Friday, March 23, 2012

ገዳም ደብረ መስቀል ጕና ጕናን ጥንተ በዓል መስቀልን (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

2.6 መዕረፊ ፍንጫል (ግማደ) መስቀለ ክርስቶስ
እዚ ገዳም’ዚ ካብ ካልኦት ገዳማት ሃገርና ፍልይ ካብ ዘብሎ ነገር፡ ግማደ መስቀል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐሚጡሉ ዝጸንሐ ቅዱስ መካን ምዃኑ እዩ። ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝንገር ቅዱስ መስቀል ጐይታ ብእሌኒ ንግሥታ ድኅሪ ምርካቡ እቶም ዝቐደሙ ኣቦታት ናይቲ ዘመን’ቲ ንበረኸት በብመናብሮም ተኻፊሎሞ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ሓደ ካብኡ ከኣ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ማርቆስ እያ። ገለ ትውፊት’ውን ኣብቲ ካልኦት መንበራት ዝነበረ ኣብ ብዙኅ ንኣሽቱ በብጊዜኡ ከምዝተማቃቐለን በብጊዜኡ ይጠፍእን መሊሱ ከኣ ይርከብን ምንባሩ ይንገር።

ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ፲፬ ክፍለ ዘመን ብዘመን ሃጸይ ዳዊት አቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን ዝርከብዎ ቅዱሳንን ጻድቃንን ነቲ ግማደ መስቀል  ካብ ግብጺ ከምዝተረከብዎ ዝግለጽ ታሪኽ ኣሎ። ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ፡ ናብ ሃገርና ድኅሪ ምእታዉ ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ኣብዚ ብስሙ ኣብ ዝጽዋዕ ገዳም ደብረ መስቀል ጕና ጕና ኣዕሪፉ ዘደንቑ ተኣምራት ይገብር ከምዝነበረ ይእመን። ኣኻውሕ ከምዝጨደደን እቲ ቀንዲ ክፋሉ ናብ ምድረ ኢትዮጲያ (ደብረ ግሸን) ክቕጸል ከሎ፤ ሓደ ክፋሉ ግና ኣብዚ ገዳም’ዚ (ጕና ጕና) ከምዝተሰወረ ይንገር። ብሓቂ እዚ ገዳም’ዚ ነገረ መስቀሉ ብሰፊሑ ዝንገረሉን፤ በቲ ቅዱስ መስቀል ዝተባረኸ ምዃኑ እሙን ነገር እዩ።

2.7 ተኣምራት
ቅዱስ ኣቦና አቡነ ሊባኖስ ሓደ ካብቲ ተዋሂብዎም ዝነበረ ፍሉይ ጸጋ ብመስቀሎም እናባረኹ ነንቑጽ ምድሪ ብመቋሚኦም ብምውጋዕ ማይ ከምዘፈልፍል ምግባር እዩ። ኣብ ዝኸድዎ ከኣ ነዚ ተኣምራት ይገብሩ ነበሩ። ገድሎም’ውን ከምዝገልጾ ኣብዚ ገዳም’ዚን ከባቢኡን ዘይነጽፋ ብዙኃት ኣዕይንቲ ማያት ኣፈልፊሎም ከምዝነበሩ እዩ። እቲ ዘፈልፍልዎ ማይ ከኣ ክሳዕ ሎሚ ማየ ጸሎት ኮይኑ ንብዙኃት ካብ ዝተፈላለየ ዓይነት ድናሴን ሕማማትን የኅዊ ኣሎ። ኣብ ከም ብዓል መጠራ ባረክናሃ ጕና ጕና ኣብ መቓርቕሮ ኣኻውሕን መሸጐራጉር በዓትታትን ዝረአ ኣዕጽምቲ ቅዱሳን’ውን ሓደ ናይዚ ከባቢ ፍሉይ ጸጋ እዩ።

2.8 “ሆየ ሆየ”
ብዘመነ ጥንቲ እቶም ብአቡነ ሊባኖስ ዝተገደሙ ኣብ ከባቢ ደብረ ወርቅ ዝርከቡ ገዳማት ምስ ዓበይቲ ዓድን ብምዃን እንተላይ ካብ ስዩማንን ልዑላን ሕዝብን ርሑቕ ከባቢታት ሠራዌን ጒሎ መኸዳን (ኣቡነ ሊባኖስ ገዳማት ገዲሞም ዝነበሩ ከባቢታት)፡ ዕለት በዓለ መስቀል ከካብ ገዳማቶም ኣብ ገዳም ጒና ጒና ይእከቡ ነበሩ እሞ እቶም ምእመናን ሽግ ሰሪሖምን ኣብሪሆምን “ሆየ ሆየ” እናበሉ ብዓቢይ ድምቀት በዓለ መስቀል የኽብሩ ምንባሮም ይንገር። እምበኣር ዳሜራ እናገበርካን ሽግ እናወልዓኻን ብርሃነ መስቀል ምኽባር ናይ ጥንቲ ሥርዓትን ትውፊትን ምዃኑ ካብ ዘረድኡ ታሪኻውያንን ቅዱሳንን መካናት እዚ ገዳም እዚ እዩ። እዚ ትውፊቲዚ ኣብ ሃገርና ካብ ፬-፭ ክፍለ ዘመን ከምዝጀመረ ክንርዳእ ንኽእል።

ድኅሪ በዓለ መስቀል ከኣ ኣብ ሰሙኑ ኣብ ደብረ ወርቅ ተጋቢኦም ስለ ምምሕዳሮምን ካልእ ጒዳያት ጒስነትን ቤተ ክርስቲያንን ይዝትዩን ይመኽሩን ከምዝነበሩ ይንገር።

3.    መደምደምታ
ሃገርና ኤርትራ ብብዙኅ ቅዱስ ታሪኽን ቅዱሳንን ገድሎምን ዝተመልአት እያ። ብዝግባእ መገዲ ይትረፍ ብውሑድ መጠን እኳ ብኣካላት ቤተ ክርስቲያን ግና ክሳዕ ሕጂ ኣይተጸንዐን። እዚ ሓድሽ ወለዶ’ዚ ኸኣ ዝቐደመ ታሪኽ ቅዱሳኑ ክፈልጥ፤ ነቶም ኣብ ምህሳስን ምጥፋእን ዘለዉ ገዳማቱ ከኣ ኵሉ መደያዊ ቖላሕታ ክህቦም ይግባእ። ንትንሣኤኦም ከኣ ዝከኣሎ ክገብር ነጋሪን መዓዲ ዘድልዮ ኣይኮነን። ህላዌን ዕብየትን ቅዱሳን ገዳማትና፤ መሠረት ዕብየት ቤተ ክርስቲያንና እዩ። ማእከን ቅድስና፤ ማእከን ጸሎትን ትሩፋትን፤ ማእከል ትምህርትን ምዕቃብ ጥንታዊን ርቱዕን ሃይማኖትን ሥርዓትን፤ ማእከል ታሪኽን ቅርስን ወቦ ዘተርፈ ብቀዳምነት ዝጥቐሱ ገዳማትና እዮም። ነዚ ሕያው ታሪኽ ክዅልዖን ከፍትሾን ኣብ ዝባን እዚ ወለዶ’ዚ ዓቢይ ሓላፍነት ከም ዘሎ ምፍላጥ የድሊ። እቶም ዘለዉ ዓበይቲ ኣቦታትና ብሕይወተ ሥጋ ከለዉ፤ ታሪኽ ምስናድን ምሕታትን ምምርማርን ከኣ ኣገዳሲ እዩ።
በረኸትን ረድኤትን ክቡር መስቀሉን ጸሎት ቅዱሳን ኣቦታትና ይራድኣና።

መወከሲ፦
ገድሊ አቡነ ሊባኖስ ዘገዳመ ሃም (ብራና)
ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፤ ይትባረክ በርሀ (ዘውገ ምሁራን)
ታሪክ ገዳማት ዘምድረ አግአዚት (መሪ/ብርሃነ መስቀል)
C. Conti Rossini, Il Gadla Libanos", Ricordi di un soggiorno in Eritrea(Amara, 1903), III.

No comments:

Post a Comment