Saturday, June 18, 2011

ቅዱስ ሚካኤል - መኑ ከም እግዚአብሔር(ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሓደ ካብ ሊቃነ መላእክት
ካብቶም ረቀቕቲ ፍጥረታት እግዚአብሔር፡ መላእኽቲ እቶም ቀዳሞት እዮም። ተፈጥሮኦም ድማ ኣብታ ቀዳመይቲ ዕለት (እሑድ - ሰንበት) ኮይኑ ካብ ሓውን ንፋስን እዩ፤ ብምዃኑ ድማ መላእኽቲ ግዙፋን ዘይኮኑ ረቀቕቲ መናፍስቲ እዮም። ብተባዕታይ ጾታ ይጸውዑ ደኣ እምበር ትእምርቲ ጾታ ዘይብሎም ቍጽሮም’ውን ክንዲ’ዚ ክበሃል ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። በብነገዳቶም ዝተኸፋፈሉን ነናቶም ኣገልግሎት ዘለዎም ከኣ እዮም። ሓንሳብ ምስ ናጻ ፍቓድ ብነባቢ አእምሮ ተፈጥሩ ደኣ እምበር ዝባዝኁን ዝውለዱን ዝዋለዱን ድማ ኣይኮኑን። ንባህርየ ተፈጥሮኦም ሞት ዘሰማምዖ ስለዘይኮነ፤ ሓንሳብ ምስ ተፈጥሩ ዘለዓለማውያን እዮም።

ዝተፈጥሩሉ ዕላማ ድማ ንኣገልግሎትን ምስጋናን እዩ፤ እቲ ኣገልግሎት ድማ ንእግዚአብሔር ስለ ዝኾነ ዓይነቱ ብዝኅ ጨናፍሩ ድማ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ካብን ናብን እግዚአብሔር እናተመላለሱ ንደቂ ሰባት ይራድኡ። ቅዱሳን መላእኽቲ ንምሕረት፡ ንሰላም፡ ንረድኤት፡ ንብስራት ወዘተ ዝለኣኹ እኳ እንተኾኑ ንመቅሰፍትን መዓትን ንቍጥዓውን ወዘተ ዝለኣኹሉ ጊዜ ኣሎ። ንዝተጸገመ ይረድኡ ንዝሓዘነ የጸናንዑ፡ ኣብ መከራ ንዘሎ ጸገሙ የቃልሉ፤ ኮታ ኣብ ኵሉ ድኅነት ወዲ ሰብ ዝራድኡ እዮም። (ዕብ ፩፥፲፬ መዝ ፺፥፲፩) ነቶም ዘይእዘዙን ብኣንጻርነት ንዘለዉን ድማ ድኅሪ ትዕግሥቲን ተግሳጽ ዘይምስማዕን መዓት የዝንቡ፤ መቕሰፍቶም የውርዱ።

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ፯ተ ኣሕሉቕ መላእኽቲ (ሊቃነ መላእክት) ሓደ እዩ። (ጦቢ ፲፪፥፲፭ ራእ ፰፥፪ ፲፪፥፯) ከም ቅዱስ ገብርኤል (ሉቃ ፩፥፲፱)፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል’ውን ኣብ ቅድሚ ዙፋን እግዚአብሔር ካብ ዝቖሙ ልዑላን መላእኽቲ ሓደ እዩ። (ሄኖ ፲፥፭)

ስያመ
ሚካኤል ማለት ብቋንቋ ዕብራይስጥ መኑ ከማከ (መን ከም ኣምላኽ) ማለት እዩ። ‘ሚ’ ማለት መን እዩ፤ ‘ካ’ ማለት ኸኣ ከም ዝብል ትርጉም ዝህብ ኮይኑ ‘ኤል’ ማለት ኣምላኽ ማለት እዩ። ስለዚ ሚካኤል ማለት ‘መን ከም ኣምላኽ’ ዝብል ትርጉም ዝህብ ስም እዩ።

ሚካኤል ዝብል ስም ኣብ መጽሓፈ ብሉይ ኪዳን (ኣብቲ ፷፮ ቀኖና መጻሕፍቲ) ፲፫ ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ። ካብዚኦም’ውን እቶም ፲ተ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተጸውዑሉ ክኸውን ከሎ እቶም ፫ተ ግና ነቲ ዓቢይ መልኣኽ ወይውን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል የመልክቱ። ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስም ተፈልዮም ካብ ዝተጠቕሱ ኣሕሉቕ መላእኽቲ ሓደ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ብዝገበሮ ረድኤት ሓላዊ መልኣኽ ከምኡውን መጋቢ ብሉይ ተባሂሉ ይፍለጥ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መጽሓፈተ ኦሪት፡ ሙሴ ብስም ፈልዩ ሚካኤል ኢሉ ኣይጥቀሶ እምበር ‘ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ’ ሓሓንሳብ’ውን ‘መልአከ ገጽ’ ብምባል ጠቒስዎ ኣሎ። ኣብ ካልኦት’ውን ከምኡ፤ ንኣብነት ኣብ መጽሓፈ ኢያሱ “ሓለቓ ሠራዊት” ኢሉ ጠቒስዎ ይርከብ። (ኢያ ፭፥፲፭)

ኣብ ሓዲስ ኪዳን’ውን ከምኡ ኣብ ገሊኡ ስሙ ተጠቒሱ ክጸሓፍ ከሎ ኣብ ገሊኡ ድማ ሊቀ መልኣክ ብዝብል ብስም ማዕርጉ ይጠቕሶ። ንኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ‘ሊቀ መላእኽቲ’ ክብል ክጠቕሶ ከሎ (ቀዳማይ ተሰ ፬፥፲፮) ይሁዳ ሓዋርያ ግና ነቲ ኣብ ብሉይ ዝተፈጸመ ታሪኽ ሥጋ ሙሴ ኣብ ዝገለጸሉ ብስሙ ጠቒስዎ ይርከብ። (ይሁዳ ፱)

ቅዱስ ሚካኤል ብስም ተነጺሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቐስ እተጀመረ ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ እዩ፤ (ሄኖ ፮፥፩-፯) ቀጺሉ ድማ ኣብ መጽሓፈ ትንቢተ ዳንኤል እዩ። (ዳን ፲፥፲፫ ፳፩ ፲፪፥፩)። ብዘይካ እዚ’ውን ኣብ ኣዋልድ ብሉይ ኪዳን ዝኾና መጻሕፍቲ ከም እኒ ኪዳነ ሌዊ (፭፥፮) ኪዳነ አብርሃም (፲፩) ስሙ ብብዝኂ ተጠቒሱ ይርከብ።

ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ስሙን ግብሩን ሞይኡን ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንሕና ክንፈልጦ ክሳብ ዝግብኣና ብንጹር ዝተገልጸ ሊቀ መልአክ እዩ። ከምቲ ንማኑሄ ዝነገሮ ስሙ ድማ ‘መንክር’ እዩ።

ገለ ካብ ኣገልግሎቱን ተራድእነቱን
ቅዱስ መጽሓፍ፡ ቅዱስ ሚካኤል ዘለዎ ክብርን ኣገልግሎትን ዝለዓለ ምዃኑን፡ ካብ ፍጥረተ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ዘመንን እናተረኽበ ዝፈጸሞም ነገራት ብዙኃት ምዃኖም የረዳኣና እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ንሕዝበ እግዚአብሔር ብዙኅ ናይ ረድኤት ስራሕ ሰሪሑ እዩ።

ቅሩበ መንበር ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ርኅሩኅ፤ ገባሪ ተኣምራት፤ ይቕረ በሃላይ ካብ መዓት ዝረሓቐ እዩ። (ሄኖ ፲፥፲፪ ፮፥፪) ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ቅዱስ ሚካኤል ምእንቲ ሕዝቢ ዝራዳእ፤ ጸገም ሕዝቢ ዝፈትሕ፤ ምእንቲ ምሕረት ሕዝቢ ድማ ንሰይጣን ዝቓወምን ንእግዚአብሔር ዝልምንን እዩ። ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ብዛዕባ ቅዱስ ሚካኤል ዘለዎ ተራዳእነት ክገልጽ ከሎ “ሰብ ብዝገበሮ ነገር ንሕዝቡ ተኣዛዚ እዩ እሞ ካብቶም ዝኸበሩ መላእኽቲ ሓደ ሚካኤል እዩ” ይብል (ሄኖ ፮፥፭) ሰማያዊ መልኣኽ ክንሱ ንዝተጨነቑ ዘረጋግእ፤ ንዝተጸገሙ ዝረድእ ገባሪ ሰናይ ስለዝኾነ ቅኑዕ ሓላዊ፡ ተኣዛዚ ተባሂሉ። ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር፡ ምእንቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ዘማልድን ምሕረት ዝልምንን መልኣኽ እዩ። (ኪዳነ ዳን ፮፥፪) ኣብ ዕርገተ ኢሳይያስ’ውን ተገሊጹ ከምዘሎ ቅዱስ ሚካኤል ንቅዱሳን ኣብ ጊዜ ጸገሞም ይራድኦም እዩ። ጸሎቶም ናብ እግዚአብሔር የቕርብ። ንኃጥኣን ድማ ሥርየተ ኃጢኣት ምእንቲ ክረኽቡ ይተግህ። ንሕዝበ እግዚአብሔር ደው ዝብለሎምን ዝምጉተሎምንን ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ድማ ኃይሊ ዝኾኖም እዩ። (ዳን ፲፪፥፩) ንሰባት ኣብ ዝኾነ መንፈሳዊ ይኹን ሥጋዊ ጸገማቶም ይራድኦም እዩ። (ዳን ፲፥፲፫) ካብ ሓዘኖም’ውን የጸናንዖም እዩ (ዳን ፲፥፳፩) ኣብ ልዕሊ ሕዝበ እግዚአብሔር ንዝትሥኡ ጸላእቲ ይቃወምን ይግስጽን። እዞም ጸላእቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተባህሉ ድማ ሰይጣናትን ሰዓብቶምን እዮም። (ራእ ፲፪፥፯ ይሁዳ ፱)

ቅዱስ ሚካኤል ነቶም ብእግዚአብሔር ዝእመኑ ረድኤትን ምሕረትን ከምጽእ ከሎ፡ ነቶም ብኣንጻር ዘለዉ ድማ መዓት ዘውርድ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ዘረድኣና’ውን እዩ። ንፈርዖንን ሠራዊቱን፡ ንሰናክሬምን ሠራዊቱን ዝወረዶም መቕሰፍቲ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። (፪ይ ነገ ፲፱) ስለዚ ንእስራኤል መልአከ ምሕረት፡ ንግብጻውያን መልአከ መዓት፤ ንሕዝቅያስ መልአከ ሣሕል፡ ንሰናክሬም መልአከ ኃጉል ኮይኑ ከም ዝተለኣኸ ንጹር ኣብነት እዩ።

ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዘመናት ንሰባት ዝፈጸሞ ተራዳእነት ተጸብጺቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንበረኸት ክኾነና ንውሑዳት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ዘቋደሱና ኣብዚ ክንጠቕስ ኢና።

ዓለመ መላእክት   
እግዚአብሔር ንመላእኽቲ ፈጢሩ ኣብ ዝተሠወረሉ፤ ሳጥናኤል ብትዕቢት ተወጢሩ ምስጋና ፈጣሪነት ደልዩ ኣብ ሞንጎ ዓለመ መላእክት ህውከት ምስ ፈጠረን “ኣነ እየ ፈጣሪኹም” ኢሉ ብሓሶት ምስ ኣዕገርገረ ፡ ንዲያብሎስ ዝተቓወሞን ንቅዱሳን መላእኽቲ መሪሑ ዝተዋግኦን ቅዱስ ሚካኤል እዩ። (ራእ ፲፪፥፯-፰)

ዘመነ ኦሪት   
ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተባህሉ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ን፬፻፴ ዓመታት ኣብ ባርነት ተቖሪኖም ድኅሪ ምንባሮም፡ ብዝደንቕ ተኣምራት ካብ ኢድ ፈርዖን ሓራ ክወጹ ከለዉ ክሕልዎምን ክራድኦምን ካብ እግዚአብሔር ዝተመደበሎም ቅዱስ ሚካኤል ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ድማ እናተላኸ ብዘደንቕ ተኣምራት ረዲእዎም እዩ። ቀትሪ ብደመና ለይቲ ድማ ብዓንደ ብርሃን እናገበረ ዝመርሖም ዝነበረ’ውን ንሱ እዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ባሕረ ኤርትራ ተኸፊሉ ክሳገሩ ከለዉ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ተራዳኢነት ከምዝነበረ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘጸ ፲፬ን ፲፭ን) ኣብዚ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ‘መልኣኽ እግዚአብሔር’ እናበለ ስሙ ከየጠቐሰ ይኅለፍ ደኣ እምበር፤ እቲ ንእስራኤላውያን ዝራዳእ ዝነበረ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ መጻሕፍተ ትርጓሜ ቤተ ክርስቲያን ዘንጽርዎ እዩ። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ናይ ዘመነ አስተምህሮ ድጓ ከምዚ ክብል ገሊጹ ጽሒፍዎ ኣሎ። “መርሖሙ መዐልተ በደመና ወኵሎ ሌሊተ በብርሃነ እሳት ወአውጽኦሙ ለሕዝቡ በትፍሥሕት ፈነወ መልአኮ ወአድኃኖሙ እንዘ ሚካኤል የሐውር ቅድመ ትእይንቶሙ ለእስራኤል” (ቀትሪ ብደመና ለይቲ ድማ ብብርሃነ እሳት መርሖም። ነቲ ሕዝቢ’ውን ብሓጐስ ኣውጽኦም፤ መልኣኹ ልኢኹ ኣድኃኖም። ንሱ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል ክኸውን ከሎ ቀቅድሚ እስራኤል ይኸይድ ነበረ።)

ሙሴ ኣብ ኣብ ደብረ ሲና ሕጊ ካብ እግዚአብሔር ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን፡ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሙሴን ብምዃን ኣገልጋሊ ከም ዝነበረ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ኣሎ። (ኩፋ ፪፥፩ ዕርገተ ኢሳይያስ ፲፩፥፳፩) ብብዙኅ ተኣምራት ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ንዘውጽአ ሙሴ፤ እቲ ሕዝቢ ኣዝዩ ይፈትዎ ስለዝነበረ፡ ድኅሪ ምማቱ ነቲ ካብ ሰብ ክውል ዝነበረ መቓብር ሙሴ፡ ዲያብሎስ ንሕዝቢ መሪሑ ከርእዮምን ባዕድ ኣምልኾ ከስተምህሮምን፡ ብኸምኡ ድማ ምስ እግዚአብሔር ከባእሶምን ኣብ ዝፈተነሉ ዝተኸራኸሮን ዝገሰፆን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ። (ይሁዳ ፱)

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘመነ አበው’ን ንሎጥ ካብ ሰዶም ዘውጽአ (ዘፍ ፲፱) ቅዱስ ሚካኤል ነበረ። (ዮሓንስ ኣፈወርቅ) 
                                                                                                                                      ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment