በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን: ዓለም ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ማዕቢላ ነቲ ዝነበራ ገዲፋ ናብ ካልእ
ሓዲሽ ምዕራፍ ትግስግስ ኣላ። ጐኒ ጐኒ ድማ ዝተፈላለየ ናይ እምነት ትካላት: ሃይማኖት ብምጥዋይ ምስኣ ይውንጨፋ ኣለዋ። ዲያብሎስ
እቲ መጻረርትና ተመሊሱ ንክኸሰና ጽቡቕ ናይ ፈተነታት ሥራሕ ረኺቡ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። እቲ ሓቂ ግና ብጊዜን ኵነታትን
ንዅሉ ዝፈጠረ: ኵሉ’ውን ብእኡን ንዕኡን ዝኾነ: እቲ ዝነበረን ዘሎን ንዘለዓለም ዝነብር ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያንና ትምስክር።
ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ትምህርቲ ሃይማኖት መጺኡ ነዚ ከረድኣና ከሎ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ እዩ።
በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ” ኢሉ ይገልጽ። ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ድማ “ግናኸ ንሕና
ኾነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ ነቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዚጻረር ካልእ ወንጌል እንተደኣ ሰቢኽናልኩም ውጉዝ ይኹን” (ገላ
፩፥፰/1፥8)። ኣስዕብ ኣቢሉ “ሕጂ’ውን ሓደ ነቲ ዝተቐበልክምዎ ዚጻረር ካልእ ወንጌል እንተደኣ ሰቢኹልኩም ደጊመ ውጉዝ ይኹን
እብል ኣሎኹ” (ገላ ፩፥፱/1፥9) ብምባል የጠንቅቐና። ኵሉ ሕዝቢ ምእንቲ ክፈልጥ ናብ ሰብ ኤፌሶን’ውን “ደጊም ከም ሕፃናት ብናይ
ሰብ ምጥባርን ምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኮልን ዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ንየው ነጀው ኣይክንድፋእን: ኣይንክንኰብን ኢና” ኢሉ
ይምዕደና (ኤፌ ፬፥፲፬/4፥14)። ኣብ ዳኅረዋይ ዘመን ሓሰውቲ መሲሓንን መስሓትያንን ከም ዝመጹ ክንጥንቀቐሎም ከምዝግባኣናን ባዕሉ
ጐይታናን መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሂሩና እዩ (ማቴ ፳፬፥፳፬/24፥24)። ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ባህርይ ብትዕቢትን
ብትምክሕትን ስለዝተዓብለለ ኑፋቄ (ጥርጥር) ኣብ ልቦም ብምብቋል: ንናይ መጻሕፍቲ ቃል ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ከምዝጠውይዎ ቅዱሳን
ሓዋርያት ገሊጾም ኣለዉ። (ካልኣይ ጢሞ ፫፥፩-፱/3፥1-9 ካልኣይ ጴጥ ፪፥፩-፳፪/2፥1-22 ፫፥፲፮/3፥16) ፍቁር ጐይታ ተባሂሉ
ዚጽዋዕ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ’ውን “ኣቱም ፍቁራተይ ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ናብ ዓለም ተዋፊሮም ኣለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ካብ
ኣምላኽ እንተኾይኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ኵሉ ኣይትእመንዎ ብምባል ኣብ እምነትና ጸኒዕና ክንነብር ይምዕደና (ቀዳማይ
ዮሐንስ ፬፥፩/4፥1) ።