Wednesday, June 8, 2011

በዓለ ኃምሳ

በዓለ ኃምሳ ብኸመይ ተገልጸ፤(ካል ኣይ ክፋል)

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓዋርያት ኣብ በዓለ ኃምሳ ኣብ ቤት ማርያም (ኣደ ማርቆስ) ከለዉ ድንገት ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ከም እተመቓቐለ ልሳን ብሃልሃልታ ሓዊ ካብ ሰማይ ክወርድ ተራእየ። ስለቲ ብዙኅ ድንቂ ግብሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ብሓዊ ይምሰል እዩ እሞ ብኣምሳል ሃልሃልታ ሓዊ ተገልጸ። ነታ ቤት’ውን መልኣ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፍ’ውን ሓደረ። ኣቐዲሙ ናብ ዓለም ወጺኦም ወንጌሉ ክሰብኩ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ እቶም ሓደ ክልተ ቋንቋ ጥራይ ዝፈልጡ ዝነበሩ ሓዋርያት ብኻልእ ዘይተወልዱሉ ቋንቋታት ዓለም ክዛረቡ ጀመሩ። ልሳን ዓለም ተገልጸሎም እሞ ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ወንጌል ክዛረቡ ጀመሩ። ገሊኣቶም እኳ ከባጭውሎም ጀሚሮም እንተነበሩ፡ እቶም ካብ ከካብዓዱን ዓለምን ዝተኣከቡ ኣይሁድ ግና መሳካኽርን ኣመንትን ናይዚ ድንቂ ግብሪ ኣምላኽ ኮኑ። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ኣፈ ጉባኤ ኮይኑ ነቶም ኣብኡ ዝተኣከቡን ኵሎም ትንቢት ነቢያት ይፍጸም ከምዘሎ ኣረደአን፤ ኣመሳኸረን፤ ስቕለትን ሞትን ትንሥኤን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናመስከረ ወንጌል ሰበኸሎምን። ብዙኃን’ውን ነቲ ቃል ኣሚኖም እንታይ ንግበር ኢሎም ሓተቱ። ሓዋርያት ድማ መንገዲ ሕይወት ዝኾኑን ዝወሃበሎምን ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን መሃርዎም። ቤተ ክርስቲያን ድማ ብኸምዚ ኣገባብ ብምሥጢረ ንስሓ፡ ብምሥጢረ ጥምቀት፡ ብምሥጢረ ውህበት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ (ቅድም ብኣንብሮተ ኢድ ዳኅራይ ብሜሮን ዝኾነ) ወዘተ ተልእኾኣ ጀመረት። ብሓንሳብ ድማ ኣስታት ሠለስተ ሽሕ ሰባት ናብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ተጸንበሩ። ብፍቕርን ብሓድነትን ድማ ጸኒዖም ከምዝነበሩ ቅዱስ መጽሓፍ ይገልጽ። እቶም ብዝርወት ዝነበሩ ኣይሁድ እሞ ነዚ ግብሪ ኣምላኽ ርእዮም ኣሚኖም ዝተጠምቁ፡ ድኅሪ እዚ በዓል ነናብ ዓዶም ኣብ ዝምለሱሉ ነቲ ዝተማሃርዎን ዝኣመንዎን ወንጌል ናብ ኵሉ ከባጽሑ ጀሚሮም። በዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ካብ እስራኤል ናብ ካልእ ዓለም ክትዝርጋሕ ጀመረት።


ውህበት መንፈስ ቅዱስ
በዚኣ ዕለት እዚኣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ምስ ሓደረ፤ ሓዋርያት ብመንፈሳዊ ምሥጢራት ኣዕለቕሊቖም እዮም። ኣብዚ ናይ ምሥጢር ባሕሪውን ክሕንብሱ ጀመሩ። ብኣእምሮ ደልዲሎም፤ ካብ ብልየት ተሓዲሶም። ነቲ ክዱን ቀልዕዎ፤ ነቲ ስውር’ውን ኣግሃድዎ። ፈራሃት ዝነበሩ ተብዓት ኮይኖም። ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ሰበይቲ ዘድሓርሓረ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሞንጎ ኣሽሓት ብግሁዶ ሰበኸ። ነቶም ዝተቃወምዎውን ኣፎም ኣትሓዞም። 

መንፈስ ቅዱስ ኣካሉ ሓደ፡ ህያባቱ ግና በብዓይነቱ ብዙኅ እዩ ይብል ቅዱስ ጳውሎስ (ቀዳማይ ቆሮ ፲፪፥፬-፲፩) እወ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ብዙኅ ምዃኑ ኣብ ብሉይ’ውን ተገሊጹ ነይሩ። (ኢሳ ፲፩፥፲፪) በዚ መሠረት ኸኣ ንሓዋርያት ንዓለም ወንጌል ክሰብኩ ልሳን (ቋንቋ) ዓለማት ተገልጸሎም። ድዉያት ዝፍውሱን ካልእ ዓበይቲ ተኣምራትን ዝገብሩ ኾኑ። ህያባት መንፈስ ቅዱስ ከከም ዓይነቱ ንዝተፈላለዩ ሰባት ንዝተፈላለየ ኣገልግሎት ይወሃብ እዩ። ሰባት ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከከም ጸግኦም ብትሕትና ከገልግሉ ተኣዚዞም እዮም። ኵሉ ድማ ከም ኣካላት ሰብ ተወሃሂዱ ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ብፍቕሪ ክዓይይ ከምዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና። 

ኣብቲ ኣምልኮተ ጣዖትን ቀቢጸ ተስፋን ዝነበረ ዓለም ዝተበራበረን ተስፍኡ ዘለምለመን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ንዝነብሩ ኵሎም ኣብ መገዲ ሕይወት ክጽንዑ ዝኸኣሉ ብውህበትን ምሥጢራትን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣልጫ ዝነበረት ዓለም ጨው ዝረኸበትን ዝመቀረትን ድኅሪ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ምውራድ እዩ። ብሃይማኖቶም ቅኑዓትን ብምግባሮም ድማ ጽኑዓትን ፍቱዋት ክርስቲያናት ክዕምብቡ ዝጀመሩን፡ ከም ፀሓይ ዝደምቁ ብርሃን ሰማእታት ክርከቡ ዝኸኣሉ ድኅሪ እዚ ዕለት እዩ። 

ስለዚ ምውራድ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኵሉ እቲ ድኅነት ዘውህብ ምሥጢራት፡ ቤተ ክርስቲያን ክትፍጽም ኣኺእልዋ እዩ። ምኽንያቱም ኵሉ ምሥጢራት ዝፈጸም ብመንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ከምኡውን ንኵሉ መንፈሳዊ ተጋድሎ ብቕዓትን ቅድስና ዝርከብን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። 

ጰራቅሊጦስን እመ ብርሃንን
ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ብምልዓት ኣብ ዝወረደሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ማእከል ሓዋርያት ነበረት። እዚ ኸኣ ኣዴና ኣብ ዘላትሉ ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ዝግለጽ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵሉ መዋዕለ ሥጋዌን ትምህርቱን ካብ ክርስቶስ ከም ዘይተፈለየት፤ ኣብ ልደት ቤተ ክርስቲያናውን ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት ነበረት። ብሓቂ ድማ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ምዃና ምስክር እዩ።

ኣዴና ጸጋ ንሓዋርያት ክወሃብ ከሎ ኣብ ማእከሎም ነበረት ማለት ከምቶም ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ሽዑ ተዋህባ ማለት ኣይኮነን። ንሱስ ኣቐዲሙ ምስኣ ስለዝነበረ ከምቶም ሓዋርያት ኣብ ልዕሊኣ ዝወረደ ኣይኮነን። ቅዱስ ገብርኤል ከበስራ ከሎ “ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልዕተ ጸጋ” ዝበሎ ቃል ነስተውዕል። ንሳ ዓለም ከይተፈጥረ ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ዝነበረትን፤ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ቅድሚ ምዕዳሉ ምልእቲ ጸጋ ምዃና ቅዱስ ገብርኤል መስኪሩላ እዩ።

ከመይ ገይሩ ደኣ ቅድሚ በዓለ ኃምሳ መንፈስ ቅዱስ ምስ ሰባት ነይሩ ድዩ ዝብል ሓታቲ ኣይሰኣንን። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብፍሉይ ብምልኣት ምዃኑ ካብ ዝኾነ ካልእ ዝፈልያ ምዃኑ ነስተውዕሎ እኳ እንተኾንና መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰባት ፈጺሙ ርሒቑ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ ረድኤት መንፈስ ቅዱስ ፈጺሙ ካብ ዓለም እንተዝርሕቕ፡ ህላዌ ወዲ ሰብ’ውን ኣብ ምብቓዕ ምብጸሐ ነይሩ። ኣዳም ብዝበደሎ ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ወዲ ሰብን ናይ ጽልዒ መንደቕ እንተተተኽለውን፤ ረድኤት እግዚአብሔር ግና ብኣዝዩ ውሱንን ውሑድን መጠን እሞ ንዝተወሰኑ ኣበውን ነቢያትን ይወሃብን ይግለጽን ከምዝነበረ ዝሰሓት ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ ነቢያት ብዛዕባ መጻእያት ክግለጹሎምን ክንበዩን ዝኸኣሉ፤ ስለዚ እዩ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዮም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክጽሕፉ ዝኸኣሉ፤ ስለዚ እዮም ድማ ከም ቅዱስ ዳዊት ዝኣመሰሉ ፯ ሃብታት ክህልዎምን ብበገና እናበሉ ክፉኣት መናፍስቲ ዘርሕቑ ዝነበሩ ወቦ ዘተርፈ።

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ግና ፍሉይ ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ሰማይን ምድርን ዘይጾርዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ማኅጸና ክትጸውር ዝተሓርየት ብምዃና ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን እያ። ደቂ ሰባት ስለቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ መርገም ካብ ብዙኅ ጸጋታት ብኣፍኣ እኳ እንተነበሩ ንሳ ግና ካብዚ ኵሉ መርገም ኣዳምን ደቁን ኣምላኽ ዝሓለዋ፡ ገና ኣብ ዓለም ፀሓይ ክርስቶስ ከይበረቐ ከሎ ምልእተ ጸጋ እያ ነይራ። እዚ ድማ እግዚአብሔር ብፍሉይ ካብ ደቂ ሰባት ፈልዩ ዝሃባ ጸጋ እዩ። ስለዚ ኣብ ዓቢይ ዕለት ኣብ ማእከል ሓዋርያት ከምዝነበረት፤ ንሕና’ውን ኣብ ማእከልና ንግበራ።

መንፈስ ቅዱስ 
መንፈስ ቅዱስ ስም ካብቶም ሠለስቱ ኣካላት ሥላሴ ናይ ሓደ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምስ አብን ወልድን ዝሥለስን ዝቕደስን ዝውደስን ዝምስገንን ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ። ከም አብን ወልድን፡ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ድማ ኣለዎ። መንፈስ ቅዱስ ኣካላዊ እምበር ዝርው ኣይኮነን። ግብሩ ድማ ምሥራጽ እዩ። ምሥራጹ ድማ ካብ አብ ጥራይ እዩ እምበር ካብ ወልድ ኣይኮነን። መንፈስ ቅዱስ ይሠርጽ እምበር ኣየሥርጽ፤ ኣይወልድ፤ ኣይውለድ። ኣቦታትና’ውን ኣብ ጉባኤያቶም ከምኡ እዮም ኣንጺሮም ምሂሮምና። “ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት” (ጸሎተ ሃይማኖት) (ዮሓ ፲፭፥፳፮) ብባህርይ፡ ብመለኮት፡ ብሥልጣን፡ ብህልውና፡ ብኣገዛዝኣ፡ ንዓለማት ብምፍጣርን ብምኅላፍን ድማ ምስ አብን ወልድን ሓደ እዩ። ብዘይ ምቕድዳም ድማ ብዕሪና ምስ አብን ወልድን ሓደ እዩ። 

ይኹን ደኣ እምበር ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ብሃልሃልታ ሓዊ ዝተገልጸን ዝወረደን ንሓዋርያት ድማ ዝተዋህበን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እምበር ኣካሉ ዘይምዃኑ ፈሊና ከነስተውዕሎ ዘሎና መሠረታዊ ትምህርቲ እዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ኣካሉ ሓደ ክኸውን ከሎ ህያባቱ ግና ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደን ዝሓደረን ዝተዋህበን ድማ ጸጋታቱ እምበር ኣካሉ ከምዘይኮነ ኣብ ተዋሕዶ ሃይማኖትና ዝተፈልጠ እዩ፤ ከምኡ እንተዘይከውን ግና ናይ ሃይማኖት ምዝንባል ምተኸሥተ ነይሩ። ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ከም ኣርዮስ ኣካል ኣልቦ፡ ዝርው ኃይል ዝብል፤ ከም መቅዶንዮስ ድማ ፍጡር ሕጹጽ ዝብል ብቃል ኣቦታት ውጉዝ ኮይኑ ንኸምዚ ዝኣመሰል ናይ ጽርፈት ኃጢኣት ድማ ሥርየት ዘይርከቦ እዩ። (ማቴ ፲፪፥፴፪) 

ነስተውዕል፦ 
ኣብዚ ዳኅረዋይን መፈጸምታ ትንቢትን ኮይኑ ዘሎ ዘመንና ብዙኃን ቈርበት በጊዕ ተኸዲኖም ብስም ክርስቶስ ዝመጹ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ ተዃሉ ከምዘለዉ ቅዱስ ቃሉ ይነግረናን የጠንቅቕናን። ነዚ መጠንቀቕታ ቅዱስ መጽሓፍ ድማ ከም ኣካል ሕይወትና ሸለል እንተዘይበልናዮን ብተገዳስነት እንተቐልብናሉን ሰናይ እዩ። 

እዞም ኣጽራረ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝኾኑ መጋገይቲ በብዘመኑ ዝተፈላለየ ጋሻ ትምህርቲ እናምጽኡ ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ክህዉኻ እንተነበሩን እንተለዉን እኳ፡ ብሃይማኖቶም ጽኑዓት ዝኾኑ ኣቦታትና ግና ነቲ ኑፋቄ ክቓለስዎን ንምእመናን ከለብሙን ክሕልዉን ነይሮም እዮም። ብፍላይ ኸኣ ድኅሪ ፳ ክፍለዘመን ነቲ ብኣቦታት ዝተወግዘ ዝቐደመ ትምህርቲ ኑፋቄ ዳግማይ ብምኽላስ ሓድሽ መልክዕ ብምትሓዝ ኣብዚ ዘመን እዚ ብስም ‘መንፈስ ቅዱስን ጸጋታቱን’ ዘይጸንሐን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊን ‘መንፈሳዊ’ ምንቅስቓሳትን ‘ምንቅሕቓሓትን’ ክግበር ይረአ እዩ። ‘ክፉእ ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ’ (ማቴ ፲፪፥፴፱) ከምዝተባህለ ብዙኃን ገና ነታ ጥንታዊት መገዲ ከየጽንዑን ከይፈለጡን ከለዉ ነቲ ናይ ስሕተት ትምህርቶም ክስዕብዎ ይረኣዩ እዮም። እቲ ምኽንያት ስሕተት ድማ ብዝበዘኀ ክግለጽ ከሎ ኣእማደ ምሥጢርን ትርጉም መንፈስን ህያባቱን በቲ ሓዋርያዊን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መገዱ ዘይምፍላጥ እዩ። ስለዚ ንሕና ደቂ ተዋሕዶ ዘበልና ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጋሻ ትምህርቶም ክንዕቀብን ነቶም ዘይፈለጡ ድማ ከነልብምን ይግባእና። 

በቲ ካልእ ድማ እግዚአብሔር ኣብ መበል ፵ን ፹ን መዓልትና ዝዓደለና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ብዝግባእ ከነገልግለሉን፤ ብቅድስና ክንዕቅቦን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ድማ ክንኵልዖን ይግባእና። 

ናብዚ ክቡር ዕለት ዘብጽሓና ልዑል እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹኖ። ጸግኡ ኣብዚኁ ይሃበና።

No comments:

Post a Comment