Sunday, August 12, 2012

አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ (ሣልሳይ ክፋል)


ወተአምርየኒ ይበዝኅ እምድኅረ ሞትየ እምሕይወትየ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓቢይ መዓርገ ቅድስና በጺሖም ስለዝነበሩ፤ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ብዙኅ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ይገብሩ ነይሮም እዮም። ኣብቲ መጽሓፈ ገድሎም ዝተጠቕሱ ውሑዳት ተኣምራት ናይ ኣቦና ይሃልዉ እምበር፤ ኣቦና ኣብ መዋዕል ታሪኾም ዝፈጸምዎም እሞ ዘይተጻሕፉ ብታሪኽ ጥራይ ግና እናተነግሩ ዝነብሩ ፍቕዲ የብሎምን። ንሶም ብኣካል ዝተሳተፉሉ ተኣምራት ገዲፍና፤ ንሶም ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ኣርድእቶም ብምልኣኽ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝገለጸሎም ነገር ካብ ርሑቕ ብምዝራብ ዝፈጸምዎ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ድኅሪ ዕረፍቶምውን እቶም ኣብ ዘመኖም ይኹን ብድኅሪኦም ዝነበሩ መነኮሳት፤ ከምኡውን ክሳብ ሕጂ ብስሞምን ቃል ኪዳኖምን እናተማኅፀኑ ብዙኃንን ብዙኃትን ዓበይቲ ተኣምራት ክፍጸመሎም ይነብር ኣሎ።


ንምሳሌ ዝኸውን ገለ ክንጠቕስ፦ ኣብ ዓቢይን ዓሚቝን ጕድጓድ ዝኣተዋ ኣግማል ጓሶት፤ ኣርድእቶም በትሪ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ ኢዶም ወሲዶም ኣብታ ጕድጓድ ብምእታው፤ ነቶም ኣግማልገብረ (ኣገልጋሊ) እግዚአብሔር ፊልጶስ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ውፁ ይብለኩምብምባል ምስ ኣዘዝዎም፤ ከም ኣዕዋፍ ነጢሮም ካብቲ ጕድጓድ ወጺኦም እዮም። ኒቆዲሞስ ንዝበሃል መነኮሳውን ካብ ሞት ኣተንሢኦሞ ነበሩ። ውሑጅ ንዝወሰዶም መነኮሳት፤ ስሙ ምስ ጸውዑ፤ ንሶም ተገሊጾም ዘድኃንዎም ኣለዉ። ቅዱስ ፊልጶስ ሓንሳብ ካብ ልሳኖም ዝወጸት ቃል፤ ስርሓ ከይፈጸመት ፈጺማ ኣይትምለስን ነበረት። እምበኣር ክንዲ ዚኣክል ጸጋን ኃይልን እዮም ካብ ኣምላኾም ተቐቢሎም። ዝረገምዎ ከኣ ኣይውዕልን ኣይሓድርን ነበረ። ልዕሊ ኵሉ ግና ዝፈለጡሉ፤ ምእንቲ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ከረድኡ፤ ናብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፤ ነቲ ከጥሕሎም ዝተመደበ ቀላይ ከም ንቑጽ ሣዕሪ ብምንዳዶምአንዳዴ ባሕር ፊልጶስተባሂሎም ዝጽውዕሉ ተኣምራቶም እዩ።
 
እዚ ናይ ኣቦና ገቢረ ተኣምር ኣብኦም ጥራይ ዝተሓጽረውን ዘይኮነስ፤ ደድኅሪኦም ንዘሰዓብዎም ኣርድእት መነኮሳትውን ዘሰንዮም ዝነበረ እዩ። ድኅሪ ቅዱስ ኣቦና ፊልጶስ ኣበምኔት ገዳም ዝነበሩ አቡነ ዮሐንስውን ኣብ ልቢ ሰባት ንዝተዓቝረ ነገር ዘይስወሮም ምንባሮምውን፤ ኣርድእት ገዳም ብግፍዒ ኣብቲ ዝኸድዎ ዓዲ ምስ ተቐትሉ፤ ደመናታት ዓጽዮም ማይ ከየዘንብ ከምዝገበሩን ነቶም ዓድታት ብጥሜት ከምዝተቐጽዑን ይቕረ በሉልና ኢሎም ከምዝለመኑ ይፍለጥ። ኣብቲ ቅዱስ አቡነ ፊልጶስ ዝነበሩሉ ዘመንውን ካብቶም ኣርድእቶም፤ እኒ ኣባ ኤርሚያስ ብቃሎም ደመናት ኣዚዞም ዝናማት ዘዝንሙ፤ ከም እኒ ኣባ ፍሬምናጦስ ብመስቀል ባሪኾም ከውሒ ኣንቂዖም ማይ ዘፈልፍሉ፤ ከም እኒ ኣባ ስልዋኖስ ጐይታ ጋሻ መሲሉ ዝተገልጸሎምን፤ እግሪ ጐይታ ዝሓፀቡን ካልኦትን ንዕኦም ዝመስሉ ዓበይቲ ቅዱሳን ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ባዕሎም አቡነ ፊልጶስ ንደቆም ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ክምዕድዎም ከለዉወተአምርየኒ ይበዝኅ እምድኅረ ሞትየ እምሕይወትየ” (ተኣምረይ ድማ ብሕይወት ካብ ዝነበርኩሉ ድኅሪ ሞተይ ኪብዘኅ እዩ) ኢሎም ከምቲ እተዛረብዎ ከኣ ክሳብ ሎሚ እቲ በረኸቶም ኣብ ልዕሊ ደቆምን ደቂ ደቆምን ስለዝኃደረ፤ ጸሎት ኣበው እዚ ገዳም ወትሩ ተኣምራት ክፍጽም ይነብር ኣሎ። ቅርብ ኢሉ ታሪኽ መምህራንን ቅዱሳንን እዚ ገዳም ዝሓትት ሰብ፤ እዚ ገዳም ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ብዙኅ ብዘይተነግረሎም ባሕሪ ተኣምራትን ገበርቲ ተኣምራትን ዝኾኑ ቅዱሳን ዘዕለቕለቐ ምዃኑ ብቀሊሉ ክርዳእ ይኽእል። ቅዱሳን ካልኦት ሃገራትን ተኣምራቶምን ሎሚ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተጻሒፉን ፊልምታት እናተሠርሓሉ ክንርእዮ ከሎና ብዙኅ ትምህርትን መንክር ተኣምራትን ንረኽበሉ ኢና። እቶም ከም ደብረ ቢዘን ኣብ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ገዳማትና ዝነበሩን ዘለዉን ኣበው፤ ታሪኾምን ተኣምራዊ ገድሎምን ብዝግባእ እንተነጽንዖን እንተንፈልጦን፤ ጽሒፍናንእንተንዝርግሖን ንኵሉ ዓለም ዝኸውን ክንደይ ትምህርቲ ምሃበ ነይሩ። እንታይ ይገበር፤ ናይ ወጻእተኛ ከነድንቕ እምበር ናይ ርእስና ብሉጽ ሃብቲ ክንፍትሽ መዓስ ንርከብ ኣሎና?!     

ቃል ኪዳን
ወናሁ ሐፀርክዋ በግርማ”
ቅዱስ ኣቦና ገና ዕረፍቶም ከይቀረበ በብእዋኑ እናለመኑ፤ ብዛዕባ እቲ ዝገደምዎ ገዳም ይኹን ደቆም ክሳብ ሕጂ ሕያው ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ብዙኅ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሎም እዮም። ገለ ካብቲ ኣምላኽ ዝኣተወሎም ኪዳን ከኣደቆም ብጥሜትን ጽምእን ብዝኾነ ይኹን ብሽግር ብፍርሃት ኲናት፤ ካልእ ኣረማዊ ምኽንያት ካብቲ ደብሪ ከይስደዱ፤ ንምርኮ ኣይኅሊፎም ከይወሃቡዝብል ይርከቦ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ዝተመነይዎን ዝለመንዎን ክህቦም ቃል ኪዳን ኣትዩሉም ኣሎ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ኣብዚ ደብረ ብዙኅ ጊዜ ብኽብሪ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ወሪዱን ባሪኽዋን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነታ መጀመርያ ዝሓነፅዋ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ቤታ ድኅሪ ምኽባሩ፤ ኣብ ማእከላ ኮይኖም ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ነቲ ሕንፃ ቤተ መቅደስ ሠሪሑ ምስ ፈጸመ ዝጸለዮ ጸሎት ናብ ኣምላኾም ኣቕረቡ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማብመዓልትን ለይትን ናብዚ ቅድስት ቤት ዝተመላለሰ፤ ዘመስገነ፤ ዝሰገደ፤ እናነበዐ ዝለመነ፤ መባእ ዝሃበ፤ ዕጣን ስርናይ ወይኒ ዘይቲ ልብሲ ዝወፈየ፤ ንዝሓለውዋ፤ ኣብኣ ንዝተቐብሩ ኵሎም ርስቶም መንግሥተ ሰማያት ከምዝኸውንን፤ ሓዊ ሲኦል ከምዘይርእይን ምሕረት ሥላሴ ከምዘይፍለዮን ቃል ኪዳን ተቐቢሎም እዮም።   

ኣብ ጊዜ ዕርጋኖምውን ንእግዚአብሔር ቃል ብቃል ኣብ ዘዘራቡሉ ዝነበረ እዋን እውን፤ ካብ ኣምላኾም ዝለመንዎ ኵሉ ኪዳን ተዋሂብዎም እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ንቅዱስ ኣቦና ዝደለይዎ ክልምንዎ ምስ ተዛረቦም፤ ንሶም ከኣቅድሚ ኵሉ ጽድቁን መንግሥቱ ድለዩከምዝብል ጽሑፍ ምዃኑ ምስ ነገርዎ፤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ኣኽሊላት ክህበካ እየ፤ እዚ ድማ ፫ተ ምእንቲ ድንግልናኻ ፫ተ ምእንቲ ምናኔኻ፤ ድማ ምእንቲ ሰማእትነት ክብረ ቀዳሚት ሰንበት፤ በዓል ጰራቅሊጦስ ኣዚኻ ስለዘኽበርካ መንበርካ ልዑል ገይረልካ ኣሎኹ፤ ክንዲ ሲሶ ናይ ዓለም ርስቲ ከውርሰካ፤ ፈረሰ እሳት ከኣ ክህበካ እየኢልዎም ነይሩ። ቅዱስ ፊልጶስ ከኣ ጸሎቱ ንዘይከልአ፤ ምሕረቱውን ካብኦም ስለዘይርሓቐ ንኣምላኾም ኣዝዮም ኣመስጊኖም እዮም።
 
ምእንቲ ኣብቲ ገዳም ዝምንኵሱ ደቆም ድማ ኪዳን ክህቦም ንኣምላኽ ኣብ ዝለመነሉብሥርዓተ ገዳም ንዝኸዱ፤ ንዝቀደመ ኃጢኣቶም ክኃድገሎም፤ ሕጉ ንዘጽንዑ፤ መቃብሩ ንዝሕልዉነታ ንኣቦና ዘተስፍዎም ክብርቲ መንግሥተ ሰማያት ከምዘእትዎ ቃል ኪዳን ረኸቡ። ወሲኹውን ንመቓብር ፊልጵስ ዘንብበላ ኣገልገሊ ከምዘይሰኣናን፤ ዝዝምረላን ዝትርጕመላን ዝደርሰላን መጻሕፍቲውን በብዓይነቱ ዝግልብጠላን ዘስተምህርን ዝምህርን መምህር ከምዘይከልኣ ቃል ኣተወሎም። እዚ ባርኾት ከኣ ክሳብ ሕጂ ብርእዮ ዘይተቋረጸን ዝቕጽል ዘሎን ቃል ኪዳን እዩ። እቶም ብርቱዓትን ተጓዳእትን ዝብሃሉ ኣራዊት ኣብቲ ገዳም እኳ እንተነበሩ፤ ሓደ እኳ ጉድኣት ዘውርድ የልቦን። ወሲኹውን ፍልጠት መጻሕፍቲ ንደብረ ቢዘን ዝተገልጸ ይኹን ኢሉ ባረኾም።

ኣቡነ ፊልጶስ ብዛዕባ ገዳሞም ብዝሓተትዎ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽብሓዊዶ ክሓጽረልካ ወይሲ ብማይ ወይከዓ ብግርማ?” ክብል መሊሱ ሓተቲዎ ነበረ። ንሶም ድማብሓዊ ሕጸራበሉዎ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ግናትልምኖዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ብሓዊ እንተ ሓፀርክዋ ናባኻ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፤ እንሆ ብግርማ ሓጺረልካ ኣሎኹ፤ ብዘይካ ኣብኣ ዚምኅፀን፤ ዝኾነ ዝደፍራ ኣይክህሉን እዩ፤ክብል ብዝኣተወሎም ክሳዕ ሎሚ ብግርማ መንፈስ ተዓቂባ ትነብር ኣላ።
 
ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ቅዱስ ኣቦና ንእግዚአብሔር ለሚኖም ካብ ዝረኸብዎ ቃል ኪዳን ከኣ ሕግን ሓድነትን ገዳሞም ክሳብ ዕለተ ምጽኣት ከምዘይፈርስ፤ ገዳሞም ብሓዊ ከይትነድድ፤ ሕማም ተላገብ ከይኣቱ፤ ነቶም ብትምህርቶም ዝኸዱ ምሕረተ አብ ከምዘይፍለዮም፤ ቆብዖም ንዝለበሱ ከኣ ዝባላዕ ሓዊ ከምዘይቐርቦም፤ መንበሪኦም ግና ከም ግብሮም ከምዝኸውን፤ ንድኻታት ዝዝክሩ፤ እንጌራ ዘብልዑ ክዳን ዝኸድኑ፤ ተዛካሮም ዝገብሩ ከኣ ሀገር መንግሥተ ሰማያት ከምዝወርሱ ዝምልከት ነበረ። እቲ ንብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ምድረ ኣግዓዚ ከም ዘንደደ ዝንገረሉ ኣብ ፲፮ ክፍለ ዘመን ዝተላዕለ ኣሕመድ ግራኝ፤ ኣብ እግሪ እዚ ገዳም ቀሪቡ ከምቲ ልማዱ ክገብር ፈቲኑ እንተነበረውን፤ እዚ ናይ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ክሰግሮ ስለዘይከኣለ ናብቲ ገዳም ክኣቱን ከዕንውን ከንድድን ስለዘይከኣለ፤ ናብቲ ዝወፈረሉ ከም እተመልሰ ኣበው የዘትንዉ።

ኮይኑ ድማ ቅዱስ ኣቦና ካብ እግዚአብሔር ንርእሶም ይኹን ንደቆም፤ ካብኡ ሓሊፉውን ንዅሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዘይበርስ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም እዮም። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎና ይኹን ኣብ ወጻኢ፤ ቅዱሳት መካናትን ገዳማትን ኣብ እንነግደሉ እዋን፤ ንግደትና ንግደት ኢየሩሳሌም ክገብረልና፤ ልዕሊ ኵሉ ታሪኽን ተጋድሎን እቶም ኣብቲ ቦታ መንክር ዝፈጸሙ ቅዱሳን ምፍላጥን፤ ቃል ኪዳኖም ድማ ምስትውዓልን ምዝካርን የድሊ። ዓመት መጸ ምንጋድና ጽቡቕ ልማድ እኳ እንተኾነ፤ ብኣፍልጦን ብኣኽብሮትን፤ ቃል ኪዳን ናይቶም ቅዱሳን ብምምኅፃን ምስ ዝኸውን ዝያዳ በረኸትን ረድኤትን ዘለዎ ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግባእ።  

ምዕዶን ዕረፍትን
“ወፈድፋደ ይፅናዕ ፍቅረ ድንግል ማርያም ውስተ ልብክሙ በኵሉ ጊዜ”
ቅዱስ ኣቦና ንደቆም ብዙኅ ንሕይወት ምንኵስና ዘገልግሎም ምዕዶን ምኽርን በብእዋኑ እናሃቡ፤ ንዝደኸሙ እናበርትዑ፤ ነቶም ዝበርትዑ ድማ ዝያዳ ክጸንዑን ጸጋ ዲበ ጸጋ ክዓብዩ ከምዘለዎም እናመኸሩ ይነብሩ ነይሮም። ብፍሉይ ድማ ብሃይማኖት ክጸንዑን ክጋደሉን፤ ትሕትና፤ ፍቅረ ቢጽ (ንኃውኻ ከም ነፍስኻ ምፍቓር) ክህልዎምን፤ ትዕግሥቲ ድማ ኣጽኒዖም ክሕዙ፤ በደል ኣኅዋቶም ድማ ብልቦም ይቕረ ክብሉን ኃደግት ክገብሩን ይነግርዎም ነበሩ።

ማር ፊልጶስ ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎ፤ ብፍላይ ከኣ ድኅሪ ምእንቲ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ዝገበርዎ ኣድካሚ ጉዕዞን ተጋድሎን፤ ናብ ገዳሞም ምስ ተመልሱ ከምቲ ልማዶም ኣብ ጽኑዕ ጾምን ጸሎትን ኣተዉ፤ ሰብነቶም ግና ደኺሙን ኣሪጉን ነበረ። እቲ ናብ ኣምላኽ ዝገብርዎ ሰማያዊ ጉዕዞ ከምዝኣኸለ ፈሊጦም ከኣ ንደቆም ኣበርቲዖም ክምዕድዎም ጀመሩ። ካብቶም ፍሉያት ምዕዶታቶም ከኣሕግጋት ቅዱሳት መጻሕፍትን ትእዛዝ እግዚአብሔርን ሓልዉ፤ ንክልቲአን ሰናብቲ ማዕረ ኣኽብርወን፤ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ብዝግባእ ኣኽብሩ፤ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ኣጽንዑ፤ ዝምሕርን ዝቐትልን ሓደ ንሱ ኣምላኽ እምበር ሰብ ኣይኮነን፤ ክትድቅሱን ክትንሥኡን ከሎኹም፤ ክትከዱን ክትወፍሩን፤ ክትጽልዩን ክትእከቡን ከሎኹም ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልብኹም ፀኒዑ ይንበር፤ ክትበልዑን ክትሰትዩን ካብ ክፉእ ነገር ምእንቲ ክትሕልወኩም ስም ናይ ኣዴና ቅድስት ማርያም ምዝካር ኣይትረስዑ…” ዝብል ይርከቦ።

እቲ መዓልቲ ዕረፍቶም ምስ ኣኸለ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ፤ ክዳለዉን ነቲ ማኅበር ኣቦ ክገብሩሉን ተዛረቦም። አቡነ ፊልጶስ ደውል ኣደዊሎም፤ ን፱፻፷፮ ንዝኾኑ ደቂ ማኅበር ከምዝእከቡ ብምግባር፤ ብድኅሪኦም ነቲ ማኅበር ኣቦ ዝኾኖም ንክመርጹ ተላበውዎም። ንሳቶም ግና ዝፈትዉዎም ኣቦኦም ብሕይወት እንከለዉ ካልእ መምህር ምምራጽ ፈጺሞም ዘይተቐበልዎ እኳ እንተነበሩ፤ ኣቦና ግና ግድን ስለዝበልዎም፤ እምበኣር ግድን ካብ በልኩም ባዕልኹም እግዚአብሔር ንዘመልከተኩም መሪጽኩም ብቃልኩም ሃቡና በልዎም። ንሶም ድማ ገና ብዕድመ ንእሽቶይ ንዝነበሩ አቡነ ዮሐንስ ንሱ እዩ ኣቦ ዝኾነኩም በልዎም። ገለ ውሑዳት ግና ክንደይ ዓበይትን ገበርቲ ተኣምራትን ከለዉ፤ እዚ ንእሽቶይ ይምረጽ ኢሎም ቅር በሎም። ንሶም ግና ብዙኃን ቅዱሳንን ዓበይትን ከም ዘለዉ ይፍለጡ ደኣ እምበር፤ ዮሐንስ ግና ክምረጽ ኣምላኽ ባዕሉ ከምዝተዛረቦም ነገርዎም። ንቃሎም ድማ ብሓደ ሕራይ ንእዘዝ በልዎም።

ብድኅሪኡ ከኣ ኣዝዮም ኣሪጎም ነበሩ እሞ ሕማም ተሰምዖም። መዓልቶም ምስ ኣኸለ እግዚኣብሔር ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ ተገሊጹ ናብቲ ዕረፍቶም ክመጹ ኣዘራረቦም። ንሶም ድማ ናይ መወዳእታ ቃል ኪዳን ክህቦም ለመንዎ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ሃቦም። ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ ወዶም ዮሐንስ ኢዶም ኣንቢሮም ባረኽዎ። ብድኅሪኡ ኣዒንቶም ናብ ሰማያት እናጠመቱ፤ ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ  ነሓሰ ብሓሳበ ቢዘን ኣብ ፲፩፻፸፭ .. (ብግእዛዊ ባሕረ ሓሳብ ድማ ኣብ ፲፬፻፫) ኣብ 84 ዓመት ዕድሜኦም ዓሪፎም። ነፍሶም ድማ ባዕሉ መድኃኔ ዓለም ብኢዱ ተቐበላ። ብቅዱስ ገብርኤል ዝምርኁ ማኅሌታውያ ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ብምስጋና ኣዕረግዋ። ሥጋኦም ከኣ ኣብቲ ሎሚ ብስሞም ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ተቐብረ። ካብቶም ቀዳማይ መሥራትን ኣበ ምኔትን ኣቡነ ፊልጶስ ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ከኣ 49 ኣበምኔታት ነዛ ቅድስት ገዳም ኣመሓዲሮማ ኣለዉ።
ጸሎትን በረኸትን ናይ አቡነ ፊልጶስን ናይ ኵሎም ቅዱሳን አበው ደብረ ቢዘን ምስ ኵላትና ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፤ ወለወላዲቱ ድንግል፤ ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment