Friday, August 10, 2012

አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ (ካልኣይ ክፋል)


ተጋድሎ ምንኵስና
ጽድቅሰ ኢትትረከብ ዘእንበለ በዕፁብ ግብር
ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ ምምንኳሶም፤ ነቲ ገዳም ብዝግባእ እናገልገሉ፤ ኣበው ኣረጋውያን እናተራድኡ፤ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብዘይ ዕረፍቲ መዓልትን ለይትን ይጋደሉ ነበሩ። ሥጋኦም ፈጺሙ ክሳብ ዝደኽም ከኣ ብትግሃት ብመንፈሳዊ ዕዮ ጽሙድ ነበሩ። ካብቲ ገዳም ወጺኦምውን ኣብ ከባቢ ኣድያቦ (ትግራይ) ብብሕትውና ምስ ቅዱሳን ኣበው እናተራኸቡ ሱባኤ የዘውትሩ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ኣፍጋሕጋሕ ዝተራኸብዎም ከኣ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ እዮም። ካብኡ ብምቕጻል ናብ ካልእ በረኻ ብምኻድ ወግር ዓቢይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ይጋደሉ ነበሩ። ኣብቲ በረኻ ድማ ኣራዊት መሮር ተገዝኡሎም። ኣብ ልዕሊ ዓጋዜን ተወጢሖም ከኣ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ኣናብስት ከይተረፈ ኣብ ኵሉ ሥርሖም ይሕግዝዎም ነበሩ። ንምሳሌ ኣብ ገዳም ትኹል መኅደሪኦም ንዝነኾት ጐድጓድ ኣንበሳ እዩ እናተኣዘዘ ኲዒትሎም። ኣብ በረኻ ዱበኔውን ፍሉያትን ኣዝዮም ዘፍርሁን ኣራዊት እኳ እንተነበሩ፤ ግርማ ኣቦና ርእዮም ኣብ ቅድሚኦም ኣይቖሙን ነበሩ። ሓራምዝውን መጺኦም ይሰግዱሎምን፤ ይጾርዎምን ነበሩ።  

ኣብቲ ኵሉ ተጋድሎ ዝገጥሞም ዝነበረ ተጸብጺቡ ዘይውዳእ መከራን፤ መግለጺ ዘይርከቦ ድኻምን ሕማማተ ሥጋን፤ እቲ ካብ ንእስነቶም ጀሚሩ ዝሕልዎም መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ኣይፍለዮምን ነበረ። ነቲ ኵሉ ሽግር ድኅሪ ምቕባሎም ቅዱስ ገብርኤል ክረድኦም ኣብ ዝመጸሉ እዋን፤ክንድ ዝኣክል ክሽገር ከሎኹ ዘይረዳእካኒ ስለምንታይ እዩኢሎም ክሓትዎ ከለዉ፤ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ግና እቲ መከራን ሽግርን ንጸጋ ምዃኑን፤ እቲ ምርዳእውን ድኅሪ ኵሉ ጸዋተወ መከራ ክኸውን ከምዘለዎ ይዛረቦም ነበረ። እቲ ጽድቂውን ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎን ድንቂ መንፈሳዊ ሥራሕን ከምዝርከብ፤ እቲ ቅዱስ መልኣኽ እናነገረ የጸናንዖም ነበረ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ሰማያዊ ምሥጢራት ይገልጸሎምን የጸናንዖምን ነበረ። ብኸምዚ ኣዝዩ ጽንኩር ተጋድሎ፤ ጠቕላላ  /30 ዓመት ኣብ በረኻ ብብሕትውና ጸንሑ። ኣብዚ ዕድሜኦም እምበኣር እግዚአብሔር ተገሊጹ፤ ደጊም ናብቲ ዘርእዮም ቦታ ከይዶም ንመንእሰያትን ንኣሽቱን ክምህሩን ምስኣታቶም ከኣ ክቕመጡን ኣዘዞም።  

ምምሥራት ገዳም
ንዑ ንስአል ወንትሜነይ
ፋድል አቡነ ፊልጶስ፤ ንዓመታት ብብሕትውና ኣብ ከባቢ ኣድያቦ ትግራይ ገድሎም ድኅሪ ምፍጻምሞ፤ ብኣምላኽ ካብኡ ወጺኦም ናብ ገዳም ክኣትዉ ተነግሮም። ከም አበ ብዙኃን አብርሃም፤ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ጺዳርዋ ዝብሃል ቦታ ተገሊጾሙሎም፤ ናብቲ ዝኸድዎ ስፍራ እናመርሑ ኣብ ጐዳዕ ኣብጺሖም ተሠወርዎም። ካብኡ ሕልፍ ኢላ ኣብ ቆላ ሠራየ ናብ ትርከብ ገዳም ደብረ ማርያም (ዞባ ደቡብ - ጥቓ ሩባ ዑበልን መረብን ዝርከብ ገዳም) ኣተዉ። መሥራቲ እቲ ገዳምን ወዲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ምስ ዝኾኑ አቡነ አብሳዲ ከኣ ተራኺቦም። ልክዕ ቅድሚ ሕጂ ነሕድሕዶም ኣፍልጦ ከም ዝነበሮም ብዝመስል ኣገባብ፤ ብጽቡቕ መንፈሳዊ ምስዕዓምን ምትሕቍቛፍን፤ ብዓቢ ሓጐስ ተቐበልዎም። ክልቲኦም ኣበው ከኣ ሓደ ብዛዕባ እቲ ካልእ ክጽሊ ድኅሪ ምሕዳር፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሓዲኦም ብዛዕባ እቲ ካልኣዮም ትንቢት ገሊጹሎም።

ነቲ ዝተገልጸሎም ምሳሌያዊ ራእይ ድማ ኣንጊሆም ተዛራረቡሉ። አቡነ አብሳዲ ከኣ ብመሠረት እቲ ዝተገልጸሎም ነገር፤ ደጊም ኣቡነ ፊልጶስ ተምሃሮ ክምህሩን፤ ኣኅዋት እናኣከቡ ክነብሩን፤ ስብከተ ወንጌል ከስፍሑን ትእዛዝ ኣምላኽ ምዃኑ ነገርዎም። ድኅሪ ናይ ሠለስተ ወርሒ ሱባኤ ኸኣ ንኣረጋዊ ቀሲስ ቶማስ (ብሥጋ ኣቦ አቡነ አብሳዲን መርቆሪዎስን) ረኺቦሞም። ቀሲስ ቶማስ ከኣ ብምሳሌ ገይሮም ዝቕጽል መገዲ ኣቡነ ፊልጶስ በየን ምዃኑ ንዝተገልጸሎም ነገር ነገርዎም። ከምቲ ንሶም ዝነገርዎም ከኣ ብወገን ምብራቕ ነበረ።
 
ኣቡነ ፊልጶስ ካብቶም ዝፈትዉዎም መንፈሳዊ ኣኅዋቶም ቅድሚ ምፍላዮም፤ ምስ ኣቡነ አብሳዲን ኣቡነ መርቆሪዎስን ብሓባር ሱባኤ ዝኣትዉሉን መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝፍጽሙሉ ጊዜ ነይሩ እዩ። ሓደ ጊዜ ሠለስቲኦም ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም፤ ንሓዋሩ ንስምና መጸውዒ ዝኸውን ምእንቲ ክህበና ንተምነ ተበሃሃሉ። ኣቡነ አብሳዲን ኣቡነ መርቆሬዎስን ነናቶም ልባዊ ትምኒት ክገልጹ ከለዉ፤ ኣቡነ ፊልጶስ ከኣ ብግዲኦምኣነስ ገዳም ተኺለ፤ በቲ ዝሠራዕክዎ ሥርዓት ጸኒዓ ክነብር፤ ደቀይ ድማ ኣብ ገዳም እዚኣ ግብሪ ጽድቂ ዝሠርሑላ ክትኮነለይ፤ ብውልቆም ከኣ ቤቶም ከይሠርሑ ምደለኹ ነይረ በሉ።ብኡ ንብኡ ድማከምቲ ዝተመነኻዮ ይኹነልካዝብል ድምፂ ሰምዑ።
 
መራሒኦም ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ስለዝነበረ ኸኣ ከይደንጐየ፤ ካብቲ ገዳምን ከካብ ቦታኦምን ንዕኦም ኣርድእቲ ዝኾንዎም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሑን ዝተጸውዑን ፲፮/16 መነኮሳት መጹዎም። ኣስማት ናይዞም መነኮሳት መምስ እቲ ዝነበሮም ጸጋ ከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ አባ ይባርከነ ክርስቶስ (ተጋዳላይ) አባ ገብርኄር (ዕጉሥ) አባ እንድርያስ (ሕያዋይ) አባ ታዴዎስ (ፍቁር) አባ ዜና ጴጥሮስ (ምስጉን) አባ ዮሐንስ ከማ (ምሉአ ሞገስ) አባ ኤርሚያስ (ምሥጢረ ሰማይ ዝርኢ) አባ ይስምዓነ ጸሎተነ (ተርጓሚ) አባ ይስሐቅ (ፈላጥ) አባ እንጦንስ (ሰማዕትን ክቡርን) አባ ጳውሎስ (ተጋዳላይ) አባ ተንሥአ መድኅን (ጎበዝ) አባ በርተሎሜዎስ (ህርኩት) አባ ኢሳይያስ (ድንግል) አባ ማቴዎስ (ኅሩይ) ኣባ ማትያስ (ኃያል) ይብሃሉ ነበሩ።
 
እምበኣር ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ እቲ ናይ ዓመት ተጋድሎኦም ኣብ መበል ፵፪/42 ዓመቶም ድማ ምስቶም ደቀ መዛሙርቶም ናብዚ ገዳም ተበገሱ። ታኅሣሥ ፳፭/25 አቡነ ፊልጶስናብ ምብራቕ ገጽካ ኬድካ፤ ናብ ደብረ ቢዘን ኣቢልካ ደይብዝብል ቃል እግዚአብሔር ምስ ሰምዑ፤ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም መንገዶም ኣቅንዑ። እግዚአብሔር ዝመረጸሎም ብፍሉይ ንምፍላጥ ንኵሎም ኣርድእቶም ኣኪቦም ጸሎት ገበሩ። ኵሎም ድማ ካብ ሰማይ ክሳብ ምድሪ ዝቁመቱ ኣብ ገዳም ዓምደ ብርሃን ተተኺሉ ርኣዩ። ብድኅሪ ኣቡነ ፊልጶስ መንፈስ ቅዱስ ዘርኣየኒ ርስተይን ርስትኹምን፤ ከምኡውን ካብ ዓለም ንዝተገፍዑ መኅደሪት እትኸውን እዛ ቦታዚኣ እያ ኢሎም ብርሑቕ ኣመልከትዎም።
 
ብኡ ንብኡከምቲ ኣቦና ኖኅ ንርግቢ ከምኡውን ነቢይ ሙሴ ንካሌብን ኢያሱን ምስ ለኣኹ፤ ሠናይ ዜና ዘምጽሎም፤ ንስኻትኩም ከኣ ንዕኦም ምሰልዎምብምባል ካብቶም ኣርድእቶም ንኣባ ኤርሚያስን ንኣባ ገብርኄርን ንምድረ ቢዘን ኣጽኒዖምን ተዓዚቦምን ክመጹ ልኣኽዎም። እዞም ልኡኻት ኣርድእቶም ኣብ ገዳም ብቀስተ ደመና እናተመርሑ ምስ ደየቡ፤ እቲ ቦታ ኣዝዩ ዘሰምብድን ዘፍርሕን ግርምኡ ከኣ ዘይድፍረን ኮይኑ ረኸብዎ። ጸሎት ምስ ኣብጽሑ ከኣ፤ ኣባ ኤርሚያስ ኣፍ ደገ ፯ተ ሰማያት ተኸፊቱ ረኣየ፤ ከምኡውን ነፍሳት ኣብ ፪ተ ተኸፊለን፤ ነፍሳተ ኃጥኣን ኣብ ሲኦል ክጭነቓ፤ ነፍሳተ ጻድቃን ድማ ኣብ ገነት ክሕጎሳ ረኣየ። በዚ ምኽንያት ክልቲኦም ናይ ገዳም ግርማን ዕቤትን ኣስተውዒሎም እናተሓጐሱ ናብ ኣቦኦም ተመልሱ። ኣቡነ ፊልጶስደቀይ እንታይ ርኣኹምን ሰማዕኹምንቢሎም ሓተትዎም። ንሶም ድማሥራሕ እግዚአብሔር ዘገርምን ዘደንቕንዩ። ንሓድሕዶም ዝባልዑን ዝመናጠሉን ኣራዊት እንተ ዘይኮይኖም ካልእ ሰብ ኮነ እንስሳ ዝነብሮ ኣይኮነን። ብዘይካ እሾኽን ተዀርባን ንገዳማውያን ዝኽውን ምግቢ ኣይርከቦን እዩ። መንገዱውን ሸታሕታሕን ዓቐብን እዩ። ዓዲ ኣረማውያን ኮይኑ ንባሕሪ ኤርትራ መንገዲ ሓደ መዓልቲ እዩበልዎም። ፋድል ኣቡነ ፊልጶስ ነዚ ምስ ሰምዑኣቱም ቡሩኻት ደቀይ! ነዞም ደቀይ መንፈስ ቅዱስ ሰማያዊ ምሥጢር ገሊጽሎም ከበቕዕሲ፤ በዚ ነገር ኣይፈርህን እየበልዎም።

ብድኅሪ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ ዓንሰባ ተበጊሶም ናብ ካርንሽም ኣተዉ። ሓደ ካብቲ ዝፈጸምዎ ተኣምር ከኣ ኣብ ገረሚ ብጽላሎቶም ድውያን (ስንኩላን) ኣድኂኖም ምንባሮም እዩ። ንቡዙኃን ድውያንን ሕሙማንን እናሕወዩ ከምኡውን ዝተፈላለየ ተኣምራት እናገበሩ ብሸነኽ ምዕራብ ናይ ገዳም እንባ ጸሎሎ (ሎሚ ጸሎት ዝብሃል ዘሎ) ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣዕረፉ። ኣብኡ ከለዉ ንጸሎት ዘይምችእ ድምፂ ደርሆን ድምፂ ኣንስቲን ምስ ሰምዑካብ ገጽ ኣንስቲስ ገጽ ኣናብስቲኢሎም ነቲ ቦታ ከምዝገድፍዎ ብራና ገድሊ ኣቡነ ፊልጶስ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ኣንስቲ ብምጽላእ ዘይኮነስ፤ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦም ትንቢት ገዳሞም ክፍጸም ምእንቲ እዩ። ጉዕዞኦም ብምቕጻል መልኣኽ መንገዲ እናጸረገሎም ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣቢሎም ምስ ፲፮/16 ኣርድእቶም ናብዛ ገዳምዚኣ ኣተዉ።
ኣቡነ ፊልጶስ ፋድል ኣብዛ ገዳም ምስ ኣተዉ፤ ብመስቀል ጌሮም ብኣርባዕተ ማእዝናተ ዓለም ነቲ ከባቢ ባረኽዎ። ብኡ ንብኡ ኣብኣ ዝነበረ ርዅስ መንፈስ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኣእወየ። በቲ ብልሳን ኣቦና ብዝተጸውዐ ስመ እግዚአብሔር ድማ ተመታተረን ካብቲ ቦታ ኣልገሰን። ኵሎም እቶም ኣርድእት ከኣ መንበሪኦም ዝኸውን ነንኣሽቱ ኣጕዶ ብሓባር ክሠርሑ ጀመሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ናብ ውሽጢ ደብረ ቢዘን ድኅሪ ምእታዎም፤ ንኵሉ ኮሊሎም ድኅሪ ምርኣዮምን፤ ቅድሚ ኵሉ ነገር ማኅበር ሓድነት ኣቖሙ። ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ዘመነ ክርስትና ብዙኃት ክርስቲያናት ዝኾኑ ብሓድነት ንክነብሩ ንብረቶም፤ ሃብቶምን ጥሪቶምን ሒዞም ናብ ማኅበር ሓድነት ሓዋርያት ዝጽንበሩ ዝነበሩ ብተመሳሳሊውን እቶም ምስ ኣቦና ዝኣተዉ ፈለምቲ ገዳም ጥራይ ዘይኮኑስ፤ ብዙኃን ሰባትውን ብትምህርትን ተኣምራትን፤ ከምኡውን ሓድነት ገዳም እናተሰሓቡ ናብዚ ማኅበር ሓድነት እናተጸንበሩ ይምንኵሱ ነበሩ። (ግብ ሓዋ ፬፥፴፭-፴፯/435-37) ቍጽሮምውን ዕለት ዕለት ይውስኽ ነበረ። ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ጥራሕ ፱፻/900 በጺሖም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
 
ኣቡነ ፊልጶስ፤ ሓድነት ዝዓንዱ ሕጊ ጳኵሚስ ብዝግባእ ኣብቲ ገዳም ምስ ተኸሉን፤ ንኵሎም መነኮሳት ከክፍሊ ሥርሖም ምስ ገበሩሎም፤ ቍጽሪ መነኮሳት መመሊሱ ይውስኽ ነበረ። ብኸምዚ ሥርዓት ዝመኃደሩ ኣበው መነኮሳት ከኣ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ዝኾኑ በዚኆም ነበሩ ይብል እቲ መጽሓፍ ገድሊ።
 
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ገዳም ኣብ ዝመሥረቱሉ ከኣ ወዲ ፵፪/42 ዓመት ዕድመ በጺሖም ነይሮም። እቲ ገዳምውን ዝተመሥረተሉ እዋን ኣብ መፋርቕ ፲፬ ክፍለ ዘመን እዩ። ብመሠረት ሓሳበ ቢዘን (ባዕላዊን መበቖላዊን ሓሳበ ዘመን ደብረ ቢዘን) ብ፲፩፻፴፪ .. (ብግእዝ ድማ ብ፲፫፻፷ ..) ኣብ መበል ፳፯ ዓመት ዘመነ መንግሥት ንጉሥ ሰይፈ ኣርዕድ (ንዋየ ክርስቶስ) (ወዲ ዓምደ ጽዮን) ከምዝተመሥረተ መጽሓፈ ሕርግርግ ይገልጽ።
 
ሓዋርያዊ ተጋድሎ
ሑረ ወዓቅሙ ሀገረ፤ … እስመ ርኢኩ አርጋበ ፀዓደ ዒዳነ ስእለ ይወፅኡ ወይትነሥኡ”
ቅዱስ ኣቦና ሕይወቶም ንኣገልግሎት ወንጌል ብምውፋይ፤ ምስቲ ጽኑዕ ተጋድሎ ምንኵስና ኣወሃሂዶም ካብ ዝመንኮሱሉ (ወዲ ፲፪ ዓመት ከለዉ) ኣትሒዞም ብሓፈሻ 30 ዓመት ዚኣክል ኣብ ትግራይን ኤርትራን ቃል ወንጌል ሰቢኾም እዮም። ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉውን ዝተጠቕሰ፤ ፵፪/42 ዓመት ምስ መልኦም ከኣ ንደቂ መዛሙርቶም ኣኸቲሎም ንገዳም ደብረ ቢዘን፤ ገዲሞም።
 
ፋድል ፊልጶስ ድኅሪ ገዳም ምምሥራቶም እንተኾነውን ገዳሞም እናደልደሉን እናሠርዑን፤ ስብከተ ወንጌል እናስፍሑን፤ ንብዙኃንን ብዙኃትን ኣብቲ ከባቢ ይኹን ርሑቕ ከባቢታት ንዘለዉ ዘይኣመንቲ ብስብከቶምን ብትምህርቶምን የእምኑ ነበሩ። ብዙኅ ዘድንቕ ተኣምራት ይፍጽሙ፤ ሕሙማት ይፍውሱ፤ ኣጋንንቲ የውጽኡ፤ ዓባሳት የዛርቡ፤ ዕዉራት የብርሁ ነይሮም። እቲ ዝናን ሰናይ ወረ ዝሰምዑ ሰባት ጥራይ ዘይኮኑሲ፤ ኣናብስን ኣናብርን ከይተረፉ ኵሎም ኣራዊት የኽብርዎምን ይግዝኡሎምን ነበሩ። ጸበል እግሮም ከይተረፈ ይልሕሱ ነበሩ። ብዙኃት ከኣ በቲ ጣዕሚ ቃላት ዝተሓወሶ ስብከቶምን፤ ስብከት ደቆምን እናተሰሓቡ፤ ናብ ሃይማኖት ይኣትዉ ነበሩ።

ኣቡነ ፊልጶስ ባዕሎም ጥራይ ዘይኮነስ ደቆም ብቃል ይኹን ብግብሪ ሓዋርያተ ወንጌል ክኾኑ ብብዙኅ መገዲ ይሓንፅዎም ነበሩ። ብሓደ ልቢ ኮይኖም ክዓዩ ዘድልዮም ምኽርን ማዕዳን ብቀጻሊ ይህብዎም ከምዝነበሩ ከኣ ገድሎም ኣስፊሑ ይገልጽ። ነቲ ኣምላኽ ዝፈትዎ ፍቕሪ ክስዕቡ ከምዘለዎም ይምህርዎም ነይሮም። ደቂቅየ ዘንተ ተምህሩ ወዘንተ መሀሩ ለሰብአ ዓለም” (ደቀየ እዚ ተምሃሩ ንሰብ ዓለም ድማ ከምዚ ኢልኩም መሃሩ) እናበሉ ካብ ዝመሃርዎም ትምህርቲ ከኣ እቲ ሓደ ከይፈርሁን ከይሰንበዱን ብትብዓት ንሓቂ እግዚአብሔር ክምስክሩ ከምዘለዎም እዮም። እቲ ካልእ ካብ ትምህርቶም ከኣ ንሰብ ካብ እግዚአብሔር ዝፈልዮ ጥንቖላን ንዑኡ ዝመስል ኣምልኮ ጣኦት ክቃለስዎ ከምዝግባእ ዝገልጽ እዩ ነይሩ።

እቶም ሰናይ ዜናኦምን ተኣምራቶምን ሰሚዖም ዝበጽሕዎምን፤ ካብኦምውን ክመሃሩ ዝደልዩ ዝነበሩን እቶም ተራ ክፋል ሕዝቢ ጥራይ ዘይኮኑስ፤ እንተላይ ዓበይቲ መነኮሳት ዝተፈላለዩ ገዳማት እዮም ነይሮም። ካብኣቶምውን ካብ ፲፪ ገዳማት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኣከቡ ዓበይቲ መነኮሳት በጺሖሞም ነይሮም እዮም። አባ ተወልደ መድኅን ዘደብረ ማርያም፤ አባ ማቴዎስ ዘማይ ሳግላ፤ አባ ዳንኤል ዘደብረ ገዳማዊ፤ አባ ጳውሎስ ዘደብረ አጕድ፤ አባ ማርቆስ ዘደብረ አድያቦ፤ አባ ማቴዎስ ዘደብረ ማይ ምዕራፍ፤ አባ ጢሞቴዎስ ዘደብረ ኣርጋ፤ አባ አርከሌድስ ዘደብረ ደጓዕለ፤ አባ ሙሴ ዘደብረ ሰላም፤ አባ ማቴዎስ ዘዓዲ ቀውዖ፤ አባ ጢሞቴዎስ ዘዓደግባ፤ አባ ማትያስ ዘዓዲ ዝርከብዎም ናብኦም መጺኦም ይሓትዎምን ይመሃሩን ከምዝነበሩ ገድሎም ይገልጽ።    

አቡነ ፊልጶስ ብመንጽር ምስፋሕ ገዳማትውን፤ ኣብቲ ናቶም ገዳም ከይተሓጽሩ ካብ ኵሎም ገዳማት ንዝመጹ ብኵሉ እቲ ዘድልዮም ይሕግዝዎም ነበሩ። ኣብ ምኅያል ገዳሞም ጥራይ ከይተወሰኑ፤ ካብቶም ኣርድእት መነኮሳት ነቶም ብቝዓት ዝብልዎም ከም እኒ አባ ኤርሚያስን፤ አባ ይባርከነ ክርስቶስን ከምኡውን ካልኦት መነኮሳት፤ ካብኡ ወጺኦም ናብቲ እግዚአብሔር ዘመልክቶም መካናት ብምኻድ ገዳማት ከቝሙ ኣዚዞሞም ነይሮም። እዚ ኸኣ ብፀዓዱ ኣርጋብ ዝረኣይዎ ራእይ ክፍጸም ምእንቲ እዩ። እቶም ወፈርቲ ኣርድእቶምውን ኣብቲ ዝኸድዎን ኣብ እግሪ ምትካል ሓደሽቲ ገዳማትን፤ ንዝረኽቦም ዝነበረ ተጻብኦ ኵሉ ክሥዕሩ ብጸሎትን ብምኽርን ብተኣምራትን ይሕግዝዎም ነበረ።

                                                                                                             ይቕጽል... 

No comments:

Post a Comment