Friday, July 13, 2012

ርክበ ካህናት (፰ይ መወዳእታን ክፋል)


ለበዋ

ስለዚ ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ብዙኅ ጐድናዊ ሽግራትን ድኽመትን ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ናይቲ ሽግር ተዋሳእቲ ኸኣ ምምሕዳር ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነሲ ኣዝዮም ብዙኃት ኣካላት ምዃኖም እሙን ነገር እዩ። ምስኡ ኸኣ ከም ዕላማ ንምድኻምን ምኽፍፋልን ቤተ ክርስቲያን ተዓጢቖም ናይ ዝሰርሑ ኣካላትን: ምትእትታው ባዕዳዊን መናፍቃዊን ኣካይዳ’ውን ክዝንጋዕ የብሉን። ሓድሽ ሽግር’ውን ዘይኮነ ሡር ዝሰደደ ምዃኑ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ካብ ኮነ ኸኣ ንመፍትሒታቱ ኣጠቓላሊ ዝኾነ፤ ንኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዘሳትፍ ዓውድን መድረኽን ብምፍጣር ብቅንዕና ብምምኽኻርን፤ ብምልዛብን እሂን ምሂን ብምባል ጥራይ እዩ ቀዳማይ ተበግሶ ክውሰድ ዝግብኦ። ንሱ ከኣ እዩ ኣገዳስነት ህላዌ ሓቀኛ ርክበ ካህናት! ኣይኮነን ግና ልብን (ርእስን) እቲ ካልእ ኣካልን በበይኑ ክነብር ክግደድ እዩ ማለት እዩ።

ኣብዚ ናይ ወጻኢ ሃገረ ስብከታትት ዘሎ ሽግር ኣብያተ ክርስቲያናትና’ውን ምንጩን ሡርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍልፍል ዘሎ ሽግር እዩ። ኣብዚ እንርእዮ ዘሎና ጉዳም ዝኾነ ህልኽላኻት ብደቂቑ እንተረኣናዮ: ጨንፈርን መቐጸልታን ናይቲ ኣብ ኣሥመራ መንበረ ፓትርያርክ ዝጥጃእ ሽግር እዩ። ኣብዚ መምስቲ እንነብሮ ዘሎና ኸባቢ: እቲ ሽግር ናቱ ጠባያትን መልክዕን ዘለዎ ይምሰል ደኣ እምበር: ብቀንዱስ እቲ ሽግር’ውን ብቃል ይኹን ብጽሑፍ: ብፊደል ይኹን ብመንፈስ:  ብልኡኹ ይኹን ብኣካል ተጻዒኑ ካብ ውሽጢ ሃገርና እዩ ዝመጸና ዘሎ። እቶም ኣብዚ ኮይኖም ዝህንክርዎ ዘለዉዉን: ኣብ ኣሥመራ ከለዉ ብኸምኡ ዝተሞከሩን፤ ሕዝቦም ክጓስዩን ክህነታዊ ኃላፍነቶም ብቀዳምነት ከልዕሉን ዘይኮነሲ: ገንዘብን ንዋይ ክእክቡ ብኮሚሽንን ብብላዕን ናይ ዝለኣኹ መሳርሕቶም እዮም።


እምበኣር ብዙኅ ክብሃል ዝከኣል እንተኾነ’ውን ነዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ኣርእስቲ መዛዘሚ ክንገብረሉ። እቲ “ዝምልከቶ ኣካል”: ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ነዞም ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮም ዘሎና ጉባኤያትን ርክባትን ክሰርዕ: ብናጽነት ናይ ምምኽኻር ባይታ ክፈጥር እንተዝኽእል እቲ ዝበለጸ ምኾነ። ንጸብጻብ ብዝጥዕም ኣገባብ ከኣ ብንጹር ጊዜ ፈልዩ: በብደረጅኡ ከካይዶምን ንዝቐረቡ ሓሳባት ካብቲ ዝተሓተ ናብቲ ዝለዓለ ኣካል ዝፈሰሉ መገዲ ክዳሎ ይግባእ። እቲ ላዕለዋይ ኣካል’ውን ከም ሓደ ልቢ መኻሪን፤ ከም ሓደ ቃል ተዛራብን ኮይኑ ክርከብ ዓቕሙ ዘጐልበት ሓድነታዊ ኣካይዳ ክመቻቸወሉ ይግባእ። እቲ ኣብ ምሕደራ ዘሎ ወይውን ዝሽየም ኣካል: ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ተዋሃሂዶም ናይ ምስራሕ፤ ብሓድነት ንሓንቲ ኣደ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምብህሃል ባህሊ ከጣጥሓሎም ክኽእል ኣለዎ። ንሕና ንፈልጠልካ ዝብል መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ገዲፍና: ነቲ ዝንገር ሓሳብን ነቐፌታን ከኣ ጽን ክንብልን: ማዕጾ ልቦናና ኸፊትና ናይ ምስማማዕ ትብዓት ከነጥሪ ይግባእ። ገዳማትና’ውን ብጸሎቶም ይኹን ብሓሳቦም እጃም ክህልዎም: እቲ ባይታ ክኽፈትሎምን ብቀዳምነት’ውን ክስምዑ ዝግብኦም ኣዕኑድ ሃይማኖትና እዮም።

ከም ኣብነት ቀቅድሚ ጉባኤ ሲኖዶስ፤ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክ፤ ቀቅድሚ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክ ከኣ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና …. እናበለ ክስርዕ እንተዝኽእል ክንደይ ሰናይ ምኾነ። እቶም ክኸፋፍሉና ዝፍትኑ ከኣ መእተዊ ቀዳድ ምስኣኑ ንብል። ኣይኮነን ግና ሰኣን ርክበ ካህናት: ሓባኢ ቍስሉ ሓባኢ ፈውሱ ኮይንና ቤተ ክርስቲያንና ናብ ዘይተደለየ ማእዝን ንዝጠውይዋ ዘለዉ ኵነታት ንሕና’ውን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንተሓባበር ከምዘሎና ክእንመነሉ ይግባእ። እቲ ንቤቱ ዘፍርስ: እግዚአብሔር ከምዘፍርሶ ኸኣ ጽሑፍ እዩ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ማኅደርናን ሃገርናን ይባርኽ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment