በስመ
አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ተዘክሮተ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ
ካብ
፲፮ መስከረም ፲፱፻፷፫/1963 ዓ.ም. ኣትሒዞም ብማዕርገ ጵጵስና: ካብ ፭ ሓምለ ፲፱፻፹፬/1984 ዓ.ም ድማ ፭ይ ፓትርያርክ
ኮይኖም ካብ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ ዝበዘኀ ቍጽሪ ምእመናን ንዘለዋ ሃገረ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ፳ ዓመታት ክመርሑ ዝጸንሑ
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ: ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብዕለት ፲ ነሓሰ ፳፻ወ፬ ዓ.ም. ኣብ መበል ፸፮ ዓመት ዕድሜኦም ከም ዝዓረፉ ኣብ ማዕከናት ዜና ይስማዕ ኣሎ።
ቅድሚ
ኵሉ ነቲ ከቢድ ሓዘን ዝወደቓ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን: ኣገልገልትን ምእመናንን ኢትዮጵያ ጽንዓት ይሃብኩም:
ንጻድቕ ኢዮብ ዝደበሰ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይደብስኩም ክንብሎም ንፈቱ። እዚ ሓዘን’ዚ ንጐረቤትናን ብብዙኅ መገዲ ንእትዛመደናን
ንናይ ኢትዮጲያ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ: ንኵለን ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝምልከት እዩ። ኣብ ሞንጎ ሃገርና
ኤርትራን: ኢትዮጲያን ዘሎ ህልዊ ፓለቲካዊን ሃገራዊን ሃዋሁ ብዘየገድስ: ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ልዕሊ እተን ካልኦት ዝያዳ
ዘመሳስለንን ዘዛምደንን ሓባራዊ ረቋሒታት ስለዘለወን: እቲ ሓዘን ከምተን ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንቤተ ክርስቲያን ሃገርና’ውን
ይምልከታ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዘን ዝኃለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ: ካብዘን ኣብ ዓለም ዝርከባ ሽዱሽተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት:
ክልቲኦም መራሕቲ በብተራ ምዕራፎም ዘየገርም ኣይኮነን። መተካእታ ምርጫ ክሳዕ ዝግበር እምበኣር ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዓቀቤ
መንበር እናተመርሓ ክጸንሓ እየን ማለት እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሼኑዳ ኣብ ሞንጎ ዓቢይ ጾም ድኅሪ ፵ ዘመን ኣገልግሎት ፓትርያርክነት:
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ከኣ ኣብ ሞንጎ ጾመ ፍልሰታ ድኅሪ ፳ ዘመን ኣገልግሎት ፓትርያርክነት ምዕራፎም ተመሳሳልነቱ ዕፁብ
ነገር እዩ።

