Thursday, July 5, 2012

እግዚአብሔር ዘይልውጦ ዘመን የልቦን!


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።


ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና፦ ከምቶም ዝቐደሙ ዘመናት ኣቦታትና፤ ሎሚ’ውን ብዝተፈላለዩ ፈታኒ መድረኻት ታሪኽ ትሓልፍ ኣላ። መድብል ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ገጻቱ ዘይውዳእ፤ ምዕራፋቱ ድማ እምብዛ ብዙኅ እዩ። ብዝግባእ ምንባብን ምስትውዓልን ድማ ይሓትት። ሓሓንሳብ ብምምስሳል ዝደጋገመሉን ዝመላለሰሉን ኵነት ይሃልዎ ደኣ እምበር፤ በብዘመኑ ነናቱ ኣገላልጻን ክውንነታዊ ፍጻሜን ኣለዎ። ዝኾነ ዘመን ናቱ ናይ ርእሱ መልክዕ ኣለዎ። ኵሉ ዘመን ከም ሓረገ ትውልዲ ስለዝተሰናሰለ፤ ውጽኢት ናይቲ ቅድሚኡ ዘሎ ዘመን ኮይኑ ካብቲ ዝቐደመ ዝወርሶ፤ ናብቲ ዝቕጽል’ውን ዘውርሶ ነገር ክህሉ ከኣ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፤ ትማልን ቅድም ትማልን ፈተና ነይሩ፤ ሎሚ’ውን ኣሎ። ትማሊ ካብቲ በብዘመኑ ዘጋጥም ዝነበረ ምዕንቃፍን ምድካምን ጊዜኡ ምስ ኣኸለ፤ ምትንሣእን ምብርባርን ነይሩ፤ ወዲቕካን ደቂስካን ምትራፍ ንሓዋሩ ስለዘየሎ ከኣ፤ ሎሚ’ውን ካብ ዘሎ ኵሉ ምውዳቕን ድኽመትን ከኣ ትንሣኤ ክህሉ ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣምላኽ ዝተነገረን፤ ዘይበርስ ኪዳን ዝተዋህቦን እዩ። ኣብቲ ዘመን ምትንሣእ ግና ዝደቀሰ ኵሉ ክበራበር ከድልዮ እዩ እምበር፤ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ዘይተርፍ ምዃኑ ግሁድን እሙንን ነገር እዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ዘይልውጦ ዘመን ስለዘየልቦ፤ እዚ ሎሚ ዘሎ ኵሉ ምድንጋርን ሕንፍሽፍሽን ጽባሕ ብርግጽ ብኃይሊ ኣምላኽ ክልወጥ እዩ።

ማየ ሕይወት ንዝተባህለ ፈለገ ዮርዳኖስ ከይተረፈ ውሒጡ ዘትርፍን ሕይወት ካብ ዘይረከቦን ሙውት ባሕሪ (ባሕረ ጼው) ከይተረፈ እኳ፤ በብዓይነቱ ዘመደ ዓሳ ክግፈፈሉ ምዃኑ ዝተነግረ ትንቢት ዘመኑ ምስ ኣኸለ ተፈጺሙ እዩ። እቲ ትንቢት ክሳዕ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ እናተፈጸመ ምቕጻሉ ከኣ ዘይተርፍ እዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና፤ ብመርበበ ወንጌል፤ ብስብከት ሓዋርያት፤ ካብቲ ሙውት ባሕሪ ዝተባህሉ ኣሕዛብ ክንደይ ቅዱሳን ክንደይ ምእመናን ተገፊፎምን ተረኺቦምን እዮም (ሕዝ ፵፯/47)። ቤተ ክርስቲያን በብጊዜኡ ውዑይን ዝሑልን፤ ጸልማትን ብርህው ዝበለን ዘመን የጋጥማ እምበር፤ ዓሣታት ካብ ምግፋፍ ዘቋረጸትሉ እዋን የልቦን። እንተዘይከውን ናትና ህላዌ ኣብ ክርስትና’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ምኣተወ ነይሩ። ብኣንጻር እቲ ዲያብሎስ ብመጋበርቱ ኣቢሉ ወትሩ ዝፍትናን ከጥፍኣ ዚደሊን፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘይበርስ ኪዳን ስለዝኣተወላ ደኺማ እትተርፍን፤ እትጠፍእን ምድራዊት ትካል ኣይኮነትን።

ኣብ ዘመንና ከምዚ እንርእዮ ዝተፈላለየ ፈተና ንቤተ ክርስቲያንን ደቃን የጋጥም ስለዘሎ ግር ይብለና ደኣ እምበር፤ ኣቦታትና’ውን ከምኡ ተፈቲኖምን ተጋዲሎምን እዮም ነቲ ዘመኖም ብዓወት ዝሰገርዎ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ በብዘመኑ ነቶም ቤቱ ከዕንዉ ንዝተለዓሉ ከሕስሮም ከሎ፤ በቲ ንሱ ዝሰርዖ ሕጉን ትእዛዛቱን እናተመላለሱ፤ ስለ ቤቱን ሥርዓቱን ብቅንኣት ንዝጋደሉ ከኣ ጸጋን ክብርን ይህቦም። ምስ ቤተ ክርስቲያን ተዋጊኡ ዝሰዓረ ኣብ ታሪኽ ኣይተረኽበን፤ ክርከብውን ዝከኣል ኣይኮነን። ዮሐንስ ኣፈወርቅ’ውን “ሰይጣን ኵሉ እቲ ዘለዎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን እንተሰንደወ’ውን ክስዕራ ኣይከኣለን” ኢሉ እዩ ገሊጽዎ። ደቂ ሰባት ስለዘይነስተውዕል እምበኣር ቤተ ክርስቲያን ኵልሳዕ ምስ ተፈተነትን ምስ ሰዓረትን እያ። ኣብቲ ፈታኒ እዋን፤ ሓያሎ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፤ ብዕላማ ይኹን ብዘይምስትውዓል፤ ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ክለዓሉ ከለዉ፤ እግዚአብሔር ድማ ኣብዚ ከምዚ ዝመሰለ ዓውዲ ተጋድሎ፤ ሱታፌ መንግሥቱ ንክህልዎም፤ ዓስብን በረኸትን ንክረኽቡ እሙናት ደቁ በብእዋኑ የተንሥእ እዩ። ምትንሣእ ቀናእቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ደቁ ከኣ ዋዜማ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ክግለጽ ይከኣል።

ቤተ ክርስቲያን ንዘመነ ጸልማት ኣኅሊፋ ምትንሥኣ ዘይተርፍ እዩ!
ንቤተ ክርስቲያንና፦ ኣብ ጊዜና ጸልማት ዝመስል፤ ንከተለልዮ ዘጸገም ዘመን ዋግዋጎ የጋጥማ ደኣ እምበር፤ ብርግጽ ነዚ ዘመን ጸልማትን ድቃስን ኣሕሊፋ ኣብቲ ብርሃን ክትሰግርን፤ ክትበራበርን እያ። ገሊኦም ነዚ እሙንን ሕያውን ታሪኽ ስለዘየስተውዕልዎ፤ መጋበርቲ ጸልማት ኮይኖም ነታ ክትጥፍእ ዘይከኣላ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍእዋን፤ ብመገዶም ክትክእዋን ክጥባቡ ይረኣዩ እዮም። እቲ ብመጻሕፍትን ካልእ ምስክራትን እንፈልጦ ድንቂ ተጋድሎ ታሪኽ ኣቦታትና ኣቦታትና ንጐድኒ ገዲፍና፤ ትማሊ ትማሊ ኣብ ዘርከብናሉ መዋዕል እኳ ገሊኦም ብደገ ኮይኖም፤ ገሊኦም መጋብርቲ ከኣ ብውሽጢ ኮይኖም ምእመናን ብምኽፍፋልን ንዝተማህረ ወለዶን መንእሰይን ብምዝማትን፤ ንዕንወት ንሶም ክትረኣዮም ንዘይከለት ሕያዊትን ርትዕትን ቤተ ክርስቲያን ዝከኣሎም ፈቲኖም እዮም። እዚ ብዓይንና ስለዝረኣናዮ ክንክሕዶ ዘይከኣል ሓቂ፤ ክንርስዖ ዘይከኣል ምዝጉብን ሥዑልን ታሪኽ እዩ። ሎሚ ኣብዚ ደገ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝፍትንዎ ፈተነ’ውን፤ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይተዓወቱሉ “ራእያቶም” እምበር ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ትማሊ ትማሊ ኣብ መጽሔታቶምን ጋዜጣታቶምን፤ ኣብቲ ስብከት ጉባኤኦም’ውን ከይተረፈ፤ ድኻማ መዝሚዞም “ሞይታ” ኢሎም የባጭዉላ ካብ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፤ “መንፈስና” የዕልቕልቕ ኣሎ ኢሎም ካብ ዝፍክሩሉ ዝነበረ ዓውዲ፤ “መንፈሶም” እናተጸርገ፤ ንሃይማኖት ኣቦታቶም ቀናእቲ ዝኾኑ ሊቃውንት፤ ንጹሓን ሰብ ኣክሊል መነኮሳትን መነኮሳይትን፤ ሓርበኛታት ሃይማኖት ንኣሽቱን ዓበይትን ውሉደ ክህነት፤ ይፈርዩን ይዕምብቡን ከምዘለዉ ነስተውዕሎ ዘሎና ኣፈፌት ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን እዩ። መቐጸልታ እቲ ገና ተስፋ ዝግበረሉ ፍሬ’ውን፤ እንሆ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ፤ ነቲ ንሳቶም “ጽኑዕ ዕርድና መዕቖቢናን” ኢሎም ንዝፍክርሉ ዝነበረ ሕዝኣቶም ድሮ እኳ ክጸርጎን ከማህምኖን ምጅማሩ ብዓይንና ንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እዚ ኵሉ ሓቅን ካልእን ከኣ ሓደ ነገር የመልክተና እዩ። ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጸቕጥን ተጻይነትን፤ ድኻምን ምትእትታውን፤ ቤተ ክርስቲያንና ድኻማ እንተበዘኀ፤ ድቃሳ’ውን እንተበርተዐ፤ ምስኣ ዘሎ ሕያው ክርስቶስ ስለዝኾነ ብርግጽ ፈጺማ ትንሣኤኣ ዘይተርፍ ምዃኑ እዩ። እቶም ሎሚ ሓቂ ብዝመስል ምሕዞ ሓሶትን፤ ሓዋርያዊ ሥራሕ ብዝመስል ጥበራ መናፍስትን ሕዝብና ከደናግሩ ዝፍትኑ እኳ እንተለዉ፤ ይውዓል ይሕደር ከም ንፋስ ዝረኸቦ ደበና ናብቲ ጥፍኣቶም ባዕሎም ክድፍኡ እዮም። ነቲ ሓቀኛ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ማእዝኑ ከስሕቱ፤ ነቲ ብገርሁ ካብ ዝጸንሐ ሓድሽ ወለዶ’ውን ድንጋፀ ክረኽቡ እንተፈተኑ ውዒሉ ሓዲሩስ ኵሉ እቲ ሓቅን መንነቶምን ከም ማይ ንግሆ ክጸሪ እዩ። እቲ ብብዙኅ ሸነኻት እትፍተን ዘላ ቤተ ክርስቲያን’ውን ሽዑ ብርሃና ደሚቑ ክወጽእ፤ ከምታ ኣብ ደብሪ ዘላ ከተማ ሓቅነታ ዝያዳ ጒሊሑ ክረአ እዩ። እዚ ሎሚ ዝፍትና ዘሎ ግብሪ ጸልማት’ውን፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰዓቱ ኣኺሉ ዝወጽእ ብርሃን ስፍራ ኣይክርከቦን እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ተጋድሎ ግና ከነስተውዕሎ ካብ ዝግባኡና ነገራት ሓደ ክርሳዕ ዘይብሉ ቍም ነገር ኣሎ።

ውግእ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሥጋን ደምን ኣይኮነን!
ትማሊ ብሓቀኛ መገዲ ሃይማኖት ጸኒዖም፤ ስለ ዕብየትን ስፍሓትን ርትዕቲ ሃይማኖት ዝጋደሉ ኣቦታት ነይሮም፤ ሎሚ’ውን ይብዝኁ ይውሓዱ ብርግጽ ኣለዉ። ትማሊ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ሜላን ሥጋዊ ጥበብን ንምድኻምን ንምዝራግን ዝፍትኑ በብዓይነቶም መሠርያን፤ መናፍቃን፤ ኣላውያን፤ ቢጽ ሓሳውያን፤ … ነይሮም፤ መልክዖም ቍሩብ ይቐይሩ ደኣ እምበር ዕላማታቶም ዝወረሱ ውሉዶምን ተረፎምን ዝኾንዎም ከኣ ሎሚ’ውን ኣለዉ። ጅግና ኣብ ዓውዲ ኲናት ከምዝፍጠር፤ ነዚ ዝመከቱን ዝምክቱን ናይ ሃይማኖት ሓርበኛታት ኣብ ዓውዲ እቲ ቀራንዮ ዝመሠረታ ቤተ ክርስቲያን በብዘመኑ ኣለዉ። ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዋዕል ታሪኻ ፈጺማ ካብ ከምዚ ዓይነት ውግእ ርሒቓን ተፈልያን ኣይትፈልጥን። እቲ ውግእ ግና ግዙፍን ሥጋዊን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ረቂቕን መንፈሳዊን እምበር።

ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ብዛዕባ ተጋድሎ ሃይማኖት ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ሥጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኲሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።” ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዚ መልእኽቱ ከምዘዘካኸሮ፤ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ወትሩ ዝዋግኣን ዝቓወማን ካልእ ዘይኮነስ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ሰይጣን ምዃኑ እዩ ገሊጹልና። ንሱ ኸኣ ነታ ደቂ ሰባት ብሰላምን ቅዱስ ኣምልኾን ክነብሩላ ንዝተዋህበቶም ኤደን ገነትን፤ ኣብኣ ንዝመሥረተት ቀዳመይቲ ሓድነትን ኣብ ሥጋ ከይሲ ኣብ ተመን ሓዲሩ ከምዝተፈታተና፤ ሎሚ’ውን ነታ ብደም ክርስቶስ ንዝተመሥረተትን ከም ሓመረ ኖኅ ካብ ርኽሰት ዓለም ንክንዕቖበላ ንዝተዋህበትና ቤት እግዚአብሔር ሰላማ ክዘርግ ብመጋብርቱ ኣቢሉ ነቲ ፍሕሶ ክቕጽሎ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ነቲ ፍሕሶ ሰይጣንን ኲናቱን ንምክልኻልን ንምስዓርን ኣጽዋር ኣምላኽ ንዝተባህሉ ሓቂ፤ ጽድቂ፤ ወንጌል ሰላም፤ እምነት፤ ቃለ እግዚአብሔር፤ ጸሎት፤ ትዕግሥቲ፤ ወቦ ዘተርፈ ክንዓጥቕን ብኸምኡ ከኣ ክንነብርን ዝመዓደና። (ኤፌ ፮፥፲፩-፲፰/11-18) እምበኣር ሎሚ’ውን ነዞም ንኣዴና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓድነታ ድዩ ኣብቲ ርቱዕ ትምህርታን ሥርዓታን፤ ኣብ ታሪኻ ድዩ ኣብ ቅዱስ ትውፊታ፤ ወቦ ዘተርፈ ንዝፈታተንዋ ዘለዉ መከልኣን ክንሥዕረሉ እንኽእል መገዲ ምድራዊ ጥበብን ፍልስፍናን ወይውን ምድራዊን ሥጋዊን ኃይሊ ዘይኮነስ፤ ሃይማኖትካ ብምጽናዕ፤ ትእዛዝ እግዚአብሔር ብምሕላው፤ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመዓደና ከኣ መንፈሳዊ ዕጥቂ ብምዕጣቕ እዩ። ስፍሓት፤ ዕብየት፤ ዕምቈት፤ ጥበብ … መናፍቓን ብዘየገድስ፤ ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትና ዓቂብና፤ ኣብ ወንጌል’ውን ንዝተነግረና፤ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንዝመዓደና መንፈሳዊ ዕጥቒ ኣደልዲልና ሒዝና መንፈሳዊ ተጋድሎና ክንቕጽል ክኢልና፤ ብዘይ ጥርጥር ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀረባ እዩ። ብዝነፈሰ ንፋስን፤ ብዝተዓጐደ ሓዊን፤ ብዘናውጽ ማዕበል እንተተፈተና’ውን፤ እምነትና ከይጐደለ እንተደኣ ጸኒዕና፤ እቲ ህድኣት ባዕሉ ካብ ጐይታ ክመጽእ እዩ።

ዘይበርስ ቃል ኪዳን
ብርግጽ ድማ እዛ ክትፍተን እምበር ዘይተሰዓርነት እሙንን ዘለዓለማዊን ኪዳን ዝተዋህባ ቅድስት ቤት፤ ኣደ ኵሎም፦ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኾም፤ ስለ ቤተ እግዚአብሔር ሕይወቶምን ኵለተንኦምን ከም ውኩፍ መባእ ዘቕረቡ፤ ስለ ጽድቅን ሓቅን ኣእምሮኦምን ሥጋኦምን ከም ንጹሕ መሥዋዕቲ ገይሮም ዝወፈዩ፤ ንበላሕቲ ሓጻውንን ሰይፍን፤ ንመግረፍትን ዘስቕቕ ማእሰርትን ዝተጻወሩ፤ ንማይን ንሓውን፤ ንጨካናት ኣራዊትን ዘይምሕሩ ሰባትን ግዳይ ዝተዋህቡ፤ ንፍቓድ ሥጋኦም ብፍጹም ፍቓደ ነፍሶም ዘግዝኡ፤ ኣብ ምድርን ባሕርን፤ ለይትን መዓልትን ብዘይምብታኽ ዝተጋደሉን ተኣምራት ዝፈጸሙን ቅዱሳንን ቅዱሳትን እያ። ንቤቱን ደቁን ዝሕሉ ዘይታኸስ ጓሳና እግዚአብሔር ንሃገር ብዘይ ሓደ ኄር ስለዘይገድፋ፤ ዘመን ሓሊፉ ዘመን ክትካእ ንሃይማኖት ኣቦታቶም ዝቐንኡ፤ እቲ ቅዱስ ትምህርትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ከይፋለስ ተጊሆም ዝሕልዉ፤ ዝጽዕሩን ደቁ የተንሥእን የበራብርን እዩ። ሎሚስ ደኺማ፤ መዘከርትኣ ጠፊኡ፤ ተካኢ ስኢና እናበሉ ክጐዛዝይዋን ክመናጠልዋን ኣኽቢቦም ከጨንቕዋ ከለዉ፤ መመሊሳ ትትንሥእ፤ ደጊማ ትኅይል። ርቐት ክፍኣትን ተንኰል መናፍቓን ብዘየገድስ፤ ብእምነት፤ ብጸሎት፤ ብጾም፤ መንፈሳዊ ትሩፋት፤ ብትምህርቲ፤ ብጥበብ፤ ብኣእምሮ፤ ወዘተ ርትዕት ሃይማኖት ኣቦታቶም ኣጽኒዖም ዝጋደሉ፤ ንዝደቀሱ ደቃ ዘበራብሩ፤ ንዝደኸሙ ኣብነት ዝኾኑ፤ ንጸላእታ ተስፋ ህልሞም ዘብንኑ ኵሉ ዝከኣሎ እግዚአብሔር ደጊሙ ደጋጊሙ ካብ ደቁ የተንሥእ እዩ። ምኽንያቱ ነቶም ዝቐደሙ ኣቦታትና ሓዋርያት ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘይበርስ፤ ልዕሊ ኵሉ ድማ ንቤቱ ይኃሊ እየ ካብ ዝብል ፍጡር ንላዕሊ ባዕሉ ዘፍቀራን፤ ደሙ ዘፍሰሰላን ዝኃልየላን ቅድስት ቤቱ ስለዝኾነት። ንኵሎም እቶም ደቁ ከኣ ዓወትን ተስፋን ዘስንቕ፤ ኃይልን መዊዕን ዝህብ እግዚአብሔር ስለዝኾነ፤ ስለቲ ኵሉ ዘይንገር ውህበቱ ካብ ኣጽናፈ ዓለም ክሳብ ኣጽናፈ ዓለም ዝተመስገነ ይኹን።

ኵልና ከነስተውዕሎ ከምእንኽል ሎሚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ብዝዓይነቱ ፈተና እትፍተንሉ፤ ከም መቕሎ ብላዕልን ብታሕትን፤ በየማነ ጸጋም ኣብ መጋርያ ሓዊ እትጐደሉ ጊዜ እዩ። ብዙኃት ቅንኣት እዛ ርትዕቲ ሃይማኖት ዘንድዶም ደቃ ከኣ እንታይ ኢና ክንከውን፧ እንታይ’ከ ክንርኢ ኢና፧ ብምባል ልቦም ክሽበር፤ ዘጨንቖም ሓሳባት ክገልጹ፤ ብቀቢጸ ተስፋ ክናወጹ ይረአ እዩ። ዝመጸ እንተመጸ ብዘየገድስ፤ ክዝክርዎን ከስተውዕሎን ዝግባእ ሓደ ዘረጋግእን ዘየናውጽን እሙን ቃል ኣሎ። ንሱ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ፈተና እኳ እንተበዘኃ ፈጺማ ክትናውጽ ዘይትኽእል፤ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤት እግዚአብሔር እምበር ቤት ሰብ ዘይምዃና እዩ። ቤተ ክርስቲያኑ ኣብታ ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር አብ ሕያው ምዃኑ ምስክርነት ኣብ ዝተዋህበሉ ኣንቀጸ ሃይማኖት ከምዝሥርታ ዝተዛረበ ባዕሉ ጐይታ ብዘይ ሕሶው ቃሉ፤ ብዘይ ዕፀፍ ኪዳኑ “ደጌታት ሲኦል ኣይኅይልዋን”!!! ክብል ኪዳን ኣትዩላ እዩ። ኣቦታትና’ውን ነዚ እሙን ቃል ሒዞምን በዚ ቃል ተጸናኒዖምን፤ ንኵሉ እቲ ዘጋጥሞም እሞ ብዓይነ ሥጋ ዘይስገር ዝመስል መስገደል ሰጊሮም እዮም። በብዘመኑ ዝገጥሞም ንዝነበረ ማዕበልን ሞገድን ብዓይነ መንፈስን እምነትን ርእዮም ስለዝተዓገሡን ስለዝተጋደሉን ድማ ካብ ርእሶም ሓሊፉ ንካልኦት በረኸት ዘውህብ፤ ኣኽሊል ጽድቂ ተቐቢሎም።

እምበኣር ሎሚ’ውን እዚ ወለዶ’ዚ ካብቲ ዝቐደሙ ኣቦታት መልክዑ ቍሩብ ይቐይር እምበር ኣዝዩ ፍሉይን ሓድሽን ፈተና ኣይገጠሞን፤ ክገጥሞ’ውን ዝኽእል ኣይኮነን። ካብ ኮነ ድማ ነቲ ፈተና ዘመኑ ክሰግረሉ ዝኽእል ኣገባብን ጥበብን ካብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ካብ ታሪኽ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ኣቦታቱን ኣዴታቱን ክመሃርን ክልብምን ይግባእ። ንሱ ኸኣ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መንፈሳዊ ኣጽዋር ለቢሱን ዓጢቑን ብሃይማኖት ጸኒዑ ምግዳል እዩ። ብውግእን ወረ ውግእን፤ ብዝተባህለን ብዝተገብረን ጥራይ ልቡ ክሽበርን ተስፋ ክቖርጽን ዘይኮነስ፤ ኣነ ንነፍሰይን ንቤተ ክርስቲያንን እንታይ እገብር ኣሎኹ፧ እንታይ’ከ የበርክት ኣሎኹ፧ ብሓቂ ከምቲ ዝግባእኒ መንፈሳዊ ዕጥቒ ዓጢቐ ብሃይማኖተይ ጸኒዐ፤ ብሰናይ ግብሪ ተሓኒጸ፤ ብትሩፋት ኣንቢበ ኣሎኹ ዶ፧ ክብል ይግባእ። ንኵሉ ዝግበር ነገር ድማ ብዓይኒ ሥጋ ካብ ምምርማር፤ ብዓይኒ እምነት ምርኣዩ ተስፋ ዘስንቕ፤ ልቢ ዘለምልም ብዙኅ ነገራት ክንርኢ ዘኽእለና እዩ። ንሕና ብሃይማኖት ይኹን ብግብሪ፤ ብሓቂ ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ እግዚአብሔር ጸኒዕና ንመላለስ ኣሎና’ዶ፤ እቲ ናይ ቤቱ ነገርሲ ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሕልዎን፤ ሓለውትን ሓነጽትን ዘተንሥኣሉ እዩ፤ ንሕና ግና መጀመርያ ንርእስና ዝኸውን ጽኑዕ እምነት ሒዝና ዲና፧ ኣብ ሰናይ ግብሪ’ከ ትጉሃት ዲና፧ ኢልና ንርእስና ምሕታት ዝግባእ እዩ።

ተስፋና ብሩህ እዩ!
ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና በብጽፍሑ ካብ ላዕለዋይ ምምሕዳር ጀሚርና ክሳብ ታሕተዋይ ሰበካ ጉባኤ ዘሎ ምዉት ኣካይዳን ምሕደራን፤ ኣብ ቤተ ክህነትና (ብፍላይ ኣብ ዝበዘኀ ከተማታት ሃገርናን ወጻእን) ሰፊኑ ዘሎ ነፍሰይ ይጥዓመንን እንታይ ገደሰንን ዝጠንቁ ድኽመት ጕስነት፤ መንፈሳዊ ረብሓን ክብሪ እግዚአብሔርን ዘይኮነስ፤ ረብሓ ገንዘብን ክብሪ ውልቀ ሰብን ዘቕድም ኣገልግሎት፤ ኣብ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ዕዮታትን ዘሎ ዝሕታለ፤ ከምኡውን ካልእ ኣብ ትሕዝቶን ዓቕሚ ሰብን ገዳማትና ዘሎ ድኻም፤ ኣብ መንእሰያትን ህጻናትን ዘሎ ድኻም ጕስነት ካህናትን ወለድን፤ ኣብ ገሊኡ ዝረአ ኣሰካፊ ሕጸጸ ምግባርን ሃይማኖትን ወዘይመስሎ … ብሓፈሻ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ጸገምን ድኽመት ተጸብጺቡ ዘይውዳእ ብዙኅ እኳ እንተኾነ፤ ብእምነት ከነስተውዕል እንተደኣ ክኢልና ተስፋናስ ገና ብሩህ፤ ምምዕዳውናስ ገና ንጹር ኮይኑ ክረኣየና ይኽእል እዩ። ካብቲ ምስ ገበርቲ ጸልማት ዘሎስ፤ ምስቶም ደቂ ብርሃን ዘሎ ከምዝበዝኅን ከምዝኅይልን ምስትውዓልን ብእምነት ምርኣይን የድሊ። ይውዓል ይሕደር ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ዘይተርፍ እሙን ነገር እዩ። ጥርጥር’ውን የብልናን። እቲ ዕዮ ናይ እግዚአብሔር እምበር ናይ ሰብ ስለዘይኮነ።

ድሮ እኳ እቲ ተበግሶን ቅዱስ ቅንእን ኣብ ኵሉ ዓውድታትን ኣካላትን ቤተ ክርስቲያን ይቀላቐል ኣሎ። “እስከ ማዕዜኑ” (ክሳብ መኣስ) ከምዚ ኢልና ክንተርፍ፤ ታሪኽን ዘመን ቅዱሳን ኣቦታትና ክምለስ፤ ዘመን ሊቃውንትናውን ክድገም ኣለዎ ዝብል ኅሊናን፤ ተበግሶን ከም ቅልጡፍ ሓዊ ውሑዳት ኣብ ዘይኮኑ መንእሰያት ውሉደ ክህነት ይላባዕ ኣሎ። ብዙኃን መንእሰያት ናብ ጥንታዊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣቦታት ከድህቡን፤ ኣብ እግሪ ኣቦታቶም ኮይኖም በብዓይነት እቲ ሞያ ትምህርቲ ክቐስሙን ይረኣዩ ኣለዉ። ኣብ ከተማታት ተሓጺሩ እምበር፤ ብርሃን ኮይኖም ንቤተ ክርስቲያን ይውልዕዋ ኣለዉ። ኣብ ኵሉ ጽፍሒ ዝበጋገስ ዘሎ ቅንኢ ሃይማኖት ጕዕ ኮይኑ ንምብሳሉ ጊዜ ይወስድ ይኸውን እምበር ፍሬኡስ ድሮ ክረአ ምጅማሩ ዘይከሓድ እዩ። ሕጂ’ውን ባልዕን ካልእን ነቲ ዝረአ ከየበላሽዎ ምጥንቃቕን፤ ቅኑዕ ኣንፈቱን ሓድነታዊ ኣካይድኡን ምዕቃቡ ኣገዳሲ እዩ እምበር፤ ንናይ ጽባሕ ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ዝኾኑ ደቂ ቤተ ክርስቲያንሲ ሎሚ ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ። “ህየንተ አበውኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ” ዝብል ትንቢት’ውን ክፍጸም ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ክንርኢ ዕድመ ንንስሓ መዋዕል ንፍስሓ ክህበና ንኣምላኽ ንለምኖ። (መዝ ፵፬/45)

እምበኣር ሎሚ ኣብ ኵሉ ዓውድታትን ኣካላትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ጅማሮ ትንሣኤ፤ ጊዜኡ ኣኺሉ፤ ዑደት ምጭጫሕ ኣብቒዑ ብኃይሊ ኣምላኽ ይቀላቐል ስለዘሎ ሰይጣንን መጋበርቱን ዝዓግትዎ ኣይኮነን። ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ብመናፍቓዊ ኣካይዳን ድርብ ናይ ዘርጊ ዕላማን ክጻብዕዎ ዘይተርፍ ክውንነታዊ እንተኾነ’ውን፤ እቲ ትንሣኤ ግና ከም ወርቂ ካብ ሓዊ ጸርዩ ክወጽእ እዩ። እዚ ድንቂ ምትክኻእ እምበር ሎሚ ኣብ መንእሰያትና ተወሪሱ ክንርእዮ ከሎና ተስፋ ይህበና። ሎሚ ብዙኃት ልሳናት ሓቂ ክዕጸዉ፤ ነቲ ምስኦም ዘሎ ሓቂ ከይምስክሩ ክዕበሱ ኣብ ዝፍተነሉ እዋን፤ ብዝረቀቐ ጥበብ ክዝራእ ንዝፍተን ዘሎ ኑፋቄ ተጊሆምን ነቂሖምን ዘቃልዑን ዝምክቱን ዘለዉ እቶም መገዲ ኣቦታቶም ዘጽንዑ ዘለዉ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ምዃኖም ካብቲ ጽሑፋቶም ዝወጹ ዘለዉ መልእኽታት ክንርዳእ ንኽእል። እዚ’ውን ልቢ ዘረስርስ፤ ኣዕጽምቲ ዘለምልም ባህታ ዝፈጥር ተስፋ እዩ።

መጠቓለሊ
እምበኣር ሎሚ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎና፤ ዝዓበና ዝነኣስና፤ ኣዕይንተ እግዚአብሔር ካህናትን ከምኡውን ሊቃውንትን መምህራንን፤ ዲያቆናትን መንእሰያትን፤ ብሓፈሻ ኵሉ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን፤ እቲ ሎሚ ዘሎ ዘመነ ዝርግርግ ብዘይገድስ ይውዓል ይሕደር ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ዘይተርፍ ክውንነት ምዃኑ ብእምነት ከነስተውዕል ይግባእ። ኵልና’ውን ቅድሚ ኵሉ ምእንቲ መንፈሳዊ ረብሓ ነፍስናን ቤተ ክርስቲያንን፤ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣኽቢርና ብፈሪሃ እግዚአብሔር ኣገልግሎትና ብትግሃት ብምፍጻም ኣብዚ ትንሣኤ’ዚ ኵልና ሱታፌና ከነረጋግጽ ይግባእ። ጕዳይ ውልቆም እምበር ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ዘይግድሶም ርእሶም ጥራይ ዝጓስዩ ናይ ዘመንና “ኣገልገልቲ” እንተለዉ’ኳ፤ ገሊኦም’ውን ቤተ ክርስቲያንና ስለቲ ውልቃዊ ቅሙርን ድርብ ዕላማታቶም ክዘርግዋን መናገዲ ክገብርዋን ዝፍትኑ በብኵርንዑ እንተለዉዉን፤ ብምስሉይ ናይ ሕበሩና ምኽርታቶም ክጥብሩ ዝፍትኑ’ውን እንተኾኑ፤ እቲ ኵሉ ክፋእ ብዘየገድስ ንሕና ከም ነህምያ ብእምነት ተንሢእና ክንዓይይ ጥራይ ይግባእ። ንምድኻምና ዝፈታተኑ እኳ እንተለዉ፤ ዕጥቕና መንፈሳዊ እምበር ሥጋዊ ዘይምዃኑ ብግብሪ ከነርእዮም ይግባእ።

እግዚአብሔር ዘይልውጦ ዘመን ስለዘየልቦ፤ እዚ ናይ ሎሚ ሽግራት’ውን ክሓልፍ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ግና ነቲ ኵሉ ፈተናታታ ሰጊራ መመሊሳ ከምእትደምቕ ዘጠርጥር የብሉን። እቲ ኣብ ልቢ ቀናእቲ ሃይማኖት ዝበቝልን ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ውልዶ ተርእዮታት’ውን ዝምስክሮ ሓቂ ንሱ እዩ። ኣብ ደቅናን ኣኅዋትናን ዘሎ ተስፋ ከኣ ብሩህ እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ሃይማኖት ኣቦታትናን፤ ቅዱስ ሥርዓት እግዚአብሔር ጸኒዕና ጥራይ ንቕድሚት ንሰጉም። እቲ ዋጭ ዋጭ ዓለምን ፓለቲካን ብዘየገድስ፤ ተረፈ መናፍቃን ዝብልዎን ዝምህዝዎን ብዘየገድስ፤ ኣብ ዓውዲ እቲ ዘይተርፍ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ወፊርና ብእምነት ንዕየዪ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር

No comments:

Post a Comment