በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ኣቐማምጣ ገዳም

ገዳም ደብረ ሲና ብወገን ምብራቕ ሩባ ዓንሰባ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ በረኽቲ ጎቦታት ኣብ ሓዲኡ እተደኰነት ኮይና ኣብ ዞባ ዓንሰብ ንኡስ ዞባ ዒላ በርዕድ ትርከብ። ምእመናን ብፍላይ ኣዴታት ካብ ከከባቢኡ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ናብዚ ገዳም ብእግርን ብኣውቶብስን ኣባቕልን ብፍላይ ኣብ ጊዜ ንግደት ዝውሕዙ ኮይኖም፤ እቲ ቀንድን ዝበዘኀ ነጋዳይን በጻሓይን ዝጥቀመሉ ግና ኣብ መንገዲ ኣሥመራ - ከረን ኣስታት ፷፭-፸ ኪ.ሜ ምስተኸደ፤ ብዒላ በርዕድ ኣቢሉ ንየማን ብወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ዝዕጸፍ ጸርጊያ ተኸቲሉ ናይ ኣስታት ፲፫ ኪ.ሜ ብእግሪ ወይውን ብኣውቶብስ ዝጓዕዙሉ መገዲ እዩ።


እቲ ገዳም ካብ ጽፍሕ ባሕሪ ንላዕሊ ኣብ ፪ሽሕ፫፻ ሜትሮ ብራኸ ዝርከብ፡ ብዝተፈላለየ ስሑው ኣግራብን ቈጥቋጥን ብኸፊል ዝተሸፈነን ከምኡውን ብርክት ዝበሉ እንስሳ ዘገዳም ዝርከቡሉ ቦታ እዩ። ገዳም ዝተገደመሉ ከባቢ ኳራትን ደናጉላን ዓረ ዝበዝሖ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ’ውን በዓትታት ዝመልኦ ስፍራታት ይርከብ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ገዳም’ውን ዝተፈላለዩ ዓድታት ኣለዋ። ብፍሉይ እታ ቤተ ክርስቲያን እትርከበሉ ስፍራ ንበይና ብርኽ ዝበለት እምባ ኮይና ከም መኽደን መሶብ ትመስል።
ስያመ ገዳም

በቲ ካልእ ምሳሌኡ ድማ እቶም ናብ ሃገርና ኣብ ከባቢ ፭ይ ክፍለ ዘመን ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ስደት ናብ ሃገርና ዝመጹ ተሰዓቱ ቅዱሳን ከምቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ክብሪ እግዚአብሔር ብተምሳል ነበልባል ምስ ሓመልማል ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣየ፡ ንሳቶም’ውን ድኅሪ ብዙኅ ሱባኤ ነዚኣ ቦታ ዓምደ ብርሃን እናተተኽለላ ድኅሪ ምርኣይ ስለዝረኸብዋ ደብረ ሲና ክትበሃል ክኢላ እያ። ናይ ቀደም ስማ’ውን ደብረ ሲሐት ትብሃል ከምዝነበረት ይፍለጥ።
ጥንታዊነት ገዳም


እዛ ጥንታዊት ገዳም ምስቲ ነዊሕ መዋዕልን ዓቢይ ስምን፡ ዘሕለፈቶን ዝዓቀበቶን ታሪኽ ብዙኅ እዩ። ብግቡእ ኣይተፈተሸን እምበር ‘ትማልን ቅድሚ ትማልን’ እንታይ ይመስሉ ከምዝነበሩን ብኸመይ ከምዝሓለፉን ዝገልጹ መዛግብ ታሪኽ ክርከብ ምተኻእለ። ብዙኅ ተጻብኦታትን መስገደልን ሓሊፋ ናብዚ ዘመን ምብጻሓ ድማ ኃይሊ ኣምላኽን ተራድእነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ፈጺሙ ከምዘይተፈለያ ዘረጋግጽ ሕያው ምስክር ኸኣ እዩ።
ኣመሠራርታ ገዳም

ኣባ ዮሓኒ’ውን ኣብዚኣ በዓቲ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ፡ ብዕለተ ደብረ ምጥማቅ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ቅዱሳን መላእኽትን ጻድቃንን ሰማእታትን ተገሊጻትሎም ከምዝነበረት ይፍለጥ። እዚ ኸኣ ተመሳሳልነት ዕለትን ተኣምራትን ነዚኣ ገዳም ዳግማይ ደብረ ምጥማቅ ከስምያ ዝኽእል እዩ። ከምታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ፊልጵስዩስ ድማ ብዕለተ ፳፩ ሰነ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ፲፪ተ ሓዋርያቱን ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስን ኮይኑ ቍርባን ክሠርዕ ከሎ ኣባ ዮሐኒ ተገሊጹሉ ነበረ እሞ በዚ ምኽንያት ክሳብ ሕጂ ይበዓል ከምዘሎ ይፍለጥ።
እዚ ገዳም በብዘመኑ ከም ራእሲ ወልደሚካኤል ብዝኣመሰሉ ዓበይቲ መሳፍንትን ነገሥታትን ዝተወፈየሉ ብዙኅ ርስተ ጕልት ዝነበሮ እዩ። ኣህጉራዊ ክብሩን ቅድምንኡን ኣብ ቦትኡ ኮይኑ በብቕሩብ ድኻም ይሰምዖ እምበር ካብ ሃገርና ሓሊፉ ኣብ ከባቢና ልዑል ጽልዋ ዝነበሮ ገዳም ምንባሩ ዝተፈልጠ እዩ።
ብፍሉይ ከም ቀዳመይቲ ገዳም ናይ ገዳም ደብረ ሲና ንጽሕፍ ኣሎና እምበር ካብቲ ከባቢ ብዙኅ ዘይርሕቑ ክንደይ ዝኣክል ተኣምራት ዝተፈጸመሎምን ዝፍጸመሎምን ቅዱሳት መካናትን ሰፈር ባሕታውያንን ከምዘለዉ ድማ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።
በዚ መሠረት ኸኣ ብዙኅ ታሪኽ ዘለዎን ሓዋርያዊ ሥርሕ ዘበርከተን፡ ከበርኽት’ውን ዝኽእልን ገዳም እዩ። ብፍላይ ኸኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብዚ ዞባ ንዘስፋሕፍሕ ዘሎ ጽልዋ ካልኦት እምነታት በዲሁ፡ ካብ እምነት ተዋሕዶ ንዝረሓቑ ሕዝብታት ኣብ ምምሃርን ኣብ ምምላስን ከምቲ ቅድሚ ፶ -፷ ዓመታት ኣቢሉ ኣበጋጊስዎ ዝነበረ ትግሃት፡ ዳግማይ ሓዋርያዊ ስርሑ ከባራብር ትጽቢት ፈተውቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ገለ ካብ ሓዋርያዊ ስራሕ ማኅበር
ብጸዓት ማኅበር ገዳም ደብረ ሲና ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዞባ ዓንሰባን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ይርከቡ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቓስ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል (ባሕሪ ምራራ)፡ ቤተ ክርስቲያን ቍስቋም ማርያም (ገለብ)፡ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነምሕረት (ናቕፋ)፡ ቤተ ክርስቲያን ተክለ ሃይማኖት (ኣፍዓበት)፡ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለምን ኣቡነ ኣረጋዊን (ዒላ በርዕድ) ይርከብዎም።
ይቕጽል...
ይቕጽል...
No comments:
Post a Comment