Tuesday, July 10, 2012

እግዚኣብሔር ሰላምና እዩ


ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን (ክርስቶስ ካብ ምዉታን ተንሲኡ) ---- በዐቢይ ሓይል ወስልጣን (ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን)
ኣሰሮ ለሰይጣን (ንሰይጣን ኣሰሮ) --- ኣግዓዞ ለኣዳም (ንኣዳም ኣግዓዞ)
 ሰላም (ሰላም) --- እምይእዜሰ (ደጊም ካብ ሎሚ ንድሓር)
ኮነ (ኮነ) --- ፍስሓ ወሰላም (ፍስሓን ሰላምን)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

“እግዚኣብሔር ሰላምና እዩ” መ.መሳ 6፡24 (ኤፌ 2፡14)
ምናልባት ደቂ ሰባት ብዛዕባ “ሰላም” ብዙሕ ትንታነ ክንህብ ንኽእል ንኸውን። ሰላም ማለት ግን ህድኣት፡ ቅሳነት፡ ዕረፍቲ፡ ነጻነት ዝሰፈኖ ኩነት ማለት ኢዩ። እቲ መሰረታዊ ኩነት ናይ’ዛ ሎሚ ንነብረላ ዘለና ዓለም “ሰላም” ኢዩ ኔሩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ውን ቅድሚ ስርሑ ምጅማሩ ብፍጹም ሰላም ብባህሪኡ እናተወደሰን እናተመስገነን፡ ንበይኑ ንዘይቁጸር ዘመናት  ይነብር ነበረ። ነቲ መጀመርታ ስርሑ ዝኾነ ፍጥረታት’ውን ብሰላም ኢዩ ክፈጥሮ ጀሚሩ። ብፍጹም ሰላም “ይኹን” እናበለ ንኹሉ ፍጥረታት ፈጢርዎ። እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ዕግርግር፡ ራብሻን፡ ኩናትን ምስቲ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ ንዘልዓለም’ውን ዝነብር ፍጹም ሰላም ክወዳደር ኣይክእልን ኢዩ። ልክዕ ከምዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ወይ ከኣ ሓንቲ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ ኢዩ። ምናልባት ንኽልቲኡ ኩነት ዝተዓዘበ ፍጡር ብምግራምን ምድናቕን ናብዚ ናይ ሎሚ ኩነት ይጥምት ይኸውን። 

እሞ’ኸ ደኣ እዚ ፍጹም ሰላም እዚ መኣስ ረሓቐ ወይ መኣስ ተዘርገ፧ ኢልካ ክሕተት ግድን ኢዩ። እቲ ጥንታዊ ፍጹም ሰላም ናይዛ ዓለም ክዝረግ ዝጀመረ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንዕኡ ኣመስጊኖም መንግስቱ ዝወርሱ፡ ኣእምሮ ዘለዎምን ዝሓስቡን፡ ብናጽነትን ብምርጫኦምን ዝመላለሱን ብሉጻት ፍጥረት ድሕሪ ምፍጣሩ ኢዩ። ንመጀመርታ ምኽሳር ናይ ሰላም  እቲ ቀዳማይ ተወቃሲ ሰይጣን ኢዩ። ናይ ልቡ ሰላም ምስ ተዘርጎ ብትዕቢት ምስ ተመልአ ናብ ውድቀት ሰጊሩ። ከምቲ ቅዱስ ቃል (ብልብኻ “ናብ ሰማይ ክድይብ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ከዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣማልኽቲ ዚቕመጥዎ እምባ ክቐውም እየ። ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክድይብ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስሎ እየ” በልካ። ንስኻ ግና ናብቲ መዓሙቕ ጉድጓድ ዓዲ ምዉታት ደኣ ተደርቤኻ። ኢሳ 14፡13-15) ዝብሎ ከም ኣምላኽ ክኸውን ኢየ ዝብል ሕማቅ ትምኒት ኣብ ልቡ ምስ ኣተወ ናይ ልቡ ሰላም ከሲሩ። ሰይጣንን መላእኽቱን ተደርቢዮም እቲ ሰላም ግና ኣብ ካልኦት ፍጥረታት ቀጺሉ።

 እቲ ዝያዳ ዘገድሰና ብዛዕባ ናይ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ኣቦና ኣዳም መጀመርታ ኣብ ገነት ከሎ ብሰላም ኢዩ ዝነብር ነይሩ። እንስሳ ዘገዳምን እንስሳ ዘቤትን ውን እንተኾኑ ምስኡ ብሰላም ይነብሩ ነይሮም። ኣብ መንጎኦም ዝኾነ ጽልኢ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ እንስሳታት’ውን ሃዳኒን ተሃዳንን ዝበሃል ኣይነበረን። ኩሎም ብፍጹም ሰላም ብሕብረት ይነብሩ ነይሮም። እወ ዝብኢ ንኣድጊ ኣይሃድንን፡ ተኹላ ውን ንበጊዕ ኣይሃድንን። ኩሎም እንስሳታት በላዕቲ ሳዕሪ ኢዮም ነይሮም። (“እንሆ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ኩሉ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ናይ ኣእዋምን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም። ሕይወት ንዘለዎ ኩሉ፡ ንኹሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉን ኩሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም ኣለኹ ” ዘፍ1:29-30) እዚ ኩነት ናይ ሰላም ኣብ መንጎ ፍጥረታት እዚ ድሒሩ ውን ብግዜ ጻድቕ ኖህ ኣብ እታ ብእግዚኣብሔር ተኣዚዙ መዕቆቢት ኪትኮኖ ዝሰርሓ መርከብ ተደጊሙ እዩ። እቲ ማይ ኣይሂ ክሳዕ ዝጸፍፍ ኩሎም እንስሳታት ብሰላም ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ምስ ኣቦና ኖህን ስድራ ቤቱን ነቢሮም። 

እቲ ካልኣይ ተወቃሲ ንምዝራግ ናይ ሰላም እምበኣር “ሰብ” ኢዩ። ትእዛዝ እግዚኣብሔር ጥሒሱ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኣፍሪሱ ካብታ ኣይትብላዕ ዝተባህላ ኦም በለስ በሊዑ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ ዝነበሮ ሰላም ኣጥፊኡ። እቲ ዝገርም ግና ሰብ ንሰላሙ ኣብ ውሽጢ ኤዶም ገነት ከሎ ኢዩ ከሲርዎ። ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ “ፈርሐ” ኣብ ኣእዋም ገነት ውን ተሓብአ፡ ጥራዩ ምዃኑ ፈሊጡ’ውን ሕፍረት ተሰምዖ። ቅድሚኡ ዘይፈልጦ ዝነበረ “ሕፍረት” ክስመዖ ጀሚሩ፥ ቅድሚኡ ፈሪሑ ዘይፈልጥ ውን ኣብ ልቡ ፍርሒ ኣትዩዎ። ዘይነበረ ፍርሕን ሕፍረትን ብሰሪ ሓጢኣት መጸ። ሰላም’ውን ብሰንኪ ሓጢኣት ተዘርገ። ኣዳምን ሔዋንን ካብታ ብሰላም፡ ብኽብሪ፡ ብትብዓትን ብዘይ ስክፍታን ዝነብሩላ ዝነበሩ ገነት ናብዛ ምድረ ፍዳ ዝኾነት ዓለም ተሰጉ። 

ናይ ቃኤል ሓጢኣት’ውን ስዒቡ። ብሰንኪ ቅንኢ ሓዉ ኣቤል ውሽጣዊ ሰላሙ ከሲሩ። ብውሽጣዊ ስምዒቱ ኣንጻር ሓዉ ተላዒሉ ንመጀመርታ ግዜ ቅትለት ፈጺሙ። እቲ ዝነበረ ፍጹም ሰላም ሰብ ኣብ ሓጢኣት ብምውዳቑ ካባና ረሓቐ። ዕግርግር ራብሻ ባእስን ምቅትታልን ኣብ ዓለም ኣተወ። ኣዳምን ሔዋንን ንዝኸሰርዎ ሰላም ንኽምለሰሎም ብዙሕ ለሚኖምን ተነሲሖምን። እግዚኣብሔር ግና (ካብታ ሰበይቲ ዝውለድ ርእሲ ተመን ክጭፍልቕ ምዃኑ። ዘፍ 3፡15) ዝብል ቃልኪዳን ደኣ ሃቦም እምበር ብኡ ንብኡ ሰላም ኣይመለሰሎምን።  
  
ብዙሓት ንእግዚኣብሔር ዘስምሩ ቅዱሳንን ጻድቃንን ኣቦታት እኳ እንተ መጹ፡ ንግዜኡ ብሓጺር ሰላም ይነብሩ ነበሩ እምበር  ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝጠፈአ ፍጹም ሰላም ግና ክመልስዎ ኣይከኣሉን። ድሕሪ ሞቶም ኩሎም ሓጢኣት ዝገበሩን ዘይገበሩን ኣብቲ ሰላም ዘይብሉ ዓዲ ምዉታት ዝኾነ ሲኦል ይድርበዩ ነበሩ። ናብታ ምድረ ሰላምን ክብርን ዝኾነት ገነት ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ንሰላምን መዓልታት ሰላምን ክርእዩ እና ተመነዩን ተነበዩን ሓለፉ። ኣቦ እምነት ዝተሰምየ ኣቦና አብርሃም ነቲ ሓደ ወዱ ይስሓቕ ክስውእ ድልው ነይሩ፡ እንተኾነ ምስዋእ ናይ ይስሓቕ ነቲ “ሰላም” ክመልሶ ስለ ዘይክእል ንከቋርጽ ተነጊሩዎ። አብርሃም’ውን ከምቶም ካልኦት ቅዱሳን መዓልታት ሰላም ክርኢ ተመኒዩ ሓለፈ። (ኣብርሃም መዓልታተይ ክርኢ ተመነየ። ዮሓ 8፡56)

 “ትንቢት ይቀድሞ ለነገር” (ንነገር ትንቢት ይቕድሞ) ከም ዝብልዎ ኣበው ግና፡ ቅድሚ እቲ ሰላም ምምጽኡ ነቢያት ብትንቢት ኣቐዲሞም ተዛረብሉ። ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ንጉሥ ዳዊት እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ሰላም ዚዛረበለን መዓልታት ኪመጻ ምዃነን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ተነበየ “ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለለሱ እምበር እግዚኣብሔር ንሕዝቡን ቅዱሳኑን “ሰላም” ክዛረቦም ኢዩ።” መዝ 85፡8

ሓደ ካብ ቀዳሞት ነብያት ዚኾነ ነቢይ ናሆም’ውን እቲ ብስራት ዘበስር “ሰላም” ከኣ ዘውሪ ኣኽራን ኣቋሪጹ (ሰማያት ሰናጢቑ) ይመጽእ ከም ዘሎ ከምዚ እናበለ ተነበየ፥  “እንሆ እቲ ብስራት ዘበስር “ሰላም” ከኣ ዘውሪ ኣኽራን ኣቋሪጹ ይመጽእ ኣሎ።” ናሆ 1፡15      

ነቢይ ኢሳይያስ ውን “መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ህጻን ኪውለድ ወዲ’ውን ኪወሃበናን ንሱ’ውን ገዛኢና ከምዚኸውንን ከምዚ በለ “ህጻን ተወሊዱልና ወዲ ውን ተዋሂቡና፡ ንሱ ውን ገዛኢና ክኸውን ኢዩ። ንሱ ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ዘልኣለማዊ ኣቦ፡ “መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ክጽዋዕ ኢዩ።” ኢሳ 9፡6

ነቢይ እግዚኣብሔር ሚክያስ ውን ትውልዱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም ዚኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝኸውን ኣብ ቤተልሔም ምድረ ኤፍራታ ክውለድ ምዃኑን ንሱ’ውን “ሰላሞም” ከም ዚኸውንን ከምዚ እናበለ ተነበየ፥ “ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘሎኺ ቤተልሔም ንስኺ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኸተማታት ዚነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ኪኸውን ዘለዎ ካባኺ ከተንስእ ኢየ …… ንሱ ምስ መጸ ንሕዝቡ ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ብግርማ እግዚኣብሔር ኣምላኹን ኪጓስዮም እዩ። ሽዑ ንሱ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዓቢይ ክኸውን ኢዩ እሞ፥ ሕዝቡ “ብሰላም” ክነብሩ እዮም። “ንሱ ሰላሞም ክኸውን ኢዩ።”” ሚክ 5:2-5

ኣቦ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ዚኾነ ካህን ዘካርያስ ውን ብተግሳጽ መልኣኽ ተዓቢሱ ዝነበረ ኣፉ ኣብ ዕለት ግዝረት ወዱ ምስ ተኸፍተ ንእግዚኣብሔር እናመስገነ ብዛዕባ ምምጻእ ፀሓይን መራሒ መገዲ ሰላምን ከምዚ እናበለ ተነበየ “በቲ ለውሃት ምሕረት ኣምላኽና ካብ ላዕሊ ጸሓይ በሪቑ ኪበጽሓና ኢዩ። ንሱ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ዚርከቡ ኬብርህ እዩ። ነእጋርና ከኣ “ናብ መገዲ ሰላም ኪመርሕ” እዩ።” ሉቃ 1፡78-79

ትንቢት ዚተነግረሉ መዓልታት ዚተቖጽረሉ፥ ቃል ኪዳን ዚፍጸመሉ ሰዓትን ግዜን ኣኺሉ፥ መስፍን ሰላም ዚተሰምየ ጐይታ ሰማያት ኣቋሪጹ ሰላም ከውሪ፥ ኣብታ ካብ ኣንስቲ ተፈልያ ዝተባረኸት ድንግል ማርያም ሓዲሩ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍሲ ብምውሳድ፥ ብኣደናቂ ኣወላልዳ ብሕቱም ድንግልና ከምቲ ትንቢት ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ሰማያውያን መላእኽትን ምድራውያን ገርሂ ልቦም ጓሶትን ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብሕብረት መዝሙር ምስጋና ኣቕረቡ።

“ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት “ወሰላም” በምድር ስምረቱ ለሰብእ (ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም “ሰላም” ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጎሰሎም ሰብ”) ሉቃ 2፡14-15 እናበሉ ምውላድ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰላም ምዃኑ ኣበሰሩ። “እወ ጐይታናን ኣምላኽ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናባና ምምጻኡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ብሰንኪ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕና ዘጥፋእናዮ ሰላም ክህበና (ክመልስ) ኢዩ።” ከምቲ ብህያው ቃሉ “ሰላም እሓድገልኩም ኣሎኹ፡ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፥ ኣይትሸበሩ፥ ኣይትፍርሑ።” (ዮሓ14፡27) ዚበሎ ኢዩ።

እዚ ሰላም እዚ ግና ብቐሊል ዋጋ ዚመጸ ወይ ድማ ብዘረባ(ቃል) ጥራይ ዝወሃብ ሰላም ኣይነበረን። ነቲ ከቢድ በደልና ክድምስስን ሰላምና ክመልስን (“ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፥ ንስቓይና ውን ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሱ ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ…… “ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ”፥ ንሕና ውን ብስምብራቱ ሓዌና” ኢሳ 53፡4-) ብዙሕ መግረፍቲን መቕጻዕቲን፡ ውርደትን ስቓይን ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። ምእንቲ ሰላምና ብኢድ ፍጡራቱ ተጸፍዐ፡ ጡፍ ተባህለሉ፡ ብዙሕ ተላገጽሉ፡ ሸንከርዎን ሰቐልዎን ቀተልዎን። ከምቲ ሕሩየ ንዋይ (ሕሩይ ኣቕሓ) ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆላስዩስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ኣምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ “ሰላም” ገበረ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኩሉ ከኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ”(ቆላ 1፡20) ዝበሎ  ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ንጹህን ክቡርን ደሙ ኣፍሲሱ “ነቲ ብሕጋጋት ዝቃወመናን ዚበኣሰናን ዚነበረ ብኢድ ዝተጻሕፈ ዕዳ ደምሰሶ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ካብ ማእከልና ኣርሓቖ”(ቆላ 2፡14) ሰላም ገበረልና። ከምቲ ኣብ ትንቢት “እዚ ኩሉ ምረት “ንሰላመይ” ኮነ”(ኢሳ 38፡17) ዝተባህለ እቲ ኩሉ ናይ ክርስቶስ ሽግር፡ መከራን፡ ሓሳርን ምስ ኩሉ ምረቱ ንሰላምና ኮነ። “ንሱ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ “ሰላምና’ ኢዩ”(ኤፌ 2፡14) ኣቦና ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኣብ ዚደረሶ ዉዳሴ ማርያም፥ ኣብ ናይ ዕለተ ዓርቢ ሙዳየ ዕፍረት ዝተባህለት ሕጥቦ ጽሑፍ ዘስፈሮ ቃል እውን “ወገብረ ሰላም ማእከሌነ በመስቀሉ ወበትንሳኤሁ ቅድስት” (ብመስቀሉን ብቅድስት ትንሳኤኡን ኣብ ማእከልና ሰላም ገበረ) ብምባል ነቲ ሰላም ብመከራ መስቀሉን ብቅድስት ትንሳኤኡን ኣብ ማእከልና ከም ዚገበሮ ይዛረብ። እወ መከራ መስቀል ብዘይ ትንሣኤ ሰላምና ምሉእ ኣይገብሮን ኢዩ። ስለዚ እቲ ብሥጋ ሞይቱ ብነፍሱ ግና ሕያው ኮይኑ በታ ሕያዊት ነፍሱ ነተን ኣብ ሲኦል ዝነበራ ነፍሳት ድሕነትን ብስራት ሰላምን ዝሰብኽ ዝነበረ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እሱራት ፈቲሑ፡ ምሩኻት ገፊፉ ናብ ገነት ኣስገሮም። ነቲ ዘማራይ ንጉሥ ዳዊት ኣብ ትንቢቱ “እግዚኣብሔር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም ከም ሓለምቲ ነበርና፡ ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ መልሓስና ከኣ ብዕልልታ መልኤ…….. እግዚኣብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና ውን ተሓጎስና። መዝ 126፡1-” ዝበሎ ፈጸሞ። ሕይወቱ ኣብ ገዛእ ኢዱ ስለ ዚኾነትን ኣሕሊፉ ክህባን መሊሱ ድማ ክወስዳን ስልጣን ስለ ዘለዎን (“ኣነ ንሕይወተይ ኣሕሊፈ ዝህባ መሊሰ ውን ዝወስዳ ስለዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ ኢዩ። ባዕለይ ኢየ በጃ ኣሕሊፈ ዚህባ እምበር ካባይ ዝወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን፡ በጃ ከሕልፋ መሊሰ ውን ክወስዳ ስልጣን ኣሎኒ…..ዮሓ 10፡17-18”) ከኣ ሥጋኡን ነፍሱን ኣዋሃሂዱ ከምቲ ትንቢት “ወተንሥአ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፡ ወከመ ሓያል ወኅዳገ ወይነ ወቀተለ ጾሮ በድሕሬሁ (እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥኤ፡ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥኤ…) ………መዝ78፡65” ሕይወት ኣብኡ ዝነበረትን (“ሕይወት ኣብኡ ነበረት” ዮሓ 1፡4)፡ ትንሳኤን ሕይወትን ዚኾነን ጐይታ (“ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ ኢየ …..” ዮሓ11፡25) እምኒ ኣልዕሉለይ፡ መቓብር ኪፈቱለይ፡ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ተንሢኡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን”(ዮሓ 20፡19) ዝብል ድምጺ ሰላም ኣስምዓና። እቲ ንዘመናት ጠፊኡ ዝነበረ ውሽጣዊ ናይ ነፍሲ ሰላም መለሰልና። እወ ክርስቶስ ካብ ምውታት ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ተንሢኡ ንሰይጣን ኣሲሩ ንኣዳም ኣግዓዞ፡ ሰላም ካብ ሕጂ ንድሓር ፍስሓን ሰላምን ኮይኑ እናበልና እናተባራረና ክንጭድር በቒዕና። 

እቲ ካብ መጀመርታ ሰላምና ዚነበረ እግዚኣብሔር ሕጂ ውን ብደሙ ሰላም ዚገበረ  ሰላምና ኢዩ። ከምቲ ቃሉ “ኣባይ ሰላም ምእንቲ ክትረኽቡ …..ዮሓ 16፡33” ኣብኡ ምሉእ ቅሳነት፡ ዕረፍቲ፡ ህድኣትን ናጽነትን ኣሎና። ካብኡ ብዚኾነ ይኹን ምኽንያት ምስ ንርሕቕን ብፍቓድና ክንከይድ ምስ ንጅምርን ግና ሰላምና ይዝረግ። ከምቲ ነቢይ ዳዊት ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለሱ እምበር አግዚኣብሔር ንሕዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ክዛረቦም ኢዩ (መዝ 85፡8) ዝበሎ ኢዩ። ነቲ ሰላምና ዝኾነ ጐይታ ገዲፍና ናብቲ ዕሽነት ዝተባህለ ዓለምን ሓጢኣትን ምስ ንምለስ ብፍርሒ፡ ብጭንቀት፡ ብዕግርግርን ብባርነትን ንምላእን፤ ሰላምና ይዝረግን ነጥፍኦን። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ሰንደቕ ዕላማ ፍቕሪ ስለ ዚኾነ ብጽድቅን ቅድስናን ምስኡን ኣብ ቤቱን ብሰላም ክንነብር ኢዩ ዚጽወዓና (“ኣምላኽ ብሰላም ክንነብር ኢዩ ዝጸውዓና” 1ቆሮ 7፡15)። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንሕና ሕዝቢ ክርስቲያን ናይቲ ሰላምና ዝኾነ ናይ ክርስቶስ ሰብነት ኣካላት ኮይና ንሰላም ዝተጸዋዕና ምዃንናን፡ ነቲ ሰላም ክርስቶስ’ውን ኣብ ልብና ከነንግሦን ንኣምላኽ እናዘመርናን እናኣመስገንናን ክንነብርን ይምዕድ። (“ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኬንኩም ንሰላም ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገሥ። መማሰውቲ ኩኑ።”ቆላ 3፡15) ብርግጽን ብዘይጥርጥርን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይርበጽን ዘይህወኽን ሰላምን ሰላም ዝህብ ወንጌል ብስራትን ከም ዝሃበና “ሰላም እህበኩም ሰላመይ’ውን እሓድገልኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላምስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ኣይኮነን” (ዮሓ 14፡27) ኢሉ ብቃሉ ተዛሪቡ ኢዩ። ምናልባት ዓለም ሥጋዊ ሰላም ትህብ ትኸውን፡ እቲ ናይ ዓለም ሰላም ግና ግዝያዊን ጠፋኢን ኢዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ሰላም ከምጽኡ ዚፍትኑ ብዙኃን ይረኣዩ ኢዮም። ዓቃቢ ሰላም ዝበሃል ሰራዊት ከምዘሎ’ውን ብዙኅ ግዜ ብኣእዛንና ንሰምዖን ብኣዕይንቲና ንርእዮን ኢዩ። ሰላም ብፒሮ ወይ ብብረት ስለ ዘይመጽእ ግን፥ ሰላም ኣምጺኦም ወይ ሰላም ዓቂቦም ርኢናዮም ኣይንፈልጥን። እቲ ምንታይ ወሃቢ ሰላምን መስፍን ሰላምን ሓደ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ። ነዚ ኢዩ ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም እህበኩም ኣሎኹ፡ ሰላመይ’ውን እሓድገልኩም ኣለኹ፡ እቲ ዝህበኩም ዘለኹ ሰላም ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ኣይኮነን እናበለ ነቲ ዝሃበና ዘለዓለማዊን ናይ ነፍስን ሰላም ምዃኑ ዘብረሀ።  እምበኣር ንሕና እቶም ብሰላም ክንነብር ዝተጸዋዕና ሕዝቢ ነቲ ሰላም ክንዕቅቦ እንተኾይንና ናብ ዕሽነት ከይንምለስ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከምቲ ቅዱስ ቃል ”ካብ እከይ ርሓቕ ሰናይ ከኣ ግበር ንሰላም ድለያ ስዓባ ውን”(መዝ 34፡14) ዝብሎ ካብ እከይ ርሒቕና ሰናይ እናገበርና ሕግን ትእዛዛትን እግዚኣብሔር ብምሕላው ንመላለስ። ነቲ ሰላም ዝህብ ወንጌል ኣብ ኣእጋርና ከም ኣሳእን ብምእታዉ ብሕጊ ወንጌሉ እናተመራሕና ንመላለስ (“ነቲ ሰላም ዝህብ ወንጌል ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ብምእታው ተዳሊኹም ደው በሉ።” ኤፌ 6፡15)። ሽዑ ካብ ጭንቀትን ዕግርግርን ወጺና ብዙሕ ሰላም ክህልወና ኢዩ (“እቶም ሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም ዝዕንቅፎም ከኣ የልቦን” መዝ 119:165)። ንብኡሳት እናዓረቕናን ምስ መባእስትና እናተዓረቕናን ገበርቲ ሰላም ንኹን። እቲ ምንታይ ቅዱስ ቃል “ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ ኢዩ”(ዕብ 12፡14)። ሽዑ ገበርቲ ሰላም ብምዃን ዉሉድ ኣምላኽ ተባሂልና ብጹዓን ክንከውንን ኢና (“ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ ኢዮም እሞ ብጹዓን ኢዮም” ማቴ 5፡9)። እቲ ንሕዝቡ ሓይሊ ዝህብን ንሕዝቡ ብሰላም ዝባርኽን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ውን (“እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ሓይሊ ይህቦም፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ብሰላም ይባርኾም” መዝ 29፡11) ባዕሉ ኩሉ ክህበና ኢዩ። ካብዛ ዕግርግርን ጭንቀትን ዝመልአት ዓለም ወጺና፡ ኣብቲ ሰላምና ዝኾነ እግዚኣብሔር ንጽናዕን ብሰላም ንንበርን፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳና ክነብር ኢዩ (“ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቅርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ክነብር ኢዩ” 2 ቆሮ 13፡11-)

ኣምላኽ ሰላም ከኣ ባዕሉ ንኹለንትናና ይቐድሶን፤ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚመጸላ መዓልቲ ከኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክንርከብ ንመንፈስናን ሥጋናን ነፍስናን ይሓልዎን ብኹሉ ወገን፡ ኩሉ ሳዕ ሰላም ይሃበናን።(1 ተሰ 5:23, 2 ተሰ 3፡16)

ስብሓት ለኣምላከ ቅዱሳን ኣበዊነ እግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ……. ኣሜን!!!             
              

2 comments:

  1. selamawi Amlak selamu yeazizelna!!!

    ReplyDelete
  2. ኣሜን ቃለ ኅይወት የስምዓልና! ምግስቱን ጽድቁን ድማ ይዓድለና። ዘልኣለማዊ ሰላም ክህልወና ምስትውዓሉን ጥበቡን የብዝኃልና። ስጋዊ ድልየታትና ዘንጊዕና ሰማያዊ ኅይወት ንናድየሉ ልቢ ይሃበና። ልክዕ ኣምላኽና ርህሩህ፡ መኃሪ፡ ደላዪ ሰላም እዩ ግና ቅዱስ ቅኑዕ ፈራዲ ድማ እዩ። ንቅድስንኡ ዝበቕዕ ሰናይ ተግባር ስለዘድልየና ንምግባሩ ብቅዱስ መንፈሱ ይደግፈና። ክሳዕ እታ መወዳእታ ትንፋስ ድማ ንክብሪ ቅድስተ ስላሴ ዘይትንክፍ ስራኅ ክንሰርኅ የብቅዓና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ ጸሎትን በረኸትን ምስ ኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ናይ ኩሎም ቅዱሳን እግዚኣብሔር በረኸት የብዝኃልና። ኣሜን!!!

    ReplyDelete