Thursday, August 16, 2012

ጥንተ አብሶ (ቀዳማይ ክፋል)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ማዕዶት፥
፩. ጥንተ ኣብሶ እንታይ ማለት እዩ፧
፪. ጥንተ ኣብሶ ብኸመይ መጺኡ፧
፫. ብኸመይ’ከ ይመኃላለፍ ነይሩ፧
፬. ምምኅልላፍ ጥንተ ኣብሶ ክሳዕ መዓስ፧
፭. ጥንተ ኣብሶን ንጽሕት ድንግል ማርያምን ዚብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ክንርኢ ኢና። ንኣቦታትና ምሥጢሩ ዝገለጸን ምስትውዓሉ ዝሃበን እግዚአብሔር ይግለጸልና። ሠናይ ንባብ፦
፩. ጥንተ ኣብሶ እንታይ ማለት እዩ፧ ምልኣተ ኃጢኣት ማለት’ከ፧
ጥንተ ኣብሶ ማለት ናይ ጥንቲ ወይ ከኣ ናይ መጀመርታ በደል ማለት እዩ። እዚ ኸኣ በቲ ቀዳማይ ሰብ (ኣዳም) ዝተፈጸመን ናይ መጀመርታ ኃጢኣትን ብምዃኑ እዩ።

ምልኣተ ኃጢኣት ድማ ዘርኢ ኣዳም ኣኣብ ጊዜኦም ዚፍጽምዎ ኃጢኣት እዩ። ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ ኣዳም ዚብል ቃል ንኣዳምን ንሔዋንን ንኽልቲኦም ዚውክል ኃባራዊ ስመ ተጸውዖ እዩ። እዚ ኸኣ ባህሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (ዘፍጥ ፭፥፩/5፥1 ሮሜ ፮፥፲፪/6፥12)

እግዚአብሔር ንኣዳምን ሔዋንን ምስ ፈጠረ ውሉድነት ሂቡ: ኣኽቢሩ ኣብ ገነት ኣቐመጦም። ኣብ ገነት ከኣ ሠለስተ ዕፅዋት (ኣእዋም) ነበራ። ንሳተን ድማ፦

፩. ካብ’ኣ ብላዕን ኣይትባልዕን ዘይበሎ - ኦም ሕይወት
፪. ካብ’ዚኣ ብዝበላዕካላ መዓልቲ ሞት ክትመውት ኢኻ ዝተባህለላ - ኦም በለስ
፫. ኪበልዖ ዚተፈቕደሉ - ዚተረፈ ኵሉ ኣእዋም እዮም።

ኣዳምን ሔዋንን “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከምዝደላኻዮ ብላዕ: ካብ’ታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትን ሞት ክትምውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ።” (ዘፍጥ ፪፥፲፮-፲፯/2፥16-17) ተባሂሉ ንዚተዋህቦም ትእዛዝ ንሾብዓተ ዓመታት ሓሊዮም: ብሰላምን ብሓጐስን ይነብሩ ነበሩ። ብድኅሪ’ዚ ግና ዲያብሎስ ብቕንኢ ኣብ ተመን ተሠዊሩ ኣጋገዮም: ሕጊ ኣፍረሱ: ትእዛዝ ጠሓሱ: ብጥንተ ኣብሶ ረኸሱ። በዚ ድማ ብንፍሓት ንዘኃደሮም ጸጋ (ሃብቲ) መንፈስ ቅዱስ: ውሉድነት ሥላሴ (ሀብተ ውልድና) ተገፈፉ: ዕርቃኖም ተረፉ: ክብሪ ሰኣኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈሪድዎም: ብኣርዑት መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ተቘሪኖም: ካብ ሓድነት እግዚአብሔር ተፈልዩ። ስለዚ ጸጋኦም ተገፈፉ: ናጽነት ስኢኖም እኩያት ፍትወታት (ፍትወታተ ሥጋ) ኃየሎም: ባህርይኦም ደኺሙ: ንኃጢኣት ዚስዕር ዝነበረ ኣእምሮኦም: ብፈተናታት ሰይጣን ብቐሊሉ ዝሰዓር ስለዝኾነ: ኣብ ዝተረፈ (ብድኅሪኦም ዚመጽእ) ወለዶኦም ምፍራስ ሕጊ: ስስዕቲ: ትዕቢት: ትህኪት: ክፍኣትን ድንቍርናን ነገሠ። እዚ ዅሉ ከኣ እቲ ናይ መጀመርታ ኃጢኣት (ጥንተ ኣብሶ) ዘምጽኦ ጸገም እዩ ነይሩ። (ኢሳ ፩፥፩-፯/1፥1-7)
እግዚአብሔርሰ ኢገብረ ሞተ… አላ ረሲአን ሰብእ ጸውዕዎ በቃሎሙ ወዐርከ አምሰልዎ፥ (እግዚአብሔር ንሞት ኣይኣዘዘን (ኣይፈጠረን) ነይሩ። ረሲኣን (ሕገ እግዚአብሔር ዚዘንግዑ) ሰባት (ኣዳምን ሔዋንን) ግና ስሒቦም ኣምጹኡዎ: ዓርኪ ኣምሰልዎ” ከምዝበለ (ጥበ ፩፥፲፫-፲፮/1፥13-16): ሞት ብመርገም ዚመጽእ እዩ። እዚ ኣብ (ሮሜ ፭፥፲፪/5፥12) “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ: ብምኽንያት ኃጢኣት’ውን ሞት መጽአ” ብምባል ይነግረና።

ኃጢኣት ልክዕ ከም ሥጋን ደምን: ባህርይን ኣይውረስን: ኣይክፈልን ድማ እዩ። ጥንተ ኣብሶ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ግና እቲ ንኣዳምን ንሔዋንን ዚተዋህቦም ፍርዲ እዩ። ዝበደሉን ዘይበደሉን ኵሎም ሞት ገዝኦም ከምዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ: ዕዳ ኣቦን ኣደን ናብ ደቆም ከምዚኃልፍ: እቲ ናይ ኣዳምን ሔዋንን መርገም: ባርነት: ሕማመ ሥጋን ሕማመ ነፍስን ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ናብ ደቆም ኪመኃላለፍ ይነብር ደኣ እምበር: ጥንተ ኣብሶ ካብ ባህርይ ኣዳም ዝተወስደ ናይ ውርሻ ኃጢኣት () ኣይኮነን። ብባህርይ ዚመኃላለፍ ነይሩ እንተዝኸውን ግና: ዘይበደለ ኣይምተረኽበን: “ዚበደሉን ዘይበደሉን” ተባሂሎም ከኣ ኣይምተመቕሉን።

ሕጻናት ጠባዮም ኣይረስሐን: በደል’ውን የብሎምን። ደቂ ኣዳም ብምዃኖም ግና ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። ብባህርይ ልደተ ሥጋን ነፍስን ሕዋሳት ንወርስ። ኃጢኣት ከምኡ ዝውረስ እንተኾይኑ ግና: ሰብ ናይ ምእማንን ምምራጽን ናጽነት የብሉን (ተወሲድዎ እዩ) ማለት እዩ። ንወዲ ሰብ ናይ ምእማን: ምንሳሕ: ቃለ እግዚአብሔር ናይ ምስማዕን ምትግባርን ናጽነቱ ኣይተወስዶን። እንተዝውሰድ እሞ ኣዳምን ሔዋንን ንስሓ ኣይምኣተዉን ነይሮም: እዚ ኸኣ ወልደ እግዚአብሔር ብተዋሕዶተ ሥጋ ኣይምመጽአን ማለት እዩ።

“ወአልቦቱ ካልእ ሕሊና ለአዳም ዘእንበለ ብካይ ላዕለ ኃጢአቱ: ኣዳም ብዘይካ ኃጢኣቱ እናዘከረ ምብካይ ካልእ ሓሳብ ኣይነበሮን” ከምዝበለ መቅድመ ወንጌል: ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ደብር ቅዱስ ንሚእቲ ዓመታት ተነስሑ። እግዚአብሔር ከኣ: “ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ: ኣብ ምድሪ ቤትካ ተንፋሒዀ: ኣብ መስቀል ተሰቒለ ከድኅነካ እየ” ዝብል ተስፋ ሃቦም: እቲ ዘመን ምስ ኣኸለ ኸኣ ካብ’ታ ብሥጋን ብነፍስን ብሕሊናን ንጽሕት ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ: ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ኣድኃኖም: ናብቲ ርስቲ ቀደሞም ድማ መለሶም። ነዚ ኣስተንቲኑ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ “ፈቀደ እግዚእ ያግዕዞ ለአዳም ኅዙነ ወትኩዘ ልብ: ጐይታ ነቲ ልቡ ዚኃዘነን ዚተከዘን ኣዳም ናጻ ከውፅኦን ናብ’ቲ ናይ ቀደም ክብሩ ክመልሶን ፈተወ” (ውዳሴ ማርያም ዘሰኑይ)።

፪. ጥንተ ኣብሶ ብኸመይ ይመኃላለፍ ነበረ፧
ካብ ኣዳም ጀሚሩ ወልደ እግዚአብሔር ሥጋ ተዋሓሒዱ: ሰብ ኮይኑ ንድኅነተ ዓለም ክሳዕ ዚስቀል ዋላ ምግባረ ትሩፋት ዚሠርሑ ኵሎም ብርደተ መቃብር ርደተ ሲኦል ኣይተረፈሎምን ነበረ። በደል ወላዲ ዘይኮነስ: ዕዳ ወላዲ ናብ ውሉድ ከም ዚኃልፍ: ንኣዳምን ሔዋንን እቲ ዚሠርሕዎ ኃጢኣት ዘይኮነስ እቲ መቕጻዕትን መርገምን ናብ ደቆም ተመኃላለፈ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከረድእ: “ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ኣብ’ቶም ከም’ቲ ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ዝበደሉን ዘይበደሉን ነጊሡ ነበረ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ ፭፥፲፬/5፥14) ።

“ዝበደሉ” ዝበሎም ካብ ኣዳም ድኂሮም ዝመጽኡ ሰባት ብሓልዮ (ብሓሳብ): ብነቢብ (ብምዝራብ)ን ብገቢር (ብተግባር)ን ፈሊጦም ብድፍረት: ከይፈለጡ’ውን ብስሕተት ኃጢኣት ዝገበሩ እዮም።

“ዘይበደሉ” ዝተባህሉ ድማ ከም ኤርሚያስ: ሄኖክ: ዮሐንስ መጥምቅን ካልኦትን ካብ ማሕፀን ኣዲኦም ጀሚሮም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓለዉ: ረድኤቱ ዘይተፈልዮም: ንፍሉይ ኣገልግሎት ዚተኃርዩ ቅዱሳንን ንጽሐ ጠባይዕ ዘረስሖም ሕፃናት ንኣብነት: ከምቶም ሄሮድስ ዚቐተሎም 140,000 ሕፃናትን ዝበሉ እዮም።

ኣዳም ዚሠርሖ ጥንተ ኣብሶ ኣብ ልዕሊኡ ጥራይ ኣይኮነን መርገምን ኵነኔን ኣስዒቡ: ካብ ሓንቲ ኦም ብዝተቘርጸት በትሪ ብዙኃን ቈልዑ ከም ዚህረሙ: ኃጢኣት ኣዳም ድማ ብዙኃን ተቐጺዖሙላ እዮም። እንተኾነ ግና ዋላ’ኳ ኵሎም ብሥጋ ናብ መቓብር ዚወረዱ ብነፍስ ናብ ሲኦል ይወርዱ እንተ ነበሩ: ነቶም ጻድቃን ግና መከራን ስቓይን ሲኦል ኣይረኸቦምን ነበረ። እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙኅ ምሳሌ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፦
  • ዓሠርተ መከራታት ግብጽ ንእስራኤል ይትንክፎም ከም ዘይነበረ
  • ኣናንያ: ኣዛርያ: ሚሳኤልን ኣብ እቶን ሓዊ ኣትዮም ዋላ ሓደ ከይኮኑ ከምዚወፅኡ (ዳን ፫፥፲፱-፳፯/3፥19-27)
  • ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይ (ነዌ)ን (ሉቃ ፲፮፥፲፱-፴፩/16፥19-31
  • “ልሳን ሰብ ንጻድቕን ኃጥእን ተቃጽል: ሲኦል ግና ንኃጥኣን ደኣ እምበር ንጻድቃን ኣይተቃጽልን እያ” (ትርጓሚ ያዕ ፫፥፮/3፥6)
  • “ነፍስ ጻድቕ ሰብ ግና ኣብ ኢድ እግዚአብሔር እያ: መከራ ኃጥኣን ኣይረኽባን እዩ” (ጥበ ፫፥፩/3፥1)
 ስለዚ እቶም ካብ ምልኣተ ኃጢኣት ዝረኃቑ (ዘይበደሉ) ብሰንኪ ጥንተ ኣብሶ ጥራይ ሲኦል ዝወረዱ ጻድቃን: ሲኦል ከም ገነት ኮይናትሎም እቲ ዘመነ ፍዳ (ኵነኔ) ክሳዕ ዚፍጸም ኣብ ሲኦል ይነብሩ ነበሩ። 

፫. ምምኅልላፍ ጥንተ ኣብሶ ክሳዕ መዓስ፧
ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ኃሙስ ውዳሴ ማርያም “ዘበእንቲአሃ ተስዕረ ዘቀዳሚ መርገም/ እቲ ናይ መጀመርታ መርገም ብኣኣ ምኽንያት ተሳዒሩ” ከም ዝበለ ጥንተ ኣብሶ ብምኽንያት ኣዴና ንጽሕት ድንግል ማርያም ተሳዒሩ እዩ። “ብኸመይ ተሳዒሩ፧” እንተበልና ድማ ነቢይ ኢሳይያስ “እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ዘርኢ እንተዘይኃድገልናስ: ከም ሰዶም ምኾንና: ንገሞራውን ምመሰልና” (ኢሳ ፩፥፱/1፥9) ብምባል ከምዚተነበየ: ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ወዲ ሰብ እዛ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ዚኾነት ቅድስት ኣደ እንተዘይትነብር ነይራ: ብመርገም ተዋሒጡ ምተረፈ ብዘስምዕ ቃና ገሊጽዎ ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ንዓለም ዘድኅን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብኣ እዩ ብተዋሕዶ ሰብ ኮይኑ ዚተገልጸ።

ንድኀነት ዓለም ብተዋሕዶ ሰብ ዚኾነ ወልደ እግዚአብሔር: ካብ ፅንሰቱ ጀሚሩ ብልደቱ: ብጥምቀቱ: ብጾሙ: ብተኣምራቱን ብስቕለቱን ደረጃ ብደረጃ ጥንተ ኣብሶ (ውፅኢት ኃጢኣት ዝኾነ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን: ዕዳ ኵነኔ) ኣርኂቑልና እዩ።
ብዙኅ ሰብ: “ጥንተ ኣብሶ ብጥምቀት ድዩ ብስቕለት ዚድምሰስ፧” ኣብ ዚብል ሓሳባት ዚተፈላለየ ትንታነታት የቕርብ እዩ። እቲ መልሲ ቤተ ክርስቲያን ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ።

ጥንተ ኣብሶ ንኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዓመታት ነይሩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቦኣ ጻድቕ ኢያቄምን ካብ ኣዲኣ ጻድቕት ሓናን ክትፅነስ ከላ ግና እግዚአብሔር ኪኃድረላ: ዙፋኑን ከተማኡን ገይሩ ንትሽዓት ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ተቐሚጡ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኪኾነላ ስለዝመረጻ: ካብ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን (ጥንተ ኣብሶ) ናጻ ኮይና ተፀንሰት። ብድኅሪ’ዚ ብሰንኪ በደል ኣዳም ዝሰዓበ ሞት: ስቓይ: መርገምን ፍዳን: ኪድምስስ ዚመጽእ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦

·        ብፅንሰቱ: ነቲ ናይ ተስፋ ዘመን ጀመሮ
·        ብልደቱ: ልቢ ዲያብሎስን ኣጋንንቱን ኣርዓደ
·        ብጥምቀቱ: ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣዳምን ሔዋንን ኣገልገልቲ ዲያብሎስ ምዃኖም ዚገልጽ ናይ ጽሑፍ ዕዳ ደምሰሰ
·        ብጾሙ: ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሠልጢኖም ንዚነበሩ ኣርእስተ ኃጣውእ ኣድከመ
·        ብትምህርቱ: ኃይሊ እቶም ኣብ ልቢ ሰባት ኃዲሮም ኣብ ልዕሊ ጥንተ ኣብሶ: ምልአተ ኃጢኣት ዘሥርሑ ዝነበሩ ኣጋንንት ኣድከመ
·        ብተኣምራቱ: ኃይልን ሞራልን ናይ’ቶም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነጊሦም ብጭካነ ዚገዝኡ ዝነበሩ ሰይጣናት ኣድከመ: ሰበረ:
·        ብስቅያቱ (ሕማማቱ): ስቓይን ሕማምን ኣዳምን ደቁን ኣርኃቐ:
·        ብሞቱ: ሞት ኣዳም ደምሰሰ: ሰዓረ:
·        ብትንሣኤኡ: ትንሣኤ ነፍስን ሥጋን ደቂ ሰባት ኣበሠረ:
·        ብዕርገቱ: ድማ ሚጠት (ምምላስ) ሰብ ናብ’ቲ ናይ ቀደም ክብሩ ኣብሠረ።

ለዚ እግዚአብሔር ንጥንተ ኣብሶ ደረጃ ብደረጃ ደምሲስዎ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኵሉ ነገራት ናጻ ኮይኑ: ነቲ ቅድሚ ጥንተ ኣብሶ ዚነበረ ኣዳም መሲሉ: ከም’ታ ብመልክዕን ምስልን ቅድስት ሥላሴ ዝተፈጥራ ኮይኑ: ሰማያዊ ርስቱ ወኒኑ ክትብሎ ትኽእል: ኣሚኑ ምስ ዚጥምቕ: ብሃይማኖትን ብሠናይ ሥነ ምግባርን ጸኒዑ: ፈቃደ ሥጋኡ ንፈቃደ ነፍሲ ኣግዚኡ ካብ’ዛ ዓለም እዚኣ ብምኅላፍ ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ ተሳቲፉ: ምስቶም: “ንዑ ኀቤየ ቡሩካኑ ለአቡየ፥ ኣንቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻን ንዑ ናባይ” ዚብሃሉ ብየማን ቆይሙ ቅድሚ ዓለም ዝተዳለወት መንግሥተ ሰማያት ምስ ወረሰ እዩ። ነዚ ዘብቅዕ ጸጋ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ: በብደረጃኡ እዩ ሂቡና። ንሕና ኸኣ በብደረጃ ንፍጽሞ።

. ጥንተ ኣብሶን ንጽሕት ድንግል ማርያምን
ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ዓለም ቅድሚ ምፍጣራ ኣብ ሕሊና እግዚአብሔር ዝነበረት (መቅድመ ተአምረ ማርያም): ፈጣሪኣ ክትወልድ ዝተመርጸት ብምዃና: ጥንተ ኣብሶ ዝብሃል ከምዘይኃለፋ ሓዋርያዊት ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ትኣምንን ትምህርን። እዚ ኾይኑ ግና ሎሚ ሎሚ ሓደ ሓደ ብምቍልማጽ ክመሃሩ ዚደልዩን ካብ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ተነቓኒቖም ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዚመሥረታ ቤተ ክርስቲያን ከፍርሱ ዚሓስቡን ሰባት: መጐልበቢ መናፍቕነቶም ኪገብሩዎ ደልዮም: “ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ነይሩዋ እዩ: ብብሥራተ ቅዱስ ገብርኤል እያ ነጺሓ” እናበሉ ዘይናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ በጨቕ ከብሉ ይስምዑ እዮም።

እዚ ትምህርቲ እዚ ግና ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነን ብብዙኅ መረዳእታታትን ተሰንዩ ኪቐርብ ስለዘለዎን ኣብ ዚመጽእ ኅታምና ከንቕርቦ ኢና። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ይደግፈና።

(ምንጪ ጽሑፍ፦ መጽሔት ማዕዶት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፤ ቤ/ት/ሰ/ደ/ግ/መድኃኔ ዓለም ገዛ ባንዳ - ኣሥመራ - ፪ይ ዓመት ቍ.2 ሚያዚያ ፳፻ወ፫ ዓ.ም.)

No comments:

Post a Comment