Friday, September 9, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሓንስን

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዝዕረፈሉ ዕለት ፪ መስከረም ይኹን ደኣ እምበር ባሕቲ መስከረም ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂሉ ክኽበር ንረኽቦ። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ነቢያት (ብሉይ ኪዳን)  መወዳእታ ናይ ሓዋርያት (ሓዲስ ኪዳን) መጀመርታ ብምዃኑ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓበይቲ ዘመናት ስለዝርከብ፡ ብተምሳሉ ዘመን መቐየሪ ተባሂሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ኣቦታት ብመደብ ዝገብርዎ እዩ። ርእሰ ዓወደ ዓመት ተባሂሉ ኸኣ ዝደመቐ ኣገባብ ይኽበር። በዚ መሠረት ኸኣ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ወንጌላውያን ግና በብዓመቱ እናተቐያየሩን እንዖዱን ንዓለም ክምግብዋ ይነብሩ። ማቴዎስ ማርቆስ ዮሐንስ ፫፻፷፭ ዕለታት ክኸውን ከሎ ሉቃስ ግና ፫፻፷፮ ዕለታት ይኸውን። በብዓመቱ ባሕቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ልዑል ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን ዕለታት ንምእመናን ዘፍስሱሉ (ዘስምዑሉ) ዕለት ብምዃኑ “ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ” (ዮሐንስ ናይ ዓመት መጀመርታ ወይውን ርእሲ ናይ መጥቅዕን አበቅቴን መርከቢ) ብማለት ይግለጽ። መጥቅዕ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን መውጽኢ ክኸውን ከሎ፡ አበቅቴ ድማ ምስ ሠርቀ መዓልትን ሕፀፅን ተደሚሩ ናይ ሠርቀ ሌሊት መውጽኢ እዩ። ቅዱስ ያሬድ'ውን "ውስተ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተጽሕፈ ተዝካርከ፤ ባርከኒ እንሣእ በረከተከ" ብምባል ነዚ ዕለት ገሊጽዎ ኣሎ።

Thursday, September 8, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ካልኣይ ክፋል)

መጥምቀ መለኮት

ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዝተፈጥረ ሰብ ዘይተዓደሎ ፍሉይ ጸጋ ንቅዱስ ዮሓንስ ተዋሂብዎ እዩ። መሬታዊ ክነሱ ንኣምላኹ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ከጥምቕ ዝተኃርየ ኣቦ እዩ። ድኅሪ ጥምቀቱ ሰማያት ክኸፈቱ ምሥጢረ ሥላሴን ነገረ ተዋሕዶን ብጋህዲ ክርእይ ቅዱስ ዮሓንስ ካብቶም ቀዳሞት እዩ። በዚ መሠረት ኸኣ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት እናበልና ብፍሉይ ንጽውዖን ንውድሶን። ባዕሉ ጐይታ ናብኡ ከይዱ ከጥምቖ ምስ ነገሮ፡ እዚ ግብሪ ዘድንቕ ብምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ከመይ ገይሩ ይኸውን ብምባል ንጐይታ ሓቲትዎ ነበረ። “ኣነ ደኣ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻዶ ብኣይ ክትጥመቕ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ከምዝኣበዮን ጐይታ ከኣ “ኵሉ ጽድቂ ማለት ትንቢትን ነቢያትን ተሰብኦን ክንፍጽም ስለዝግብኣና እዚ ንኣና ተድላ ሓጐስ እዩ እሞ፣ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ” ኢልዎ ነበረ። እዚ ማለት ንአኻ መጥምቀ መለኮት ተባሂሉ ክብርኻ ኪንገረልካ እዩ። ንኣይ ድማ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ተጠሚቑ ተባሂሉ ትሕትናይ ኪንገረለይ እዩ። ጐይታ ንገዛእ ርእሱ ምስ ምእመናን ቈጺሩ እዚ ንኣና ሓጐስ እዩ ከምዝበሎ ንርዳእ። ብኻልኣይ ከኣ ንርእሱ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ቈጺሩ እዚ ንኣና ተድላ እዩ ማለት እግዚአብሔር ኣብ “ብእኡ ዝሠመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ክብል፥ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ከሎ ሓድነትን ሠለስትነትን ስለዝግለጽ እዩ።


Wednesday, September 7, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅዱስ ዮሐንስ

ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዘመነ ብሉይ፥ ምእታው ዘመነ ሓዲስ ብቅድስናኦም ካብ ዝተፈልጡን እግዚአብሔር ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከሎ ካብ ዝኃረዮምን ብፍሉይ ዝጥቀስ እግዚአብሔር ነቲ ዓቢ ዕላምኡ ዝመደቦ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደ ዘካርያስ ካህን እዩ።

ቅዱስ ዝብል ቃል ፍሉይ ኅሩይ ክቡር ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ሰብ ወይውን ዝኾነ ካልእ ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ክፍለ ከሎ ቅዱስ ይብሃል። ብናይ ጸልማት ዘመን ዝፍለጥ ዘመነ ፍዳ ወይውን ዘመነ ኵነኔ ኣብ ምፍጻሙ፡ ደቂ ኣዳም ኵሎም ብዓቢ ሓንቀውታ ብጾምን ጸሎትን ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡ ነቢያት ዝትነበዩሉ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘቛጸሮ ዘመን ድኅነት ምስ ቀረበ መገዲ ክጽረግ ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ ቅዱስ ሰብ ዮሐንስ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ናይ ነቢያት መፈጸምታ ናይ ሓዋርያት መጀመርታ፤ ናይ ዘመነ ብሉይ ፈጻሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ተላሚ እዩ።

Tuesday, September 6, 2011

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ካልኣይ ክፋል)

፫. ክፍለ ዓመት ሓጋይ


ሓጋይ ማለት ድሩቕ ወይውን ንቑጽ ኣዋርሕ ማለት እዩ። እዚ ክፍለ ዓመት ካብ ፳፮ ታሕሳስ ክሳዕ ፳፭ መጋቢት ዘሎ ኾይኑ ኣብ ውሽጡ ሠለስተ ንኡሳን ክፍልታት (ዘመናት) ኣለዎ። ንሳቶም ኸኣ ዘመነ ልደት፡ ዘመነ አስተርእዮ፡ ዘመነ መርዓዊ እዮም።

Monday, September 5, 2011

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

፩. መእተዊ

አብ ቤተ ክርስቲያን በብዕለቱ ክንበቡን ክዝመሩን ዝተመደቡ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን መዛሙርን ከምኡውን ዝቅደስ ቅዳሴን ዝወሃብ ትምህርትን፡ ኵሉ ብሥርዓት ዝተሠርዐን ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመት ንዘለዉ እዋናትን (ዘመናትን) በዓላትን ኣጽዋማትን ዘዛምድን ዘመልክትን እዩ። እዚ ማለት ኸኣ ኣብ  ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ናይ በዓላት፡ ሰናብቲ፡ ዘመናት፡ ኣጽዋማት፡ ስብሓታት፡ መዝሙርን ማኅሌትን፡ ቅዳሴ፡ ኣወጻጽኣ ምንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኵሉ ኣብ ባሕረ ሓሳብ ዝተሠረተ ስለዝኾነ እዩ።

Sunday, September 4, 2011

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ገለ ካብ ትውፊትና


ርኅወ ሰማይ
ወርሐ ጳጒሜን ተዘክሮተ ምጽኣት ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ፫ተ ጳጒሜን ኸኣ ብፍሉይ ሰማያት ዝኽፈተሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ መዓልቲ እዩ። መቸስ ሰማያት ዝዕጸወሉን ዝኸፈትሉን ማዕጾ ኣለዎ ንማለት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ምሥጢር ዝግለጸሉ ስለዝኾነ እዩ። ካልእ መዓልቲ’ውን ምሥጢር ኣይግለጽን ንማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጽለዩ ጸሎታት ከም መሥዋዕተ ሠርክ ኣብ ቅድመ እግዚአብሔር ከዕርግ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ስለዝተቐበለ እዩ። ብኸምዚ ኸኣ አበው ይኹን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጸሎት ተጊሆም ይርከቡ። ኣብዚ ዕለት ንዝዘንብ ዝናብ ኸኣ ከም ጸበል ስለዝውሰድን ዳርጋ በዚ ማይ ዘይጥልቅይ ወይውን በቲ ማይ ዘይሕጸብ ሰብ የልቦን። እቲ ዝዘንብ ማይ ኸኣ ንሰብ ይኹን ንእንሰሳ እንተላይ ንዘራእቲ ጽቡቕን ጥዕና ዝህብን እዩ ተባሂሉ ይእመን።