Tuesday, September 6, 2011

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ካልኣይ ክፋል)

፫. ክፍለ ዓመት ሓጋይ


ሓጋይ ማለት ድሩቕ ወይውን ንቑጽ ኣዋርሕ ማለት እዩ። እዚ ክፍለ ዓመት ካብ ፳፮ ታሕሳስ ክሳዕ ፳፭ መጋቢት ዘሎ ኾይኑ ኣብ ውሽጡ ሠለስተ ንኡሳን ክፍልታት (ዘመናት) ኣለዎ። ንሳቶም ኸኣ ዘመነ ልደት፡ ዘመነ አስተርእዮ፡ ዘመነ መርዓዊ እዮም።

፫.፩ ዘመነ ልደት፦
·        ምውላድ (ልደት) ጐይታና ዝምልከት እዩ።
·        ካብ ፳፱ ታሕሳስ ክሳዕ ፲ ጥሪ ዘሎ ጊዜ ዘመነ ልደት ይብሃል። ፳፯ ታሕሳስ መርዓዊን ፳፰ ታሕሳስ (ድሮ ልደት) ወይውን ጌና ከምዘሎ ነስተብህል።
·        ኣብዚ ዘመን እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ፡ ብኅቱም ድንግልና ኣብ ቤተ ልሔም ከምዝተወልደ፤ ምስ ተወልደውን ብቅዱሳን መላእኽቲ ምስጋና ከምዝቐረበሉ፡ ሓጐስ ጓሶት፡ ሰብአ ሰገል ኣብ ልደቱ ንጐይታ ህያባቶም ከምዝወፈዩ፡ ሄሮዶስ ንጐይታ ክረክብ ክብል ዘቕተሎም ህጻናት ቤተ ልሔም፡ ግዝረት ጐይታ፡ ናብ ናዝሬት ምኻዱን ኣብኡ ምዕባዩን ይዝከር።
·        ብሓጺሩ ዘመነ ልደት ኣምላኽና ብትሕትና ናብዚ ምድሪ ከምዝመጸን ከምዝተወልደን፡ እንሰሳታት ትንፋሶም ከምዝገበሩሉ፡ ኣብ ሞንጎ ሰብን እግዚአብሔር ዕርቂ ከምዝገበረ ንዝክረሉ ሰሞን እዩ።

፫.፪ ዘመነ አስተርእዮ፦
·        አስተርእዮ ማለት ምግላጽ፤ ተራእየ ግሁድ ኮነ ማለት እዩ፤
·        ካብ ፲፩ ጥሪ ክሳዕ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ እዩ።
·        ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ብሥጋ ምምጽኡ፤ ኣብ ዮርዳኖስ ምጥማቑን ምሥጢር ሓድነትን ሠለስትነት ምግሃዱን ዝዝከረሉ እዩ።
·        ቃና ዘገሊላ ኣብ ዝተገብረ መርዓ ነታ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ምግባሩን ኣምላኻዊ ኃይሉ ምግላጹን እናተጠቕሰ ምስጋና ይቐርብ።

፫.፫ ዘመነ መርዓዊ፦
·        እዚ ክፍለ ዘመን ካብ ጾመ ነነዌ ክሳዕ ዓቢይ ጾም ዘሎ ጊዜ እዩ። ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም መርዓዊ ምዃኑ ዝንገረሉን ቀዳማይ ምጽኣቱ ዝዝከረሉን ጊዜ እዩ።
·        ዝዓርግን ዝወርድን ስለዝኾነ ኸኣ መዓልቱ ይፈላለ እዩ።

፬. ክፍለ ዓመት ጽድያ (ጸደይ)

ጽድያ ማለት ዓዲድ ማለት እዩ። ብኻልእውን ብርሃን ዝብል ትርጉም ይህብ እዩ። እዚ ክፍለ ዓመት ካብ ፳፮ መጋቢት ክሳዕ ፳፭ ሰነ ዘሎ ጊዜ እዩ። ኣብ ውሽጡ ነዘን ንኡሳን ክፍልታት ድማ ይሕዝ።




፬.፩ ዘመነ ዓቢይ ጾም፦
·        እዚ ክፍለ ዘመን ዓቢይ ጾም ካብ ዝተጀመረሉ ክሳዕ ቀዳም ስዑር ዘሎ ጊዜ እዩ።
·        ኣብ ውሽጡ ግና ብቀጥታ ካብ ቅበላ ጾም ጀሚሩ ክሳዕ ሆሣዕና ንዘሎ ዘመልክት ኮይኑ፤ ሰሙነ ሕማማት ግና ካብ ሰርክ ሆሣዕና ክሳዕ ቀዳም ሥዑር ዘሎ ጊዜ እዩ።
·        ዓቢይ ጾም ብምውራድን ብምዕራግን (ምድያብን) ኣብ ዝተፈላለየ ዓመት ካብ የካቲት ክሳዕ መጋቢት ዘሎ ጊዜ ይጅምር።
·        ኣብ ውሽጢ እዚ ጾም በብስመን ዝጽውዓ ሸሞንተ ሰናብቲ ኣጽዋማት ኣለዉ። ንሳቶም ኸኣ ዘወረደ፡ ቅድስት፡ ምኵራብ፡ መጻጉእ፡ ደብረ ዘይት፡ ገብርሔር፡ ኒቆዲሞስ፡ ሆሣዕና እዮም።ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ጾም ኣርብዓ ስፍሕ ዝበለ ጽሑፍ ስለዘውጽኣና ኣብኡ ንወከስ።

፬.፪ ዘመነ ትንሣኤ፦
·        ትንሣኤ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ ጐይታ ሓደ እዩ።
·        ካብ በዓለ ትንሣኤ ክሳዕ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ድማ ዘመነ ትንሣኤ ተባሂሉ ይፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድኃን ምእንታና ጸዋተወ መከራ ተቐቢሉ፡ ሞይቱ፡ ተቐቢሩ ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ መግነዝ ፍትሑለይ፡ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሥኣሉ ዝዝከረሉን ንሕና ደቂ ሰባት ኸኣ ትንሣኤ ከምዘለና ትምህርቲ ዝወሃበሉ እዩ።
·        ስለዚ ጐይታ ንሞት ሥዒሩ ብሥልጣኑ ምትንሥኡን ነፋሳት ካብ ሲኦል ምውጽኡን፤ ቅዱሳት ኣንስቲ ናብ መቃብሩ ከይፎም ካብ ሞት ንዝተንሠአ ክርስቶስ ምርኣዮም፤ ክርስቶስ ምስተንሠአ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ጊዜያትን ንደቀመዛሙርቱ ከምዝተገልጸ ዝንገረሉ እዋን እዩ። ትንሣኤኡ ዝምልከቱ ንባባትን መዛሙርን ድማ ብተደጋጋሚ ይንበቡን ይዝመሩን።
·        ከም ክፍለ ዘመን እንተዘይተኸፍለ’ውን ካብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ትንሣኤ ክሳዕ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ዘለዎ ፲ መዓልትታት’ውን ዘመነ ዕርገት ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ። ንዕርገት ክርስቶስ ብዝምልከት ትምህርትን ምስጋናን ምቕራብ ዝጅመር’ውን ካብዚ ጊዜ ኣትሒዙ እዩ።

፬.፫ ዘመነ ጰራቅሊጦስ፦
·        ድኅሪ ትንሣኤ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ዘሎ ሰንበት ጰራቅሊጦስ ይብሃል።
·        እዚ መዓልቲ ኸኣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ምውራዱን ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣገልግሎታ ዝጀመረትሉን ስለዝኾነ ልደት ወይውን ምምሥራት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ይዝከር። እዚ ሰሙን እዚ ናይ ጰንጤቆስጤ ወይውን በዓለ ኃምሳ ሰሙን ይብሃል።
·        ካብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ሰንበት ክሳዕ ፲፮ ሰነ ዘሎ ጊዜ ዘመነ ጰራቅሊጦስ ይብሃል።
·        ኣብዚ ክፍለ ዘመን እዚ ዕርገት ጐይታን ርደት መንፈስ ቅዱስን ዘዘካኽር ንባብ ይንበብ፤ መዝሙር ይዝመር፤ ምስጋና ይቐርብ።

፬.፬ ዘመነ አስተምሕሮ፦
·        ካብ ፲፯ ሰነ ክሳዕ ፳፭ ሰነ ዘሎ ጊዜ ዘመነ አስተምሕሮ ይብሃል። ናይ ምህለላ እዋን ማለት እዩ።
·        እዚ ክፍለ ዘመን እዚ ሓሓንሳብ ብሰንኪ ምስሕሓብ ጊዜ ዝተርፈሉ ጊዜ’ውን ኣሎ። እቲ ኣብዚ ክፍለ ዘመን ዝፍጸም ሥርዓት ልክዕ ከምቲ ኣብዝሓለፈ ዘመነ አስተምሕሮ ዝተጠቕሰ እዩ።

No comments:

Post a Comment