Thursday, September 8, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ካልኣይ ክፋል)

መጥምቀ መለኮት

ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዝተፈጥረ ሰብ ዘይተዓደሎ ፍሉይ ጸጋ ንቅዱስ ዮሓንስ ተዋሂብዎ እዩ። መሬታዊ ክነሱ ንኣምላኹ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ከጥምቕ ዝተኃርየ ኣቦ እዩ። ድኅሪ ጥምቀቱ ሰማያት ክኸፈቱ ምሥጢረ ሥላሴን ነገረ ተዋሕዶን ብጋህዲ ክርእይ ቅዱስ ዮሓንስ ካብቶም ቀዳሞት እዩ። በዚ መሠረት ኸኣ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት እናበልና ብፍሉይ ንጽውዖን ንውድሶን። ባዕሉ ጐይታ ናብኡ ከይዱ ከጥምቖ ምስ ነገሮ፡ እዚ ግብሪ ዘድንቕ ብምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ከመይ ገይሩ ይኸውን ብምባል ንጐይታ ሓቲትዎ ነበረ። “ኣነ ደኣ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻዶ ብኣይ ክትጥመቕ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ከምዝበዮን ጐይታ ከኣ “ኵሉ ጽድቂ ማለት ትንቢትን ነቢያትን ተሰብኦን ክንፍጽም ስለዝግብኣና እዚ ንኣና ተድላ ሓጐስ እዩ እሞ፣ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ” ኢልዎ ነበረእዚ ማለት ንአኻ መጥምቀ መለኮት ተባሂሉ ክብርኻ ኪንገረልካ እዩ። ንይ ድማ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ተጠሚቑ ተባሂሉ ትሕትናይ ኪንገረለይ እዩ። ጐይታ ንገዛእ ርእሱ ምስ ምእመናን ቈጺሩ እዚ ንኣና ሓጐስ እዩ ከምዝበሎ ንርዳእ። ብኻልኣይ ከኣ ንርእሱ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ቈጺሩ እዚ ንኣና ተድላ እዩ ማለት እግዚአብሔር ኣብ “ብእኡ ዝሠመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ብል፥ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ከሎ ሓድነትን ሠለስትነትን ስለግለጽ እዩ


ቅድሚ ምጥማቑ ግና ዮሐንስ ንጐይታ ስም ብ አባኻ ህልዊ እዩስም ወልድ ባዕልኻ ኢኻ፣ ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ አባኻ ህልዊ እዩ። ንኻልእሲ ብስምካ አጥምቕ፥ ንአኻኸ ብስም መን ደኣ ከጥምቐካ እየ፧” ከምዘበሎን ጐይታ ድማ “ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሠሀለነ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከጼዴቅ” እናበልካ ኣጥምቐኒ ኢሉ ከምዝኣዘዞን ብኸምኡ ድማ ከምዝጠምቖን ናይ ሓዋርያት መጽሓፍን መተርጉማነ መጻሕፍትን ብሰፊሑ ዝገልጽዎ እዩ። (ሲኖዶስ ዘሐዋርያት)

በዚ መሠረት ብዘደንቕ ምሥጢር ጐይታ ንኣና ኣብነት ክኸውን ኣብ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ። ንጐይታ ብምጥማቑ ኸኣ ክብሩ ዝተገልጸ ቅዱስ ዮሐንስ ብምዃኑ መጥምቀ መለኮት ንብሎ።

ኣዴና እመ ብርሃን ወላዲተ አምላክ፡ ድኅሪ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ናብ ሓትንኣ ኤልሳቤጥ ከይዳ ምስ በጽሓታ፡ ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ ኢላ ብትሕትና ሰላም ዝበለታ፤ ዮሓንስ’ውን ጐይታ ክጥምቕ ናብኡ ምስ መጸ ተመሳሳሊ ቃል ተዛሪቡ ነይሩ። ትሕትና ከምዚ እዩ። ሰብ ናይ ዝቐደመ ኣቦታቱ ሰናይ ግብርን ይትበሃልን ከምኡውን ናብራ ቅድስና ሒዙ ክርከብን ብሓደ ስሙር ቃል ክዛረብን ከሎ ኣዝዩ ሰናይ ነገር እዩ። ዘመንና ግና ቃልን ናብራን ቅዱሳን ኣቦታቱ ክሠምሮ ዘይኮነስ ናቱ መገዲ ክፈጥር ይረአ። ናይ ኣቦታቱ ነገር ከስተናዕቕ፤ ክገድፍን ምርኣይ ፍጻሜኡ ጥፍኣት ምዃኑ ድማ ዘይተርፎ ይመስል።

ምስክርነት ቅዱስ ዮሐንስ ብዛዕባ ክርስቶስ

ቅዱስ ዮሓንስ በቲ ዝህቦ ትምህርትን ብግብሩን ብዙኃን እቲ ንጽበዮ መሲሕ ዶ ይኸውን ኢሎም ዝተጠራጠሩ እኳ እንተነበሩ፡ ንሱ ግና ብትሕትና መሲሕ ክርስቶስ ከምዘይኮነ ከምዝነገሮም ወንጌላዊ ዮሓንስ ክገልጽ ከሎ “ንሱውን፡ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን” ይብል። እኳ ደኣ ምስክርነት ዮሓንስ ብዛዕባ ክርስቶስ ምንባሩ ድኅሪ ምግላጽ ልዕልናን ቅድምናን ክርስቶስ እናመስከረ ይምልሰሎም ከምዝነበረ “እቲ ቅድመይ ዚነበረ ብድኅይ ዚመጽእ ኣሎ ኢ ብዛዕባኡ ዝነገርኩኹም እዚ እዩ፥” ብምባል የርእዮም ነበረ። በዚ ኸኣ ቅድመ ዓለም ካብ አብ ብዘይ ኣደ ዝተወልደን፡ ድኅረ ዓለም ድማ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ብዘይ ኣቦ ተጸኒሱ ዝተወልደን ብተዋሕዶ ንሱ ሓደ ምዃኑ በቲ ምሥጢር ዝሓዘለ ትምህርቱ መስኪሩ እዩ። እቲ ቃላቱ ደጊምና ነስተውዕሎ።  “እቲ ቅድመይ ዚነበረ ብድኅይ ዚመጽእ ኣሎ ብዛዕባኡ ዝነገርኩኹም እዚ እዩ፥”

ደጊሙ’ውን ልዕልና ክርስቶስ ኣብ ዝተዛረበሉ “ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፥ እቲ ካባይ ዚብርትዕ ሥራኽ ኣሣእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ” ብምባል ምስክርነቱ ሃበ።

ነቶም መንነቱ ክፈልጡ ንዝመጹ ልኡኻት ኣይሁድ ንስኻ መን ኢኻ ኢሎም ምስ ሓተትዎ “ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን ኢሉ ተኣመነ እምበር ኣይከሓደን”። ብዛዕባ መድኃኒትነት ክርስቶስ ኣብ ዝመስከረሉ ኸኣ ንሱ ክርስቶስ ምእንቲ ዓለም በጃ ዝኸውን ገንሸል ፋሲካ ምዃኑ’ውን ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ገሊጹ ኣሎ። “እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ብምባል ምስክርነቱ ሃበ። ደጊሙ’ውን ብጽባሒቱ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ “እንሆ ገንሸል ኣምላኽ በለ” ብምባል ነቲ ክሓልፍ ከሎ ብዛዕባ ዝረኣዮ ክርስቶስ መስከረ። በዚ ኸኣ ብኅብረ ነገርን ምሳሌን ነቢያት ዝተነበዩሉ መድኅን ዓለም ክርስቶስ ምዃኑ፤ እቶም ትንቢታት ነቢያት ብክርስቶስ ከምዝፍጸሙ ኣርጊጹ ተዛረበ።

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክልተ ልኢኹ፡ “እቲ ዝመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና” ምባሉ፡ ብዛዕባ ሰብ ከይነገሮ ገንሸል ኣምላኽ ኢሉ ናይ ዝመስከረሉ ጐይታ መንነት ጠፊእዎ ወይውን ተጠራጢሩ ኣይኮነን። ክብሪ ኣምላኽነቱ ፈሊጡ ኣነ እምበር ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ ኢሉ ብትሕትና ናይ ዝተዛረቦ ጐይታ መንነት ስኢንዎ’ውን ኣይኮነን። ሰማያት ተኸፊቶም ኣእዛኑ ዝሰምዕዎምን ኣዕይንቱ ዝረኣይዎምን ምስክርነት አብን መንፈስ ቅዱስን ረሲእዎውን ኣይኮነን። ምስ ምሉእ ልቦንኡ ኣብ ፴ ዓመቱ ይትረፍሲ መንፈስ መሊእዎ ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ከሎ ፈሊጡ ብሓጐስ ዝተሰራሰረሉን ዝሰገደሉን እዩ። እንታይ ደኣ ሰማእትነቱ ይቐርብ ስለዝነበረ ነቶም ዝተጠራጠሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ዮሓንስ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝነገሮም ንሱ ምዃኑ ናይ ቃል ትምህርቱን ናይ ኢዱ ተኣምራቱን ሰሚዖምን ርእዮምን ኣርጊጾም ተረዲኦም ድኅሪ ሞቱ ምእንቲ ክስዕብዎ ብማለት እዩ። ጐይታ ድማ ኣምላኽነቱ ብቃሉ ዘይኮነሲ ብግብሩ ድኅሪ ምርኣዩን ልቦናኦም (ብዮሓንስ መሲሉ) ብእምነት ከጽንዑ ድኅሪ ምንጋሩ ብእኡ ዘይዕንቀፍ ብፅዕ ምዃኑ ኣለቢምዎም እዩ። ጐይታን ዮሓንስን በቲ ረቂቕ ምዝርራቦም ተረዳዲኦም፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ትምህርቲ ከምዝረኸቡ ገይሮሞም እዮም። እዚ ትውልዲ ግና ገና ነቲ ምሥጢር መጻሕፍቲ ብዘይ ምስትውዓሉ ደጊሙ ይስሕትን ይጠራጠርን ኣሎ።

ናይ ጐይታ ቃል ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስን ክብሩን
           
መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ብጐይታ ዝተመጐሰ ነቢይን ጻድቕን እዩ። “ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ካብ ዮሐንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ከም ዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ብምባል ክብሪ ዮሓንስ ክሳብ ክንደይ ልሒቅ ምዃኑ ወሃብ ክብሪ ብዝኾነ ብጐይታናን ኣምላኽናን ዝተመስከረሉ ቅዱስ ሰብ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ነቢያት ኵሉ ዝዓቢ ምዃኑ’ውን ጐይታ ክዛረብ ከሎ “እወ ካብ ነቢዪ እኳ ዝበልጽ እዩ እብለኩም ኣሎኹ” ብምባል መስኪሩሉ እዩ።

ዮሐንስ ሓቀኛ መምህር፤ ነቢይ፤ ካህን፤ ሰማዕት፤ ሐዋርያ ብምዃኑ ካብ ኣምላኹ ክብሪ ዝረኸበ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታ ባዕሉ ኣግሂዱ ብዛዕባ ክብሪ ዮሐንስ ዝተዛረበ። ትንቢት ዝተነግረሉ ዮሓንስ ክብሩ ብመልኣኽውን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢይ ከምዝኸውን ዝተመስከረሉን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኸኣ ብኣቦኡ “ነቢየ ልዑል” ከምዝበሃል ዝተነግረሉ እዩ። ባዕሉ’ውን ዓርኪ መርዓዊ ክርስቶስ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። በቲ ኣብ ሰማእትነቱ ዝተፈጸመ ተኣምራት ኸኣ ርእሱ ኣኽናፍ ኣውጺኣ ብምስባኻ ‘ዮሐንስ ኣብ ምድሪ ከም ሥጋ ዝለበሰ መልኣኽ’ ነይሩ ኢሎም ዝውድስዎ ኣለዉ። እዚ ኸኣ መልኣኽ ነይሩ ንማለት ዘይኮነሲ ክሳብ ክንደይ ንጹሕን ዓቢይ መንፈሳዊ ግብሪ ከምዝነበሮን ብኸመይ መገዲ ድማ ሰማትነቱ ከምዝፈጸመን ንምግላጽ እዩ።

ዮሓንስን ኤልያስን

ዮሓንስ ብዛዕባ መንነቱ ኣብ ዝተሓተተሉ “ነቢይ ዲኻ” “ኤልያስ ዲኻ” ምስ ተባህለ ስለ ትሕትናን ስለቲ ድኹም ርድኢቶምን ከምዘይኮነ እኳ እንተነገሮም ጐይታናን መድኃኒናን ግና “ክትኣምኑ እንተደሌኹምሲ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ” ብምባል መስኪሩሉ እዩ። እዚ ማለት ንሱ ባዕሉ ነቢይ ኤልያስ እዩ ንማለት ዘይኮነስ ብትምህርትን ትንቢትን ኤልያስ ዝመጸ ነቢይ እዩ ንማለት እዩ። ብቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ’ውን “ብመንፈስ ኤልያስን ብኃይሉን ቀቅድሚኡ ኺኸይድ” ተባሂሉሉ እዩ።

ብኵሉ መገዱ ኸኣ ቅዱስ፡ ጸዋማይ፡ ተሓራማይ፡ ባሕታዊ፡ ድንግል፡ ንጹሕ ብምንባሩ ምስ ነቢይ ኤልያስ ይመሳሰሉ። እቲ ቀንዲ ግና ነቢይ ኤልያስ እግዚአብሔር ሞት ከይጠዓመ ይውሰዶ ደኣ እምበር ዳኅራይ ቀቅድሚ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ብምምጻእ ትምህርቲ ሓሳዊ መሲሕ ብምቕዋም ምስ ሄኖክ ብምዃን (ክልተ ቀንዴላት ዝበሎም ራእየ ዮሓንስ) ስለቲ ሓቀኛ ክርስቶስ ከምዝምስክሩን ሰማእትነት ከምዝቕበሉን፡ ዮሓንስ’ውን ብመንፈሰ ኤልያስ ቀቅድሚ ክርስቶስ ብምምጻእ ብዛዕባ ክርስቶስ ብምምስካሩ ምስ ኤልያስ ተዛሚዱ ቀሪቡ ኣሎ። ብሓጺሩ ክልቲኦም ቀቅድሚ ክርስቶስ ብምምጻእ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምስክሩ ስለዝኾኑ ብግብሮም ተዛሚዶም ቀሪቦም ኣለዉ። ነዚ ኣገላልጻ ኸኣ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ታቦር ክብሩ ገሊጹ ምስ ወረደ ዝበሎ ዝያዳ ኣነጺርዎ እዩ፦ “ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ፡ ኢየሱስ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳብ ዚትንሥእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ፡ ኢሉ ኣዘዞም ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፤ ንምንታይ ድኣ ጸሓፍቲ ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ ፡ ኢሎም ሐተትዎ ። ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ። ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፤ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝድለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለለይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም ። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሐንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ።” 

ሰማዕትነት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቕ

ኣብቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ኃዉ ስለዘእተዋቅዱስ ዮሐንስ ኸኣ ሰባኺ ወንጌል ሓዋርያ ብምዃኑ ሰበይቲ ኃውኻ ከተእቱ ኣይግብኣካን ብምባል ነቲ ንጉሥ ገሰጾእዚ ትምህርቱ ኸኣ ሓዋርያ ሰባኬ ወንጌል የስምዮ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ጓል ሄሮድያዳ ኣብቲ ዕለት ልደቱ መጺኣ ሳዕሲዓ ኣሓጐሰቶ፣ ንሱ ከኣ ክሳዕ ፍርቂ መንግሥቱ ኪህብ ምስ መሓለላንሳ ኣቐዲማ ምስ ኣዲኣ ተማኺራትሉ ስለ ዝነበረት ከይዳ ነዲኣ ሄሮድያዳ ነገረታ። ኣዲኣ ድማ “ዮሐንስ እዩ ከልኪሉና እምበር ኣነ ሰበይቲ ንጉሥ፡ ንስኺ ጓል ንጉሥ ኴንና ምነበርና ስለዚ ርእሲ ዮሐንስ ቈሪጽካ ሃበኒ” በልዮ በለታ። እዚ ኸኣ ዮሓንስ እንተሞይቱ ዝቓወሞም ስለዘየለ ፍርቂ ኣይኮነን ምሉእ መንግሥቲ ኣብ ኢድና ክኣቱ እዩ ካብ ዝብል ክፉእ ሓሳብ ዝነቐለ እዩ። ጓላ ብዝተመኽረቶ ድማ “ርእሲ ዮሐንስ መጥምቕ ኣብዚ ኣብ ጻሕሊ ሃበኒ” በለቶ። ሽዑ እቲ ንጉሥ ብተንኰላ ስለዘምሓለቶ ጐሃየ። ቃሉ ከይዓጽፍ ክብል ድማ ወተሃደራት ልኢኹ ርእሲ ዮሐንስ ቈሪጾም ኪህብዋ ኣዘዘ።

ንሳቶም ርእሲ ዮሐንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቈሪጾም ነታ ርእሱ ብጻሕሊ ኣምጺኦም ነታ ጓል ሃብዋ፥ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኣዲኣ ሃበታ። ሽዑ ሄሮድያዳ ነታ ርእሲ ዮሐንስ መጥምቕ “ንንጉሥን ንግሥትን ክትዘልፍ ዘይትኃፍር ዚነበረት መልሓስ ዮሐንስ ብሞት ተሓትመት ኢላ ብዚኃዘቶ መስፈ እንተተንከፈታ ክልተ ክንፊ ኣውፂኣ፥ ነቲ ቤት ሰንጢቓ ነፊራ ከደት እሞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ኪምህር ከሎ ከይዳ ሰገደትሉ፣ ጐይታ ድማ ብዘለኽዮ ስበኺ ኢልዋ፥ ንዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ዝኣክል ምስ ሰበኸት ኣብ ኣድያመ ዓረብያ (ለሰ ዮርዳኖስ) ዓረፈት። ኣካል ብዘይብሉ ኣእዳው ኣጽሒፉ ንናቡከደናጾር ዝገሰጸ ኣምላኽ፤ ኣእባን ቢታንያ ዘዛረበ ኣምላኽ እንታይ ይሰኣኖ? ርእሲ ዮሓንስ ምስባኻ’ውን ስራሕ ኣምላኽ እዩ። ነጋዶ ኪኃልፉ ከለዉ ርእሲ ዮሓንስ ከም ዕንቍ ከተብርህ ርእዮም ንደቀመዛሙርት ዮሐንስ ርእሲ መምህርኩም ወዲቓ ኣላ ኢሎም ነገርዎም እሞ ደቀመዛሙርት ዮሐንስ ወሲዶም ቀበርዋ።ሬስኡ ግና ደቂ መዛሙርቱ ኣልዒሎም ቀበርዎ። መጺኦም ድማ ንጐይታና ኢየሱስ ሞት መምህሮም ዮሐንስ ነገርዎ። ጐይታ ድማ ኣጸናንዖም። መወዳእታ ዕጫ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ሰብ ክፉእ ዝመኸሩን ዝገበሩን ንጉሥን ንግሥትን ጓላን ግና ኣዝዩ ዘሰንብድ መቕሰፍታዊ ሞት ከምዝነበረ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ እዩ። ሰማትነትን ዕረፍትን ዮሐንስ ፪ መስከረም እዩ።

ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment