Wednesday, September 7, 2011

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ቅዱስ ዮሐንስ

ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዘመነ ብሉይ፥ ምእታው ዘመነ ሓዲስ ብቅድስናኦም ካብ ዝተፈልጡን እግዚአብሔር ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከሎ ካብ ዝኃረዮምን ብፍሉይ ዝጥቀስ እግዚአብሔር ነቲ ዓቢ ዕላምኡ ዝመደቦ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደ ዘካርያስ ካህን እዩ።

ቅዱስ ዝብል ቃል ፍሉይ ኅሩይ ክቡር ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ሰብ ወይውን ዝኾነ ካልእ ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ክፍለ ከሎ ቅዱስ ይብሃል። ብናይ ጸልማት ዘመን ዝፍለጥ ዘመነ ፍዳ ወይውን ዘመነ ኵነኔ ኣብ ምፍጻሙ፡ ደቂ ኣዳም ኵሎም ብዓቢ ሓንቀውታ ብጾምን ጸሎትን ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡ ነቢያት ዝትነበዩሉ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘቛጸሮ ዘመን ድኅነት ምስ ቀረበ መገዲ ክጽረግ ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ ቅዱስ ሰብ ዮሐንስ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ናይ ነቢያት መፈጸምታ ናይ ሓዋርያት መጀመርታ፤ ናይ ዘመነ ብሉይ ፈጻሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ተላሚ እዩ።

ነዚ እግዚአብሔር ብፍሉይ ንዘኽበሮን ዝኃረዮን ቅዱስ ሰብ ምዝካር ንዓና በረኸት ምዃኑ ጽሑፍ እዩ። እግዚአብሔር ንዘኽበሮ መን ከሕስሮ ይኽእል? ገለ ሰባት ኣብ “እምነት” ኣሎና እናበሉን ምስቲ ኵሉ ጉድለታትን ነቐፌታትን ጥቕኦም ኮይኖም ንዝመላለሱ ደቂ ማኅበሮምን ንካልኦት ካብኦም ብዝተፈላለየ መምዘኒ ዝዓብዩን ዘኽበሩ ክነሶም፤ ነቶም እግዚአብሔር ባዕሉ ንዘኽበሮምን ብጸጋ ልዕል ንዘበሎም ፈተውቱን ግና ምኽባርን ምዝካርን ከም ዓቀብ ምድያብ ክኽብዶም ምርኣይ ናይ ዘመንና ግርንቢጥ ፍጻመ እዩ።  “መንፈሶም” ካበየናይ ምዃኑ እንተዘምርምርዎውን ዝሓሸ እዩ። ቃለ እግዚአብሔር ተሰኪሞም ስለ ቃሉን ክብሩን መዋዕሎም ንዝተጋደሉ ቅዱሳን ምዝካር ንእግዚአብሔር ምኽባርን ትእዛዙ ምፍጻምን ምዃኑ እዚኦም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት መኣስ እዩ ክስወጦም? ብርሃን ወንጌል ብግብሪ ዝተንጸባረቐሎም ኣቦታት ምዝካርና፤ ሕያውነቶምን ኣብነቶምን ምእንቲ ክንስዕብ ብሓደ ወገን፡ መንክር ዝኾነ ግብሪ እግዚአብሔር ኣጸቢቕና ክንርእዮ እንኽእለሎም ቀንዴላት ወንጌል ምዃኖም በቲ ካልእ ምስትብሃል የድሊ። ምስኡ ድማ በረኸትን ቃል ኪዳንን ስለዘለዎም እዩ።

ንእግዚአብሔር አምላከ ሕያዋን ክንብሎ ከሎና ትርጉሙ ብዝያዳ ዝርድኣና ንቅዱሳን ግብሮምን ተጋድሎኦምን ምስ እንፈልጦ ኣይኮነን ድዩ? ብስሞም ክጽዋዕ ደስ ዝብሎ ምዃኑ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ነገረና፡ እቶም ገድሊ ኣቦታት ክንገር ከሎ ቀጨውጨው ዝብለኩም እሞ ኣብ “እምነት” ኣሎና እትብሉ ደጊምኩም ኣብ ምንታይ መሠረት ከም ዝተሠረትኩም ትሕት ኢልኩም ተትሓቱ ካብ መንፈጠራ እቶም ብ “ስም ኦርቶዶክስ” ዘደናግርኹም መምለጥኩምሞ ኣብታ ሕቝፊ እታ ቅድስት ሃይማኖት ኣቦታትኩም መዕረፍኩም ነይርኩም። እግዚአብሔር ንኵልና ዘስተውዕል ልቢ ይሃበና።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ግና ቃል ጐይታ መሠረት ብምግባር ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ክንህብ ትምህረና እያ። “ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ካብ ዮሐንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ከም ዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” ተባሂሉ ብጐይታ ንዝተመስከረሉ ቅዱስ ዮሓንስ ሎሚ ንሓድሽ ዓመትን ዕለተ ዕረፍቱን መሠረት ብምግባር ብሓጺሩ ክንዝክሮ ኢና። በረኸቱን ረድኤቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ልደቱን ስሙን

ልደት ናይዚ እግዚአብሔር ንፍሉይ ሥርሑ ዝመደቦ ቅዱስ ሰብ ካብ ቅዱሳን ስድራ ማለት ካብ ካህን ዘካርያስን (ክፍሊ ኣብያ) ኣዲኡ ኤልሳቤጥን ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ከም እኒ ኢሳይያስ ብዝኣመሰሉ ዓበይቲ ነቢያት ትንቢት ዝተነግረሉ፡ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ድማ ብብስራት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብዝቐውም መጋቤ ሐዲስ ቅዱስ ገብርኤል ዝተጸንሰን ዝተወልደን እዩ። እቲ ዕለት ድማ ፴ ሰነ ሽዱሽተ ወርሒ ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። ካብ ነገደ ሌዊ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ምስ ጐይታ ብሥጋ’ውን ዝምድና ኣለዎ። ኣዴኡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ሓትኖ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።

እዚ ቅዱስ ሰብ ገና ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ከሎ ነቲ ንድኅነት ዓለም ክብል ንዝመጸን ንዝተጸንሰን ጐይትኡን ፈጣሪኡን ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም እንከሎ ዝሰገደሉን ዝተሰራሰረሉን እዩ። ገና ኣብ ፮ይ ወርሑ መልክዕ እምበር ምሉእ ልቦና ሰብ ከየጥረየ ከሎ ብምምጻእ ጐይትኡ ተሓጐሰ። ንድንቂ ስራሕ እግዚአብሔር ‘ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ የልቦን’ ኢልካ ካብ ምግላጽ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ክንብል ይከኣለና? እዚ ሓጐስ እዚ፡ ሓጐስ ኵሉ ወዲ ሰብ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ከሎ ንጐይትኡ ናይ ባህርይ ስግደተ ኣምልኾ ምቕራቡ፡ ንጐይታ ኣብ ማኅፀና ክትጸውርን ክትወልድን ንዝተኃርየት ቅድስተ ቅዱሳን ኸኣ ናይ ጸጋ ስግደት ምስጋዱ ኣየገርምን?! ንሕና ኸኣ ምሉእ ልቦና ኣሎና እንብል ከ ከመይ ኣሎና?

ኣቦ ዮሓንስ ካህን ዘካርያስ ብዛዕባ እዚ ንፍሉይ ተልእኾ እግዚአብሔር ዝጽነስን ዝውልደን እዚ ሕጻን’ዚ ምስ ተበሰረ ቐልጢፉ ብዘይምእማኑ መልኣኽ ዓባስ ከምዝገበሮ፤ ብልደቱ ኸኣ ኣፉ ኸፈተሉ። ‘ኣብ ምጽናሱ ኣፍ ኣቦኡ ዝተዓፀወ ኣብ ምውላዱ ድማ ኣፍ ኣቦኡ ዝተኸፈተ እዚ ቖልዓ እንታይ ኸ ክኸውን እዩ’ ኢሎም ኣዝማዶምን ጐራባብቶምን ዘዛረበ እዚ ቆልዓ ሓጐስን ተድላን ስድርኡ ጥራይ ዘይኮነስ ሓጐስ ኵሉ ወዲ ሰብ እዩ። ስም’ውን ብመልኣኽ ዝተዋህቦ ዓቢ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ። ዮሐንስ ማለት ሓጐስ ፍስሓ ጸ ማለት እዩ። በቲ ብግብሩን ተልእኾኡን ኸኣ ብዙኅ ቅጽል ስማት ዘለዎ ክቡር ኣቦ እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኸኣ ካህን፡ ነቢይ፡ ሐዋርያ፡ መጥምቀ መለኮት፡ ሰማዕት፡ መምህር ወመገሥጽ ኢላ ትጽውዖ።

ኣተዓብብይኡ

ብኵሉ ናብርኡ ብቅድስና ዝተመልአ ቅዱስ ዮሐንስ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ፤ ንብዙኃትውን ካብ መገዲ ጸጋም ናብ መገዲ የማን፤ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ከምዝምልስ፤ ንሕዝበ እግዚአብሔር ከዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ብመንፈስ ኤልያስን ብኃይሉን ቀቅድሚኡ ክኸይድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ብመልኣኽ ዝተነግረሉ እዩ ነይሩ።

ኣተዓባብይኡውን ብብሕትውና ኣብ በረኻ እዩ ነይሩ። ክዳኑ ጸጒሪ ገመልዕጣቕ ሕቚኡ ድማ ፈልቊ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ጽጌናይን ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ንፍሉይ መደብ እግዚአብሔር ጥራይ ዝተወልደ ቅዱስ ሰብ ብምንባሩ ናብርኡ ዅሉ ካብ ዓለምን ፈቓዳን ፍጹም ዝረሓቐ ናዝራዊ ነበረ።

ብምዃኑ’ውን ወዲ ክልተ ዓመት ምስ ኮነ፡ ሄሮድስ ንጐይታ ረኸብኩ ክብል ትሕቲ ክልተ ዓመት ንዝኾኑ ሕጻናት ቤተ ልሔም ኣኪቡ ኣብ ዘቕተለሉ እዋን፡ ኣቡኡ ጻድቅ ካህን ዘካርያስ ኣብ ቤተ መቅደስ ሓቢእዎ። እቶም ንዮሐንስ ክቐትሉ ተሓቢሮም ዝመጹ ወተሃደራት ኸኣ ንዘካርያስ ኣብ ቤተ መቅደስ ብግፍዒ ቀተልዎ። ንዮሓንስ ግና ከይረኽብዎ መልኣኽ እግዚአብሔር ወሲዱ ኣብ በረኻ ኣስፈሮ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ኣዴኡ ኣብ ሓንቲ በዓቲ ይቕመጡ ነበሩ። ድኅሪ ፯ ዓመት ግና ኣዲኡ ምስ እንሰሳ ዘገዳምን ኣራዊትን መላእኽትን ሓዲጋቶ ዓረፈት፤ መላእኽቲ’ውን ቀበርዋ። እቶም እንስሳት’ውን መመጺኦም በብእብረ ይምግብዎ ነበሩ።

ብድኅሪኡ ከም ባሕታዊ ኮይኑ ፴ ዓመት ክሳብ ዝመልኦ ኣብ በረኻ ተቐመጠ። እቲ እግዚአብሔር አምላኽ ዝመደቦ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ ናብ ሕዝበ እስራኤል ክወጽእን ነቲ ቃል ንስሓ ከስምዕን ጀመረ። ካብ ፭ ሺሕን ፭፻ ዓመታት ጀሚሩ ኣዳምን ደቁን ብዓቢ ተስፋ ዝተጸበይዋ፡ አበው ነቢያት ዘማዕደውዋ ቃል ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ንመጀመርታ ጊዜ ካብ ኣፍ እዚ ቅዱስ ኣቦ ተሰምዐት፦ "ነስሑ ወእመኑ እስመ ቀርበት መንግሥተ ሰማያት" (መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ”)።  እዚ ቃል’ዚ እቲ ዘመን ጸልማት ክሓልፍን ዘመን ብርሃን ምቕራቡን ዘበስርን፡ ነቲ ኣማናዊ ብርሃን ንጉሥ ክርስቶስ ድማ ተዳልዮም ንኽቕበሉ ዝጽዋዕ ነበረ። ጐይታ’ውን ትምህርቱ ክጅምር ከሎ ቀቅድሚኡ ንዝተነግረ ስብከተ ዮሓንስ ኣምሊኡን ኣስፊሑን ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያተ ተዛረበ። 

ጸያሔ ኆኅት

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ኣቐዲሙ ብነቢያት ከምዝተነግረሉ ጸራጊ መገዲ ንድኅነት ወዲ ሰብ ናይ ዝመጸአ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። “ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ በረኻ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚአብሔር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሔር ኪግለጽ፡ ኲሉ ሥጋ ኸኣ ቢሩ ኺርእዮ እዩ።” ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ኣዋጅ ነጋሪ ምዃኑ ዝተነግረሉ ቅዱስ ዮሐንስ እዩ። ነዚ’ውን ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ተሓባቢሮም መስኪሮሙሉ እዮም። ኣርጊጾም ክዛረቡ ከለዉ ድማ “እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።” ኢሎም ብዛዕባ ዮሓንስ ዝተነገረ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ንጉሥ ናብቲ ዝዖዶ ዓዲ ቅድሚ ምምጽኡ ጎቦን ኩርባን ፈሪሱ፡ ጉድጓድ ዘበለ መሊኡ፡ እሾኽ ተመንቍሱ ኣእማን ተፈንቂሉ ንፈረስን ንሰረገላን ከምዝምቹ ኮይኑ ክጸንሕ ከምዘለዎ፤ ንጉሠ ሰማይ ወምድር፡ ንጉሠ ሥጋ ወነፍስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ እዩ እሞ መኅደሪ እግዚአብሔር ዝኾነ ሰብነትኩም ካብ ኃጢኣት ካብ ጣኦት ፍለይዎ፤ ኣንጽሕዎ፤ ኣርሕቕዎ። ልቦናኹም ንመኅደሪ እግዚአብሔር ከምዝኸውን ገይርኩም ኣዳልውዎ እናበለ ይምህር ነበረ። ነቶም ክንዲ ጎቦ ብትዕቢትን ልዕልና ልቦናን በሪኾም ዝነበሩ ትሕት ክብሉ፡ ነቶም ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ዝነበሩ ኸኣ ብዘጸናንዕ ቃል ተስፋ ነቲ ዝጐድጐደ ሕይወቶም ይመልኦ ነበረ። ብመሠረት ትምህርቱ ኸኣ ሰባት ነቲ ዝብሎ ሰሚዖም ይፍጽምዎ ነበሩ። ምኽንያቱ እቲ ሰረገላ ንጉሥ መገዱ ቀኒዑ እንተዘይረኺብዎ፤ መእተውውን ክረክብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ባዕሉ ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ዝዅሕክሕ ዘሎ። ስለዚ እዩ ድማ ሓዋርያት ልብና እምበር ልብስና ምቕዳድ ፋይዳ ከምዘይብሉ ዝነገሩና።

እቲ ብነቢያት ዝተነግረሉ ጸራጊን ኣቕናዒን መገዲ ንሱ ቅዱስ ዮሓንስ ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ መስኪሩሉ እዩ። “እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ ‘እንሆ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዝጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ’ ..” ብምባል እቲ ትንቢት ኣብኡ ከምዝተፈጸመ ተዛሪቡሉ ነይሩ። ባዕሉ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት’ውን ብዛዕባ መንነቱ ብኣይሁድ ዝተላእኹ ካህናትን ሌዋውያንን መላሊሶም ምስ ሓተትዎ “ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ” በሎም ይብል ወንጌላዊ ዮሓንስ።

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ከምቲ ዝተነግረሉ ኸኣ መገዲ ጐይታ ጸሪጉ፤ ልኡኹ ምስ ፈጸመን ምፍጻሙ ኸኣ ብግብሪ ጐይታ ምስ ኣረጋገጸን “ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ፤ ንሱ ክዓቢ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ” በለ።

ስብከተ ዮሓንስ

መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ” ብምባል ዝጀመረ ስብከት ቅዱስ ዮሓንስ ንኵሉ ሕይወት እስራኤላውያን ዝዳህሰሰ እዩ ነይሩ። ከምቲ ብነቢያት ዝተነግረሉ ኸኣ ቃለ ዓዋዲ ኮይኑ ንልቢ እስራኤላውያን ከም መገዲ የቕንዖ ነበረ። “ጐደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገዱ’ውን ኣቕንዑ” እናበለ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምጺ ኸኣ ናቱ ነበረ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ክፋል ትምህርቱ ኸኣ ንስሓ ነበረ። ንእግዚአብሔር ብምሉእ ኅሊናኡ ክስዕብ ዝደሊ መገዲ ልቡ ብንስሓ ከጽርይን ከስተኻኽልን ስለዘለዎ፤ ቅዱስ ዮሓንስ ንኵሉ ክፋል ሕብረተሰብ ናብ ንስሓ ይጽውዕ ነበረ። ብዘይ ንስሓ ንእግዚአብሔር ምርካብን ምርኣይን ስለዘይከኣል፤ እቲ ቀዳመይቲ መገዲ እግዚአብሔር ንስሓ እያ። ጐይታ’ውን ብዛዕባ ንስሓ መሃረ። ሓዋርያትውን ቀዳማይ ትምህርቶም ብዛዕባ ንስሓ ነበረ።

ስለዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ነቶም ሕዝቢ ብሓጢኣቶም ክንስሑ፤ በደሎም ክናዘዙ ይጽውዖም ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝብሎ እናሰምዑ “እንታይ ንግበር” ኢሎም ምስ ሓተትዎ ክገብርዎ ዝግባእ ነገር ከከም ኣመጻጽኦምን በደሎምን እናነገረን ነቶም ዝተመልሱ ኸኣ ደጊም ከይብድሉ ክጥንቀቑ ይምዕዶም  ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ኸኣ ብዙኃን ናብኡ እናመጹ ይንስሑን፡ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ኸኣ ናይ ንስሓ ጥምቀት ይጥምቑን ነበሩ።

ካብ ኢየሩሳሌምን ኵሉ ይሁዳን ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ዝመጹ ዝነበሩ ከኣ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ሰዱቃውያን፡ ተገውትን ቀረጽትን፡ ዓቀይቶትን ኃጥኣንን ንእኣቶም ዝኣመሰሉ ማኅበራት ኣይሁድ ነበሩ። ንኵሎም ግና ክንስሑን ልቦምን ግብሮምን ክምርምሩ የጠንቅቖም ነበረ። ነቶም ደጊኦም ኣጸቢቖም ፈላጣት ሕጊ ደቂ ኣብርሃም ኢና ኢሎም ንዝምክሑ ዝነበሩን ተሓቢኦም ንዝቐረብዎ “አቱም ውሉድ አትማን” ብምባል ካብቲ ዝመጽእ ቍጥዐ እግዚአብሔር ክመልቝ ክነስሑን ንንስሓ ዝበቕዕ ፍረ ከፍርዩ ከምዘለዎምን እንተዘይተነሲሖም ግና ጥፍኣት ከምዝተቐረበሎም ይነግሮም ነበረ። “ካብ ሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጒንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምብኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።”

ቅዱስ ዮሓንስ ገጽ ሰብ ርእዩ ዘየዳሉ፤ ሃብታም ኢሉ ዘየኽብር ድኻ ኢሉ ዘይንዕቕ፡ መማለዲ ዘይቕበል ንኵሎም ከይሓፈረን ከይፈርሀን ስለቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ በደላትን ኃጢኣትን ይግስጾምን ይምዕዶምን ዝነበረ ሰባኬ ሓቅን ብርሃንን እዩ። ነቲ ሰበይቲ ሓዉ ከእቱ ዝደፈረ ሄሮዶስ እኳ ከይፈረሀ ካብዚ ግብሩ ክቑጠብ ብትብዓት ገሲጽዎ ነበረ። በዚ ምኽንያት ኸኣ ናብ ቤት ማሕቡስ ከምዝኣተወ ታሪኹ ይነግረና። በዚ ድማ ናይቶም ክልተ ገጽ ዘይብሎም ሓቀኛታት መምህራን ኣብነት ኮነ።

ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ ዝሰዓቡ መምህራን ኣብ ኵሉ ዘመን ኣይርከቡን እዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መምህራን ኣብ ዝርከቡሉ ዘመን ዘርከበ ወለዶ ንእግዚአብሔር ከመስግን ኣለዎ። ልዑል ፍልጠት ዘለዎም መምህራን በብዘመኑ ኣይሰኣኑን ይኾኑ፤ ኣብነቱ ዝሰዓቡ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ስለ ሓቂ ክሳብ ሞት ዝእመኑ ሓቀኛ መምህራን ምርካብ ግና ብፍላይ ኣብ ዘመንና እምብዛ ከቢድ እዩ። መምህራን ስለቲ ዝኣምንዎ ሓቀኛን ርቱዕን ሃይማኖት ተቢዖም ክምህሩ ቅዱስ ዮሓንስ ሕያው ኣብነቶም እዩ።  

4 comments:

  1. thank you guys God bless you and have give you strength

    ReplyDelete
  2. Amen! May God give you strength. May God bless you. Kal Hiwet Yesmialna. Bereket Nayzi Kudus miskulatna yikun.

    ReplyDelete
  3. Amen!Kal Hiwet Yesimialna and May God give you strength to continue such a nice lesson. Bereket nayzi Kudus Mis kulatna yikun. Amen!

    ReplyDelete
  4. Amen!Kal Hiwet Yesimialna and May God give you strength to continue such a nice lesson. Bereket nayzi Kudus Mis kulatna yikun. Amen!

    ReplyDelete