Friday, September 9, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሓንስን

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዝዕረፈሉ ዕለት ፪ መስከረም ይኹን ደኣ እምበር ባሕቲ መስከረም ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂሉ ክኽበር ንረኽቦ። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ነቢያት (ብሉይ ኪዳን)  መወዳእታ ናይ ሓዋርያት (ሓዲስ ኪዳን) መጀመርታ ብምዃኑ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓበይቲ ዘመናት ስለዝርከብ፡ ብተምሳሉ ዘመን መቐየሪ ተባሂሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ኣቦታት ብመደብ ዝገብርዎ እዩ። ርእሰ ዓወደ ዓመት ተባሂሉ ኸኣ ዝደመቐ ኣገባብ ይኽበር። በዚ መሠረት ኸኣ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ወንጌላውያን ግና በብዓመቱ እናተቐያየሩን እንዖዱን ንዓለም ክምግብዋ ይነብሩ። ማቴዎስ ማርቆስ ዮሐንስ ፫፻፷፭ ዕለታት ክኸውን ከሎ ሉቃስ ግና ፫፻፷፮ ዕለታት ይኸውን። በብዓመቱ ባሕቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ልዑል ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን ዕለታት ንምእመናን ዘፍስሱሉ (ዘስምዑሉ) ዕለት ብምዃኑ “ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ” (ዮሐንስ ናይ ዓመት መጀመርታ ወይውን ርእሲ ናይ መጥቅዕን አበቅቴን መርከቢ) ብማለት ይግለጽ። መጥቅዕ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን መውጽኢ ክኸውን ከሎ፡ አበቅቴ ድማ ምስ ሠርቀ መዓልትን ሕፀፅን ተደሚሩ ናይ ሠርቀ ሌሊት መውጽኢ እዩ። ቅዱስ ያሬድ'ውን "ውስተ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተጽሕፈ ተዝካርከ፤ ባርከኒ እንሣእ በረከተከ" ብምባል ነዚ ዕለት ገሊጽዎ ኣሎ።

ቅዱስ ዮሓንስ ዝርከበሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልተ ወቕትታት (ክረምትን ቀውዕን) ብምዃኑ ክረምቲ ናይ ብሉይ፡ ቀውዒ ኸኣ ናይ ሓዲስ ኪዳን ምሳሌ ኮይኑ ስለዝቐርብ እዩ። ንኵሉን በዓላትን ኣጽዋማትን ናይ ዓመት ቀመር’ውን መሠረት ስለዝኾነ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂሉ ኣብ ምእታው ሓዲሽ ዘመን ይኽበር። መሠረቱ ኸኣ ተግባር መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ንዘመነ ወንጌል መእተዊ ኆኅት ወይውን መበገሲ ኮይኑ ስለዝተረኽበ አበው ሊቃውንት በዓላት ኣብ ዝደንገጉሉ እዋን መዘከርታ ቅዱስ ዮሐንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ኮይኑ ባሕቲ ክኽበር በብዓመቱ ኸኣ መጀመርታ ዘመን ብስሙ ክጽዋዕ ሥርዓት ብምግባሮም እዩ። (ድርሳን ዘቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ስንክሳር’ውን መጀመሪ ሓድሽ ዓመት መስከረም ምዃኑ ገሊጹ ይርከብ። 

ብሊቃውንቲ ኣዘራርባውን ጸልማት ኣብ ዝነበረ ዘመነ ፍዳ ዘይተሰምዐ ቃል፡ ሓድሽ ተስፋ መንግሥተ ሰማያትን ስብከት ብርሃንን ብዮሓንስ ስለዝጀመረ ናይ ሓድሽ ዘመን መኽሠቲ ኢሎም ምስ ምጅማር ሓድሽ ዘመን የተኣሳስርዎ።

መስከረም ዘመን መለወጢ ምዃኑ ድማ ብርሃናት (ፀሐይ፤ ወርሒ ከዋክብቲ) ናይ ዓመት ዑደቶም ኣብ ወርሒ ጳጒሜን ፈጺሞም ኣብ ወርሒ መስከረም ስለዝጅምሩ እዩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ኸኣ ለይቲ ምስ መዓልቲ ይተኻኸልን መዓረ ፲፪ ሰዓት ይኸውንን። ድኅሪ እዚ ግና ካብ ባሕቲ መስከረም ኣትሒዙ መዓልቲ በብቝሩብ እናጐደለ ይኸይድ። ነዚ መሠረቶም ኸኣ ሄኖክ እዩ (ሄኖ ፳፩፥፵፱)። ናይ ኣቡሻኽር (ባሕረ ሓሳብ) ሊቃውንትውን ዓለም ብማየ ኣይኅ ኣዕለቕሊቓን ተኸዲናን ድኅሪ ምጽናሕ ካብቲ ዝነበረ ማይ ክተጽፈፍን ምድሪ ክተረኣይ ዝጀመረትሉ ወርሒ መስከረም እዩ ብምባል ምኽንያት መለወጢ ዘመን ወሲኾም የረድኡ እዮም። (ኩፋ ፯፥፩)

ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ሃገርናን ባህልናን
           
ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ኮይኑ ኣብ ሓድሽ ዓመት ምኽባር ጥራይ ዘይኮነሲ፤ ኣቦታትና ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም በረኸቱ ንኽረክቡ ብስሙ ታቦት ቀሪጾም ከኽብርዎ ክሳብ ሕጂ ዘሎናዮ ዘመን በጺሑ ኣሎ።

ኣስታት ሽሕ ሓሙሽተ ሚእትን ዝገማገም ዕድመ ዘለዎን ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ዝኾነ ቴድረር’ውን ብስም ቅዱስ ዮሓንስ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓንጸን ብስሙ ታቦት ዝተቐርጸሉ ምዃኑ ምጥቓስ ጥራይ ክሳብ ክንደይ ኣቦታትና ነዚ ክርስቶስ ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ካብኡ ዝዓቢ የልቦን ኢሉ ዝመስከረሉ ኣቦ ዘለዎም ክብሪ ዘመልክት እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና’ውን ብስሙ ዝተቐርጹ ጥንታውያን ታቦታትን ኣብያተ ክርስቲያናትውን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ባህልና’ውን ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ውሽጢ ኅብረተሰብ ሰሪጹ ዝርከብን ብዝተፈላለየ መገዲ ሕዝብና ኣኽብሮቱን ፍቕሩን ዝገልጸሉ ኣገባብ ከምዘለዎ ዝተፈልጠ እዩ። ብፍላይ ኸኣ ምስ ምእታው ሓድሽ ዘመንን ኣብ ምብቃዕ ዝገማገም ዘሎ ዘመነ ክራማትን ምስ ትስፉው ምጅማር ሰዊትን ፍርያትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ፍሉይን መሳጥን ኣከባብራ ኣብ ገጠራዊ ክፋል ሕዝብና ይርከቦ፤ ነዚ በዓል ኸኣ ፍሉይ ምድላው ይግበረሉ። ነዚ በዓል ዘይዕጠቕ ዘይዳሎ ክፋል ኅብረተሰብ ድማ የልቦን።

ብድሮ ቅንያት ቅዱስ ዮሓንስ፡ ጓሶት ጥሪቶም እናጓሰዩ ምስቲ ልሙዕ ክራማትን ጽጉባት መጓሰኦምን ብሓጐስ ንቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን ዝኸውን ሽግ ይእክቡን ይሰርሑን። ምሸት ምሸት ድማ ጥሪቶም ኮብኲቦም ሽጎም ተተሰኪሞም ብሓጐስ ይኣትዉ። ሰብኡት ከኣ ንዓውደ ዓመት ዝኸውን ክዳውንቲ ይገዛዝኡ፤ ኵሉ በብዘለዎ ድማ ነቲ ኣሎኒ ዝብሎ ክዳን ሩባ ወሪዱ የጻራርይ፤ ሕሩድን ካልእን ድማ ይቀራርቡ። ኣዴታት ድማ ኵሉ ናይ ነፍሰን ይኹን ኣሎ ዝበሃል ናይ ውሻጠአን ምቕራርብ የጻፍፋ። ዝስተን ዝብላዕን ኸኣ ብውህልነት ይዳሎ። ኣዋልድን መርዑን ኸኣ ምሽልላምን ካልእን ከምኡ ፍሉይ ምድላዋት ይገብራ።

ኣብ ድሮ (ዋዜማ) ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ኣጕባዝን ሰብኡትን ሸሽጎም ሒዞም ኣብ ባይቶ ዓዲ ይእከቡ። ኣዋልድን ኣንስትን መርዑን ድማ ኮበሮአን ሒዘን ይመጻ። ኣብቲ ዓዲ ታቱላ በብመኣዝኑ ይስማዕ፡ እዚ ኸኣ ብስራት ሓድሽ ዘመን እዩ። ብወገን ቤተ ክርስቲያን ናይ ዋዜማ ደወል ከም ማለት እዩ። ሽግ ድማ ብዓበይቲ ተባሪኹ ይውላዕ። እዚ ብርሃን ኸኣ ተምሳል ናይ ሓድሽ ዘመን እዩ። ቅድሚ ካልኦት ግና ብመጀመርታ ናብ ዓበይቲ ኣረጋውያን፡ ሕሙማት ወቦ ዘተርፈ እሞ ናብ ባይቶ ዓዲ ክመጹ ናብ ዘይክእሉ ኣብ በብዘለዉዎ ብምውሳድ ሽግ ወሊዕኻ ሓዊ ከምዝሰግሩ ይግበር። ንሶም ድማ ካብ ልቦም ትምኒቶም ብምግላጽ ይምርቑ። ብድኅሪ እዚ “በዓል ሽግ፡ በዓል ሽግ” እናተባህለ መጸዋዕታ ይቐርብ። ሽግ ዘለዎ ሽጉ ሒዙ ድማ ደበኽ ይብል። ኵሉ ሽግ ዝሓዘ ድማ ሽጉ የብርህ። ቅድሚ ኵሉ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ድኅሪኡ ኸኣ ንብምሉኡ ዓዲ ሆየ እናበልካ ብመስርዕ ይኹለል። መርዑን ኣዋልድን ደድኅሪ ሽግ ሆየ ይስለፋ። ደቂ ተባዕትዮ ሽጎም ዓቲሮም ሆየ ሆየ እናበሉ ክኸዱ ከለዉ ኣዋልድን መርዑን ድማ ኮበሮአን ሒዘን እናተቐበላ ደድኅሪኦም ይስዕባ። ካብቲ ኣብዚ እዋን ንመበሰሪ ሓድሽ ዓመት ዝብሃል ኸኣ “ዮሐንሰይ አቶ ኣብሪህዋ ንባይቶ! ዮሐንሰይ ቅዱሰይ ዘለዓለም ንጉሠይ!” “ንዮሐንሰይ መስቀለየ ድርብ ኮበሮ ሓዛለይ” ዝብል ይርከቦ።

ኣደታት ኣብ ድርኲዂት ኣባይተን ኮይነን ዕልል ይብላ። ቱቱላ በብማእዘኑ ይንፋሕ። ዓዲ ብብርሃን ሽግ ትደምቕ። ዓበይቲ ወለዲ ኸኣ ተመስገን ኣምላኽ እንቋዕ ነዚ ኣርኣኻና፤ እንቋዕ ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ኣስገርካና ኢሎም ናብ ኣምላኽ ምስጋና የቕርቡ። ነቶም ሆየ ዝብሉ መንእሰያት ኸኣ ኃይልኹም ኃይሊ ሓጺን ይግበሮ፤ ሰስኑ እምበር ኣይትውሓዱ፤ ውላድኩም የርእየና፤ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ይጸንብረና፤ ዓመት ንዓመታ የድግመና፡ ብሰላም የብጽሓና እናበሉ ይምርቑ።

ድኅሪ እዚ ኵሉ ኸኣ ሽግ ዝሓዘ ዘይሓዘን ኵሉ ብሓንሳብ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይእከብ። ሽዑ ካህናት ዓዲ ነቲ ሓድሽ ዘመን ባሪኾም መሐረነ ኢሎም አቡነ ዘበሰማያት ይህቡን ይደግሙን። ሕዝቢ ድማ ተቐቢሉ ጸሎቱ የብጽሕ። ኣብ መወዳእታ ሽግ ዘይሰገረ እንተሎ ይሰግር። ዓበይቲ ሰብኡትን ኣንስትን ድማ “ሓምሊ ቁራዕ ውጻእ፡ ገዓት ጠስሚ እቶ፤ ከምዚ ንዓመታ ብሰላም ኣጽንሓና፤ ቡሩኽ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና፤ ቀዳዊና ዘመን ኣምጽኣልና፤ ዓድና ባረኸልና፤ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ጸንብረና፤ ዝዝራእናዮ ኣፍርየልና፤ ዝወለድናዮ ኣዕብየልና፤ ዘመነ ሰላም ዘመነ ራህዋ ግበረልና” እናበሉ ነቲ ሓዊ ሽግ ይሰግሩ። ኣብ መወዳእታ ካህናት ይባርኹሞ ነበርቲ ዓዲ ሽግ ሰጊሮም ሰርሖተ ሕዝቢ ይኸውን። መንእሰያት ግና ባህላዊ ጸዋትኦም ይቕጽሉ።  

በዚ ኣገባብ ድሮ ቅዱስ ዮሐንስ ምስ ተዛዘመ፤ ንጽባሒቱ ሓድሽ ዓመት ኵሉ ክዳኑ ኣጸራርዩን ተሸላሊሙን ቤተ ክርስቲያን ተሳሊሙን ጸሎቱ ኣብጺሑን ናብ ገገዝኡ ይምለስ። ምድላው ክግበረሉ ዝቐነየ ምሉእ ሽሻይ ሽዑ ይወርድ፤ ይብላዕን ይስተን። ብድኅሪኡ ኣቱም እንዳ እከለ ከመይ ሓዲርኩም፤ እንቋዕ ናብ ሓዲሽ ዓመት ኣብጽሓኩም ኣብጸሓና፤ ብሩኽ ዓውደ ዓመት፤ ቀዳዊና መሐጐሲና ዘመን ይግበሮ እናተባሃሃሉ ይበጻጽሑ። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ዝሰተን ዝብላዕን ክቕረብን፡ ኣጋይሽካ ክትቕበልን ብሓጐስ እዚ ዓውደ ዓመት ይሓልፍ።

ባህልና ክሳብ ክንደይ መንፈሳዊ መሠረት ከምዘለዎ ክንርዳእ ንኽእል። ቤተ ክርስቲያን ሕመረት ናይ ከምዚ ባህሊ ዘለዎ ሕዝቢ ምዃና ብተሳትፎ ካህናት ዓዲ ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል። ባህልና ግና ምስ ምዕባለ ዓለም - ዓለማዊ ገጹ እናሰዓረን ክርዳድ እናበቖሎን ሕዝኣቱ እናተሥዓረን ከይከይድ ዘይሰክፍ ኣይኮነን።

መጠቓለሊ

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ዓርኪ መርዓዊ፤ ነቢየ ልዑል፤ ነቢይን ሓዋርያን፤ ካህንን ሰማእትን እዩ። ቀቅድሚ ጐይታ ብምምጻእ መገዲ ዝጸረገ፤ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝሰበከ ቃለ ዓዋዲ እዩ። ባዕሉ ጐይታ ኣኽቢርዎ መሪጽዎን እዩ እሞ ነዚ ክቡርን ቅዱስን ኣቦ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ተኽብሮ እያ።

በረኸቱን ጸሎቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።


ሰላም ለስእርተ ርእስከ፡ ዘተመትረ ከመ ናቡቴ
ወለርእስከ ሰላም እንተ ደለዎ እኳቴ
ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ
መብልዕ ዜና ፍቅርከ ወነገረ ቃልከ ስቴ።


2 comments:

  1. ብመጀመርያ ቃለ ሕይወት የስምዓልና። በረኸት ናይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ይኽፈለና፣ እግዚአብሔር ከኣ ጸግኡ የብዝሓልኩም፣
    ኣብ ኩሉ ጽሑፋትኩም ኣብ ቁጽርታት ናይ ግእዝ ምስኡ ከኣ ኣብ ሓጹር ጌርኩም ብጎኑ ብትግርኛ ቁጽርታት እንተትገብሩሉ ጽቡቕ ነይሩ። ዝያዳ ከኣ ምስ ተረደኣና፣ የቐንየልና፣

    ReplyDelete
  2. ብመጀመርያ ቃለ ሕይወት የስምዓልና። በረኸት ናይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ይኽፈለና፣ እግዚአብሔር ከኣ ጸግኡ የብዝሓልኩም፣
    ኣብ ኩሉ ጽሑፋትኩም ኣብ ቁጽርታት ናይ ግእዝ ምስኡ ከኣ ኣብ ሓጹር ጌርኩም ብጎኑ ብትግርኛ ቁጽርታት እንተትገብሩሉ ጽቡቕ ነይሩ። ዝያዳ ከኣ ምስ ተረደኣና፣ የቐንየልና፣

    ReplyDelete