Monday, September 5, 2011

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

፩. መእተዊ

አብ ቤተ ክርስቲያን በብዕለቱ ክንበቡን ክዝመሩን ዝተመደቡ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን መዛሙርን ከምኡውን ዝቅደስ ቅዳሴን ዝወሃብ ትምህርትን፡ ኵሉ ብሥርዓት ዝተሠርዐን ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመት ንዘለዉ እዋናትን (ዘመናትን) በዓላትን ኣጽዋማትን ዘዛምድን ዘመልክትን እዩ። እዚ ማለት ኸኣ ኣብ  ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ናይ በዓላት፡ ሰናብቲ፡ ዘመናት፡ ኣጽዋማት፡ ስብሓታት፡ መዝሙርን ማኅሌትን፡ ቅዳሴ፡ ኣወጻጽኣ ምንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኵሉ ኣብ ባሕረ ሓሳብ ዝተሠረተ ስለዝኾነ እዩ።

ከምቲ ኣብ ባሕረ ሓሳብ ብሰፊሑ ክርከብ ዝከኣል፤ ዓመተ ፍዳን ዓመተ ምሕረትን ተደሚሮም ጠቕላላ ዓመተ ዓለም ከምዝኸውን ድኅሪ ምፍላጡ፡ ብቀመር ተዳላዲሉ እቲ ዝተረፈ ንዓበቅቴን መጥቅዕን መሠረት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ዓበቅቴውን ናይ ወርሒ ሕፀፅ፡ ሠርቀ ሌሊት፡ ሠርቀ ወርኅ፡ ዝፍለጠሉ ኮይኑ መጥቅዕ ድማ ንኣጽዋማትን በዓላትን ዝኸውን መባጃ ሐመር ይወጸሉ።

ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ፩(1) መስከረም ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ጀሚሩ ክሳዕ ዮሓንስ ዓመቱ ብምሉኡ ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ዘመናት ተደላዲሉ በዓላትን ኣጽዋማትን እናተመልከተ በብሰሙኑ ዝፍጸም ሥነ ሥርዓት ይከናወነሉ።

ኣብ ውሽጢ ዓመት ኸኣ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ዘመን  ኣለዉ። እዚኦም ኸኣ ነቲ ወቕቲ (እዋን) መሠረት ገይሮም ማዕረ ዝተመቕሉ እዮም። ኣብ ውሽጢ ነፍስ ወከፍ ክፍለ ዓመት ወይውን ዘመን ግና ምስቲ ወቕቲ ብምዝማድ ወይውን ኣብተን ክፍለ ዘመናት እግዚአብሔር አምላኽ ባዕሉ ንዝፈጸሞም ተግባራት ዘዘካኽር ቤተ ክርስቲያን እትጥቀመሎም ንኡሳን ክፍልታት ዘመን ኣለዉ። እዚ ኸኣ ነቲ እግዚአብሔር በብዘመኑ ዝገበሮ ስራሕ ኵሉ በብሥርዓቱ እናዘከርካን እናፈልጥካን ምስጋና ንምቕራብ ዝተመደበ እዩ።

እዞም ኣርባዕተ ክፍለ ዘመናት ዝብሃሉ ኸኣ ዘመናት ቀውዒ (መፀው)፡ ሓጋይ፡ ጽድያ (ጸደይ)፡ ክረምቲ እዮም። እዞም ክፍልታት ዓመታት ኸኣ ነፍስ ወከፎም ፺፩(91) መዓልትን ርብዕን መዓልትታት ኣለውም። ነቲ ዓመት ድማ ማዕረ ይማቐልዎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም መእተዊ ንዘመነ ክረምቲ ብዝምልከት ጽሑፍ ኣውጽኢና ምንባርና ይዝከር። ሎሚ ድማ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ንብምሉኡ ሓደ ዓመት ዝዖድዎ እዞም ክፍለ ዘመናትን ንኡሳን ክፍለ ዘመናትን ሕጽር ብዝበለ መገዲ ክንርእዮ ኢና እሞ እግዚአብሔር ምስትውዓሉ ይሃበና።

፪. ክፍለ ዓመት ቀውዒ (መጸው)

ቀውዒ ብግእዝ መጸው ይበሃል እዋን እምባባ፡ ወርሓት እምባባ ማለት እዩ። ካብ ፳፮(26) መስከረም ክሳዕ ፳፭(25)  ታሕሳስ ዘለዉ መዓልትታት ኣብዚ ክፍለ ዓመት ይምደቡ። እዚ ክፍለ ዓመት ሠለስተ ንኡሳት ክፍልታት ክህልዎ ከሎ ካብኣቶም ኸኣ እቲ ሣልሳይ ዘመነ ስብከት ሓቚፉ ዝሓዞም ሠለስተ ካልኦት ደቀቕቲ ንኡሳን ክፍልታት ኣለዉዎ።


፪.፩ ዘመነ ጽጌ፦
·        ዘመነ ጽጌ ማለት ዘመን ዕምባባ ማለት እዩ።
·        ካብ ፳፮ መስከረም (ፀአተ ክረምት) ክሳዕ ፭(5)ሕዳር (ኣባ ዮሐኒ) ዘሎ ጊዜ እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስን ስደትን መከራን (ናብ ግብጺ) ይዝከር።
·        ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ዘመን ክረምቲ ብሰላምን ብጸግኡን ብዛዕባ ምሕላፉ፡ ንዝተዘርኡ አዝርእትን ንዝተተኽሉ ኣሕምልትን ንኵሉ እምበባ መሮር ዕጽዋትን ኣግራብን ንእምበባን ፍረን ብምብቕዑ፡ ሰማያት ብከዋኽብቲ ምድሪ ብጽጌያት ብምጊያጹ ንእግዚአብሔር ምስጋና ይቐርብ።
·        ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ቤተ ክርስቲያንን ብመርዓትን ጥዑም ጨና ብዘለዋ ገነትን፡ ጐይታና ድማ ብመርዓዊን ምኡዝ ብዝኾነ ዕምባባ ገነት ምምሳሎም ዘመልክት ንባባት ይንበብን መዝሙር ይዝመርን።

፪.፪ ዘመነ አስተምሕሮ፦
·        ዘመነ አስተምሕሮ ማለት ዘመን ምህለላ ወይውን ልመና ወይውን ማልዶ ማለት እዩ።
·        ካብ ፮(6) ሕዳር (ጽባሕ አባ ዮሓኒ) ክሳዕ ፮(6) ታሕሳስ ወይውን ክሳዕ ፲፪(12) (ድሮ ስብከት) ታሕሳስ ዘሎ ጊዜ እዩ።
·        ኣብዚ እዋን’ዚ እግዚአብሔር ለዋህ፡ ዕጉሥ፡ መሓሪ ብምዃኑ በብግዚኡ ኣበሳ ደቂ ሰባት ከይረኣየ ናይ ለዋህነትን ምሕረትን ግብሪ ምግባሩ፡ ንሰባት መዕረፊ ንኽትከውን ሰንበት ቀዲሱ ምሃቡ፡ ጐይታና ኣብ ምኵራብ ተረኺቡ ምስትምሃሩ፡ ንባሕርን ነፋሳትን ምግሣፁ (ምእዛዙ)፡ ዝተፈላለየ ሕማምን ደዌን ዝነበሮም ሰባት ምሕዋዩ ዘዛካኽር ንባብን መዝሙርን ይቐርብ።

፪.፫ ዘመነ ስብከት፦
·        ዘመነ ስብከት ማለት ዘመን ትምህርቲ፡ ኣዋጅ ማለት እዩ። ዘመነ ርደት ዘመነ ምጽአት’ውን ይብሃል።
·        ካብ ፯(7) ወይውን ፲፫(13) ታሕሳስ ክሳዕ ፳፰(28) ታሕሳስ ዘሎ ጊዜ እዩ።
·        ኣብዚ ንኡስ ዘመን ኸኣ ሠለስተ ሰናብቲ ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ሰንበት ስብከት፡ እቲ ካልኣይ ብርሃን፡ እቲ ሣልሳይ ኖላዊ ይብሃል። ኣብ ውሽጢ ዘመነ ልደት ኸኣ ዝርከቡ እዮም።

፪.፫.፩ ስብከት፦
ስብከት ማለት ትምህርቲ ኣዋጅ ማለት እዩ። ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ከምዝመጽእ ብኦሪትን ብነቢያትን ከምኡውን ብካልኦት መጻሕፍቲ ኣቐዲሙ ከምዝተሰብከ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ይዝከር። ነቢያት ክወርድ ክውልድ እዩ ኢሎም ከምዝተነበዪን ፍጻሚኡ ኸኣ ብተስፋ ከምዝተጸበዩን፡ ፍጻመ ትንቢት ምስ ኮነ’ውን ሓዋርያት ዘለዎም ኵሉ ገዲፎም ደድኅሪኡ ብምስዓብ ፍቓዱ ከምዝፈጸሙ፡ ምእመናን’ውን ካብ ክፉእ ሓሳባትን ግብርን ርሒቖም ንእግዚአብሔር ክግዝእዎን ክእዘዝዎን ከምዘለዎም ዝመልኽቱ ስብከት ዝስበኸሉ እዋን እዩ።

፪.፫.፪ ብርሃን፦
እቲ ካልኣይ ሰንበት ድማ ብርሃን ይብሃል። ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ንብርሃን ክርስቶስ ከምዝርእይ ዝተነግረ ትንቢትን ፍጻሚኡን ኣብዚ ሰሙን እዚ ይስበኽ። ኣዳምን ሔዋንን ንሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሶም ኃጢኣትን ሞትን ናብ ዓለም ኣትዩ፤ በዚ ምኽንያት ኸኣ ኣብቲ ዘመነ ፍዳን ኵነኔን ኣብ ጸልማት ክነብሩ ተገዲዶም። በብጊዚኡ ዝተንሥኡ ነቢያት ኸኣ ብጾምን ብጸሎትን ብርሃን ክበርህን ሓቂ ክመጽእን ለመኑ። እግዚአብሔር ድማ ልማናኦም ሰሚዑ ኣብቲ ዝቖጸረላን ዘተስፈወላን መዓልቲ ብርሃኑ ለኣኸ። ሓዋርያት’ውን ብዛዕባ እዚ ኣማናዊ ብርሃን ክርስቶስ ሰበኹ። ስለዚ ነዚ ዓቢይ ነገር ዘዘካኽር ሰንበት ብርሃን ተባሂሉ ይፍለጥ።

፪.፫.፫ ኖላዊ፦
ኖላዊ ማለት ጓሳ ማለት እዩ። እዚ ሰንበት ድማ ቅድሚ ልደት ጐይታ ዘሎ ሰንበት እዩ። ክርስቶስ ምእንቲ ኣባጊዑ ሕይወቱ ከሕልፍ ዝመጽእ ለዋህ ጓሳ ምዃኑ ብነቢያት ዝተነግረ ትንቢት ዝዝከረሉ ሰሙን እዩ። ጓሳ ንኣባጊዑ ዘድልየን ዘበለ እናሃበን ናብቲ ዝጸበቐ ሸኻን ዝዛርይ ጽሩይ ማይን እናወሰድ ከምዝምግበንን ከምዘስትየንን ካብቲ ዝጻበዐን ኵሉ ከምዝሕልወን፤ እግዚአብሔር’ውን ንሕዝቡ ብሥጋ ይኹን ብነፍስ ዝሕሉ ሓቀኛ ጓሳ ምዃኑ ዝንገረሉ እዩ። ከምቲ ብምሳሌ ዝተነግረ ኣምላኽና ክርስቶስ ለዋህ ጓሳ ምእመናን እዩ። ኣብዚ ሰንበት ድማ ብዛዕባ እዚ ይስበኽ።

No comments:

Post a Comment