Tuesday, July 3, 2012

ርክበ ካህናት (፯ይ ክፋል)


ሕግታት ቤተ ክርስቲያንና ብመንጽር ዕላማ ርክበ ካህናት

“ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር” ከምዝብሃል እቲ ብሊቃውንቲ ኣቦታትናን ጊዜያዊ መንበረ ጵጵስናን ጸዲቑ በብእዋኑ እናተመሓየሸ ዝወጸ መምርሒ ሕግታት (ቃለ ዓዋዲ): ነቲ ካብ ቅድም ዝጸንሐ ጉባኤ ካህናትን ኣገዳስነቱን ኣብ ግምት ብዘእተወን፤ ዝጸንሐ ሕግታት ቤተ ክርስቲያንን ተሞክሮን በቲ ሓደ: ኣካይዳን ኣኃት ኦርየንትል ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ በቲ ካልእ መርሚሩን ኣገናዚቡን: ብሓድሽ ኣወዳድባ ካብ ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን ኣትሒዙ ክሳዕ መንበረ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን ክህሉ ንዝግባእ መንፈሳዊ ጉባኤያት ብዝርዝር ዘቐመጠ እዩ። (ኣንቀጽ ፶፫-፶፰/53-58) ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ክዝርዘሩ ከለዉ፦ ናይ ክልል ሰበኻ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ንናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ናይ ሃገረ ስብከት (መንበረ ጵጵስና) ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ናይ መንበረ ፓትርያክ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ እዮም። ነፍስ ወከፍ ጉባኤታት ከኣ ዘለዎም መዝነትን ተግባርን: ዝህልዎም ውክልናን ኣቃውማን: ዝጋብኡሉ ጊዜ: ወቦ ዘተርፈ ኣዝዩ ዝርዝራዊን ዝተማለአን እኳ እንተዘይተባህለ’ውን: እቲ ቀቀንዱን ከስርሕ ዝኽእልንሲ ብሕጊ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣንቀጻቱ ተቐሚጡ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ እዞም ጉባኤታት’ዚኦም ተሓቚፎሞ ክትግበሩን በብደረጅኡ ከሰላሰሉን ዝተወሃቦም መዝነትን ዕላማን ከኣ እቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ይስርሓሉ ንዝነበረ ዕላማ ርክበ ካህናት ዘንጽርን ምስ ምምሥራትን ኣሠራርሓን ሰባኻ ጉባኤያት ዝተዛመደን እዩ።

ኮይኑ ግና እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘተሓሳስብን እምበኣር፤ እዚ ኣብ ፍኖተ ሕይወት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንበለ መጠን ዓቢይ ዕላማን ተግባርን ዘለዎ ጉባኤያታት ስም እምበር ግብሪ ከሰንዮ ዝረኣየሉ ጊዜ ውሑድን ሳሕትን ምዃኑ እዩ። ክልል ሰበኻ ጉባኤያት ካብ ጊዜ ደርጊ ኣትሒዞም ብትግሃት ኣቦታት በብሃገረ ስብከቱ ዝቖሙን ክካየዱ ዝጸንሑን እዮም። ድኅሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ ካብቲ ዕለታዊ ኣገልግሎትን ተግባራትን ናይ ክልል ሰበኻ ጉባኤያት ወጻኢ ኣድማዒ ነገራት በብሰበኻኦም ይሥርሑ ኣለዉ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። እኳ ደኣ ዝበዘኀ ጊዜኣቶም ኣብ ምስማዕ ክስን ተኻሰስትን ዘኅልፍዎ ምዃኖም ኣይከሓድን እዩ።  ኣረ በገሊኡስ ቤት ፍርዲ ተቐይሮም ኣለዉ ማለት ይቐልል። ንኵሉ እቲ ዝገጥሞም ዕንቅፋት ሰጊሮም: ቀዋምን ነባርን ከምኡውን ንመጻኢ ኣብ ግምት ዘእተወ ሥራሕ ዝሠርሑ ክልል ኣብያተ ክርስቲያናት ብደረጃ ሃገር ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ብፍላይ ከኣ ንርእሱን ንቤት ጽሕፈቱን ከማእከል ዘይከኣለ እሞ “ምእኩል” ምሕደራ ገንዘብ ከተኣታቱ ዝፍትን ናይ ሕጂ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያክ፤ ሕሳባት ባንክን ካሳታትን ክልል ኣብያተ ክርስቲያናት ልኵቶ ካብ ዝገበረሎም ኣትሒዙ ከኣ ዝገደደ ሕመቕን ዘይተገዳስነትን ኣብ ምሕደራ ክልል ሰበኻ ጉባኤታት ከምዝተኣታተወ ዝፍለጥ ነገር እዩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ’ውን ድኅሪ ናጽነት ምስ ሲመት ጳጳሳት ዝቖመ ኣካል እዩ። ካብኡ ወጻኢ ግና እቶም ዝተረፉ ጉባኤያት ግና ብስም ኣብ ወረቐት ደኣ እምበር ከም ኣካል ዝረኣዮም የልቦን ክበሃል ይከኣል። ኣሎ በሃሊ ዝርከብ እንተኾይኑ ከኣ “ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ኢልና ከነመልክት ኢና። ኮይኑ ድማ እቲ ኵሉ ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ብሊቃውንትን ጳጳሳትን ብብዙኅ ድኻም ተሰናድዩ: ኣብ ሕጊ ቃለ ዓዋዲ ዝወጸ መምርሒታት ይስርሓሉ ዶ ኣሎ ኢልና ክንሓትት ከሎና ምላሽ ዘይርከቦ ኣርምሞ ይውሕጠና።

ይትረፍ እቶም ዝተረፉ ታሕታዎት ኣካላት ጉባኤያት፤ ንርእሱ ቅዱስ ሲኖዶስና ብዝግባእ ናጻ ኮይኑ ስሩዕ ኣኼባታት የካይድን፤ ተግባራትን መደባትን ሃገረ ስብከታት ይግምግምን ይመርሕን .... ኣሎ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ከምኡ ኢሉ ዝምጒት እንተሎ ነታ ዘይትኽወል ሓቂ ክኽውላ ይፍትን ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ኵሉ ድኽመት ኣሠራርሓ እዚ ምናልባት ገሊኦም ከም መመሳመሲ ክጥቐሙሉ ዝደልዩ፤ ምስ ጒዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ዝተተሓሓዘን ዝጀመረን ዘይኮነስ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ ዝነበረን ዘሎን እዩ። ጸገማቱ ብዝግባእ ተረዲኦም ግቡእ መስመሩ ከትሕዝዎ ዝተበገሱ እሞ ዕድመ ከይረኸቡ ዕረፍተ ሞት ዘርከቦም ካልኣይ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ያዕቆብ እዮም ዝነበሩ። ካብኡ ወጻኢ ግና ነቲ ሽግር ዘስትውዓሉ ብዙኃን ቀናዕቲ ሃይማኖትን ተገደስትን በብኵርንዑ ጥርናዓኖም ኣይኮነን: ኣውያቶም እንተደርግሑ’ውን ሰማዒ እዝኒ ዘይረኸቡሉ ጕዳይ እዩ። እቲ ሽግር’ውን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ኸኣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ዝስሓት ነገር ኣይኮነን። ዘቤታዊ ዝኾነ ምሕደራዊ ዓቕሚ ኣቦታትና ብምኅያል: ሓድነቶም ከምዝተርር ብምግባር ኢድካ ከየእቶኻ ነንሕድሕዶም ዝማኸረሉን ዝላዘቡሉን ጥጡሕ ባይታ ኣብ ክንዲ ምፍጣር: ዝኸፋፍልን ዘዳኽምን: ነንሕድሕዶም ምትእምማኖም ዘጠፍእ: ኣበርክቶኦም ዘስተናዕቕን ዝጐስይን ወዘይመስሎ ኣካይዳ ዳርጋ ልሙድ ኣሰራርሓ ናይቲ “ኣመሓዳሪ ኣካል” ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ውሻጠ ዝተወደአ ጕዳይ ክፍርሙሉ ጥራይ ምጽዋዕ፤ ሓዲስ መልክዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። እቶም ከወንቱን መኸርቱን ጥራይ ኣብ ዝደልይዎ ኣርእስቲ ንኣቦታት ኣብ ኣኼባ ምጽዋዕ ንመራሕትና ተመራሕቲ፤ ከም ድፍረት ከይቍጸረልና ደኣ እምበር ነቶም ቀርኒ ክኾኑ ዝግባእ ጭራ ይገብሮም ኣሎ።

ንኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ: ንናይ ገዳማት ኣበምኔታት: ንተወከልቲ ካህናት ሃገረ ስብከታት: ንተወከልቲ ምእመናን ሃገረ ስብከታት: ንተወከልቲ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከታት: ንሓለፍቲ ክፍልታት ሥራሕ መንበረ ፓትርያርክ ዘጋብእን ዘዛትይን ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክ’ኳ ኣብቲ ዝሰፈረሉ ሕጊ እንተዘይኮይኑ ደሃይ’ውን የብሉን። ከምዚኦም ዓይነት ኣካላትን ጉባኤያትን መትንታት ቤተ ክርስቲያን (ካብ -  ናብ  ሓሳባትን መደባትን ውሳነታትን ዝዛወሩሉ) እኳ እንተኾኑ፤ ቤተ ክርስቲያንናስ ሕርመት ልባ: ደመ ሕይወት ኣብ ዘይጭንጒዓሉ ኩነት ትርከብ ስለዘላ ህላዌኦም ኣይንርእዮም ኣሎና። እኳ ኣብዚ ደገ ንዘለና ኣብያተ ክርስቲያናት ከረኻኽቡልና ይትረፍሲ: ነቶም ኣብ ጥቓ ኣዕይንቶም ንዘለዉ ኣብያተ ክርስቲያናት እኳ ብኸምዚ ሕግን ሥርዓትን ዝተኸተለ ቅኑዕ ኣስራርሓ ከማሕድርዎም ኣየከኣሉን። እቲ እፈልጥ እየ ዝብል ምሕደራዊ ኣካል’ውን ንኸምዚኦም ኣሰር ርክበ ካህናት ዝተኸተሉ ኣካላት (ጉባኤያት) ከባርብር ዘምድላዩን፤ ብዘይ ምኽርን ምልዛብን ንዅሉ ንኣሽቱን ዓበይትን ጕዳያት ገቢቱ በይናዊ ውሳነታት ጥራይ ክህበሉ ምኽኣሉን: ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣሻቓሊ ናብ ዝኸፈአ ኵነት ኣዕሪግዎ ኣሎ። እንተንርድኦሲ መንፈሳዊ ምሕደራን ዓለማዊ ምሕደራን ስም እምበር መንፈሱስ በበይኑ እዩ። ኣብ ሞንጎኡ ዘራኽብ ትምህርታዊ ፍልስፍና እኳ እንተለዎ: ፍልልዩሲ ክንዲ ሰማይን ምድርን እዩ።

ኣብ ገጠራት ይኹን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፤ ከምኡውን ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ብትግሃት ዘገልግሉ ዘለዉ ካህናት ድምፆም ክስማዕ፤ ስለ ሽግራትን መፍትሒታቱን፤ ስለ ዕብየትን ካልእን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዘሎ መንፈሳዊ ነገራት ኵሉ ክዛተዩ: ክማኸሩ ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ። ኣይፈልጡን እዮም ተባሂሎም ዝተዘርበሉን ዝተናዕቕሉን ጊዜ ኣብ ዘመንና ከምዝስተሰምዐ ዘየከሓድ ሓቂ እዩ። ግና ከነስተውዕሎ ዝግባእና ልዕሊ ኵሉ ፈላጥ ዝኾነ እግዚአብሔር ምስኣቶም ከምዘሎን፤ ዕድል ኣይተዋህቡን ደኣ እምበር ዝዛረብዎ ብዙኅ ቍም ነገር ኣብ ውሽጦም ተደጒሉ ከምዘሎን እዩ። ስለዚ ይትረፍ ካህናት: ምእመናን’ውን ድምፆም ክስማዕ፤ ሱታፌኦም ዘኅይለሉ መገዲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክደላደል ክኽእል ኣለዎ። ቁመታ ለቤተ ክርስቲያን ውእቱ በበይናቲሃ፤ ወለእመ ኢሀለዉ ሕዝባውያን በላዕለ መኑ ይሠየሙ ኤጲስ ቆጶሳት ወቀሳውስት (ኣናብራ ቤተ ክርስቲያን ነሕድሕድካ ብምኽብባር እዩ። ሕዝባውያን እንተዘለዉ ኤጲስ ቆጶሳትን ቀሳውስትን ኣብ ልዕሊ መን ክሽየሙ እዮም።) (ፍትሓ ነገ ኣንቀጽ ፱፥፪፻፺፮) ዝተባህለ’ውን ንኸምኡ እዩ። ምስቲ ኵሉ ዘሎ ሽግራት: ቤተ ክርስቲያንና ደው ኢላ ዘላ ብትግሃት እቶም ኣብ ርእሲ ኮይኖም ንብፁዓን ኣቦታት ከም ድሌቶም እናዘዋወሩ “ዘማሕድርዋ  ኣካላት” ዘይኮነሲ፤ በቶም ኣብ እግሪ ኮይኖም ካብ ሕዝቦም ከይተፈልዩ ብዘይ ሥጋዊ ዓስቢ ብዝጓስዩ ውፉያት ካህናትን ብኣበርክቶ ምእመናንን ምዃኑ መን እዩ ዝኽሕዶ?

1 comment: