Sunday, October 16, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ራብዓይን መወዳእታን ክፋል)
ምዕቃብ ባህሊን ፊደላትን 
ኣቦና ኣብ ዝበዝኁ ጽሑፋቶም ብመልእኽቶም ይኹን ብትሕዝቶኦም ግእዛዊ መሠረት ዘለዎ ባህሊ ጽሑፍን ጥንታዊ ፊደልን ይትበሃሉን ተዓቂቡ ክኸይድ ዝምዕዱን ንኸምኡ ድማ ዝጸዓቱን እዮም። 

እቲ ቅዱስ እንብሎ ባህልና ጥንቱ መሠረቱ ቅዱስ መጽሓፍ ስለዝኾነ፤ ምስ ኵሉ ጨናፍሩን ይትበሃሉን ማለት ቋንቋኡ ፊደላቱ ክዕቀብን ከይብረዘን ዝጸዓሩ ኣቦ እዮም። ባህልኻ ምብራዝ መንነትካ ኣጥፊኡ ግዙእን ባርያን ባዕድ ክገብረካ ስለዝኽእልን፡ ናተይ እትብሎ ነገር ከምትስእንን፡ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ከይትኸይድ ዝገብር ብምዃኑ እግዚአብሔር ዝዓደለናን ኣቦታትና ዘጽንሑልና ሃብታም ታሪኽ ስለዘሎና ካብ ፊደላትና ጀሚርና ብዝግባእ ባህልና ክንዕቅብ ከምዘሎና እዮም ዝመኽሩን ብጽሑፋቶም’ውን ዘለብሙ ነይሮም። 
ቅንዓት ሃይማኖት 
ኣቦና ነቲ ብውሑድ ፍልጠት ተበጊሶም ከም ሮማዲ እናስፋሕፍሑ ኑፋቄያዊ ትምህርቶም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ንዝዝርግሑ ሓደሽቲ እምነታት ስቕ ክብልዎም ኣይመረጹን። እንታይ ደኣ በቲ ንምርሓሉን ክጥቐስ ዘለዎ ካብኡ ጥራይ እዩ ኢሎም መጽሓፍ ቅዱስ ንዝሓዙ መናፍቃን በቲ ዝሓዝዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዘዕግብ ምላሽ እናሃቡ፡ ንምእመናን ኣብ ሃይማኖት ዘጽንዕ ትምህርትታት ይህቡ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። 

ብመንጽር ቤተ ክርስቲያን’ውን ካህናትን ምእመናንን ክፈልጥዎ ኣለዎም ዝብልዎም ሥርዓትን ሕግን ቤተ ክርስቲያን ካብ ምምሃር ዓዲ ኣይውዓሉን። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብምእመናን ካህናትን ንዝሕተቱ ሕቶታ’ውን ብቐጻሊ ዘዕግብ መልሲ ካብ ምሃብን ብሃይማኖት ክጸንዑ ካብ ምምዓድን ዘባኹሩሉ ጊዜ ኣይነበረን። እዚ ኸኣ በቲ ትሕዝቶ መጻሕፍቶም ክፍለጥ ይከኣል። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ኸኣ ‘መርሐ ጽድቅ ባህለ ሃይማኖት’ ዝብል መጽሓፎም እዩ። 

ነዚ መጽሓፎም ከም ኣብነት እንተደኣ ርኢናዮ ልዕሊ ፻ ኣብ ዝኾኑ ኣርእስትታት (ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን) መብርህን መልስን ዝሃቡሉ ኮይኑ፡ ዳርጋ ዘይተንከፍዎ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን የልቦን ክበሃል ይከኣል። ካብ ምሥጢረ ሥላሴ ዝጅምር ትምህርተ ሃይማኖት ክሳብ ብቀጻሊ ዝሕተቱ ሥርዓት ተንከፍ ዝኾኑ ሕቶታት መሊሶም ኣለዉ። ንምእመናን ንምምሃር ጥራይ ዘይኮነሲ ከምቲ ንሶም ኣብቲ መቕድም ዝበልዎውን ከሓድያንን መናፍቃንን ንምምላስን ንምርዳእን ምዃኑን ነዚ ኸኣ ብፍቕርን ብምክርኻር ዘይኮነሲ ብልዙብ ቃላትን ብፍቕርን ክኸውን ከምዘለዎ እዩ። ነዚ ኸኣ ኃይሊ እግዚአብሔር ጸግዒ ገይርካ ምዝራብ ከምዝግባእ ይምዕዱ። ነቲ ርእሲ መጽሓፍ’ውን ከምኡ ምስያሞም ናብቲ ሓቀኛ ሃይማኖት መሪሑ ዘብጽሕ ሓቀኛ መራሒ ማለት ምዃኑ ገሊጾም ነይሮም። 

ኣብ ጽሑፋቶም ጥራይ ዘይኮነሲ ኣቦና ኣብ ኵሉ ስብከቶምን ሕይወቶምን ስለታ ሓቀኛን ክብርትን ጥንታዊትን ሓዋርያዊት ሃይማኖት እዮም ሰናይ ገድሊ ዝተጋደሉ። በዚ ሰናይ ገድሎምን ኣበርክቶኦምን ፍቕሪ ሓድሓድን እግዚአብሔርን ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ሰብ ስለዘኅደሩ “አየ እቶም ሊቅ እቲኦም” ዘይብል ኣይነበረን። 


፭. ፬ ኣብ ምሕደራ 
ኣቦና መልአከ ገነት ኃይሎምን ድሌቶምን ምሉእ ንምሉእ ኣብ ጽሑፋዊ ኣገልግሎትን ምምሃርን እኳ እንተነበረ፤ ነቲ ዝነበሩሉ ዘመን ብመንጽር ረብሓ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ መርሚሮምን ተረዲኦምን፡ ብማኅበር ተጠሪንፋካ ብንጹር ግብራዊ መደባትን ብዕላማን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለዝኣመኑሉ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሥራቲ ማኅበረ ሓዋርያት ምዃኖም ይፍለጥ።

እቲ ማኅበር’ውን ቅድሚ ፶ ዓመት ክምሥረት ከሎ ንጹር መመሓደሪን መምርሒን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ሃገራዊ መልክዕን ኣቃውማን ከምዝነበሮን፡ ንኵሉ ማኅበረ ምእመናንን ቤተ ክህነትን ገዳማትን ብኣባልነት ዝሓቘፈ ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ’ውን ቀጥታዊ ኣበርክቶ ዝነበሮም መልአከ ገነት ኣብቲ ማኅበር’ውን ብምኽትል ኣቦ መንበርን ዋና ጸሓፍነትን ብትግሃትን ብኣርኣያነትን ኣገልጊሎም ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ብዘይ ነቐፋን መንቅብን ኸኣ ነቲ ማኅበር ስለዝገልገልዎ ነቶም ዝስዓቡ ኣመሓደርቲ ጽቡቕ ኣብነት ከምዝኾነዎም ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ብትግሃቶም ዝፍለጡ ዝነበሩ መጋቤ ካህናት ቀሺ በርሀ ወልደማርያም ኣብነት ናቶም ወሪሶም ን፶ ዓመት እንተላይ ብድኅሪኦም ኃላፍነት ተሰሲሞም ይዓዩ ከምዝነበሩ ፈለጥቶም ይዝክርዎም። 

ካብቲ ቀንዲ ፍረ ናይዚ ማኅበር ዝኾነ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ’ውን ካብ ምምሥራቱ ኣትሒዙ ኣብ ምምእዛን ታሪኽ ሥነ ጽሑፍ ሃገርና ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ዝገበሩ ሊቀ መዘምራን እዮም። ብድኅሪ ዝኾነ ጽቡቕን ርኡይን ሥራሕ ገለ ለባም ኣሎ ከምዝበሃል ድኅሪ እዚ ቤት ማኅተምን ምስጉን ኣበርክትኡን ድማ ኣቦናን ትጉሃት መሳርሕቶምን እዮም ነይሮም። መዛግብቲ ማኅበር ሓዋርያትን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕን ከምዝገልጽዎ ኸኣ ኣቦና ዋና ኣካያዲ ናይዚ ቤት ማኅተም ኮይኖም ብተወፋይነት ከምዘገልገሉ እዩ፤ እቶም ኣብ ኣፀደ ሥጋ ዘለዉን ዘየለዉን ኸኣ ብዛዕባ እዚኦም ኣቦን ሞያን ኣበርክቶን ብልዑል ኣድናቖት ከምዝገልጽዎ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። 

ፍልጠት ምስ ሰናይ ምግባር ተወሃሂዶም ኣብ ምምሕዳር ክሰርሑ ከለዉ ዘለዎ ፍረ ምቁር ከምዝኸውን ሊቀ መዘምራን ጽቡቕ ኣብነት እዮም ነይሮም። ሊቀ መዘምራን ነዚ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ዘለዎ ሥራሕ ከሰርሑ ከለዉ ነታ ዝጀመርዋ ክሳብ ዝፍጽሙ ኣዕይንቶም ብዘይ ዕረፍቲ ሰለም ዘይብሉ፡ ኣእዳዎም ኸኣ ካብ ምእራምን ምድላውን ዘየባዅራ ነበራ። እዚ ኵሉ ሥራሕ እናበርከቱ ግና ኣገልግሎቶም ብዘይ ክፍሊት ናጻን ከምዝነበረ ዝዝክርዎ ኣለዉ። ምዃን’ውን ነዚ ማኅበር ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑ ዝነበሩን ካልኦት ኣካየድቲ ሽማግለታትን ኵሎም ብዘይ ክፍሊት ከምቲ ስም ማኅበሮምን ኣብነት ሓዋርያትን ንጽድቂ ኢሎም ይገብርዎ ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ።


፭. ፭ መፍቀሬ ንባብን መጽሓፍትን 
ኣቦና ክንዲ’ዚ ተማሂረ ከይበሉ መዋዕሎም ንዝተረፎም ትምህርትን፤ ካብ መጻሕፍቲ ቀደምት አበው ንዝርከብ ጥበብ ወትሩ ምስ ደለዩ እዮም ነይሮም። እቲ ንፉዕ መምህርን ጓሳን ዝኸውን እቲ ንፉዕ ተምሃራይን ኣንባባይን እዩ ከምዝበሃል ኣቦና ንተውሳኺ ፍልጠት ከይሰልከዩ፡ ወትሩ ርእሶም ጥበብ ቃል እግዚአብሔር ሓረር ምስ በሉ እዮም ነይሮም።

ነዚ ኸኣ ዝሕግዝዎም ኣቦታት ካብ ምምካርን፤ ጥንታውያን መጻሕፍተ ብርናታት ካብ ምንዳይን ምንባብን ኣየዕርፉን ነበሩ። ገለ ዝተኃትሙ ይኹን ኣዳልዮሞን ዘየኅተምዎም መጻሕፍት’ውን ፍረ ናይዚ ፍቕሪ ንባቦምን ምውካሶምን ምዃኑ ፍሉጥ ነገር እዩ። እዚ ናይ ንባብ ባህሊ ኣብ ካልኦት ተምሃሮኦም ዘስረጹ ክኾኑ ከለዉ፤ ካብ ምንባብ ፈጺሞም ዘይዕርፉ እዮም ነይሮም። 


፮. ገለ ካብ ተዋህብኦም 
ኣቦና ሊቀ መዘምራን ሞገስ በቲ ትምህርቶምን ሞይኦምን ጥራይ ዘይኮነሲ ኣብ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ ካልእ ዕምቈት ዘለዎ ይኹን ኣካታዒ ማኅበራዊ ሕቶታት ኣብ ዝኾነ ጊዜ ንዝቐርበሎም ሕቶታት ቅልጡፍን ብዘዕግብን ኣገባብ ክምልሱ ይረኣዩ እዮም። እዚ ከኣ ብውልቂ ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ጉባኤታት ተረኺቦም ዝምለስዎ ዝነበሩ ከም መረዳእታ ክቐርብ ይከኣል። እዚ ኸኣ ብዘይካ ንቝሕ ኣንባቢን መፍቀሬ ጽሑፍን ምንባሮምን ብኣምላኽ ዝተዋህቦም ፍሉይ ጸጋ ምንባሩ እቶም ምስኦም ዝወዓሉ ኣቦታት ዝምስክርዎ እዩ።

ነዚ ኣጒሊሑ ዘርእይ ኣብቲ ናቶም ጊዜ ብሬድዮ ይፍኖ ኣብ ዝነበረ መደብ ትግርኛ እናቐረቡ ካብ ሕዝቢ ንዝቐርበሎም ዝነበሩ ሕቶታት ብዝግባእን ብዘዕግብን እሞ ብልዙብ ቃላት ንሕዝቢ ይመልሱ ምንባሮም እዩ። እዚ ኸኣ ብዝጠቕስዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቕስታት ጥራይ ዘይኮነስ ምስኡ እናዘመዱ እቲ ኅብረተሰብ ብዘገጥሞን ብዝነብረሉን ሕይወት ምሳሌ እናመሰሉ ታሪኽ እናምጽኡ ዝህብዎ ዝነበረ ሜላዊ ትምህርቲ እዩ። 

ኣቦና ትሑት፡ ትዕግሥተኛ፡ ለጋስ ስስዐ ዘይብሎም፡ ዘረብኦም ጨው ዝነበሮ፡ ብጥበብን ብፍቕርን ንሰብ ዝምህሩ፡ ውዳሴ ከንቱ ዘየዕንቅፎም፡ ፍቅረ ንዋይ ዘይማርኾም፡ ምቾት ዘየታልሎም ትግሃትን ትዕግስትን ብኣምላኽ ዝተዓድልዎ ኮታ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወቶም ዝረአ እዩ ዝነበረ። ስለዚ ኣብ ማኅበራዊ ሕይወቶም ይገጥሞም ንዝነበረ ባህ ዘይብል ኩነታት’ውን ብትዕግሥትን ብዓቕልን ምስ ጽሑፋቶምን መጻሕፍቶምን እናተዛረቡ የሕልፍዎ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ዋላ ሕማቕ ኩነታት እንተገጠሞም ቃለ እግዚአብሔር መምርሒኦም ገይሮም ይሰግርዎ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። 

ኣብ ሓደ እዋን ወላዲ ኣቦኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልዩ፤ ነቲ ከጸናንዖም ዝነበረ ሕዝቢ ባዕሎም መኻሪን መሃርን ኮይኖም የጸናንዕዎ ከምዝነበሩ፡ ሕዝቢ’ውን በቲ ግብሮም ዓቢይ ትምህርቲ ቀሲሙ ይምለስ ከምዝነበረ ዝዝክርዎ ኣቦታት ኣለዉ። 


፯. ዕረፍቲ 
ሊቀ መዘምራን ብትግሃት ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝብን ከምቲ ዝግባእ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ እናገልገሉ ድኅሪ ምጽናሕ ብ፲፱፻፸፰ ዓ.ም. ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ማኅበር ደራስያን ድኅሪ ምስታፎም ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ይኹን ደኣ እምበር ጥዕና ኣይረኸቡን።

ከምቲ ትምህርቲ ናይቲ ሓደ ፈላስፋ ብምጥቓስ “ጊዜ፡ ዕድመ፡ ቦታ፡ ፈቓድ፡ ክእለት፡ ስምምዕ እዞም ሽዱሽተ ነገራት እንተደኣ ተሓጋጊዞም ኵሉ ስራሕ ክፍጸም ይኽእል እዩ” ዝበልዎ ክብረት ጊዜ ፈሊጦምን ጊዜኦም ብግቡእ እናተጠቕሙን ኣብ ጊዜኡን ዘይጊዜኡን ጸኒዖም ብምግዳል፤ ንእስነቶም ብቃለ እግዚአብሔር ፈሊሞም መዋዕሎም ብቃለ እግዚእብሔር ብምፍጻም፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ሓዋርያ ኮይኖም ብምግልጋል፤ ፍቓዶም ምስ ፍቓድ እግዚአብሔር ብምስምማዕ፤ ንሞያን ክእለትን ከምቲ ዝደኸሙላ ክንዲኡን ኣብዚኆምን ብምፍራይ፤ ንዅሉ እናሰማምዑ ስለ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተጋደሉ መንፈሳዊ ሓርበኛ ኣቦ እዮም ነይሮም። 

ይኹን ደኣ እምበር ሊቀ መዘምራን ካብቲ መዋዕሎም ዝተጋደሉሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ከይተፈልዩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሞያ’ውን ኣበርክቶኦም እናወፈዩ እኳ እንተጸንሑ፡ ድኅሪ እቲ ዋዕላ ብ፲፱፻፸፰ ዓ.ም. (1986) ብናይ ሣልስቲ ሕማም ብሰላም ኣዕረፉ። ከምታ ደጋጊሞም ዝገልጽዋን ዝመሰሉላን ካብዚኣ ጊዜያዊት ዓለም ናብቲ ዘይኃልፍን ዘለዓለማዊን ሕይወት ብሰላም ተሰጋጊሮም። 

“እስመ ብዝኃ ጠበብት መድኃኒተ ዓለም ውእቱ” (ብዝኂ መምህራን መድኃኒት ዓለም እዩ) 
 ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣቦታት ከየስእነናን ኣብዚኁ ክህበናን እግዚአብሔር አምላኽና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

መወከሲ ጽሑፋት  
  1. ፍሬ ሊቃውንት
  2.   In Memory of Moges
  3.   ኣንጋረ ፈላስፋ 
  4.  ጋዜጣ ዜና ቤተ ክርስቲያን 
  5.  ዝተፈላለዩ መርበባት ሓበሬታን መጽናዕታዊ ጽሑፋት
  6.   ናይ ቴሌፎን ዝርርብ መቕርብቶም ምስ ዝነበሩ

1 comment: