዝበላ። ቅዱስ ገብርኤል ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ ዝበላ ብእምነትን ብምግባርን ዝተባረኻ አንስቲ የለዋን ንማለት አይኮነን፡ ዋላ እኳ ዝተባረኻ እንተኾና ሕጸጽ(ጉድለት) ኣለወን። ብምኽንያት ዋን፡ ብጥንተ ኣብሶ፡ መርገም ተመሓላሊፍወን ካብ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ፃ አይኮናን ድንግል ማርያም ግና ዝተባረኸት ዝርኢ፡ ልዕሊ እቶም ዝተባረኹ ኢያ ምኽንያቱ ድማ ገና ከይተወለደት ካብ ማጸን ወላዲታ ጀሚራ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓሊያ ካብ መርገመ ሥጋ፡ መርገመ ነፍስ ዝነጽሐት ዝተፈለየት ብምዃና እዩ።

ኵሉ ዘርኢ ሰብ ግና ብኃጢኣት ኣዳም ክብሪ እግዚአብሔር ስለ ዝጐደሎ "ጽድቕና ከም ርቂ መርገም ኮነ” (ኢሳ. ፷፬፥፮/646) ተባሂሉ ተነግረሉ።  ቅዱስ ዳዊት'ውን "ኵላቶም ተጋግዮም፡ ብዘለዉ ኩላቶም ረኺሶም” ንዝበሎ ቅዱስ ጳውሎስ አብ (ሮሜ. ፫፥፳፫- 323) ”ኵሎም ኅጢኦም ክብሪ አምላኽ'ውን ሲእኖም ብምባል ተጒምዎ አሎ”። ድንግል ማርያም ግና ብተፈጥሮ እኳ ካብ ርኢ ኣዳም ዝተረኸበት እንተኾነት ብፍቓድ እግዚአብሔር ንኣደ ኣምላኽነት ስለ ዝተመርጸት መንፈስ ቅዱስ ካብ ማሕፀን ኣዲኣ ጀሚሩ ይሕልዋ ስለ ዝነበረ ዝጎደላ ክብሪ የልቦን ነዚ ንምምልካት አብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ቅዱስ ገብኤል ንኻልእ ዘየቕረቦ ምስጋናን ውዳሴን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ "ቡክት አንቲ እምአንስት/ካብ ኣንስቲ ተፈሊ ዝተባረኽኪ እኺ" ክብል ኣመስገና (ሉቃስ ፩፥፳፰/128)

ቅድስት ኤልሳ'ውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ "ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፡ እቲ ካባኺ ዝውለድ ሕፃን'ውን ዝተባረኸ እዩ።” በለት። (ሉቃስ ፩፥፳፰/128) ቅዱስ ገብርኤል ንአምላኽ ቅድሚ ምፅናሳ ተዛረባ። ቅድስት ኤልሳቤጥ ድማ ንአምላኽ ድሕሪ ምፅናሳ ተዛረበትላ። ኣቦኣ ንጉ ዳዊት'ውን ርክት እትበሃል ካብ ማሕፀን ኣዲኣ ጀሚራ ምዃናን ብናይ ኣዳም ዋንን መጻወድያ ፍዳ ከምዘይ ተታኅዘት ንምግላጽንእግዚአብሔር ወልድ መደሪት ቅድሚ ምዃና ምቕዳሳ ከረድእ "ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል/ልዑል መደሪኡ ቀደሰ” (መዝ. ፵፮፥፬/464) ክብል ተዛረበ። ቅድስናኣ ከም ናይ ኤርምያስን ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ አይኮነን። ንሳቶም ጸጋ ረኺቦም ንአገልግሎት ተመርጹ እምበር ብምኽንያት ጥንተ ኣብሶ ካብ ወሪደ ሲኦል ኣየምለጡን። ክርስቶሰ ፃ ክሳ ዘውፅኦም በፀጋ እግዚአብሔር ተሓልዮም ኣብኡ ነበሩ። (መጽ.ጥበብ ፫፥፩/31) ድንግል ማርያም ግና መርገመ ሥጋ፡ መርገመ ነፍስ ዘይብላ ብእኣ ምኽንያት በረከተ ሥጋ፡ በረከተ ነፍስ ሰባት ዝዕድል፡ ንቡሩኽ አምላኽ ብድንግልና ፀኒሳ፡ ብድንግልና ንምውላድ ዝበቕዐት እያ። አቦታትና'ውን "መንፈስ ቅዱስ ዓቀባ እምከር እማ፡ ወኢረኵሰት በምንተኒ እምዘፈጠራ ድንግል ድንግል በሕሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ።” (መንፈስ ቅዱስ ካብ ማሕፀን ኣዲኣ ጀሚሩ ሓለዋ። ካብ ዝተፈጥረትሉ ግዜ ጀሚሩ ሓሳባ ይኹን ብሥጋኣ ድንግል ንጽሕቲ እያ) ዝበሉ ንተ ኣብሶ ከምዘይብላ ንምምልካት ዝተገልጸ ኢዩ። ብናይ መጀመርታ ሔዋን ዝተዓፀወ አፍደገ ገነት፡ ናይ ሕያዋን ጻድቃን ኣደ ብዝተባህለት ዳግማዊት ሔዋን ብድንግል ማርያም ተኸፍተ። በዚ መሠረት እዚ ድንግል ማርያም ዳግማዊት ሔዋን ትበሃል፡ ነዚ ድማ ሊቅ ኤፍሬም ሶርያዊ አብ ውዳሴኡ "እንተ ሔዋን ተዓፅወ ኆኅተ ገነት፡ ወእንተ ማርያም ድንግል ተርኅወ ለነ ዳግመ (ብምኽንያት ሔዋን አፍደገ ገነት ተዓፅወ፡ ብምኽንያት ድንግል ማርያም ግና ዳግማይ ተኸፍተ” ኢሉ ወደሳ።

ኣደ ኵሎም ሕያዋን ምባላ፡ ብናይ መጀመርታ ሔዋን ኵሉ ሰብ ከምዝተጐድ ብድንግል ማርያም ግና ኵሉ ሰብ ምድኃኑ የረድእ። ስለዚ ጥንተ አብሶ ኣለዋ ምባል የከኣልን። ጥንተ አብሶ ስለዘይወረሰ፡ ናይ ማሕፀና ፍሬ ዝኾነ ወዳ፡ ብመለኮቱ ኵሉ ጊዜ ሩኽ እዩ። ብሰነቱ'ውን ሩኽ እዩ። እንተዘይኮይነ ግና ንሳ ጥንተ አብሶ ኣለዋ ንል እንተኾንና ካብ ጥንተ አብሶ ናፃ ዘወፅአ፡ ብርሲ መርገም ዝበጽሖ ሥጋኣን ነፍሳን ወሲዱ ተወሓዳ ምበልና ነይርና።

እዚ ምእንቲ ከይበሃል ግና "ቡርክት አንቲ እምአንስት” (ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ) ተባህለት። ድንግል ማርያም "ኵሎም ትውልዲ ብፅዕቲ ክብሉኒ እዮም።” ኢላ ንመጻኢ ክብርቲ፡ ኅርይቲብርኽቲ እናበሉ ኵሉ ፍጥረት ከም ዘመስግና ተዛረበት። ጥንተ አብሶ አለዋ ማለት ግና ኣሽካዕላል እዩ። ናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ንጽሕናኡ ናብ ምጥርጣርን ኣዳም ተኻሒሱ ብደም ተዓዲጉ ናብ ክሩ ተመሊሱ ናብ ምባል ዘየብጽ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና'ውን ብፍጹም ኣይትቕበሎን እያ።

ምኽንያት ጥንተ አብሶ ሔዋን እያ፡ ደንል ማርያም ግና  ናይ ጥንተ ድኅነት መሠረት ሕይወት እያ። ጥንተ አብሶ ኣለዋ ዝብል ፍልስፍና፡ ብእኣ ጥራይ ከይተወሰነ ንክርስቶስ'ውን ዝነቅፍ መናፍቓዊ ትምህርቲ እዩ። ቤተ ርስቲያን ነዚ ናይ ተረፈ ኣይሁድ ኣበሃህላ ኣይትቕበሎን እያ። ድንግል ማርያም ብርኽቲ ምዃና ዘይምእማን፡ ፍሬኣ ክርስቶስ'ውን ብሩኽ ኣይኮነን ናብ ምባል ብጽሕ። ከምዚ ኢልካ ምሕሳብ ንመንፈስ ቅዱስ ምሽክዕላል እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኑፋቄ እምበትምህርቲ ክርስትና ኣይኮነን።

ካሕሳ (ድኅነት) ዝተጀመረ ኣብ ማሕፀን እዩ፡ ንጐይታ ክትፀንስ ከላ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብሕቱም ንግልና ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ፅንሲ እዚ ካልኦት ኣይፈለዎን፡ ብምንታይ እሞ ክፈልጥዎ። ንሔዋን ግና "በከመ አድመኪያ/ ከምታ ዘድመኽያ” ድመዪ ኢልዋ ነበረ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብዚ ናፃ እያ።  ቅድመ ፀኒስ፡ ጊዜ ፀኒስ፡ ድኅረ ፀኒስ፤ ቅድመ ወሊድ፡ ጊዜ ወሊድ፡ ድረ ወሊድ (ቅድሚ ፅንሲ፡ ጊዜ ፅንሲ፡ ድኅረ ፅንሲ ቅድሚ ምውላድ፡ ጊዜ ምውላድ፡ ድኅሪ ምውላድ) ጽንዕት ድንግልና፡ ሥርጉት በቅድስና እያ ኢና እንብል። ክሳ መወዳእታ "እመ ድንግለ ወጽሙረ” ንብል። ድንግልናን ኣደትን ኣጣሚራ ዝኃዘት እያ። /ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ/

እዚ ከሎ እቲ ሓቂ ግና ሓደ ሓደ ሰባት ክዛረቡ ኸለዉ ከምዚ ይብሉ፦ "ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዝነጽሐት ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኣበሠራ እዩ።ይብሉ ግና ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ካብ ናይ ቀደም ኃጢኣት (ጥንተ አብሶ) ናፃ ዝገብር እንተዝኸውን ነይሩ፡ አብ ብሉይ ኪዳን አብ መጽሓፈ መሳፍንቲ (ምዕ. ፲፫፥፩-/131-20) ንሰበይቲ ማኑሄ ንሶምሶን ከም እትወልድ ተበሢራ’ዶ ኣይነበረትን? ከምኡ'ውን አብ ዘመነ ሓዲስ ኪዳን ካህን ዘካርያስ ኣቦ መምቀ መኮት ቅዱስ ዮሓንስ ብተመሳሳሊ ተበሢሩ ዶ ኣይነበረን? ኢልና ክንሓቶም ምፈተና። ብተወሳኺ'ውን ብሥራት መልኣኽ ካብ ጥንተ አብሶ ናፃ ክገብር እንተዝኽእል ነይሩ፡ እልፍ ኣእላፋት መላእኽቲ ተኣኪቦም ንኣዳም ምስ ደቁ መድኃንዎ  ነይሮም። ብሥራት ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ጥንተ አብሶ ኣናጊ እንተኢልና፡ ምስ ሞት ክርስቶስ ማዕረ ገይርናዮ ኣሎና ማለት እዩ (ሎቱ ስብሐት!)። ንሕና ግና ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ኣይንኣምንን ኢና።

ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ እንተዘይነብራስ ቅዱስ ያሬድ "አንጺሖ ሥጋሃ ቀዲሶ ኪያሃ ኅደረ ላዕሌሃ (ሥጋኣ አንጺሑ ንእኣ ቀዲሱ ብኣ ኃደ” አይምበለን ዝብሉ ምህላዎም ፍሉ እዩ። ነዚ ዝበለ ግና ቅድሚኡ እቲ ሥጋ ዘይነጽሐ ስለዝነበ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኮነን! ምኽንያቱ ኤልሳቤጥ ቅድስቲ ብምዃና ንዮንስ መጥምቀ መለኮት ፀኒሳ እንከላ "መንፈስ ቅዱስ መልኣ” ይብል። (ሉቃ.፩፥፵፩/141) ቅድሚኡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይነብራ ድዩ፧ ከምዚ ዝበለ ምስ እንብል ኣይኮነን። ባዕሉ ቅዱስ ያሬድ እቲ ዝበሎ ኣቀዲሙ ኃጢኣት ስለዝነበራ "አንጺሑ ኣብኣ ኃዲሩ” ማለት ከምዘይኮነ ኪገልጽ ከሎ፡ "ማርያምሰ ተሐቱ ውስተ ከርሡ ለአዳም ከመ ባህርይ ፀዓዳ” (ማርያምስ ኣብ ውሽጢ ከርሢ ኣዳም ከም ፃዕዳ ዕንቝ ባሕሪ ተብርህ ነበረት) ይብል። ከመይ! ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት። ኦ ሕዝበ ክርስቲያን! ነቲ ሓቂ ከነለልዮ ይግባእ።

ስለዚ ቤተ ክርስቲያና እትኣምኖ እምነት፡ ኣዳም ደቁ ደቂ ደቁን፡ ብጥንተ አብሶ ተታኂዞም ከምዝነበሩን፡ ዝበደሉን ዘይበደሉን አብ ኃጢት ከም ዝነበሩ (ሮሜ ፭፥፲፬/514) እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ንጽሐ ሥጋ፡ ንጽሐ ነፍስ፡ ንጽሐ ልቡና ዘይተፈልያ ፍልይትን ብርኽትን ሰብ ኮይና እያ ተወሊዳ። ምናልባሽ ካብ በደለኛታት (ጥንተ አብሶ) ካብ ዘለዎም ስድራ ተወሊዳ ክነሳስ፡ ከመይ ኢላ ንሳ ንበይና ክትነጽሕ ክኣለት፧ ብምባል ዝሽገሩ እንተደኣ አልዮምእቲ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእን ዝወሃቦም መልሲ ግና "ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን! ዝብል እዩ።
 
                                                       ስብሐት ለእግዚአብሔር!

(ምንጪ፦ መጽሔት ሰአሊ ለነ ቅድስት’፤ ቍ. ፯/7 ቤ/ት/ሰ/ መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት፤ ኣሥመራ ፳፻፫/2011)

3 comments:

  1. Kale Hiwet yesmialna, abta zeytihalif Semeyawit Eyerusalem Simkumin simnan yitshafelna, Weladit Amlak kea bkidmitin bdihritin koina tikobkibena. Amen!!!

    ReplyDelete
  2. Egziabiher abzihun aberkitun habti kihnetun mstirun yihabkum. Ezi xuhuf ezi nkndey seb kabzi kebibuna zelo mefentera nay sihtet timhirti zelebmn zenekakihn sle zkhone abzihkumn amesatirkumn bztefelaleye agebabat (bxhuf, b video wey audio) kitsebkulu nlabo. Ane b online bshm nay Orthodox tmhrti nayta kab Atlanta tfno www.tewahdo.org tbehal website yiketatel nere. abti fltet zgodelu tirihu hangoley dma tnte abso alewa (leta Sibhat) zbl nay mnfkna tmhrti hize....'eway bzeyflat akbidela nere malet diu enquae feletkuwa hji' ile kenan tmhrti hize yiguaz nere nebotatey bgele agatami ms tewekesku gna aziu zedenxu rekik meshatian koynu rekhibeyo ninebsey wn kabtn kabtn keymirir emo dagmai keysihit atenkikeya. Slezi ezi tgebruwo zelekhum bgbri abay zserh zelo iyu emo kemay bzuhat kem zelewu dma ayteratern iye...slezi dkamkum keyxebxebkum akaebitkum kitserhulu bsm Dngl Weladit Amlak yimhxenekum. fre srahkum dma abti zeyxlmt nay Brhan sfra yebxihkumn yebxehanan. AMEN AMEN AMEN

    ReplyDelete
  3. እቶም ዝጸሓፍኩም ተባረኹ....እቶም ዘቃላሕኩምውን ኣገልግሎትኩም ይባረኽ….እቶም ዘንበብና ከኣ ንድሕነትናን ንሓድነትናን ንጽዕር ይግበረና

    “ዝንቱ ውእቱ እምነትነ በአሕጽሮ ዘተምህርናሁ እም ትምህርተ አበዊነ ንጹሃን ሐዋርያት ወአበው ጻድቃን እለ አልቦሙ ነውር ወበዝንቱ ሃይማኖት ተጠመቅነ ወቦቱ ተሐጸነ ወልሕቅነ ወቦቱ ከመ መሠረተ ኰኲሕ ጽኑዕ ዘኢያንቀለቅል ተሐነጽነ

    “ካብ ትምህርቲ እቶም ነውሪ ዘይብሎም ንጹሃን ሓዋርያትን ጻድቃን ኣቦታትናን ዝተመሃርናዮ እምነትና ብሓጺሩ እዚ እዩ፡ በዛ እምነት እዚኣውን ተጠመቕና፡ ካብኣ ተመገብናን ዓበናን፡ ኣብኣ ድማ ከምቲ ዘይናወጽ ጽኑዕ መሰረት ከውሒ ተሃነጽና”
    ዮሐ ዘአንጾኪያ 13፣2ዐ

    ReplyDelete