Tuesday, March 6, 2012

ቅዱስ አባ ገብረ ክርስቶስ ዘሊባን ወገሪቆ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ጽኑዕ እምነቶም፡ መንነቶም ክሳዕ ዝሥወር ዝገበረ ናይ እምነት ሓርበኛ እዮም። “ዘይፍለጥ ክኸውን እየ ዝፈቱ፥ ከምዝኾነ ታራ ሰብ ክቝጸር ከኣ እደሊ” ዝብሉ ዝነበሩ አባ ገብረ ክርስቶስ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዓሠርተው ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ብ ፲፰፻፺፰(1898) ዓ.ም. ኣብ ኤርትራ ኣብ ሊባን ወገሪቆ ተወልዱ። አባ ገብረ ክርስቶስ ስም ወላዲኦም ናይዝጊ ብሂል ጻድቅ፤ ስም ወላዲቶም ድማ ምልእቱ ከም ዝብሃል ካብ ብሕይወት ዘለዉ ቤተ ሰቦም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። 

እዞም ብንእሽቶኦም ልሳኖም ብትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኸፈቱ ኣቦ፤ ጊዜ ቍልዕነቶም ኣብ መጓሰን ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሃርን እዮም ኣኅሊፎምዎ። ኣበይ ዲቁና ወሲዶም፧ መን ነይሩ መምህሮም፧ እኳ ክንፈልጦ እንተዘይከኣልና፡ ፍቕሪ እግዚአብሔር ብንእሽቶኦም ቀለም ኮይኑ ኣብ ልቦም ስለ ዝተጻሕፈ፡ ንዝያዳ መንፈሳዊ ትምህርትን መንፈሳዊ ሕይወት ንምዕባይን ምስ ሥድራን መቕርብን ስለዘይከኣል፡ ናብ ገዳም ፃዕዳ እምባ እንዳ ሥላሴ ብምኻድ መንፈሳዊ ትምህርቶም እናቐጸሉ፡ ብርድእና የገልግሉ ምንባሮም ይፍለጥ። ተወሳኺ ካልእ ምንጪ ከም ዝሕብሮ ናብ ደብረ ዳሞ (ኢትዮጵያ) ብምኻድ ዜማን ቅኔን ከም ዝተማህሩ ይሕብር። አባ ገብረ ክርስቶስ ነጋዲ (በጻሒ) ቅዱሳት መካናትን ገዳማትን ብምንባሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ኣብ ቀላይ ጣና ንዝርከባ ገዳማት ከምኡውን ኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ በጺሖም ምንባሮም ይንገር። 

አባ ገብረ ክርስቶስ ዋላ’ኳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ገዳማት ይመሃሩ፡ ምንኵስናኦም ግና ኣብ ፃዕዳ እምባ እንዳ ሥላሴ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ፃዕዳ እምባ እንዳ ሥላሴ ኣቐድም ኣቢሎም ዝነበሩ ብዕድመ ነዊኅ እዋን ዝገበሩ ኣረጋውያን አባ ገብረ ኤዎስጣቴዎስ ተባሂሎም ይጽውዑ ከም ዝነበሩ ይሕብሩ። አባ ገብረክርስቶስ፡ ኣብ’ቲ ገዳም ከለዉ፡ ኣዲኦም ምልእቱ ኣብኡ ምህላዎም ስለዝተሓበራ፡ ክበጽሓኦም ኣብ ዝኸዳሉ እዋን፡ “ፈላሲ ካብ በዓቱ፤ ዓሣ ካብ ባሕሩ ኣይወፅእን እዩ” ብምባል፡ ገጽ ወላዲቶም ንኸይርእዩ ብትሪ ተቓወሙ። ኣዲኦም ምልእቱውን ንፍቓዶም ብምቕባል፡ “ደኃን፤ መንግሥተ ሰማያት ቤትና’ዩ፥ ኣብኡ ክንራኸብ ኢና” ብምባል ልቢ ማኅበር ዘረስርስ ቃል ሂበን ንዓደን ተመልሳ። 

ምኻድ ናብ ግብጺ 

ኣብ ገዳም ፃዕዳ እምባ ኬድና ዝረኸብናዮ ኣፈ ታሪኻዊ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ፡ አበ ምኔት ናይ’ቲ ገዳም ዝነበሩ አባ ግርማጽዮን (ደኃር አቡነ አትናቴዎስ) ንአባ ገብረ ክርስቶስ ኣብ ጾመ ፍልሰታ ንዕዮ ማኅበር ክልኣኹ ሓበርዎም። አባ ገብረ ክርስቶስ ድማ፡ “ሕጂ ጾመ ፍልሰታ’ዩ፥ ውሥጢ ገዳም ኣትየ ሱባኤ ዘካይደሉ እምበር። ሥራሕ ግዳም ዝሠርሓሉ ጊዜ ኣይኮነን” ብምባል ዓቢይ ፍቕሪ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ዝነበሮም ንአባ ግርማጽዮን ኣርኣይዎም። “ኣይፋልካን፤ ከም ቀደምካ ብጥብኣት ትራድኣሉ ጊዜ’ዩ” ኢሎም ምስ ኣጽንዑሎም ግና፡ ብዘይፍቓድ አበ ምኔት ናብ ገዳም ኣትዮም ክልተ ሰሙን ምሉእ (ምሉእ ጾመ ፍልሰታ) ብዘይመቝነን በዓቶም ከምዝዓፀዉ ይንገር። ጾመ ፍልሰታ ወዲኦም ናብ አበ ምኔት ብምኻድ፡ “ንስኻ ብሥራሕካ፤ ኣነ ብግብረይ ኣብ’ዚ ኣይንቕበርን ኢና” ብምባል፡ ንጊዚኡ ታራ ዝመስል፤ ደኃር ትንቢት ኮይኑ ዝተነጸረ ቃል ብምዝራብ ናብ ግብጺ ኣምርሑ። 

አባ ግርማጽዮን መዓርግ ጵጵስና ተሸይሞም ካብ’ቲ ገዳም ብሥራሕ ወፂኦም ኣብ ካልእ ከባቢ ክቕበሩ ከለዉ፡ አባ ገብረክርስቶስ ድማ ካብ ገዳም ፃዕዳ እምባ ነቒሎም፤ ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ገዳም ኣልበራሙስ ግብጺ ኣተዉ። ናብ ገዳም ኣልበራሙስ ዝኣተውሉ ጊዜ ድኅሪ ናይቲ ሽዱሽተ መዓልቲ ውግእ እስራኤልን ግብጽን ብምንባሩ፡ ነቲ ዶባት ብኸመይ ሰጊሮምዎ ነቶም ገዳማውያን ዘደንጸወ ፍጻሜ’ዩ ነይሩ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ድማ፡ እቶም ግብጻውያን መነኮሳት “ነጊድኩም ትምለሱ እንተዄንኩም ጽቡቕ፥ ኣብ’ዚ ግና ክንቅበለኩም ኣይንኽእልን ኢና” ምስበልዎም፡ “እዚ ደብሪ እዚ። “ኡመኑር” (ናይ ኣደይ እዩ)፥ ክነግድ ጥራይ ዘይኮንኩ ከኣ ክቕመጥውን ይግብኣኒ እዩ” ብምባል፡ ምስ ድንግል ማርያም ጽኑዕ ፍቕሪ ከም ዘለዎም ኣመስከሩ። ብድኅሪዚስ እቶም ገዳማውያንውን ኣይቀጸሉን፥ ክነብሩ ፈቐዱሎም። ስሞም ድማ አባ ዓብደል መሲሕ (ትርጕሙ አባ ገብረክርስቶስ) ብምባል ክጽውዕዎም ጀመሩ። 

አባ ገብረክርስቶስ ናይ ምንኵስና ሕይወት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ብሕትውና ሕይወት'ውን ስለዝነበሮም፡ እቶም ገዳማውያን ብማኅበር ምስኣቶም ኪኾኑ፡ “መነኮስ፡ መጓይይቱ ንሳቶም ስለዝኾኑ፡ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ መነኮሳት ክነብር ኣለዎ። ብዘይ መጓይይቲ ናይ ጕያ ውድድር ኣይግበርን’ዩ” ክብሉ ነገርዎም። ንሶም ግና፡ “ጒያይ ናብ ክርስቶስ’ዩ፤ መግበይ ክርስቶስ’ዩ” ብምባል ጽኑዕ ተባሕትዎ ንምፍጻም ካብ’ቲ ገዳም ኣርባዕተ ኪሎ ሜትር ርኂቖም፤ ናብ በዓቲ ቅዱስ ሚናስ ብምኻድ ሕይወት ብሕትውና ተተኃኃዝዎ። እቲ ከባቢ ርጉእ ብዘይምንባሩ፡ እቲ ጉዳይ ንናይ’ቲ እዋን ፓትርያርክ ግብጺ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ነገርዎም። አቡነ ቄርሎስ ግና ብመንፈስ ነቲ ጉዳይ ስለዝረኣይዎ፡ “ባሕታውያን ሓበሻ በይንኻ ምዃን እዮም ዝፈትዉ፥ ንዓና ንዅላትና ኪጽልዩልና። ደኃን ኅደግዎም” ብምባል ፍቓድ ሃብዎም። 

አባ ገብረክርስቶስ፡ ካብ’ቲ በዓቶም እናወፅኡውን ማይ ብምውራድን ካልእ ገዳም ዝጠልቦ ዕዮ ብምዕያይን ነቲ ገዳም ዓቢይ ናይ ርድእና ሕይወት ኪንዮ ብቓል ብግብሪ መሃርዎ። ብተወሳኺ ናይ ጸሎትን ትምህርትን ሕይወት ዝያዳ ኵሉ ሕይወቶም ዓብዩ ብምንባሩ፡ “እንታይ ይምገቡ፧” ዝብል ኣብ ነፍስ ወከፍ ገዳማዊ ዓቢይ ሕቶ ኮነ። መልሲ ናይ አባ ገብረክርስቶስ ግና፡ “ክርስቶስ ዝህበኒ መግቢ ኣሎኒ” ኪንዮ ምባል፡ ካልእ ምላሽ ኣይነበሮን። በዚ ዓቢይ መንፈሳዊ ተጋድሎኦም ተደሪኾም ትምህርቲ ብሕትውና ካብኦም ዝተማህሩ ተማሃሮ ነይሮም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳይ ናይ ሎሚ ፓትርያሪክ ሃገረ ግብጺ እዮም። አቡነ ሲኖዳ ብቓሎም ብዛዕባኦም ክምስክሩ ከለ’ዉ “ንዅሎም ቅዱሳን ብታሪኽ ኢና እንፈልጦም፥ ብዓይንና ዝረኣናዮም ቅዱስ ግና አባ ዓብደል መሲሕ እዮም” ይብሉ። 

ኣብ ሃገረ ግብጺ፡ ፍሉይ ትምህርቲ ዝገደፍዎ፡ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ ናይ ብሕትውና ሕይወት ምብርባሮም ዝዓበየ ክኸውን ከሎ፡ “ንቃለ እግዚአብሔር ኣብ ልበይን ቃለይን’የ ዝኅዞ” ብምባል፡ መዝሙር ዳዊት ብቓሎም ብምውፃኦም ግብጻውያን መነኮሳት ብሥርዓት ኣመሃህራ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ከም ዝድነቑ ዝገበሩ ኣቦ እዮም። ኣብ መዝገብ ዝኽርታት ተማሃሮኦም ተጻሒፎም ዘለዉ ጥቕስታት'ውን ዓቢይ ትምህርቲ ዝህቡ እዮም። ውኁዳን ካብ’ኣቶም ንምጥቃስ፦ 

              “ኣነ ዘይፍለጥ ክኸውን’የ ዝፈቱ፤ ከም ታራ ሰብ ከኣ ክፍለጥ እደሊ።” 
              “መግበይ፡ ጽዓተይ፡ ሓኪመይ ክርስቶስ’ዩ።” 
              “ፍልጠት እግዚአብሔር ኣካላዊ ጣዕሚ ኣብ ዝፈቱ ሰብእነት ኣይነብርን’ዩ።” 
              “ብሠናይ ምግባር ዘይተሰነየ ጸሎት፡ ከም መንገብገብ ዘይብሉ ኣሞራ’ዩ።” 
              “ሓረስታይ ዕግበት ዝረክብ፡ ርሂጹ ብዝረኸቦ ሕብስቲ’ዩ። ርሂጽካ ዘየምጻእካዮ ኅብስቲ ግና ሓቀኛ ዕግበት ይህብን’ዩ።” 

አቡነ ሲኖዳ ፓትርያርክ ምስ ኮኑ፡ ናብ’ቶም መምህሮም ዝነበሩ አባ ገብረክርስቶስ ክበጽሑ ከዱ፥ ብዙኅ ዕዮ ከም ዝዓየዩ፤ ብዙኃት አብያተ ክርስቲያናት ከምዘህነጹ ምስ ነገርዎም ግና፡ “ዋይ ወደይ! እሞ እዚ ኵሉ ክትሠርሕ ደኣ፡ መዓስ ጸሊኻ ማለት እዩ?” ኢሎም ብሕቶ መዓድዎም ይብሃል። 

ዕረፍቲ 

ድሕሪ ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ፡ ፓትርያርክ ሃገረ ግብጺ ናብ መንበረ ማርቆስ ዝተቐመጡ ተማሃራይ አባ ገብረክርስቶስ ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳይ እዮም። ኣብ’ቲ እዋን እቲ፡ አባ ገብረክርስቶስ ኣብ በዓቲ ቅዱስ ሚናስ ኮይኖም ናይ ብሕትውና ሕይወት የካይዱ ነበሩ። ካብ’ቲ ቦታ ተበጊሶም ናብ ዶባት ሶርያ፤ በይሩት ብምኻድ ምስ ዝተፈላለዩ ካልኦት ቅዱሳን ይራኸቡ ከም ዝነበሩ ከኣ ይንገር። ልዑል ድሌት ምብጻሕ ቅዱስ ቦታታት ስለዝነበሮም ድማ በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ስለ ዘይዓገቡ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኸዱ ወሰኑ። ነዚ ድሌቶም እዚ ዝተረድኡ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ድማ ብመርከብ ገይሮም ክኸዱ ከም ዘለዎም ኣረዲኦም ብሶርያ ኣቢሎም ናብ ኢየሩሳሌም ክኣትዉ ተላብዮም ኣፋነውዎም። ብድኅሪ’ዚ አባ ገብረክርስቶስ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዝኣተዉ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ፡ በየናይ ዕለትን ኣበየናይ ቦታን ከምዝዓረፉ ዝፍለጥ ነገር የልቦን። ታሪኻዊ መዝገብ ዕለተ ዕረፍቶም ከምዝሕብሮ ግና ኣብ 1970ታት ከምዝዓረፉ ይፍለጥ (ተሰዊሮም ዝብሉ’ውን ኣለዉ)። ነዚ ሃብታም ታሪኽ ብዕለቱን ብዘመኑን ብርጡብ ከይጸሓፍ ዝገበረ ድማ እቲ፡ “ዘይፍለጥ ክኸውን እየ ዝፈቱ፥ ከም ታራ ሰብ ከኣ ክቝጸር እደሊ” ዝብል ጽኑዕ መትከሎም እዩ። 

መደምደምታ 

እዞም ዝኾነ በጻሒ ካብ ትዕዝብቱ ዝድምድሞ፡ መነኮሳት ገዳማተ ግብጺ ብቓላቶም፡ “አባ ገብረክርስቶስ እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ ሎሚ ኣብ ግብጺ ሕይወት ምንኵስና ምተበላሸወ ነይሩ” እናበሉ ዓቢይ ሥራሖም ዘዘንትዉሎም ቅዱስ ኣቦ። ኣብ’ዛ መበቈል ዓዶምን ቦታ ትምህርቶምን ምንኵስናኦምን ዝኾነት ሃገርና ኤርትራ ብዛዕባኦም ዝተኻየደ መጽናዕቲ የልቦን። እዚ ኸኣ እንተ ነፊዕናስ፡ ብዙኅ መጽናዕቲ ዘድልዮ ሃብታም ታሪኽ ከምዘሎና ዘነጽር እዩ። ኣቦታትና ግና ንሃገሮም ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ንኻልኦት አኃት አብያተ ክርስቲያናትውን ኣብነትን ናይ ግብሪ መምህራንን ዝኾኑ እዮም። ንሕና ድማ ኣሰረ ፍኖቶም ተኸቲልና ኣብ መድረኽ ጽድቂ ንወለዶታት መምሃሪ ዝኸውን ታሪኽ ክንሠርሕ ይግብኣና። 

ጸሎትን በረኸትን ቅዱስ ኣቦና አባ ገብረክርስቶስ ምስ ኵላትና ይኹን።

(ምንጪ፦ ማዕዶት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ - ቤ/ት/ሰ/ደ/ግ/መድኃኔ ዓለም ቤ/ክ ፫ይ ዓመት ቍ. ፩ ታኅሣስ ፳፻ወ፬ ዓ.ም.) 

8 comments:

  1. please tell us the source. It is not good.

    ReplyDelete
  2. Qale hywet yesmealna. Dnqi ziena Abew.

    Bflay nezom lomi zelena weledo Abiy tmhrti eyu.

    ReplyDelete
  3. QALE HIWET YESIMEALINA MAEDOTAWIYAN.
    EGZIABHER TISEGUE YEBZUHALKUM.
    YITBAREK AMALKE ABEWINE!

    ReplyDelete
  4. ኣቡና ዓብደልመሲሕ ኣልሓበሺ ሓደ ካብቲ ዝበሎ ቅዱስ ቃል "ስራሕ ዓብደልመሲሕ ስራሕ ብዙሕ ምስ ትሰርሕ ሓደ ሰይጣን ይቃወመካ፡ እንተዘይሰራሕካ ግና ብዙሓት ኣጋንንቲ ይቃለሱኻ" ብሓቂ። ጸሎትን በረኸትን ቅዱስ ኣቦና ኣባ ገብረክርስቶስ ምስ ኩልና ውሉደ ጥምቀት ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ቃለ ህይወት የስምዓልና ማዕዶታውያን ኣምላከ ቅዱሳን በረኸቱ የብዝሓልኩም። http://www.youtube.com/watch?v=8uqfeCUs1ik&feature=related

    ReplyDelete
  5. ሰላም ማዕዶታውያን

    ብጣዕሚ ተሓጒስና። ናይዞም ኤርትራዊ ኣቦ ታሪኽ ብቀጻሊ ይዝረበሉ እዩ። ግብጻውያን ከምዝፈትዎም፤ ንግብጻውያን ዓቢ ትምህርቲ ከምዝገደፉሎም ንሰምዕ። ፊልምውን ሰሪሖሙሎም ኣለዉ። ክሳብ ክንደይ ዓቢ ቅድስና ዝነበሮም ኣቦ ምንባሮም ክንርዳእ ክኢልና። ከምዚ ሕጂ ጀሚርክሞ ዘሎኹም ታሪኾምን ኣበርክቶኦምን ኣስፍሕ ኣቢልኩም ተተውጽኡ ነዚ ወለዶ እዚ (ብርእሰ ምትሓት ክኸውን ይኽእል ብፍላይ ግብጻውያን እምበር ንኤርትራውያን ኣቦታት ዘቖናጽቡ ዘለዉ) ትምህርቱ ኣገዳሲ ምኾነ እብል።

    ሓውኹም።

    ReplyDelete
  6. BEERKETOM YEHDERNA!

    ReplyDelete
  7. በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

    ናብ ክቡራት ኣዳለውቲ ማዕዶት (ብሎግ)

    ትምህርታዊ ጽሑፍኩም ብቀጻሊ እከታተሎ እየ። ተበግሶኹም'ውን ንኡድን ክቡርን እዩ። ግና መንነትኩም ብዘይምግላጽኩምን ስም ብሎግኩም ከኣ ምስ መጽሔት ትምህርቲ ሰንበትና ስለዝተመሳሰለ፤ ገለ ብትምህርቶምን ኣካይድኦምን ብዝወቐስኩሞም ሰባት ገለ ኣሕዋትና ኣደዳ ምፍርራህን ሕሜታን ይኾኑ ስለዘለዉ ፍቓድኩም እንተኾይኑሲ መንነትኩም ብንጹር እንተተግለጹ ጽቡቕ ኮይኑ ይስምዓኒ። እታ ብሎግኹምውን ዝያዳ ተነባቢት ምኾነት። እቶም ተወቒስና ተጸሪፍና ንዝብሉ ከኣ ከምቲ ንስኹም ብጽሑፍ መልሲ ዝሃብኩሞም ንሳቶም'ውን ሰብ ብዘይውዓሎን ብዘይገበሮን ክስቶ ክስቶ ኢሎም ካብ ምጥቃን ነቲ ትምህርቶም ገሊጾም ብጽሑፍ መልሲ እንተዝህቡሉ ጽቡቕ ምኾነ እብል።

    ብዝተረፈ ግና ንዅልና ክፉት ልቢ ይሃበና።

    ሓደ ካብ ደብረ ግእዛን

    ReplyDelete
  8. kemey alokum kburan/t Maeadotawyan? Dhan do alokum? Mechem seytan haqi kiwex'e ms jemere, bluz eyu zg'er.

    Gna bzaeba eza blog ezia aqedimom tehadso (Ab Switzerland zmedeberom l'ukan Atlantawyan) Hawna Awet Frezgi yesenad'a kemzelo Teqisom ab blogom asfiromwo neyrom eyom. bzaebau dma bzuh hasotat xhifom neyrom. yhlef elna sq elna.

    Bdhriu Atlantawyan Tehadso qexilom dma bBiet tmhrti senbet Mekane Genet Kidane Mhret kemtdalo ab America weretatn zeykewn hatewtewn nezihom eyom. Eziwn halifu.

    Bdhriu ab wshti hager nab zelewu ahwat dekike Biete krstiyan dma segirom. Eziwn halifu.

    Hji nsem'o zelona kea neta kab tjmer kebabi 3 Amet ahlifa zela "Maeadot ZeOrthodox Tewahdo" Etbl nay Biet tmhrti senbet Debre Geezan MEdhanie Alem Geza Banda Asmera bsm slezmeseleta tray sebat nab mtqan yguayeyu alewu. Tegerimna neyrna emo loms Armimuna kea. Maedot zbl sm eka bzuh eyu geyru bezi sm ezi kea ab Ethiopian ab Eritreanan bzuh texahifu eyu. mexhiet, mexhaf, kal'ot menfesawyan xhufat . . .

    Slezi neza bxbuq Orthodoxawi menfes t'enbb zela biet tmhrti senbet mtqan elama tehadsoawyan koynom kab zxenhu tel'ekotat hade zkone "Nbietmhrti senabti wey btehadsoawi menfeska mxlaw,wey dma mdkam" zbl elamatatom bteleaaktom gierka mkyad eyu ember kal'e elama yeblomn. Hji wn ezi kihalf eyu.

    Slezi ahwatna ajokum.

    Negeru, "Eti kelbi ynebh; Eti Gemel gna guezou yqxl" eyu.

    ReplyDelete