Sunday, June 26, 2011

ትምህርቲ ‘ጥንተ አብሶ’ን ጐስጐስቱን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

(ቀዳማይ ክፋል)
ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣይቀያየርን እዩ! 
ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ፍጹም ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝተሠረተን ኣብ ስብከተ ሓዋርያት ዝተነድቀን ምዃኑ ንዝኣምን ኵሉ ከም ቀትሪ ፀሐይ ዝተዀልዐ ብሩህ ሓቂ እዩ። ከም ምዃኑ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሓንሳብ ንዝተቐበለቶ ርቱዕ ሃይማኖት፤ ብሉያትን ሓዲሳትን ኣሰማሚዓን መምርሒኣ ገይራን ክትጥቀመሎም ጸኒሓ ኣላ። ነቲ ርቱዕ ትምህርታ ብሰፊሑ ዝገልጹን ዘረድኡን፡ ሓዋርያዊ ተልእኾኣን ኣገልግሎታን ዘስፍሑን፤ ምእመናን ድማ ካብ ኑፋቄያዊ ትምህርቲ ዝዕቀቡሉ ንቅዱስ መጻሓፍ መሠረት ዝገበሩ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዘለዎም፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “መንፈስ አምላኽ ዝነፈሶም” ኣዋልድ መጻሕፍቲ በብዘመኑ አበው ሊቃውንቲ ከምዘዳለዉ ርዱእ ነገር እዩ። በዚ መሠረት ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳት መጻሕፍትን ክቡር ትውፊታን ዓቂባ፡ ብትምህርቲ ክርስቶስን ስብከት ሓዋርያትን ጸኒዓ ከም እትጕዓዝን፡ ወልድ ዋሕድ እናበለት ክሳብ ፍጻመ ዓለም ከም እትነብርን፡ ደጌታት ሲኦል’ውን ክኅይልዋ ከምዘይክእሉ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ጽኑዕን እሙንን እዩ። (ቀዳማይ ጢሞ ፫፥፲፮-፲፯ ማቴ ፲፮፥፲፰) ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ኵሉ ኣወሃሂዳ ስለ እትኸይድን፤ ብአምሳል ሰማያዊ ሥርዓት ብዝተሠርዐ ሥርዓታ ኣቢላ ብምልአት ኣገልግሎታ ስለእትፍጽምን፡ ኣብ ሓዋርያዊ ፍኖት ስለዝጸንዐትን ድማ እቶም ቅዱሳን ባዕሎም “ርትዕት ሃይማኖቶሙ ለቅዱሳን አበዊነ” ኢሎም መስኪሮሙላ እዮም። ብምዃኑ ድማ ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ሓድሽ ትምህርቲ ከተለልዮን ስርናዩ ካብ ክርዳዱ ክትፈልዮ እትጽገመሉ አብነት’ውን የልቦን። 
እቲ ‘ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ ሃይማኖት፡ ሓንቲ ጥምቀት’ ዝብል ቃል እሙን ክሳብ ዝኾነ ድማ ትምህርተ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን በብዘመኑ መምስ ሓደሽቲ ምዕባለታትን ርድኢታትን ደቂ ሰባት ዝለዋወጥ ከምዘይኮነ ርዱእ ኸኣ እዩ። እዚ ናይ እምነት ቃል ንሰባት ናብታ ሕይወት እተውህብ መንገዲ እግዚአብሔር ዝጽውዕ እምበር ሰባት በብርድኢቶምን ድሌቶምን ነናቶም ‘መገዲ’ ክሕንጽጹን ክጓዓዙን ዘፍቕድ ኣይኮነን። እቲ ዘይክርስቲያናዊን ዘይሓዋርያውን ኣካይዳን ከም ነፋሒቶ ምቅይያርን ዘይምጽናዕንሲ ኣብ ካልኦት እምበር ኣብታ ሓቀኛ ቤት እግዚአብሔርስ የልቦን። ኣቦታትና ሓንሳብ ንቅዱሳን ስለ ዝተዋህበት ሃይማኖት ክጋደሉ መዋዕሎም ከምዘሕለፉ፡ ደቆም ድማ ከምኡ እናሰዓብዎም ኣብዚ ዘመን ኣብጽሑልና ኣረከቡናን ደኣ እምበር ካልእ ታሪኽ ኣይጽንሑልናን። ንሕና ደቂ ሰባት ድማ ኣስኣሰሮም ኣብታ ጥንታዊት መንገዲ ክንስዕብ ተነጊሩና እምበር ሓድሽ ባዕላዊ መገዲ ክንጸርግ ኣይተማዕድናን። (ይሁዳ ፫ ኤፌ ፬፥፭ ኤር ፮፥፲፮ ዕብ ፲፫) ከምቲ “ክፉእን ዘማውን ወለዶ” ትእምርቲ ክንደልይን መምስ ዝመጸ “ጋሻ ትምህርቲ” ክንውሰድን ኣይተኣዘዝናን። (ማቴ ፲፪፥፴፱ ዕብ ፲፫፥፱) እንታይ ደኣ ከምቶም ዝቐደሙ ኣቦታትና ክንጸንዕን፡ ብዝመጽእ ናይ ነፍስ ትምህርቲ ንየው ነጀው ከይንብልን ብምጥባር ሰብን ብምፍሓስ ስሕተትን ድማ ከይንጋገ እዮም ኣጠንቂቖምና። (ኤፌ ፬፥፲፬) 

ከመይሲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓንዲ ሓቂ ስለዝኾነት፤ ኣቦታትና ኣብዛ ዓንዲ ጸኒዖም ካብታ ሕይወት እተውህብ ጥንታዊት መንገዲ ፈልከት ከይበሉን፡ የማንን ጸጋምን ቍሊሕ ምሊሕ ከይበሉ እዮም ሰናይ ገድሊ እተጋደሉን ኣኽሊል ሕይወት ዝጨበጡን። ነዚ ሓቂ ዝዓንዱ ትምህርተ ሃይማኖትናን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያናን ትውፊትናን ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብጥንቁቕ ኣገባብ እናተቐባበሉን እናሰጋገሩን ኣብዚ ዘሎናዮ ወለዶ ብኃይሊ ኣምላኽ ኣብጺሖምልና ኣለዉ። ንሕና ደቆም ድማ ኣብዚ ሓቂ ክንጸንዕ ኣለበሙና እምበር ካልእ መገዲ ሃሰው ክንብል ኣይነገሩናን። ካብዚ ወጻኢ ክጕዓዝ ዝደሊ እንተሎ’ውን ፍጻሜኡ ጥፍኣት እምበር ሕይወት ከምዘይኮነ ኣጠንቂቖምና ኣለዉ። ሰባት ድማ ኣብታ ሓቂ ክጸንዑን፡ ነታ ሓቂ ከገልግሉን ደኣ እምበር ኣንጻር ሓቂ ገለ ክገብሩ ዝከኣሎም’ውን ኣይኮነን። ካብዛ ሓቂ ዝዓንዳ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ነታ ጥንታዊት መገዲ ኣቦታት እናገደፉ ዝኸድዎን፡ ክኸድዎ ዝደልዩን “ሓድሽ መገዲ” እኳ እንተነበረ መወዳእትኦም ከምዘይጸበቐ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣጕሊሑ ኣርእዩና እዩ። ገሊኣቶምውን በብዘመኑ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ውዲታት እኳ እንተፈሓሱ፤ ንሳቶም ክጠፍኡን ንዝስዕብዎም ድማ ከጥፍኡን ተራእዮም እምበር እታ ናይ ክርስቶስ ቤት ክትናወጽ ኣይተረኽበትን። (፩ጢሞ ፫፥፲፭ ፪ይ ቆሮ ፲፫፥፰) 

ዘሎናዮና ዘመን፡ ሥጋዊ ፍልጠት ዝበዝኃሉ፡ ብኸምኡ ድማ ዝምእዘን ኑፋቄ ወሊዱ ዝሓድር ናይ “እምነት” ምርምር ዝተበራኸተሉ ምዃኑ ግሁድ ነገር እዩ። ብኸምዚ ሥጋዊ ሓሳባት ዝተደረኹ ሰባት፡ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎም ርክባትን መንገዱን ከም ድሌቶም ክቕምርዎ ካብ ምፍታን ዓዲ ዝውዓሉሉ ጊዜ ኣይነበረን ክብሃል ይከኣል፤ ኮይኑ ግና ድምዳመ ምርምራቶም ብዘየገድስ፡ ንሕና ነታ ናብ ሕይወት እትወስድ ጐደና ኣጽኒዕና ምሓዝ ክንስሕታ ዘይብልና ሓቂ እያ። ንሳ ድማ ደቂ ሰባት ይፍተዉዋ ኣይፍተዉዋ፤ ይቀበልዋ ኣይቀበልዎ ናብ ዘለኣለማዊ ሓቂ እትወስድ ጥንታዊት መገዲ ሓንቲ ጥራይ ምዃና ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና እዩ። ብኣኣ ድማ ኣማናዊን ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይርከብ። ነዛ ሓቂ ንምፍላጥ ዝብህግ ድማ ብዘይካ ናብ ኣምላኽ ብቅንዕና ዘቕርቦ ጸሎት፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብቶም ዝግብኦምን ሓዋርያዊ ሕድሪ ዝተቐበሉን ዘጽንዑን መምህራን ምፍላጥን፡ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ብዝግባእ ምርዳእን ከድልዮ እዩ። ኣቦታትና ግና ቃል ክርስቶስ ኣኽቢሮም፡ ስለቲ ዝተነግሮም ሓቂ ስለዝተጋደሉ፤ ብዘይካ ሰማያዊ ኣኽሊል ምቕባሎም፤ ካብ ርእሶም ሓሊፎም ንዝስዕቦም ወለዶ በረኸት ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ። 

ኣብ ጥንታውያን ገዳማትናን አሐቲ ቤተ ክርስቲያናን ተዓቝሩ ዘሎ ታሪኽን ሕይወትን ድማ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣንቀጽ ቀዋምን ሕያውን መሰኻኽር እዩ። ኣበው ሊቃውንት ድማ ኣብ ምዕቃብ እዚ ሰንሰለት ዝፈጸምዎን ዝፍጽምዎን ገድልን ኣበርክቶን ድማ ልዑል ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ እቲ ኣቦታትና ዝተጓዕዝዎ ጸቢብን ነዊሕን ጐደና መሰናኽልን ዕንቅፋት ኣየጸንሖን ወይውን ኣይተጓነፎን ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ክኸውን ግድነት ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ስለዝነበረ፡ ካብ ግዳም ይኹን ካብ ውሽጢ በብዘመኑ ኣብ ልዕሊ ቅድስት ሃይማኖትን ሥርዓታን ንዝመጾም ዝነበረ ብዙኅ ዝዓይነቱ ተጻብኦታትን መሰናኽላትን ብኣፍ ብመጽሓፍ ክምልሱ፤ ብጉባኤ ክውስኑን ንዘይተቐበሎም ድማ ክፈልዩን፡ ካብኡ ሓሊፉውን ንዝመጾም መከራን ሰማእትነትን ብአኰቴት እናተቐበሉ ነቲ ዝተረከብዎ ከምቲ ዝነበሮ ክቕጽል ዝተጋደልዎ ገድሊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርቃዊ መዛግብ ታሪኻ ኣስፊራቶ ኣላ። 

በረኸት ቅዱሳን ኣቦታትና ኣይፈለየና እሞ፡ ንሕና ደቂ ተዋሕዶ ኵልና ነቲ ካብ ኣቦታታና ዝወረስናዮ ሃይማኖት ምስ ኵሉ ክብርታቱን ሥርዓቱን ትውፊቱን ክንዕቅብን ናብ ዝቕጽል ወለዶ ከነስግርን እምበር ክንልዋውጦን ክንብርዞን ዝግባእ ኣይኮነን። በዚ ድማ ደቂ ኣቦታትና ምዃንና ንፍለጥን በረኸት ንረክብን። ብመሠረቱ ኣብ ክርስቶስ ዝተሠረተ ትምህርቲ ዝቀያየር ካብ ዘይኮነ፤ ዝለዋወጥ ትምህርቲ’ውን ኣቦታትና ካብ ዘይጽንሑልና ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ክቐያይሩ ንዝሓልሙ ዓገብ ክንብሎም ይግባእ። 

ሎሚ ኸ ክቕይርዎ ዝፍትኑ ኣለዉ ዶ? 
እወ ኣለዉ! 
ናይ ዝሓለፈ ዘመናት ምጽብጻብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን’ውን ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ መገዲ ትፍተንን፡ ካብ ውሽጣ ይኹን ካብ ግዳም፡ ፍላጻ ኑፋቄን ካልእን ንምድኻማ ዘቀላጥፍ መፍንጠራ ከምዝተጻወደላን ይጻወደላ ከምዘሎን ንኵሉ ዘስተውዕል ንጹር እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ኣብ ኣፎምን ልቦምን ዘሎ እምነት በበይኑ ዝኾነ፡ ኣርኣያ ክህነት ዘለዎም ዝመስሉ፡ ካብቲ ዝቐደመ ብዘይተፈልየ፡ ዘመንና ዘፍረዮም ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ናይ “እምነት” ጕጅለታት የዕንግድ ከምዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ኸኣ መቐጸልታ ናይቲ ዝነበረ መስርሕ መናፍቓንን ዕላማታቶምን እምበር ሓድሽ ተርእዮ ተባሂሉ’ውን ክውሰድ ዘይከኣል እዩ። እዚኦም ጕጅለታት ከም ቀዳማይ ግዳይ ክኾኖም ዝሰርዕዎን ዝሓንጸጽዎን ትልሚ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንን ሰዓብታን፡ ማለት ነቲ ብሃይማኖቱን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያኑን ባህሉን ተማእዚዙን ኣኽቢሩን ኣብ ዝኸይድ ሕዝቢ ዝቀንዐ ምዃኑ ግሉጽ ነገር እዩ። ነዚ ድማ መልክዕ እናቐያየሩ ክጽዕቱሉ ጸኒሖም እዮም። እዚኦም ወገናት ነቲ ስዉር ኢሎም ዝሓስብዎ ዕላማታት ኸኣ ብዙኅ ሜላታትን ምስሉይ ኣገባባትን ይኽተሉ። 

ከምዝፍለጥ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ናብ ካልኦት ሓደሽቲ ናይ መናፍቓን እምነታት ከም መሰጋገር ባይታ ኮይና ከተገልግሎም ዝሓንጸጽዎን፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሰርሑሉ ዝጸንሑ ሜላ ምስተቓልዐን፡ ከምኡውን ተቃውሞ ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን እናሓየለ ምስ መጸ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓፍረት መንጠሊና ተጐልቢቦም ከምዝወጹ ዘይርሳዕ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ካብ ቀጽርታት ቤተ ክርስቲያን ወጺኦም ማለት ግና ፈጺሙ ዕላማታቶምን መደባቶም ገዲፎሞ ማለት ከምዘይኮነ ክስተውዓል ዘለዎ ጕዳይ እዩ። እኳ ደኣ መልክዕ ቀይሮምን፡ ምስቲ ዘለዉዎ ኵነታት ብዝዛመድ ኣገባብ ስውር ውዳበታት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ኮይኖም ይነጥፉ ከምዘለዉ ክውል ነገር ኣይኮነን። ዝያዳ ድማ በቲ ኣብ ኣትላንታ (ኣሜርካ) ብዘለዎም ማእከል ኣቢሎም ንቤተ ክርስቲያን የዳኽም ኢሎም ንዝሓስብዎ ኵሉ ካብ ምግባርን፡ ንዝኾነ ‘ነዃላት’ ካብ ምምዝማዝን ድኅር ኣይብሉን እዮም። ንኸምኡ ድማ ብገንዘብ ይኹን ብዕላማ ዘዋፈርዎም እሞ ክሳብ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ወሳኒ ጽሕፈታት ዝርከቡ ንሳቶም “ርድኢት” ዘለዎም “ኣገልገልቲ” ዝብልዎም መጋብርቲ ከምዘለዉ ዝተረጋገጸ ነገር እዩ። ብዛዕባ እዚ ካልእ ጊዜ ካብ መሠረቱ ብሰፊሑ ንጽሕፈሉ እኳ እንተኾንና፡ ንሎሚ ግና ንመንሰያት ካብ ዝምልከት ኣጀንዳታቶም ሓንቲ ጥራይ ክንጠቕስ።

                                                                                                                           ይቕጽል...

6 comments:

  1. When I read the title "ትምህርቲ ‘ጥንተ አብሶ’ን ጐስጐስቱን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና" i was happy to read it, when i start to read the article it is not about St. Merry it is about the writers idea...teach us by telling the truth not by telling us there is a truth which is hidden.

    ReplyDelete
  2. እዚ አርእስቲ ሰፊሕን ቀጻልን ስለዝኾነ: ብትዕግስቲ ክትካታተሉና ብትሕትና ንዕድም።

    ReplyDelete
  3. እግዚኣብሄር ኣምላክ ይመስገን ንዓኹም ኣሕዋት እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም በጣዕሚ ይመስግነኩም። ኣነ ሓንቲ ክብለኩም ዝደሊ መሃሩና ኣጆኹም እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ ንቤት ክርስትያና ዝርብሹዋ ዘለዉ ብሕልፊ ኣብ ስደት ኣብ ኦይሮፓ ይኹን ኣብ ኣመሪካ ካህናትና እዮም ። ንዓይ ብዙሕ ነገር ብሰንኮም ዝጋጥመኒ ኣሎ ። እግዚኣብሄር ኣምላክ ንቤት ክርስትያና ይሓልወልና ኣብ ቅድስቲ ተዋህዶ እምነትና ከኣ የጽንዓና ኣሜን ።

    ReplyDelete
  4. እግዚኣብሄር ኣምላክ ይመስገን ንዓኹም ኣሕዋት እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም በጣዕሚ ይመስግነኩም። ኣነ ሓንቲ ክብለኩም ዝደሊ መሃሩና ኣጆኹም እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ ንቤት ክርስትያና ዝርብሹዋ ዘለዉ ብሕልፊ ኣብ ስደት ኣብ ኦይሮፓ ይኹን ኣብ ኣመሪካ ካህናትና እዮም ። ንዓይ ብዙሕ ነገር ብሰንኮም ዝጋጥመኒ ኣሎ ። እግዚኣብሄር ኣምላክ ንቤት ክርስትያና ይሓልወልና ኣብ ቅድስቲ ተዋህዶ እምነትና ከኣ የጽንዓና ኣሜን ።

    ReplyDelete
  5. እግዚኣብሄር ኣምላክ ይመስገን ንዓኹም ኣሕዋት እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም በጣዕሚ ይመስግነኩም። ኣነ ሓንቲ ክብለኩም ዝደሊ መሃሩና ኣጆኹም እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ ንቤት ክርስትያና ዝርብሹዋ ዘለዉ ብሕልፊ ኣብ ስደት ኣብ ኦይሮፓ ይኹን ኣብ ኣመሪካ ካህናትና እዮም ። ንዓይ ብዙሕ ነገር ብሰንኮም ዝጋጥመኒ ኣሎ ። እግዚኣብሄር ኣምላክ ንቤት ክርስትያና ይሓልወልና ኣብ ቅድስቲ ተዋህዶ እምነትና ከኣ የጽንዓና ኣሜን ።

    ReplyDelete
  6. እግዚኣብሄር ኣምላክ ይመስገን ንዓኹም ኣሕዋት እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም በጣዕሚ ይመስግነኩም። ኣነ ሓንቲ ክብለኩም ዝደሊ መሃሩና ኣጆኹም እግዚኣብሄር ኣምላክ በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ ንቤት ክርስትያና ዝርብሹዋ ዘለዉ ብሕልፊ ኣብ ስደት ኣብ ኦይሮፓ ይኹን ኣብ ኣመሪካ ካህናትና እዮም ። ንዓይ ብዙሕ ነገር ብሰንኮም ዝጋጥመኒ ኣሎ ። እግዚኣብሄር ኣምላክ ንቤት ክርስትያና ይሓልወልና ኣብ ቅድስቲ ተዋህዶ እምነትና ከኣ የጽንዓና ኣሜን ።

    ReplyDelete