Friday, August 17, 2012

ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስን መልእኽትናን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ተዘክሮተ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ

ካብ ፲፮ መስከረም ፲፱፻፷፫/1963 ዓ.ም. ኣትሒዞም ብማዕርገ ጵጵስና: ካብ ፭ ሓምለ ፲፱፻፹፬/1984 ዓ.ም ድማ ፭ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ካብ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ ዝበዘኀ ቍጽሪ ምእመናን ንዘለዋ ሃገረ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ፳ ዓመታት ክመርሑ ዝጸንሑ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ: ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብዕለት ፲ ነሓሰ ፳፻ወ፬ ዓ.ም. ኣብ መበል ፸፮ ዓመት ዕድሜኦም ከም ዝዓረፉ ኣብ ማዕከናት ዜና ይስማዕ ኣሎ።

ቅድሚ ኵሉ ነቲ ከቢድ ሓዘን ዝወደቓ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን: ኣገልገልትን ምእመናንን ኢትዮጵያ ጽንዓት ይሃብኩም: ንጻድቕ ኢዮብ ዝደበሰ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይደብስኩም ክንብሎም ንፈቱ። እዚ ሓዘን’ዚ ንጐረቤትናን ብብዙኅ መገዲ ንእትዛመደናን ንናይ ኢትዮጲያ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ: ንኵለን ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝምልከት እዩ። ኣብ ሞንጎ ሃገርና ኤርትራን: ኢትዮጲያን ዘሎ ህልዊ ፓለቲካዊን ሃገራዊን ሃዋሁ ብዘየገድስ: ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ልዕሊ እተን ካልኦት ዝያዳ ዘመሳስለንን ዘዛምደንን ሓባራዊ ረቋሒታት ስለዘለወን: እቲ ሓዘን ከምተን ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንቤተ ክርስቲያን ሃገርና’ውን ይምልከታ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዘን ዝኃለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ: ካብዘን ኣብ ዓለም ዝርከባ ሽዱሽተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት: ክልቲኦም መራሕቲ በብተራ ምዕራፎም ዘየገርም ኣይኮነን። መተካእታ ምርጫ ክሳዕ ዝግበር እምበኣር ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዓቀቤ መንበር እናተመርሓ ክጸንሓ እየን ማለት እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሼኑዳ ኣብ ሞንጎ ዓቢይ ጾም ድኅሪ ፵ ዘመን ኣገልግሎት ፓትርያርክነት: ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ከኣ ኣብ ሞንጎ ጾመ ፍልሰታ ድኅሪ ፳ ዘመን ኣገልግሎት ፓትርያርክነት ምዕራፎም ተመሳሳልነቱ ዕፁብ ነገር እዩ። 
ቅዱስ ባስልዮስ ኣብ ድርሳኑ “ዝንቱ ውእቱ ትእዛዘ ዋሕድ ወልድከ ከመ ንዘከር ቅዱሳኒከ እለ አሥመሩከ እምቅድም” (ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንዘገልገሉኻ ቅዱሳንካ ክንዝክሮም ትእዛዝ ሓደ ወድኻ እዩ) ኢሉ ብዝተዛረቦ መሠረት: ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ሕይወቶም ወፍዮም: መዋዕሎም ደኺሙኒ ሰልኪዩኒ ከይበሉ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም ንዘገልገሉ አበው: ሃገሮምን መበቆል ትውልዶምን ብዘየገድስ ዜጋታት ሰማያዊት ሃገር እዮም እሞ ብዝግባእ ክንዝክሮም ይግባእ። ታሪኽ ሕይወቶምን ገድሎምን ኣብ ስንክሳር ተጻሒፉ እንዝክሮም ቅዱሳን ኣበው: ብሃይማኖቶምን ብግብሮምን ከምኡውን ብሰማያዊ ሃገሮም እምበር ኣብ ምድራዊት ሃገሮምሲ ዝዛመዱና ኣይኮኑን። እምበኣር ዕረፍቲ እዞም ብዙኅ ትምህርትን ኣገልግሎትን ዝነበሮም ኣቦ’ዚኦም: ንኢትዮጲያ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ንተዋሕዶ ሃይማኖት ዓቢ ክሳራ እዩ።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ: ኣብዘን ዳኅረዎት ዓመታት ዘመነ ፕትርክናኦም ብዙኅ ዘሳሓሕብ ነገራት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ብማዕከናት ዜና ይቓላሕ እንተነበረ’ውን: ንቤተ ክርስቲያን ሃገሮም ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስፍሕ ዝበለን ዓበይቲ መንፈሳዊ ተግባራትን ዝፈጸሙ መንፈሳዊ ኣቦ ከምዝነበሩ ታሪኽ ሕይወቶም ዝምስክሮ እዩ። ልዕሊ ፳፯ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ብምሻምን ኣህጉረ ስብከት ብምስፋሕን: መንፈሳዊ ኮሌጃትን መሠልጠኒ ካህናትን ብምኽፋትን ብምጥንኻርን: ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዝሰፈሐ ኣገባብ ከምዝኅተሙ ብምግባርን: ዝተፈላለየ ልምዓታዊን ህንጻዊን ስራሓት ብምኽያድን: ኣብ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ማኅበራዊ ኣገልግሎትን ወዘይመስሎ ንቝሕ ተሳትፎ ብምግባርን: ዝምድና ግብጻዊትን ኢትዮጲያዊትን ቤተ ክርስቲያን ናብ ንቡር ከምዝምለስ ብምግባርን: ኦሪየንታል ኣኃት ኣብያተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለማዊ ለኻዊ መድረኻት ዝሓሸ ተሰማዕነትን ሱታፌን ክህልዎም ብምግባርን ወቦ ዘተርፈ ዓበይቲ ሥርሓት ፈጺሞም እዮም።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስን ኤርትራውያንን

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ይብዛኅ ይውሓድ: ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያንን: ኤርትራውያን ምእመናንን ኣብ ዝምልከቱ ጕዳያት ብጽቡቕ ኣብ ገሊኡ ድማ ብኣንጻሩ ዝዝከሩሉ ታሪኽ ገዲፎም እዮም። ሕጂ ምዝካሩ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዘይረኽብናዮ ግና ንታሪኽ ገዲፍናዮ ኣሎና። ብሓፈሻ ግና ንዝፈልጥዎም ኤርትራውያን ዝነበሮም ጽቡቕ ኣረኣእያን ደገፍን ግና ንኡድ ከምዝነበረ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እቲ ብድኅሪኡ ንዘሎ ካልእ ዕላማ ብዘየገድስ: ኣብ ኢትዮጲያ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝህብዎ ዝነበረ ልዑል ደገፍን ኃልዮትን ግና ንስሞም ብጽቡቕ ከነልዕሎ ቕሱባት ኢና። ብኣምላኽ ርኸብዎ ኢልና ድማ ምስጋና ነቕርበሎም።

ኣብ ጊዜ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጲያን: ብኖርዌጃዊት ትካል ተማእኪሉ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያን ኤርትራን ብዝግበር ዝነበረ ናይ ሰላም መሥርሕ: ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ (ኣሥመራ) ተረኺቦም: ቀዲሶም ንሕዝቢ ብትግርኛ ዝሃብዎ ማዕዳ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ዘለዎ እዩ። ብግዲኦም ቀዳማይ ፓትርያርክ ኤርትራ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ፊልጶስ ኣብ መንበረ ጸባኦት ቅድስት ሥላሴ (ኣዲስ ኣበባ) ተረኺቦም: ልቢ ሕዝቢ ዝተንከፈ ቃለ ማዕዳን ብኣምሓርኛ ኣብ ዘስምዑሉ እዋን ስለ ክብሮም ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ኣብ ብርኪ አቡነ ፊልጶስ ወዲቖም ምስላሞም ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ገዲፉ ነይሩ እዩ።  

ዕረፍቶምን መልእኽቱን

ሞት ጻውዒት ኣምላኽ እዩ። ንቅዱሳን ድማ ዕረፍቶም እዩ። ካብዚ ጻውዒት ከኣ ዝተርፍ ሓደ እኳ የልቦን: ኵሉ በብመዓልቱ ምጽውዑ ዘይተርፎ ብኣምላኽ ዝተሠርዐ ሕጊ እዩ። ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ግና ዝፈርድ እግዚአብሔር እዩ እሞ ዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ተግባር መዋቲ ኣምሪሩ ክፈርዶ ዝኽእል ኣይኮነን: ሥልጣን’ውን የብሉን። ወቃሲ መዋቲ ካብ ምዃን የድኅነና እሞ: እቲ ዝዓበየ ቍምነገር ግና ዝኾነ ሰብ ተማሊእዎ ዝኸይድ ሃይማኖቱን ግብሩን ከምኡውን ነቶም ዝጸንሑ ገዲፍዎ ዝኸይድ ሠናይ ተግባርን ኣብነታዊ ሥራሕን ምዃኑ ከነስተውዕል ኣሎና። ሰብ ጽቡቕ እንተገበረ ታሪኽን ወለዶን ብጽቡቕ እናዘከሮ ይነብር: ብኣንጻሩ ምስ ዝኸውን ከኣ ወትሩ እናወቐሶን እናረገሞን ይነብር። ኮይኑ ድማ ሞት እቲ ሓደ ነቲ መዛንኡ ዝኾነ ካልእ ብጻዩ ዝህቦ ዓቢይ ትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ከኣ ዘይመውት የልቦን እሞ ታሪኽ ብጽቡቕ ክዝክሮ ዝነብር መንፈሳዊ ሥራሕን ሞያን ምግዳፍ ክንደየናይ ዓቢይ ቍም ነገር ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ሞት ሻራ የብላን እሞ ኣብ ምስኣን ጥዕና ንዝርከቡ: መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና’ውን መልእኽትና ንሱ እዩ። ኣብቲ ተሪፍኩም ዘሎ መዋዕል: ንቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዝኸውን ጽቡቕ ሥራሕን ታሪኽን ክትገድፉ ለበዋና ጽኑዕ እዩ። ን “ገባእተ ሰርክ” (ነቲ ብሕጂ ብእትገብርዎ ውሳነታትን ሥራሓትን ዝምልከት) ዝተቐበለ ኣምላኽ ከምዝቕበለኩም ድማ ተስፍና ምሉእ እዩ።

ኣብ “ክልተ ሲኖዶሳት” እናተሰሓሓበት ክትሽገርን: ብተሃድሶኣዊ መንፈስ ክትፍተን ዝጸንሐትን ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ: ኣብዚ ፈተኒ እዋን’ዚ: እትገብሮም ወሰንቲ ጕዳያት ከኣ ኣብ ቀጻሊ ዕብየትን ጉዕዞ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣገደስቲ ፍጻሜታት ምዃኖም ዘይተርፍ እዩ። እቲ ጽልዋ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ይውሓድ ይብዛኅ ምሕዳሩ ዘይተርፍ እዩ። ብተመሳሳል’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ካብቲ ተሃድሶ ናይ ኢትዮጲያ ብዘይፍለዪ ኣገባብ እኳ ደኣ ብወግዒ ምስኡ ኪዳን መሥሪቱ ዝንቀሳቐስ መናፍቃዊ ጉጅለ: ነዚ ዝስዕብ መስርሕ ለውጢ’ዚ ብዕቱብ ከምዝከታተሎ ዘይስሓት ሓቂ እዩ።

ድኅሪ ነዊሕ ዓመታት ንዝነበረ ምስሕሓብ ብ “ምዕራፍ”: ኣብ ሞንጎ ቅብጣዊትን ኢትዮጵያዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተገብረ ናይ ምስምማዕ መስርሕ: ብዋጋ ዝምድና ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዘይንክሕዶ መሪር ሓቂ እዩ። ብምኽንያት “ሕማም” ይማኸነ ደኣ እምበር ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ: ንሳ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ጉባኤ ንሲመተ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ቅቡል ጌራ ዝተቐበለት ግብጺ: ኣብ ጕዳይ ፓትርያርክ ኤርትራ መጺኣ ምድኅርኃራ ናይ ቅንዕና ኮይኑ ዝስምዖ እንተሎ የዋህ እዩ ክበሃል ይከኣል። ይኹን ደኣ እምበር ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ንጽልዋ ኃይልን ዕብየትን ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጲያ ክትከስሮ ስለዘይትደሊ: እቲ ኣብ ሞንጎ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጲያ ንዘሎ ሽግር ትም ኢላ ተቐቢላ ዝምድናኣ ከተጠናኽር ጸኒሓ እያ። እምበኣር ነቲ ጸሊምን ኣብ ሞንጎ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ብመራሕቲ ንዝግበር ሃሳዪ ተግባራት ክንተናኽፍ ዘይኮነስ: ልዕሊ ኵሉ ነቲ ፍቕርን ስኒትን ስለእንደልዮን ነዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ እምብዛ ስለዘገድሰን: ብዝኾነ መዐቀኒ ብዝለዓሉ እዋናውያንን ኃለፍቲ ሽግራትን ኣንፈትና ጠውዮም ከማእዝኑና ንዝደልዩ መሳሕትያን ዲል ከይንህብ እግረ መገድና ንምዝክኻር እዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ውሻጣዊ ምሕደራኻ ብምጽፋፍ: ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንካ ብውሽጣዊ ዓቕምኻ ብምድልዳል ጥራይ ኣብ መድረኻት ዓለም ክብረትን ተሰማዕነትን ክትረክብ ከምእትኽእል ምስትውዓሉ ንዓና ኣዝዩ ዘገድስ መልእኽቲ የሕልፈልና እዩ።

ቃል ስንብታ

በዚ ይኹን በቲ: ንቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ን፳ ዓመታት ብምምራሕ ሰፊሕ ኣገልግሎት ንዘበርከቱ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ: እግዚአብሔር ኣምላኽ ነፍሶም ምስ ቅዱሳን ክጽንብረልና: ውስተ ኅፅነ አቡነ አብርሃም ከዕርፈልና ጸሎትና ነብጽሕ ኣሎና። ንቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ከኣ ብቝዕን: ንዕብየታ ዝሠርሕ ትጉህን ጥበበኛን ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ ክሾመላ: አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና።

እምበኣር ቅድሚ ሕጂ ቅዱስ ኣቦና ኣብ እዋን ምምራቕ ዘሥርሕዎ ቤተ መዘክር: ብመጋቢ ብሉይ ሰይፈ ሥላሴ ዮሐንስ: ንዝቐረበሎም መወድስ ጠቒስና ንፋነዎም ኣሎና።

፪ቱ አበው እም አፀደ ሥጋ
ወእም አፀደ ነፍስ ሠለስቱ ለጳውሎስ ውስተ ቤቱ
ተጋብኡ ዮም ወአረፍተ ጽልእ ነሰቱ
ያክብሩ ቅዳሴ ቤቶም ኅቡረ ፭ቱ
እስመ ጸውኦሙ በመልእክቱ
መዘክረ አበው ጳውሎስ ወራሴ ቅዱሳን ፱ቱ።

No comments:

Post a Comment