Saturday, June 25, 2011

ገዳም ደብረ ሲናን ታሪኻን (ካልኣይ ክፋል)

ኣተሓናንፃ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሲና 
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም ምስ ተወልደ፤ ሄሮድስ ንጉሥ፡ ጐይታ ከምዝተወልደ ብዝተረድአ ጊዜ ከይወሰደ ከጥፍኦ ከምዝተበገሰን ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝኾኖም ኣእላፍ ሕፃናት (፻፵፬ ሽሕ) ድማ ከምዘቕተለን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተመዝገበ ታሪኽ እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንፍቁር ወዳ ሒዛ ምስ ጻድቅ ዮሴፍን ሰሎሜን ስንቂ ኣብ ኣድጊ ኣጽዒና ንስደት ናብ ግብጺ ተበገሰት (ማቴ ፪፥፩)። ብግብጺ ኣቢላ’ውን ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ስደት ናብ ሃገርና ከምዝኣተወትን ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ከምዘዕረፈት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና የረድእ። 

ኣብዚ ገዳም ምስ በጽሑ፡ እዛ ሕጂ ቤት መቅደስ ኮይና ዘላ ዓባይ ከባብ ደንጐላ፡ ጐይታ ብኢዱ ምስ ዳኅሠሣ፡ ኣፍደገን መስኮትን ወጺኡላ ኣብኣ ኵሎም ተቐመጡ። ንኣርባዕተ ወርሒ ድማ ጸንሑ። ከምታ ኣብ ፊልጵስዩስ ዝተሓንፀት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ፳ ሰነ ምስ ሓነፃ ፳፩ ሰነ ባዕሉ ቀዲሱላ እዩ። ንኽትርእያ ተደንቕ ክልተ ኣፍደገ ዘለዋ መሠረት ኣልቦ ከም ደብተራ ሙሴ ዝተተኽለት እያ። 

እዚኣ ብፍሉይ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሓንፀት፤ ብዘይ ገለ ደገፍ ካብ መሬት ቍሩብ ልዕል ብምባል ጠልጠል ኢላ ዝነበረት መቅደስ ብፍሉይ ኣቓውምኣ እተደንቕ ትኹን እምበር ኣብዚ ገዳም እዚ ብዙኅ ተኣምራት ዝተፈጸመሎን ዝፍጸመሎምን ፍሉያትን ኣደነቕትን ካልኦት በዓትታትን ኣካውሕን ኣለዉ። ብፍሉይ ግና እዚኣ ናይ በዓቲ ቤተ መቅደስ ኣብ ኣፍ ደጊኣ ክልተ እግሪ ከም ዘይብሉ መንበር እያ እትመስል፤ ብምስትውዓል ንዝርእያ መሬት ዝተንከፈት ኣይትመስልን። እዚ ዘድንቕ ኣቓውማ ዓቢ ደንጐላዊ ቤተ መቕደስ ብዘይ ገለ ደገፍ ንኣሽሓት ዓመታት ድኅሪ ምጽንሑ፤ ብብዙኃን ናዕዳ ዘይረኸበ ናይ ደገፍ መንደቕ ብ፲፱፶፩ ዓ.ም. ከምዝተገብረሉ ይፍለጥ። ሓቂ እዩ ቅድም ናይ ዝናም ማይ ናብቲ በዓቲ እናኣተወ የሸግሮም ከምዝነበረ ዝተፈለጠ እዩ። 

ቅርጺ እቲ በዓቲ ከም ብሩርን ከም ወርቅን ብልጭልጭ ዚብል ዝመስል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣፍ ደጊኡ ሓጺርን ጸቢብ ኮይኑ ናብ ሓደ በዓቲ ዝወስድ እዩ ዝመስል። ውሽጢ እቲ በዓቲ ግና ንመቕደስን ቅድስትን ዝኣክል እዩ። 

ክብረ በዓልን ቃል ኪዳንን 
ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ዝኸበር ኮይኑ ንሳቶም ኸኣ ፳፩ ግንቦት ደብረ ምጥማቅን ፳፩ ሰነ ሕንፀተ ቤታ ተባሂሎም ይኽበሩ። ምኽንያት በዓል ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኮይኑ እቲ መሠረት ግና ነዚ ገዳም እዚ ሥርዓተ ጳኵሚስ (ሥርዓተ መነኮሳት) ዝሠርዐ አባ ዮሐኒ ኣብዘን ዝተጠቕሳ መዓልትታት ኣብ ውሽጢ እዛ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሓንፀት ቤተ መቅደስ ቆይሙ ክጽሊ ከሎ እግዝእትነ ማርያም ብራእይ ስለዝተገልጸትሉን ንክልቲኡ ክብረ በዓላት ኬኽብር ቃል ኪዳን ስለዝተቐበለን እዩ። 

ኣብ ፳፩ ግንቦት ዝኽበር ደብረ ምጥማቅ ትርጉሙን ኣጀማምርኡን ኣብቲ ዝሓለፈ ጽሑፍና ጠቒስናዮ ምንባርና ዝዝከር እዩ። ፳፩ ሰነ ሕንፀተ ቤታ ዝበዓል’ውን ሰፊሕን ምስ ሓዋርያትን ቀዳማይቲ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያንን ዝተኣሳሰር ጥንታዊ መሠረት ዘለዎ እዩ። 

ከምቲ ዝፍለጥ ኣምሳለ ኢዮሩሳሌም ሰማያዊት ዝኾነት ኣማናዊት ቤተ ክርስቲያንና ጐይታ ብክቡር ደሙ ዝመሥረታ ስብሐተ እግዚአብሔር ዝበጽሕላ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን እንቕበለላ ምስ ቅዱሳን መላእክት እንዝምረላ ቅድስት መካን እያ። ጐይታ ኮነ ሓዋርያት ኣብታ ብዘመነ ብሉይ ብፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ ዝተሓንጸት ቤተ መቅደስ እናተረኽቡ ትምህርት ይህቡን ተኣምራትን ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድኅሪ ምቕባሎም ዕንጨይቲ ኣውዲቖም ሃገረ ስብከት ተኸፋፊሎም ነቲ ጐይታ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ክፍጽሙ ኣብ ኵሉ ማእዘናት ዓለም ተበቲኖም ነይሮም። በዚ መሠረት ኸኣ ኣብ ሞንጎ ኣሕዛብን መምላክያነ ጣኦት ኣብ ዝተረኽቡሉን፡ ነቶም ኣሕዛብ’ውን ናብ እምነት ክርስትና ድኅሪ ምምላሶምን ቤተ ጣኦቶም ምግዳፎምን፡ እቶም ኣመንቲ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ቦታ ክፈልዩሎም ንሓዋርያት ተላበውዎም። በዚ መሠረት ኸኣ ሓዋርያት ብጸሎት ናብ እግዚአብሔር ኣመልኪቶም እታ ቀዳመይቲ ኣብ ዘመን ሓዋርያት ዝተሓንፀት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊልጵስዩስ ተተኽለት። 

ብዛዕባ ኣተሓናንፅኣ ብዝምልከት ከኣ ጐይታ ባዕሉ ነቶም ብሱባኤ ዝሓተትዎ ሓዋርያት ብ፫ ኣእማን ገይሩ ቁመቱ ፳፬ እመት ጐድኑ ድማ ፲፪ እመት ዓቂኑ ሃቦም። እዚ ድማ ናይቶም ፳፬ ነቢያት ሓደውን ፳፬ ካህናተ ሰማይን ፲፪ ሓዋርያትን ምሳሌ እዩ። ምስራሕ ምስ ጀመሩ ብጥበብ እግዚአብሔር ኵሉ ተፈጸመሎም። እዚ ዝኾነሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ዓረገት ድኅሪ ፬ ዓመት ብዕለተ ፳ ሰነ እዩ። እዚኣ ዕለት ድማ ሕንፀተ ቤታ ተባሂላ ትኽበር። 

ድኅሪ ሕንፀተ ቤታ ድማ ጐይታ ሰማያዊ ኅብስትን ጽዋዕን ገይሩ ንኣዴና ታቦት ንሓዋርያት ልዑካን ገይሩ ባዕሉ ቀዲሱ ኣቐበሎም። “እምይእዜሰ አንትሙኒ ከመዝ ግበሩ” (ከምኡ ክገብሩ ድማ ኣዘዞም)። ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታና ባዕሉ ዝቐደሰላ ዕለት ብምዃና በብዓመቱ ቅዳሴ ቤታ እናበልና ብፍሉይ ከነኽብራ ንርከብ ኣሎና። (መቅድመ ታሪኽ መጽሐፈ ቅዳሴ) 

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ኣብቲ ዳኅራዋይ ዘመን ብስማ ቤተ ክርስቲያን ከምዝትከልን ካብዚ ገዳም ደቃ ዝኾኑ ቅዱሳን ከምዝወጹን፡ ኣብኣ ነጊዱ ስማ ዝጸወዐ ዝኽራ ዝገበረን ብስማ ኣብኣ ዝጸለየን ጸሎቱ ክስማዕ እዩ፤ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዝነገደ ናብ ጌተ ሰማኔ መቃብረይ ከምዝነገደ ክቖጽረሉ እየ ኢላ ዝሃበቶ ቃል ኪዳን ኣለዋ። ስለዚ ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ብብዝኂ ክነግድን ካብቲ በረኸታ ክሳተፍን ዓመት መጸ ይርከብ ኣሎ። ብሓቂ ድማ ገለ ውሑድ ብልምዲ ዝኸይድ እንተዘይኮይኑ፡ ብዝበዘኀ እቲ ነጋዳይ ኣብ ልቡ ዝዓቖሮ እሞ ንዓዓ ክነግራ እሞ ከተማልዶን ነዚኣ መዓልቲ ዘይጸበይን ሽግሩ ድማ ዘርዚሩ ዘይልምና የልቦን። ሰማዒ ኣደ ስለዝኾነት ድማ ኵሉ ከከም ጸገሙ ዝፍትሓሉ ስለዝኾነ፡ እቲ ነጋዳይ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎ ፍቕርን እምነት ኣዝዩ ልዑል እዩ። ገሊኡ ድማ ብፍላይ እቲ እዋን ሕንፀተ/ቅዳሴ ቤታ በዓተ ክረምት ስለዝኾነ ጥሉል ክራማት ኣምላኽ ክገብረልናን ዝዝረኣናዮ ክፈረየልና ኢሉ ዘይልምና ክፋል ኅብረተሰብ የልቦን እሞ ኣብ መዓልታ ወይ ብድሮ ዝጅመር ማይ ድንቒ ኮይኑ ይርከብ። 

ፍሉያት ተዘክሮ ንግደት 
ብሓቂ ድማ ካብ ኣርባዕቱ ማእዘናት ውሽጢ ሃገር ይኹን ካብ ካልእ ሃገራት ዓለም ነዚ በዓል ንምኽባርን በረኸታ ንምስታፍን ናብዚ ገዳም ዝመጽእ ሕዝቢ ቍጽሩ ክንዲ’ዚ ይኸውን ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ፤ እምብዛ ብዙኅ እዩ። 

ዓቐብን ቍልቁልን ክድይብን ክወርድን ጉልበት ዘለዎ ነጋዳይ ገዲፍና፤ ልዕሊ ፍርቂ ሚዛነን ዝኸውን ጽዕነት ኣብ ሕቝዐን ተሸኪመንን ብሓደ ኢደን ምርኵስ በቲ ካልእ ድማ ዘናቢላት ሒዘን ሰለይ እናበላን ኣዝዩ ንልቢ ዝመስጥ ቍም ነገር ዘለዎ ልማኖ እናዘመራ ዝነግዳ ኣሽሓት ኣዴታት መለልዪ ንግደት ደብረ ሲና እዩ። ኣብቲ ገዳም’ውን ምስተኣተወ ብኣዝዩ ዝተፈላለየ መዝሙርን ውዳሴን ከየዕረፋ ለይቲ ምሉእ ክሳብ እቲ ክብረ በዓል ተወዲኡ ሠርሖተ ሕዝቢ ዝኸውን ዘቕርብኦ ምህለላን መዝሙርን ብርእሱ ተኣምር ተባሂሉ ክጥቐስ ዝግብኦ እዩ። 

ካልእ ድማ ከምቶም ኣብ ዝቐደሙ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታትን ኣዴታትን፤ ኣብዚ ዘመን እዚ ክስዓብ ዝረአ ዘሎ ሓደ ሥርዓተ ንግደት ኣሎ። እዚ ኸኣ ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ብዝቐለለ ኣካይዳ ማለት ብኣውቶብስን ካልእን ኣብ ክንዲ ምኻድ፡ ሠለስተ - ኣርባዕተ መዓልቲ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳብ ሰሙን (ልዕሊኡውን) ኣቐዲሞም ካብ በብዘለዉዎ ከባቢታት ሃገር ብእግሮም ዓድታት ቖሪጾም ነመዓልታት ተጓዒዞም ኣብቲ ገዳም ዝበጽሑ መንእሰያት ምርኣይ እናተለምደ ዝመጸ ይመስል። ገሊኦም’ውን ኣቐዲሞም ኣትዮም ነቲ ገዳም ክተሓጋገዙ ምርኣይ ኣዝዩ ባህ ዘብል ነገር እዩ፤ እምበኣር ወረስቲ ኣቦታቶም ተረኺቦም ዘብል እዩ። 

እቲ ብሩኽ ሕዝብና’ውን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ዓድታት እናሓደሩ መገዶም ንዝቕጽሉ ነገድቲ ዝገብሮ ኣቐባብላ ጋሻ፡ ፍሉይን ኣኽብሮት ዝተመልኦን ስለዝኾነ በረኸት ኣዴና ኣብዚ ዘመን’ውን ከምዘይተፈልየ ዘመሳኽር እዩ። እዚ ወለዶ እቲ ቅዱስ ተግባር ዝቐደሙ ወለዶታት ክሰምዖ ጥራይ ዘይኮነስ ክርእዮን ክወርሶን ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕጉስ ነገር እዩ። ዜና ደብረ ሲና ከምዝገልጾ’ውን ኣዴና መጀመርያ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደደትሉን ዝቐነየትሉን ስንቂ ተወዲኡዎም ብጥምየትን ጽምኢ ማይን ከምዝተሳቐዩ እዩ ዝነግር።ይኹን እምበር ብኸምዚ ጸበባ ድኅሪ ምጽንሓ፡ ወዳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኹን ዝተኃረዩን ሕዝቢ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ብወገን ደቡብ ከም ዝርከቡ ንወላዲቱ ድንግል ማርያም ኣመልከታ፤ ብዘመልከታ መሠረት ድማ ናብ ሃገረ ኤርትራ መጺኣ ደብረ ሲና በጽሐት ይብል። ስለዚ እዚ ባህሊ ክሳብ ሕጂ ተዓቂቡን ጸኒዑን ምህላዉ ደስ ዘብል እዩ። 

ገዳም ደብረ ሲና ንብዙኃት ሕሙማት ዝፍውስ ጸበል ዘለዋ እያ። ዝተማኅፀናን ዝለመናን ድማ ቐልጢፋ ትሰምዖ። 

ኣጋንእ ወለንሳ ገለ ብኣባ ዮሓኒ ዝተወቕሩ፡ ገለ ድማ ብተፈጥሮ ብኣምላኽ ዝተዳለዉ ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረ ሲና ዝርከቡ እዮም። ኣብቲ ወለንሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብታሕቲ በዓቲ ብላዕሊ ሰጣሕ ዝኾነ ዓቢይ ደንጎላ በዓቲ ስለ ዘለዋ ኣብ ጊዜ ክብረ በዓል ስዋ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣጋንእ ተዳልዩ ንሕዝቢ ዝቐርበሉ እዩ። ብፍላይ ኸኣ እተን ውላድ ዝሰኣና ብመብጸዓ ዝመጻ ኣብቲ ወለንሳ ደይበን “በዓልቲ ወለንሳ ኃዳጊት ኣበሳ፤ በዓቲ ክፉእ ዘይትዝቲ” እናበላ ብባህላዊ ዜማ ዘምስግናሉ እዩ። 

ክእረም ዝግብኦ 
ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብዚ ገዳም ምስቲ ቅድስና ናይዚ ቦታ ዘይኸይድን ዘይሳነን፡ ካብ መንፈሳዊ ዕላማውን ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት ብገለ “ነጋድያን”ን “ነጋዶ”ን ይረአ። ኵሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ እዝን እትን ክንብል እኳ እንተዘይፈቶና እቲ ኣብኡ ዝፍጸም ኣዝዩ ንቤተ ክርስቲያንና ዘንቅፍ ነገራት ግና ብዝተማእከለ ኣገባብ ብዝቐልጠፈ ክእረም ዘለዎ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን፤ ነቶም ብዘይፍላጥ ዝፍጽምዎ ድማ ኣስተምህሮ ምሃቡ ጽቡቕን ዝግባእን እዩ። 


ካልእ ምስቲ ብዝኂ ነጋዳይ ዝኸይድ ናይ መዕረፍን ምእኩል ኣቐባብላን ስለዘየልቦ ኣብኡ ዝረአ ስስዐ ዝመንቀሊኡ ጌጋታት’ውን ዝእረመሉ መገዲ ክናደ ዘለዎ እዩ። ንኣተሓሕዝኡ ዝምልከት’ውን ካብቶም ካልኦት ገዳማትና ተሞክሮ ምውሳድ ዝከኣል እዩ። ዓመት መጸ እቲ ነጋዳይ ሕዝቢ እናወሰኸ ምኻዱ ስለዘይተርፎ ድማ ሓደ ሱር በተኻዊ መፍትሒ በቲ ገዳምን ዝምልከቶ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እንተዝውሰድ ሰናይ ኮይኑ ይስምዓና። 

ምስቲ ኣብቲ ቅዱስ ኦርቶዶክሳዊ መካን፤ ምስ እምነትና ዘይከዱ እሞ ብኣንጻርነት ዝርከቡ ሰዓብቲ ካልኦት እምነታት ብፍላይ ካቶሊካውያን ነቲ ኣጋጣሚ ክምዝምዙ ዝጥቀሙሉ ሜላ ብኣግኡ ክሕሰበሉ ዝግባእ ነገር እዩ። ኣብ ዘይምልከቶም ታሪኽን ቅዱስ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ዝገለጸሉ ስፍራ ተረኺቦም ዝገብርዎ ጐስጓሳትን ካልእ ናይ ምምስሳል ተግባራትን ከምኡውን ሕጂ ክንገልጾ ጊዜኡ ዘይኮነ ካልእ ዕላማታትን ዝምልከቶ ኣካል እንተዝነቕሓሉን መአረምታ እንተዝወስደሉን ዝሓሸ ኮይኑ ይስምዓና። ዝተፈላለዩ “እምነታት” ነናቶም እምነትን ሥርዓትን ኣብ ውሽጦም ክገብርዎን፡ ኣብ ካልእ’ውን ኢዶም ከየእተዉ ክነባበሩ እዮም ዝግብኦም እምበር ኣብ “ዘይመንጠቢቶም ኢዶም ዝምልሱ” እንተኾይኖም ዘረግቲ ሰላም ምዃኖም ዘይተርፍ ስለዝኾነ ክሕሰበሉ ይግባእ። ቤተ ክርስቲያን ከም ይሁዳ እናሰዓማን፡ ሓደ ኢና እናበለ ዝኸተራን ዝቐትላን ዘድልያ ኣይኮነትን። ከምዚ ዓይነት ግብሪ ንሕዝቢ ይኹን ንሃገር ዝጠቅም ኣይኮነን። 

ካልእ’ውን ብገለ ወገናት ብስም ‘ባህሊ’ ዝግበሩ ነገራት ምስቲ ሓዋርያዊን ጥንታዊን ትምህርትን ሥርዓትን ሃይማኖትና ዝኸይድ ስለዘይኮነ በቲ ቅኑዕ ኣከባብራ በዓል ዝልወጠሉ ኣገባብ ክፍጠር ዘለዎ ነገር እዩ። 

ኣብ መወዳእታ ክንብል እንደሊ ኸኣ ገዳም ደብረ ሲና ናይ ቀደም ስሙን ሓዋርያዊ ተግባሩን ዓቂቡ፤ ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃብቲ ጥራይ ዘይኮነስ ታሪኻዊን ሃገራዊ ክብረትን ዝሓዘለ ብምዃኑ ንዕብየቱ ኵሉ ዝምልከቶ ክዋስኣሉ ዝግባእ እዩ። 

በረኸትን ረድኤትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ጸኒዑ ይንበር።

No comments:

Post a Comment