Sunday, June 19, 2011

ቅዱስ ሚካኤል - መኑ ከም እግዚአብሔር (ካልኣይ ክፋል)

ዘመነ መሳፍንት
ድኅሪ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ነቲ ሕዝቢ መሪሑ ምድረ ርስቲ ከውርሶም ዝተተከአ ኢያሱ’ውን ተራዳኢነት ቅዱስ ሚካኤል ረኺቡ ነበረ። ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ ምስኡ ከምዝኸውን እግዚአብሔር ቃል ኣትዩሉ ስለዝነበረ፤ ንቅዱስ ሚካኤል ሰዲዱ ንሕዝቡ ይራዳእ ነበረ። ኣብ ቅድሚ መንገዶም ንዝነበሩ ጸላእቶም የጥፍኣሎምን፤ ኃይሊ ይህቦምን ኸኣ ነበረ (ኢያሱ ፭፥፲፫፤ ስንክሳር ፲፪ ኅዳር) እስራኤላውያን ንቀጽሪ ኢያሪኮ ኣብ ዘፍረሱሉ እዋን’ውን ዝተራድኦም ንሱ እዩ (ኢያ ፫፥፲፭)። ምእንቲ ኢያሱ ዝተጣበቐን ዝሓለዎን ንሱ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (ዘካ ፫፥፩)።

ሳምሶን ከምዝውለድ ንማኑሄ ዘበሰረ፤ ኵሉ እቲ እግዚአብሔር ኣብቲ ዝውለድ ሳምሶን ዝመደቦን ክኽተሎ ዘለዎ ናዝራዊ ሥርዓትን ዝነገሮምን፡ ስሙ ድማ ድንቂ ምዃኑ ከዊሉ ዝነገሮምን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (መሳ ፲፫፥፲፭)።


ዘመነ ነገሥትን ዘመነ ነቢያትን   
ኣብ ልዕሊ እስራኤልን መራሒኡ ሕዝቅያስን፡ ከምኡውን ኣምላኾም እግዚአብሔርን ዘባጨወን፡ ንእስራኤል ክድምስስ ዝመጸ ሰናክሬምን ሚእቲ ሰማንያን ኃሙሽተ ሺሕ ሠራዊቱን ዝደምሰሰ ቅዱስ ሚካኤል ነበረ (ካልኣይ ነገ ፲፱)። ካብ መፈንጠራ ጸላእቶም ንእስራኤላውያን ዘድኅኖም ዝነበረ እዚ ልዑል መልኣኽ እዩ (ዳን ፲፥፲፫-፳፩)።

ንነቢይ ዳንኤል’ውን ኣብ ፄዋዌ ባቢሎን ከሎ ዝተራድኦ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ነቢይ ዳንኤል ኣብ ጐድጓድ ኣናብስ ተደርብዩ ከሎ ስንቂ ኣትሒዙ ንዕንባቆም መሪሑ ናብ ባቢሎን ዘብጽሖ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (ተረፈ ዳን ፲፫፥፴፭-፴፰)። እስራኤላውያን ኣብ ዝበደሉሉን ዝተማረኹሉን ዝልምን ዝነበረን ዘጸናናዕ ምላሽ ካብ ኣምላኽ ዝረኸበን ምሕረት ዘውሃበን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (ዘካ ፩፥፲፪)።

ዘመነ ሓዲስ  

ብመሠረት ትውፊትን ትምህርቲ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ’ውን ኣብ ጊዜ ትንሣኤ ንመግደላዊት ማርያምን ቅዱሳን ኣንስትን ነቲ እምኒ መቃብር ጐይታ ዝገምጠለ (ማቴ ፳፰፥፪)፤ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰንሰለቱ ፈቲሑ ካብ ቤት ማሕቡስ ዘውጽኦ (ሓዋ ፲፪፥፯-፲፩)፤ ንቆርኔሌዎስ ኣብ ጸሎቱ ዝተገልጸሉን እንታይ ክገብር ዝነገሮን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (ሓዋ ፲፥፫) ።

መፈጸምታ ዓለም  

ኣብ መፈጸምታ ዓለም’ውን ነቶም ጽኑዓት ምእመናን ካብ ሓሳዊ መሲሕ ከም ዝሕልዎም ትንቢት ዝተነግረሉ ሕጂ’ውን ሊቀ መልአክ ቅዱስ ሚካኢል እዩ (ዳን ፲፪፥፩)። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጻድቃን ብየማን፡ ንኃጥኣን ድማ ብጸጋሙ ንኸቕውም ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቱ ተዓጂቡ ንፍርዲ ኣብ ዝመጸሉ፤ እቲ ቀቅድሚኡ እንሰምዖ ናይ ዳግም ምጽኣት ድምፂ መለከት ናይ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (ቀዳማይ ተሰ ፬፥፲፮)።

ብሓፈሻ ኣብ ላዕሊ ገለ ውሑዳት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቐስና እምበር ኣቦታትና ንተኣምራቱን ተራዳእነቱን ብሕይወቶምን ሕይወት ካልኦትን ካብ ዝረኣይዎ ብሰፊሑ ጽሒፎሞ ይርከብ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ ድርሳነ ሚካኤል፤ ናይ ፲፪ ኅዳርን ሰነን ስንክሳር፤ መጻሕፍተ ገድሊ፤ ድጓን ካልኦትን ብብዙኃን ኣቦታት ተጠቒሱ ይርከብ። ካብኣቶም ዝቐደሙ አበው ሊቃውንት ብዛዕባ ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ዝገለጹ ድማ ከም እኒ ኣባ እንጦንስ፡ ኣባ መቃርዮስ፡ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ኤዎስጣቴዎስ ዘአንጾኪያ፡ ቅዱስ ያሬድ፡ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፡ ክርስቶስ ሠምራ፤ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወዘተ ክጥቀሱ ይከኣል።

ክብረ በዓል


ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቅዱስ ሚካኤል ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ መልኣኽ እዩ። ብኣማላድነቱን ተራዳኢነቱን ዝእመነሉ መልኣኽ ስለዝኾነ ድማ ወርሒ መጸ ኣብ መበል ፲፪ተ መዓልቲ ብዓቢይ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ይኽበር።

በዚ ዕለት ምኽንያተ በዓሉ ወይውን ጥንተ ታሪኹ ክንርእይ ከሎና፡ ግብጻውያን ኣብ ውሽጢ ሕዝቢ ፍጹም ተወሃሃሂዱ ክምለኽ ዝነበረ ዙሓል (ሳተርን) ዝበሃል ጣዖት ነበሮም። ክሌዎፓትራ ዝተባህለት ንግሥቲ ድማ ነዚ ጣዖት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ቤተ ጣዖት ኣቝማትሉ ነበረት። ቅዱስ ማርቆስ ነዚ ጣዖት ካብ ሱር ልቢ ሕዝቢ ክምሕዎን ከትርፎን ድማ ኣይተኻእሎን ነይሩ። እቶም ብድኅሪኡ ዝመጹ ፲፯ ፓትርያርካት ድማ ብሰንኪ ተቓውሞ ኣምለኽቱ ገለ ክገብሩ ኣይተኻእሎምን ነበረ። እለ እስክንድሮስ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ፫፻፳ ዓ.ም. ግና ብጥበብ ገይሩ ምሂሩን የእሚኑን ከምዝተርፍ ገበሮ፤ ኣብ ክንድኡ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ከምዝኽበር ገበረ (ድርሳነ ሚካኤል ሰነ ፲፪)። ሥርዓተ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ናብ ሃገርና ዝተኣታተወ ብዙኅ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን እዩ ። በብወርሒ ዝግበር በዓል ግና ኣብ መበል ፲፫-፲፬ ክፍለ ዘመን ከም እተጀመረ ይንገር።


ወርሓዊ ይኸበር ደኣ እምበር ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዓበይቲ ተኣምራትን ተራዳእነትን ኣብ ዝፈጸመሎም ኣዋርሕ ብዝያዳ ብስሙ ኣብ ዝተሰየማ ኣብያተ ክርስቲያን ደሚቑ ይበዓል። ካብዚኣቶም ኣዋርሕ ብፍላይ ድማ ወርሒ ሕዳር፡ ሰነ፡ ጥቅምቲ፡ ክጥቀሱ ይከኣል። እዚ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል ብተራዳእነቱን ኣማላድነቱን ንዝፈጸሞም ዓበይቲ ግብርታት ዘዘካኽር እዩ። ንሕና’ውን ነዚ ተራድኦ ብምእማን እግዚአብሔር ብቅዱሳን መላእኽቲ ኣቢሉ ንዝህቦ ጸጋ ንምቕባል በዓሎም ነኽብር።

ኣቦታትናን ኣዴታትን ድማ በዓል ቅዱስ ሚካኤል እናብዓሉ እዚ ዘይበሃል በረኸት በብዘመኖም ረኺቦም እዮም። ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረትን ብሰማእትነት ዝሓለፈትን ኣፎምያ ሓንቲ ካብኣተን እያ። በዓሉ ብምኽባር ጽቡቕ ግብሪ ዝነበሮም ስድራ ባሕራን’ውን ምስኣታቶም ዝጽብጽቡ እዮም። ኣፎምያ ካብ መፈንጠራ ዲያብሎስ ከተምልጥ ዝኸኣለት፤ ባሕራን’ውን ካብ ስጥመተ ባሕር ክድኅንን ነቲ ናይ ሞቱ ደብዳበ ናብ ሹመትን ልዕልናን ክቕየር ዝኸኣለ ብቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ብዙኅ ኣዝዩ ብዙኅ ክበሃል ምተኻእለ! ብሓጺሩ ግና ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ልዑል ጸጋን ክብርን፡ ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞምን ዓበይቲ ተኣምራትን ተራዳእነትን ብዙኅ ስለዝኾነ በዓሉ ክኸበር ግብእ ምዃኑ ዝስሕት ሰብ ክህሉ ኣይግባእን። ማኑሄ’ውን ንቅዱስ ሚካኤል “እቲ ቃልካ ምስ ተፈጸመ። ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ዝሓተቶ ንሕና’ውን ነቲ ኵሉ ዝፈጸሞ ነገራት ኣስተውዒልና ከነኽብሮ ይግባእና። ነዚ ኵሉ መሠረት ብምግባር ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብተን ብኣዋጅ ወርሓዊ ክበዓሉ ኢላ ካብ ዝሰርዓቶም በዓላት እቲ ሓደ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል እዩ። (ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ)

ብሓፈሻ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ፍጹም ኣገልጋሊ ስለዝኾነ ብእግዚአብሔር ንዝኣምኑ ኵሎም ምሕረት ዝለምንን፡ ሰአሌ ምሕረት ብምዃኑ ብግቡእ ከነኽብሮ ይግብኣና።

ሎሚ ንሕናን እምነትና ከ
ሎሚ’ውን ቅዱስ ሚካኤል ንዝኣምንዎን ዘኽብርዎን ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ክራዳእ ይነብር ኣሎ። ትማሊ ንቅዱሳን ከምዝተራድኦምን ከምዝመስከሩሉን፡ ሎሚ’ውን ዝዛረበሉ ስኢኑ እምበር ተኣምራቱን ተራዳእነቱን ኣይተቋረጸን። እዚ ንሕና ዘሎናዮ ወለዶ ብዘየገድስ፡ እቲ ቃል እሙን እዩ እሞ ቅዱሳን ሰባት ኣግሂዶም ንቅዱሳን መላእኽቲ ስለቲ እተዋህቦም ቃል ኪዳን ንምዝራብ ድኅር ኣይበሉን። “መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር፤ የናግፎም ከኣ” (መዝ ፴፫፥፯) ኸኣ በሉ። ምኽንያቱ ንሳቶም ተረዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ዝፈልጡ ስለዝኾኑ ሓቀኛ ምስክርነቶም እዮም ሂቦም። “ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ መስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።” (ዳን ፲፥፳፩) “እንሆ ኸኣ፡ ሚካኤል፡ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡ ንምሕጋዘይ መጸ፡” (ዳን ፲፥፲፫)

ትማሊ ንናይ እግዚአብሔር ሕዝቢ ባሕሪ ከፊሉ ከምዘሳገሮም፤ ሎሚ’ውን ብእግዚአብሔር ንዝኣምኑ ወገናት ካብ ዝተፈላለየ መከራን ፈተናን የናግፎም። ነቲ ዝኸቦምን መሕለፊ ዝስእኑሉ ኣብ ሕይወቶም ዘጓንፎም መከራ ኵሉ ንሱ መንገዱ ከርእዮምን ክመርሖምን እዩ። ነቶም ዘኽብርዎን ዝዝክርዎን ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ከሳሲኦምን ሰይጣን ከም ጠበቓ ይቖመሎም። ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ድልየቶም ይራድኦምን ካብ ሓዘን የጸናንዖምን እዩ፤ ነቶም ድኹማት ይራድኣና፤ ብኣማላድነቱ ደው ይብለልና፤ ኣብ ጊዜ ጸገምና ድማ ብክንፈ ረድኤቱ ይጋርደልና። ንኢያሱ ዝተራደአ መልኣኽ ሎሚ’ውን ንሰባት’ውን ካብ ምርዳእ ኣይተጋደፈን።

ግና ኸ እምነትና ከመይ ኣላ
ሰባት ብዘይፍላጥ ስም ቅዱስ ሚካኤልን ከነልዕል ከሎና ንምንታይ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ግና ነቲ ስም እግዚአብሔር ዝጾረ ልኡል መልኣኽ ክንጽውዕ ከሎና ናይ እግዚአብሔር ኃይሊ ቅዱስነት ልዑልነት ንምስክር ከምዘሎና ዘይርድኦም ኣይሰኣኑንን እዮም። ሚካኤል ማለት መን ከም እግዚአብሔር ማለት ምዃኑ ይፈልጥዎ ዶ “ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ፡ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ። ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተመርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሓድግን እዩ።” (ዘጸ ፳፫፥፳፩) ስም መላእኽቲ ብኸንቱ እናቃለልካ ምልዓል እዩ በደል እምበር ብተኣምኖ ዝግበር ኣኽብሮትን ልማኖን ደኣ ክንደይ ዓቢይ በረኸት ዘለዎ እዩ።

ጐይታ’ውን ዝበሎ እስኪ ነስተውዕል። “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።” (ማቴ ፲፰፥፲) ወለድና ኣብ ዝቐደመ እምነቶም ጽኑዓት ብምዃኖም በረኸት ይረኽቡ ነይሮም። እዚ ወለዶ ግና ብብዙኅ ኑፋቄያዊ ንፋስ ዝተናወጸ ስለዝኾነ ብብዙኅ መገዲ ዋላ ኣብ ‘ሃይማኖት’ ኣሎኹ ይበል እምበር ብእምነቱስ ግብራዊ ሕጸጽ ዘይሰኣኖ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ተራዳእነት ቅዱሳን መላእኽቲ ክሓትትን ክረክብን ዘይረአ። ብዓል ነቢይ ዳንኤል ዝኣመሰሉ ኣቦታት፡ ክንደይ ዝኣክል ክሳብ ፍጻመ ዓለም ዝዝርጋሕ ድንቂ ራእይን፡ ምድራዊን ሰማያዊን ምሥጢራት ዝረኣዩን ዝፈትሑን ዝተነበዩን ኣብ ሞንጎ ፈጣርን ፍጡርን፤ ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን መልኣኽን ዘሎ ፍልልይ ጠፊእዎም ኣይኮነን “ብዘይካ ሚካኤል ሓደ እኳ ዝሕግዘኒ የልቦን” ዝበሉ፤ እንታይ ደኣ ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ኣጸቢቑ ዝረኣየን ዝኣመነን ብምዃኑ እምበር።

ኢያሱ፡ እግዚአብሔር ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ ምስኡ ብፀጋ ከምዘሎ ዝፈለጠን፤ ፍግም ኢሉ ዝሰገደን ቅዱስ ሚካኤል ሓለቓ ሠራዊት እግዚአብሔር ተላኢኹ ብምምጽኡ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ከምዝዕወት ምስ ኣረጋገጸ እዩ። ቅዱሳን መላእኽቲ ምስኡ ዝኾንዎ ሕዝቢ መንፈሳዊ ኃይሊ ኣለዎ፤ ኣይኮነን ግና መላገጺ ክፉኣት መናፍስቲ ከምዝኸውን ዘይስሓት ሓቂ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ድርሳኑ ኣብ ዝንበበሉ፤ ተኣምራቱ ኣብ ዝንገረሉን ስሙ ኣብ ዝጽውዓሉን ክፉኣት መናፍስቲ ዝንቅጥቐጡን ዘዐግርግሩን። ንሥጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ዝተኸራኸረን ዝገሰፀን ቅዱስ ሚካኤል ሎሚ’ውን ንዝእመንዎ ብሥጋን ብነፍስ ምስቲ ኣብ ዙርያኦም ኮይኖ ክውሕጦም ንዝጓዝምዎ ኣናብስት ይግስጸሎም እዩ። ብዘይ እምነት ግና ክግበር ዝከኣል ነገር ከምዘይልቦ ግና ነስተውዕል።

ኣብ ዕለተ ፲፪ ሰነ ብፍሉይ ካብ እንዝክሮም ድማ ንባሕራን ዝገበረሉ ረድኤት እዩ፡ እሞ ንዓናውን ኣብ ኵሉ ጸገምና ይራድኣና። ካብ ዝተሓስበ ይኹን ዘይተሓስበ መከራ የናግፈና።

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምሳና ጸኒዑ ይንበር።

1 comment: