Wednesday, July 18, 2012

“በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ” ዕብ ፲፫፥፱/13፥9


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን: ዓለም ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ማዕቢላ ነቲ ዝነበራ ገዲፋ ናብ ካልእ ሓዲሽ ምዕራፍ ትግስግስ ኣላ። ጐኒ ጐኒ ድማ ዝተፈላለየ ናይ እምነት ትካላት: ሃይማኖት ብምጥዋይ ምስኣ ይውንጨፋ ኣለዋ። ዲያብሎስ እቲ መጻረርትና ተመሊሱ ንክኸሰና ጽቡቕ ናይ ፈተነታት ሥራሕ ረኺቡ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። እቲ ሓቂ ግና ብጊዜን ኵነታትን ንዅሉ ዝፈጠረ: ኵሉ’ውን ብእኡን ንዕኡን ዝኾነ: እቲ ዝነበረን ዘሎን ንዘለዓለም ዝነብር ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያንና ትምስክር። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ትምህርቲ ሃይማኖት መጺኡ ነዚ ከረድኣና ከሎ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ” ኢሉ ይገልጽ። ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ድማ “ግናኸ ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ ነቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዚጻረር ካልእ ወንጌል እንተደኣ ሰቢኽናልኩም ውጉዝ ይኹን” (ገላ ፩፥፰/1፥8)። ኣስዕብ ኣቢሉ “ሕጂ’ውን ሓደ ነቲ ዝተቐበልክምዎ ዚጻረር ካልእ ወንጌል እንተደኣ ሰቢኹልኩም ደጊመ ውጉዝ ይኹን እብል ኣሎኹ” (ገላ ፩፥፱/1፥9) ብምባል የጠንቅቐና። ኵሉ ሕዝቢ ምእንቲ ክፈልጥ ናብ ሰብ ኤፌሶን’ውን “ደጊም ከም ሕፃናት ብናይ ሰብ ምጥባርን ምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኮልን ዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ንየው ነጀው ኣይክንድፋእን: ኣይንክንኰብን ኢና” ኢሉ ይምዕደና (ኤፌ ፬፥፲፬/4፥14)። ኣብ ዳኅረዋይ ዘመን ሓሰውቲ መሲሓንን መስሓትያንን ከም ዝመጹ ክንጥንቀቐሎም ከምዝግባኣናን ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሂሩና እዩ (ማቴ ፳፬፥፳፬/24፥24)። ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ባህርይ ብትዕቢትን ብትምክሕትን ስለዝተዓብለለ ኑፋቄ (ጥርጥር) ኣብ ልቦም ብምብቋል: ንናይ መጻሕፍቲ ቃል ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ከምዝጠውይዎ ቅዱሳን ሓዋርያት ገሊጾም ኣለዉ። (ካልኣይ ጢሞ ፫፥፩-፱/3፥1-9 ካልኣይ ጴጥ ፪፥፩-፳፪/2፥1-22 ፫፥፲፮/3፥16) ፍቁር ጐይታ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ’ውን “ኣቱም ፍቁራተይ ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ናብ ዓለም ተዋፊሮም ኣለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተኾይኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ኵሉ ኣይትእመንዎ ብምባል ኣብ እምነትና ጸኒዕና ክንነብር ይምዕደና (ቀዳማይ ዮሐንስ ፬፥፩/4፥1) ።

እዚ ዘሎናዮ ዘመን: ዘመን ጥርጥር ከምዝኾነ ዝፈለጠ ነቢይ ኤርሚያስ “እግዚአብሔር ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ: እቲ ጥንታዊ መገዲ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ’ሞ ብእኡ ተመላለሱ። ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም ይብል። (ኤር ፮፥፲፮/6፥16) ግና ጥንታዊ ጐደና ዝበሃል እዚ ሕጂ ዝምሥረት ዘሎ ድዩ ወይስ እቲ ናይ ኣቦታት ጐደና? እዛ ሕቶ እዚኣ ንዅሉ ቀላል እያ። ዕረፍቲ: ቅሳነትን ሕይወትን ዝርከብ ኣብታ ዘይትቕየር እምነት ምዃና ብነቢያትን ብሓዋርያትን ኣምላኽ ነጊሩና እዩ: ካብዚ ወጻኢ መገዲ ጥፍኣት’ዩ።

እምበኣር ሕዝበ ክርስቲያን ድኅነት ዝርከብ ክሳብ መወዳእታ ኣብታ ጥንታዊት ዝኾነት እምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ብምጽናዕ ካብ ኮነ: ካብ መን ከም ዝተመሃርናዮ ፈሊጥና ብዝተመሃርናዮን ብዝተረዳእናዮን ነገር ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡን ኣብ ሃይማኖትና ክሳዕ መወዳእታ ጸኒዕና ንንበር። (ማቴ ፳፬፥፲፫/24፥13 ካልኣይ ጢሞ ፬፥፪/4፥2) ናይ ሕይወት መገዲ ሓንሳዕ ፈሊጥካ ናብ ሞት ብዝወስድ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ምዝንባል ሳዕቤኑ ጥፍኣት እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ከረድኣና ከሎ “እናፈለጥዎ ካብቲ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድኅሪት ካብ ዝምለሱ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተዘይፈልጥዋ ምኃሾም ነይሩ” ኢሉ ይገልጸልና (ካልኣይ ጴጥ ፪፥፳፩/2፥21)። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣምላኽ ሓደን ዘይቅየርን: እቲ ቀደም ንሙሴ ንሱ “ኣነ እየ” ዝበሎ ምዃኑ ከጠቓልል ከሎ ሓደ ጐይታ: ሓንቲ እምነት: ሓንቲ ጥምቀት ምዃኑ ካብታ ርእሳ ክርስቶስ ዝኾነ ትምስክር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንእለ ከምዘይብልና ይላቦ (ኤፌ ፬፥፭/4፥5)።

ስለዚ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ግብሪ ሥጋ ዝበሃሉ ምንዝርና: ርኽሰት: ዝርጋን: ኣምልኾ ጣዖት: ጥንቆላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቍጠዐ: ገዛእ ርእስኻ ምፍታው: ምፍልላይ: መናፍቅነት: ስኽራን: ጓይላ: ሕሜት ኣወጊድና: ኣብ እግዚአብሔር ፍጹም እምነት ክህልወና ናይ መንፈስ ፍረታት ማለት ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም ትዕግሥቲ: ልግሲ: ሕያውነት: እምነት: ለውሃት: ርእስኻ ምግታእ: ኣብ ሕይወትና ክሰፍን ይግባእ (ገላ ፭፥፲፱-፳፪/5፥19-22) ኣብ መወዳእታ ቤት ኣቦና መሪጽና ኣብ ጾምን ጸሎትን ክንተግህ መጽሓፍ ቅዱስን መማህራን ቤተ ክርስቲያንናን መዓልታዊ መወከሲና ክንገብሮም: ንስሓ ኣቲና ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተቐቢልና ምስኡ ብሕይወት ክንነብር ካብ ቤተ ክርስቲያን ከይተፈለና ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ምስቶም ቅዱሳን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” እናበልና በረኸት ክንካፈል ቤተ ክርስቲያን ትጽውዕ።

እዚ ዘሎናዮ ዘመን ዲያብሎስ ረቂቕ ብዝኾነ ሜላን ብግብረ ሥጋን ኣታሊሉ: ንደቂ ሰባት ካብ’ታ ንሱ ዝተሰጐላ ቅድስት ስፍራ ከመዛብል ከይደቀሰ ዝኃደረሉ ዘሎ ጊዜ’ዩ። ነዚ ድማ ብመገዲ መናፍቕነት ትምህርቲ መስሓትያን ገይሩ ይሠርሓሉ ኣሎ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ግና ነዚ ፈሊጣ በቲ ኣቦታትና ዓስቢ ዝረኸብሉ ሓቀኛ ሃይማኖት ሥርዓትን ትውፊትን ክንጓዓዝን ነታ ናይ ዘለዓለም ሓጐስ ክንወርሳን በዚኣ መጽሔት እዚኣ ገይራ ትጽውዓና ኣላ። ጻውዒታ ከነኽብርን ትጉሃትን ተግበርትን ክንከውን ልዑል እግዚአብሔር ብምሕረቱን ለውሃቱን ይተዓረቐና። እታ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ኣደ ብኣማላድነታ ትደግፈና። ቅዱሳን መላእኽቲ ብረድኤቶም ኵሎም ኅሩያነ እግዚአብሔር ቅዱሳን ድማ ብጸሎቶምን በረኸቶምን ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ይደግፉና፣

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።  

(ምንጪ፦ መጽሔት  ደብረ ኤፍራታ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን: ት/ሰ/ደ/ኤ/ልደታ ማርያም ቅዱስ ዑራኤል አቡነ እንድርያስ ዝተዳለወ መጽሔት ቍ.2 ጥሪ ፳፻ወ፩/2001 ዓ.ም.)

1 comment:

  1. ሰላም ማዕዶታውያን፡
    ካብ ኃዋርያት ዝተረከብናያ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን፡ <> (ይሁዳ 3) ፍኅሶ ድያብሎስን ውዲቱን ጥንቁቓት ንምዃን ብለበዋ ፍቑር እግዚእ ቅዱስ ዮሃንስ፡ <> (2 ዮኃ 10-11) ከም ዝበለና ንኽንትግብር፡ ከም ብርሃን መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ደብረ ታቦር ብዝተራእየ ምጽዕዳው ብርሃኑ ኣብ ልብና ሱር ሰዲዱ ብፍቕሩ ተቐኒትና ብሰናይ ግብሪ ክንፍጽሞ ይዓድለና። ኃጢኣትና መስተስረዪ ጸሎትና መዕረጊ ዝኸውን፡ ጥዑም ዝሽትኡ ዕጣን ብጸሎት ከነዕርግን ኣብ እግሪ ኣምላኽናን ፈጣሪናን ተደፊእና ምኅረቱ ንኽንልምን ይሃበና። ነታ ቀንዴል ብርሃን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም <> እናበልና ንነብሮ ህይወት የብዝኃልና። ቃለ ህይወት ይስምዓልና። ከምቲ ንኣበ ብዙኃን ኣቦና ኣብርሃም እግዚኣብሔር ንበረኸት ኩን ዝበሎ፡ ንበረኸት ኩኑ። ንዓና ድማ ዘስተውዕል እዝነ ልቦና ሂቡ ኣብ ክንዲ ኃደ፡ 30፡60፡100 ካዕበት ክንፈሪ ብቅዱስ መንፈሱ ይደግፈና።

    ReplyDelete