በስመ
አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤
ካብ’ቲ
ባሕሪ ጉድ ብጭልፋ!
ተዘክሮ
ኣቦታትና ካህናት ብውኁድ ቃላት
ኣብ
ልዕሊ ደም ክርስቶስ ዝተሠረተት፤ ብኣዕጽምቲ
ቅዱሳን ዝተነድቀት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን
ሃገርና፤ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን፤ ታሪኻዊትን
ባህላዊትን ምዃና፤ እቲ ነቓዕ ዘይርከቦ ርቱዕ
ትምህርተ ሃይማኖታን፤ መንቅብ ዘይብሉ
ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓታን፤ እትውንኖ ጽጉው
ታሪኻን ዝምስክሮ ድሙቕ ሓቂ እዩ።
ንብዙኅ
ኣካላታን ካልእ ተዛመድቲ ኣበርክቶኣን ንጊዜኡ
ገዲፍና፤ እዛ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዝተዋህበት
ሃይማኖት ክሳዕ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ወለዶ ክትበጽሕ
ዝኸኣለት፤ ልዕሊ ዅሉ ፍቓድን ኃይልን እግዚአብሔር
ይኹን እምበር፤ ካብ ጐይታና ትእዛዝን ሕድርን
ካብ ዝተቐበሉ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣትሒዞም
ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ መነኮሳትን ስሙያት ኣገልገልቲ
ካህናትን ብዝነበሮምን ብዘለዎምን ሕያው
ኣገልግሎትን ውፉይ ኣበርክቶን ምዃኑ ዘይሰሓት
ሓቂ እዩ። ጥርጥር ብዘይብሉ ጽኑዕ መንገዲ፤
ነቲ ዝተጸውዑሉ ሰማያዊ ኣገልግሎት ኣኽቢሮም፤
ብዝተዋህቦም ጸጋን ሥልጣንን ብፍቕሪ ክርስቶስ
ተደሪኾም፤ ከም መላእኽቲ ለይትን መዓልትን
ተጊሆም ብምግልጋሎምን፤ እሙናትን ሓቀይናታትን
ጓሶት ኮይኖም ሕድሮም ብምፍጻሞም እዩ። ውልቃዊ
ክብሮምን ረብሓ ዓለምን ገዲፎም፤ ስለ ክብሪ
እግዚአብሔርን ማኅደሩን ክሳዕ መወዳእታ
ስለዝተጋደሉ ድማ ሎሚ ቅድስትን ርትዕትን
ሃይማኖትና ከይተቖርመመትን ከይተሸራረፈትን
ኣባና በጺሓ ኣላ። ብጥበባዊን ምሉእን ትምህርቶምን
ሠናይ ሥነ ምግባሮምን ንሕዝቦም ኣብነታውያን
መራሕቲ ኮይኖም መዋዕሎም ይፍጽሙ ብምንባሮምን
ብምህላዎምን ድማ ክሳዕ ሎሚ ስሞም ብኽብሪ
ክንጽውዖምን ክንዝክሮምን ንነብር ኣሎና።
በቲ ዘይመውትን ነባሪን ናይ ሓቂ ኣገልግሎቶም
ድማ ኣብ ቅድሚ ሕዝቦም ሕፉራንን ክቡራንን
ኮይኖም ንመዋዕል እናተዘከሩ ክነብሩ እዮም።
